ሶማልያ ኣምባሳደር ኢማራት ሰጒጋ ኣቡዳቢ ምላሽ ሂባ - እንታይ ክስዕብ'ዩ?

ሶማልያ ኣምባሳደር ኢማራት ሰጒጋ ኣቡዳቢ ምላሽ ሂባ - እንታይ ክስዕብ'ዩ?
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሞቓድሾ ንኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ምእዛዛን ኣብ ኣቡዳቢ ንዝርከብ ኣምባሳደራ ድማ ምጽውዓን ስዒቡ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድና ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ ኣሎ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ጕዳይ ሉዓላውነት፡ ጸጥታን ዞባዊ ጽልዋን ዝተላዕለ ምስሕሓብ ብኸቢድ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

እዚ ብቀዳማይ ምኒስተር ሓምዛ ዓብዲ ባረ ዝተመርሐ ኣኼባ ካቢነ ምኒስተራት ሶማልያ ድሕሪ ምዝዛሙ ዝተኣወጀ ስጕምቲ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ዞባዊ ምምሕዳራት ሶማልያ ብዝተገብሩ ናይ ጸጥታ ስምምዓትን ናይ ወደባት ውዕላትን ወጥሪ ዳግማይ ካብ ዝለዓል ንደሓር፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘጋጠመ ዝኸበደ ዲፕሎማስያዊ ምፍሕፋሕ ኰይኑ ኣሎ።

ምኒስተር ዜና ሶማልያ ዓብዱልፋታሕ ቃሲም፡ እቲ መንግስቲ ነቲ "ቀጻሊ ኢድ ኣእታውነት ኢማራት ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ሶማልያን ጥሕሰት ሃገራዊ ሉዓላውነትን" ዝበሎ ንምምላስ፡ ተኸታታሊ ስጕምትታት ከም ዘጽደቐ ገሊጹ።

ንኣምባሳደር ኢማራት ካብ ምስጓጕን ንኣምባሳደር ሶማልያ ንምምኽኻር ካብ ምጽዋዕን ብተወሳኺ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኢማራት ዘለዎ ክስታት ንመንግስታት ወጻእን ዓለምለኻውያን ውድባትን ከም ዘብርህ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ንሉዓላውነት እታ ሃገር ጐዳእቲ ኢሉ ኣብ ዝቘጽሮም ንጥፈታት ዝተሓባበሩ ውልቀሰባት ወይ ጕጅለታት ዘይተገልጸ ስጕምቲ ክውሰዶም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እዚ መግለጺ ዝወጽአ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ንኣቡዳቢ ምስ ዞባዊ ምምሕዳራት ብቐጥታ ስምምዓት ብምግባርን ካብ ቍጽጽር ፈደራል ወጻኢ ንዝንቀሳቐሱ ኣቃውማታት ጸጥታ ብምድጋፍን ንሓድነት ሶማልያ ተዳኽም ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ።

ፕረዚደንት ማሕሙድ ብተለቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢማራት "እምነት ሶማልያ ከም ዝጠለመት" ን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ንዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ኣበርክቶ ከም ዝገበረትን ከሲሱ።

ሶማልያ ነዚ ስጕምቲ ስለምንታይ ወሲዳቶ?

ፕረዚደንት ኢማራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን

ሞቓድሾ እቶም ስጕምትታት ንሉዓላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ንምክልኻል ዝዓለሙ ምዃኖም ትገልጽ።

ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኢማራት ንፈደራላውያን ሰበ-ስልጣን ብምስጋር ምስ ዞባዊ ምምሕዳራት ዝምድና ብምህናጽን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፈደራል መንግስቲ ንዘየለዉ ናይ ጸጥታ መሓውራት ብምድጋፍን ይኸስዋ።

እቲ ምስሕሓብ ኣብ ጥሪ፡ ሶማልያ ምስ ኢማራት ዝነበሩዋ ናይ ወደባት ምሕደራ፡ ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን ዝሽፍኑ ስምምዓት ምስ ሰረዘት እዩ ዝያዳ ተጋዲዱ።

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ ዝምድና ብቐጻሊ እናንቈልቈለ ብምምጻእ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ዝለዓለ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ በጺሑ ኣሎ።

ግብረመልሲ ኢማራት

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ክስታት ሶማልያ ብምንጻግ፡ ነቲ "ወጥሪ ዘጋድድን ተጻባኢ ኣገባብ" ብምባል ኰኒናቶ።

ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኢማራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ሶማልያ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት ንክልተኣዊ ዝምድና ከበላሽዉን ንረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ከዳኽሙን ብምፍቃዱ ከሲስዎ።

እቲ ምኒስትሪ ንዝምድና ሃገራት ዝጸልዉ ውሳነታት፡ ኣብ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጸብጻባት ዘይኰነስ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝተመስረቱ ክዀኑ ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ኢማራት ነቲ ምስራዝ ክልተኣዊ ስምምዓት ሓዊሱ "ተጻባኢ ተግባራት" መንግስቲ ሶማልያ ዝበለቶ ብምጥቃስ፡ ኣብ ጥሪ ድሮ ኣብ ሞቓድሾ ዝነበረ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወትን ዲፕሎማስያውያን ሰራሕተኛታታ ከም ዝሰሓበትን ኣመልኪቱ።

እቲ ምስሕሓብ እኳ እንተሎ፡ ኣቡዳቢ ምስ ህዝቢ ሶማልያ ብዘለዋ ነዊሕ ዕድመ ዘቝጸረ ዝምድና ከም እትሕበንን ነቲ ርክብ ንምዕቃብ ድልውቲ ምዃናን ገሊጻ።

