ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንህልዉ ኩነታት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ጻውዒት

ካቴድራል ኣስመራ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንህሉው ኣሻቓሊ ኩነታት ብዝምልከት ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ሰላም፡ ፍትሒን ግዝኣተ ሕጊን ክነግስ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ሎሚ 20 ሕዳር 2026 "ንሰላም ድለያ ሰዓባ'ውን" ብዝብል ኣርእስቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን "ናብ'ቶም ሓቂ ዘፍቅሩን ግዝኣተ ሕጊ ዘኽብሩን" ዝበልዎም ወገናት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ክንዲ ንኲናት ንሰላም ክጽዕቱ ተላብዮም።

"ኣብዚ በዳሂ ኲነትን ሃለዋትን ዞባና፡ ንመራሕቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ውድባትን ብሓላፍነት ዚሓቶም፡ ኣብ ዝባኖም'ውን ነቕ ዘይብል ተሓታትነት ዘውድቐሎም ምዃኑ ተረዲኦም፡ ንረብሓን ሰላምን ምዕባሌን ሕዝብታት'ዚ ዞባ ኪሰርሑን ኪነቕሑን" እቲ ብስም ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዘበኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍ ይጽውዕ።

"ካልእ ኲሉ ሓዲጎም እውን ሕይወት ሰባት ዚድሕነሉን፡ ውሕስነት ዚረኽበሉን፡ ብሰላም ዚምዕብለሉን መጻኢ ኲነታት ኣብ ምጥጣሕ ኪነጥፉ ንሰላምን ሰላማዊ ህልውናን ጒርብትናን ድልዱል መሰረት ከንጽፉ" እቶም ጳጳሳት ተማሕጺኖም።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናዓረገ ዝመጸ ምትፍናን፡ ወጥሪን ረጽሚን ናብ ዝኸፍአ ዳግማይ ኲናት ከየምርሕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዮም እቶም ጳጳሳት ነዚ መልእኽቲ ኣውጺኦም ዘለዉ።

"ኣብ መንጐ'ዚ ኲሉ ኣብ ዙርያና ከቢቡ፣ ኣብ ልዕለና ኣዝቢቡ ዘሎ ኲነታት ኮይንና ክንሕፈልኩም ከሎና፡ በቲ ዝተዋህበና መንፈስ ቅዱስ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልባትና ስለ ዝፈሰሰ፣ ኣብ'ዚ ዓመታት'ዚ በብግዜኡ እንነብሮን ዘሎና ናይ ኲናትን ጥፍኣትን ሃለዋት ምሳና ኮይንኩም ከተስተንትኑ ንዕድመኩም" ኢሎም።

መራሕቲ ሃገራት "ንዂሉ ናይ ጸብለልትነት መንፈስ ኪገድፉ፡ ነታ መሰረት ምልኣት ሕወይትን ሓጎስን ዝኾነት ሰላም ኪደልዩዋን ኪኽተልዋን ንምሕጸን" ክብሉ'ውን ኣብ መልእኽቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ልኡላውነትን ሃገራት ክኽበር'ውን ጸዊዖም ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ መንጐ ሃገራት ሕዝብታት ዘሎን ዚህሉን ርክብ ብመደብ ፍትሕን ርትዕን ኪስረት የድሊ፣ ናይ ሰባትን ናይ ሃገራትን ኣህጉራትን ናጽነትን ልዑላውነትን ህላውነትን" ክኽበር ኣለዎ ብምባል ድማ "ኣብ ናይ ጸብለልትነትን ገባትነትን ነኣይ ጥራሕ ይጥዓመኒ ካብ ዚብል ኣገባባትን ወጺእካ፣ ብናይ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ቅኑዕ መደብ ምክያድ የሓትት" ክብሉ ምዕዶምን ገሲጾምን።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ካብ 2023 ኣትሒዞም ኤርትራዊት ወደብ ዓሰብ ናይ ሃገሮም ከምዝኾነት፡ ከምኡ'ውን ልኡላውነትን ናጽነት ኤርትራ ኣብ ሕቶ ምልክት ዝኣቱ ምዃኑ ክገልጹ ምጽንሖም ንኤርትራውያን ኣቖጢዕዎም ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ከም ህወሓት ዝበሉ ጉጅለታት "ጽምዶ" ብምፍጣሩን ወተሃደራዊ ደገፍ ምሃቡን'ውን ነቲ ኩነታት ከምዝዓርግ ገይሩዎ ኣሎ። ገለ ሰበስልጣን ኤርትራን ግን ነቲ ኣዲስ ኣበባ እተቕርቦን ክስታት ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ ሰፊሕ ግፋ ክካየድ ከምዝጸንሐን፡ ሓይልታት እታ ሃገር ናብ ዶባት ክጽግዑ ከምዝጸንሑን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ መነባብሮ ህዝቢ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝብኣሰ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጥራይ ዓቢ ናህሪ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ የጋጥም ከምዘሎን ይንገር።

