ቕነ ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን ብስእሊ፡ ካብ 16-22 ሕዳር 2018

Published

ሙሩጻት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን።

መበል 1448 ልደት መሓመድ ንብዓል ዝተኣኻኸቡ ዜጋታት ሞሮኮ
መግለጺ ስእሊ, ብሰኑይ፡ ሞሮኮውያን በዓል መውሊድ ኣን ከተማ ሳሌ ኣብዒሎም።
ህጻናት ሊቢያ ከተማ ቤንጋዚ በዓል መውሊድ ኣኽቢሮም
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣጋ ምሸት፡ ህጻናት ሊቢያ ከተማ ቤንጋዚ በዓል መውሊድ ኣኽቢሮም
ደርሁ ዝጸረ ሰብኣይ
መግለጺ ስእሊ, እዚ ድማ ኣብ መቐለ'ዩ። ደራሁ ክሸይጥ ንዕዳጋ ዝወፈረ ሰብኣይ
ኣብ ድሮ በዓል መውሊድ ዝተዳለው ባህላዊ ሽኮር ዘለዎም ካረሜላታት ዝሸይጥ ሰብኣይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ግብጺ ካይሮ፡ ሙቁራት ነገራት (ጣዕሚ ሽኮር ዘለዎም) ዝሰርሕ ወዲ፡ ንመሸጣ ዘዳለዎም ከረሜላታት
ደገፍቲ ሕጹይ ፕሬዝደንታዊ ተነሓናሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ
መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ንዝካየድ መረጻ ጎስጓስ ይካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ተቓዋሚ ፓርቲ እታ ሃገር፡ ንሕጹይ ማርቲን ፋዩሉ ንምድጋፍ ዝሓለፈ ሮቡዕ ናብ ጎደናታት ወጺኦም
16 ሕዳር 2018.
መግለጺ ስእሊ, ብዓርቢ፡ ጉጅለ ተጓሰጥቲ ዊልቼር ኬንያ ኣብ ስልጠና
ኬንያውያን ተጓሰጥሪ ዊልቼር
መግለጺ ስእሊ, ነንሓድሕዶም ብምጉሳጥ ይለማመዱ ዘለዉ ኬንያውያን ተጓሰጥሪ ዊልቼር
ኣብ ጥቓ እኩብ ጀሪካናት ፕላስቲክ ጠጠው ዝበለ ሰብኣይ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዋና ከተማ ኣብዲጃን - ኣይቮሪኮስት፡ ብሓደ ሸያጣይ ንምርኢት ዝቐረበ ሕብራዊ እኩብ ጀሪካናት

ስእሊታት ካብ፡ AFP, EPA, Reuters ከምኡ'ውን Getty Images