እቲ ምልውዋጥ ክስታት እናወሰኸ ውልቃዊ መልክዕ እናሓዘ መጺኡ ኣሎ። ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢማራት ኣንዋር ጋርጋሽ፡ ንፕረዚደንት ማሕሙድ ካብ ሃገራዊ ረብሓታት ንላዕሊ ፖለቲካዊ ጸብጻባት የቐድም ኣሎ ብምባል ነቒፍዎ።

ምኒስተር ምክልኻል ሶማልያ ኣሕመድ መዓሊም ፈቂ ብወገኑ፡ ንኢማራት ግጭታት እተጓሃህር፡ ፖለቲካዊ ተኣማንነት ብገንዘብ እትዕድግን ሉዓላውነት ካልኦት ሃገራት እተዳኽምን ኢሉ ብምኽሳስ ምላሽ ሂቡ።

ኣብ ዝሃቦ ተሪር መግለጺ ድማ፡ "ገንዘብኩም ድሌትና ኣይዕድግን፡ ሓድነትና እውን ኣይሰብርን እዩ" ኢሉ።

ተቓውሞ ሶማሊላንድን ዞባውያን ምምሕዳራትን

እቲ ምስሕሓብ ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ዘሎ ዓሚቝ ምክፍፋል እውን ኣቃሊዑ እዩ።

ሞቓድሾ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ኢማራት ዝነበሩ ስምምዓት ምስ ሰረዘት፡ ምምሕዳራት ሶማሊላንድ፡ ፑንትላንድን ጁባላንድን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምስ ኣቡዳቢ ዘለዎም ሽርክነት ከም ዝቕጽል ኣትሪሮም ገሊጾም ነይሮም እዮም።

ሶማሊላንድ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሶማልያ ኣብ ናይ ወጻኢ ዝምድናኣ ጽልዋ ንምግባር እትገብሮ ፈተነታት ብምንጻግ፡ ኣህጉራዊ ሽርክነታታ ኣብ ትሕቲ እቲ ሉዓላዊ ስልጣነይ እትብሎ ከም ዝካየዱ ትምጕት።

ንፈደራል መንግስቲ ሶማልያ ግን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስምምዓት ንሃገራዊ ሓድነትን ማእከላይ ስልጣንን ዝብድሁ እዮም።

ካቢነ ምኒስተራት ሶማልያ ኣብ ኣኼባ

ዝምድና ሶማልያን ኢማራትን ኣብ መንጐ ምትሕብባርን ወጥርን ክቀያየር ጸኒሑ እዩ።

ኢማራት ሰብኣዊ ሓገዝን ደገፍ ልምዓትን እናሃበት፡ ኣብ ወደባት፡ ትሕተ-ቅርጽን መደባት ጸጥታን ወፍሪ ብምግባር ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ኣገደስቲ መሻርኽቲ ሶማልያ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኰይና ጸኒሓ እያ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ጕዳይ ሉዓላውነትን ፖለቲካዊ ጽልዋን ዝለዓሉ ምስሕሓባት ነቲ ዝምድና ብተደጋጋሚ ክጸልዉ ጸኒሖም እዮም።

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝፍለጡ ፍጻመታት ኣብ 2018 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ካብ ሓንቲ ነፋሪት ኢማራት 9.6 ሚልዮን ዶላር ሃጊሮም ነይሮም። ሶማልያ ነቲ ገንዘብ ትምርምሮ ከም ዘላ ክትገልጽ ከላ፡ ኢማራት ግን እቲ ገንዘብ ንወተሃደራትን ሰልጠንትን ሶማልያ ዝተመደበ ምዃኑ ኣትሪራ ገሊጻ ነይራ።

ስዒቡ ኢማራት ኣብ ሶማልያ ዝነበራ መደባት ወተሃደራዊ ስልጠና ኣቋሪጻቶ፣ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት ክስታት እውን ነጺጋቶ።

እንታይ ክስዕብ ይኸውን?

ምስጓጕ እቲ ኣምባሳደርን ምጽዋዕ ልኡኽ ሶማልያን፡ ናብ ወግዓዊ ምብታኽ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣይበጽሐን።

ክልቲኦም መንግስታት ምብታኽ ዝምድና ኣይኣወጁን፤ ክልቲኦም ወገናት ድማ ምስ ህዝቢ ሶማልያ ዘለዎም ርክብ እናኣጕልሑ ይቕጽሉ ኣለዉ።

ይዅን እምበር፡ እዞም ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለታት፡ ነቲ ካብ ዲፕሎማሲ ሓሊፉ ናብ ሕቶታት ፈደራላዊ ስልጣን፡ ዞባውያን ኪዳናትን ጽልዋ ሓይልታት ወጻኢ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ምስሕሓብ ዓቢ ምግዳድ ዘመልክቱ እዮም።

ክልቲኦም መንግስታት መርገጺኦም እናትረሩን ዞባዊ ምምሕዳራት ንስልጣን ሞቓድሾ እናበድሁን ኣብ ዝቕጽሉሉ እዋን፡ ቅልጡፍ ዕርቂ ናይ ምግባር ተኽእሎ ርሑቕ ይመስል።

እዘን ዝመጻ ሰሙናት፡ እቲ ምስሕሓብ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ምፍሕፋሕ ጥራይ ይድረት ድዩ ወይስ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ንምትሕብባር ጸጥታ፡ ንግድን ወፍርን ዝጸሉ ሰፊሕ ጂኦ-ፖለቲካዊ ነቓዕ ይፈጥር ዝብል ክውስና ከም ዝኽእላ ይግመት።