ትሪፖሊ፡ ኣብ መዳጐኒ ኣስገርቲ ልዕሊ 480 ኤርትራውያን ተታሒዞም

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ትሪፖሊ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ኣብ ሓደ መዳጐኒ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ፡ 483 ሕጋዊ ሰነድ ዘይብሎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ማዕከን ዜና ሊብያ ኦብዘርቨር ገሊጹ።
መንቀሊ ናይዚ ስጕምቲ፡ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ዜጋታት ከም ዝተጨውዩ ዝሕብር ሓበሬታ ድሕሪ ምብጻሑ እዩ። ካብኣቶም እቲ ሓደ ብሰንኪ ዝወረዶ ብርቱዕ ስቓይ ክመውት ከሎ፡ ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግና ዛጊት ኣይተፈልጠን።
በዚ ምኽንያት፡ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ደቡብ ትሪፖሊ ምስ ቅትለት፡ ምጭዋይን ስቓይን ዝተኣሳሰረ ገበናዊ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ።
መርማሪ ዓቃቢ ሕጊ ናብቲ ዝሞተ ኤርትራዊ ሬሳ ዝተረኽበሉ ስፍራ በጺሑ መርመራ ኣካዪዱ፤ እቲ ቦታ ንስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምሕባእን ምስጋርን ተባሂሉ ዝተዳለወ ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጹ።
ነቶም ስደተኛታት ከዕቍብ ዝጸንሐ ውልቀሰብ'ውን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ።
እቶም 483 ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብመንገዲ ምድረበዳ ሰሃራ ኣቢሎም ናብ ሊብያ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዘካይድዎ ጕዕዞ ንምቕጻል፡ ንሊብያ ከም መሳጋገሪት መዕረፊት ዝተጠቀሙላ እዮም።
ብመሰረት ጸብጻባት ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት (IOM)፡ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ከምኡ'ውን ትካል ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ (Frontex)፡ ሊብያ ንዓመታት ኣውራ መዋፈሪት "መስመር ማእከላይ ባሕሪ" ኰይና ትቕጽል ዘላ እያ።
በዚ ሓደገኛ መስመር ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝፍትኑ ስደተኛታት ዓመታዊ ብኣሽሓት ይቝጸሩ።
ዓመታዊ ካብ 15,000 ክሳብ ልዕሊ 25,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝካየድ ጕዕዞ ብሓለዋ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ናብቲ ሕሱም መዳጐኒ ማእከላት ክምለሱ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ድማ ኣብቲ ማዕበላት ባሕሪ ህይወቶም ይስእኑ።
ትካል "ፕሮጀክት ዝጠፍኡ ስደተኛታት" ከም ዝመዝገቦ፡ እዚ መስመር'ዚ ካብቶም ኣብ ዓለም ንስደተኛታት ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ መንገድታት ሓደ እዩ።
እዚ ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ንዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘስካሕክሕ መጭወይትን ንግዳያት ብምስቓይ ስድራቤቶም ልዑል መጠን ገንዘብ ክኸፍሉ ብምግባርን ንዝካየዱ ገበናት ዘንጸባርቕ እዩ።
ኣብ ከም በኒ ዋሊድን ትሪፖሊን ዝኣመሰሉ ከባቢታት ዝንቀሳቐሱ ኣስገርቲ፡ ንስደተኛታት ኣብ ምስጢራውያን መኽዘናት (መዝርዓ) እዮም ዝዓጽውዎም። ስድራቤቶም ብኣሽሓት ዝቝጸር ዶላራት ክሳብ ዝኸፍሉ ድማ ብኤለክትሪክን ምቕጥቃጥን ስቓይ የውርዱሎም።
እቲ ብሰንኪ ስቓይ ዝሞተ ኤርትራውን እቶም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣርባዕተ ዜጋታትን ድማ ናይዚ ኢሰብኣዊ ኣሰራርሓ ግዳያት እዮም።

ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ መዕቈቢ ማእከላት ከም ዝተመሓላለፉ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ዘለዎም ዘይሕጋዊ ጻንሒት መዓልቦ ንምግባር ምዃኑ ተሓቢሩ።
ይዅን'ምበር፡ እዞም መዕቈቢ ማእከላት ንባዕሎም ካልእ ሓደጋ ኰይኖም ይርከቡ። ብመሰረት ጸብጻብ ልኡኽ ምጽራይ ሓቂ ሕቡራት ሃገራት፡ እዞም ቦታታት ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ጾታዊ ዓመጽን ዝፍጸመሎም እዮም።
ብተወሳኺ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣብዞም ማእከላት ዝፍጸም ዘሎ ግህሰታት ክሳብ "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ክበጽሕ ከም ዝኽእል ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቑ እዩ።
እዚ ኵነታት ምስቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዘተኣታትዎ ዘሎ ፖሊሲታት ስደት ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ንሓለዋ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ቍጠባውን ስትራተጅያውን ደገፍ ይህብ ኣሎ።
እዚ ሓገዝ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ከይሰግሩ ኣብ ባሕሪ ንምዕጋት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና ሓያል ነቐፌታ ገጢሙዎ ይርከብ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከም ዘመልክቶ፡ ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ምስ ተመልሱ፡ ካልኣይ ግዜ ናብ ኢድ ኣስገርቲ ይወድቁ። በዚ ድማ እቲ ዑደት ስቓይን ጭውያን ብቐጻሊ ይደጋገም ኣሎ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ዝዀነ ዓይነት ዲፕሎማስያዊ ሓለዋ ስለ ዘይብሎም፡ ኣብ መርበባት ናይዞም ኣስገርቲ ንኽኣትዉ ዝያዳ ተቓላዕቲ ከም ዝገብሮም ይግለጽ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ስቓይን ደው ክብልን ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘድልዮም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታታት ዝሰጋገሩሉ ሰብኣዊ መተሓላለፊታት ክፍጠርን ብተደጋጋሚ ጸውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