እዞም መራሕቲ ሃይማኖት፡ "ቤተክርስትያን ኣብ ናይ ሰባት ሓጐስን ተስፋን ሓዘንን ክትሳተፍ ግድን ስለዝኾነ፡ ንሕና እውን ኣብ'ዚ እትሽከምዎን እትነብርዎን ዘለኹም ስቓያት ተሳተፍቲ ምዃንና ንገልጽ።

"ምስ'ዚ'ውን ብዛዕባ'ዚ ስቓያትኩም ገለ ዘጸናንዕ ዜብርህን ቃላት ካባና መንፈሳውያን ኣቦታትኩም ከም እትጽበዩ ነኣምን።

"ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኲነታት ብቓልና ኮነ ብመልእኽትና ከም ዘመሓላለፍናልኩም እትዝክርዎ እዩ። ኣብ'ዚ መልእኽቲ'ዚ እምበኣር፣ ኣብ'ዚ እተሓልፍዎ ዘሎኹም ጽንኩርን ዘይንቡርን ኲነታት፣ ኣብ ጎድንኹም ከምዘሎና እናገለጽና፣ ብመንጸር'ዚ እነሕልፎ ዘሎና መከረይና እዋን፣ እምነትና እንታይ ዚብለና፣ ወይ ኣየናይ ሓሳብ ከም ዘቕርበልና ከነሳትፈኩም ግቡእ ኮይኑ ራእዩና" ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ።

ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ንህልዉ ኩነታት ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ጻውዒት

ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንመገደራ ህዝቢ ኣመልኪቶም ሳሕቲ ኣብ ዘውጽእዎ ፍሉይ መልእኽትታት ንምሕደራን መሪሕነትን መንግስቲ ክነቕፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ 2018 ፕረዚደንት ኢሳይኣስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢን ስምምዕ "ሰላምን ምሕዝነትን" ድሕሪ ምፍራሞም፡ እቶም ጳጳሳት እቲ ዕርቂን ሰላምን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ'ውን ክፍጸም ተማሕጺኖም ነይሮም።

ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2019 ዘውጽእዎ 'ሰላም ለርሑቃን ሰላም ቅሩባን' ብዝብል መልእኽቶም፡ ኣብ ኤርትራውያን አሕዋት ንዘሎ ፍልልይ፣ ጽልእን ቅርሕንትን ብዕርቀ ሰላምን ፍቕርን ክፍወስን፡ እሱራት ክፍትሑን ጸዊዖም ነይሮም።

እቲ መልእኽቲ ድሕሪ ምውጽኡ መንግስቲ ኤርትራ ነተን ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዝነበራ ትካላት ጥዕናን ትምህርቲን ከምዝሃገረን ይዝከር።

እቶም ጳጳሳት ብወገኖም ኣብ መስከረም ናይቲ ዓመት ሰብመዚ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን ብምህጋሩ ከቢድ ቅሬታ ከም ዝተሰመዖም ናብ መንግስቲ ወግዓዊ ደብዳበ ብምጽሓፍ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ጥቅምቲ 2022 ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ ንዝኾኑ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ፡ ምኽንያቱ ዛጊት ብዘይተፈልጠ ብሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ከምዝተፈትሑ ይዝከር።

ኣብ 2014 እውን "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ!" ኣብ ዝብል ጽሑፎም፡ ብጃምላዊ ህልቂት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምስትንታን፡ እቲ ቀንዲ ፍልሰትን ጥፍኣትን መንእሰያት ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ግዜኡ ክምለስ፣ ኣብ ምሕደራ ዘሎ ብልሽውና ተለልዩ ክምሖ ጸዊዖም ምንባሮም ይፍለጥ።

ጳጳሳት ናይታ ቤተክርስትያን ኣብ 2001 ኣብ ዘውጽእዎ "ነዛ ሃገር'ዚኣ እግዚኣብሔር የፍቅራ'ዩ" ዝብል ተመሳሳሊ መልእኽቲ፡ ኵናት፡ ንህንጸትን ምዕባሌን ንድሕሪት ዚጐትት፣ ማሕበራዊ፣ ስነ-ልቦናውን መንፈሳውን መዳያት ወዲ ሰብ ከም ዝጎድእ ብምጥቃስ፡ "እዛ ብሰንኪ ኩናት ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ወዲቓ እትርከብ ኤርትራ፡ ብፍቕርን ሓድነትን ክትሕደስ ይግባእ" ክብሉ ምዒዶም ምንባሮም ይዝከር።