ንኤርትራን ካልኦት 11 ሃገራት ኣፍሪቃን ዝጸንዐ እገዳ በረራ ሕብረት ኣውሮጳ

ሓንቲ ካብ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኤርትራ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እትርከበን 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸንሐ እገዳ በረራታት ኣየር ከም ዘጽንዖ ገሊጹ። ካብዘን ሃገራት ዝተመዝገባ 87 ትካላት በረራ ኣብቲ ዝተመሓየሸ መዝገብ ውሕስነት በረራ ገና ከም ዝርከባ ኣፍሊጡ።

እዚ እገዳ ዝጸንዓለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ (ብራዛቪል)፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ጊኒ፡ ላይበርያ፡ ሊብያ፡ ሳኦ ቶመን ፕሪንቺፐን፡ ሴራሊዮንን ታንዛንያን እየን።

ብመሰረት ሕጊ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብዘን ሃገራት ወረቐት ምስክር ብቕዓት ዝረኸባ ትካላት በረራ ናብ ሰማይ ኤውሮጳ ክበራ ወይ ኣብ መዓርፎታት ነፈርቲ ኤውሮጳ ክዓልባ ኣይፍቀደለንን እዩ።

እዚ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ንኤርትራ ሓድሽ ዘይኰነስ፡ ንሓያሎ ዓመታት ክቕጽል ዝጸንሐ እገዳ እዩ። እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ንናይ ኤርትራ ሃገራዊ ትካል (ኤርትሪያን ኤርላይንስ) ዝምልከት ኰይኑ፡ እቲ ትካል ብቐጥታ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ መገሻ በረራታት ከካይድ ይኽልከል።

እዚ እገዳ ዝተነበረሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስቲ ዓለምለኻዊ ውድብ ሲቪል ኣቪዬሽን (ICAO) ዘቐምጦ ናይ ቍጽጽር፡ ናይ ሰነዳት ምሕደራን ቴክኒካዊ ናይ ውሕስነት መዐቀኒታትን ዝተኣሳሰረ እምበር፡ ምስ ፖለቲካዊ ጕዳያት ዝተተሓሓዘ ከም ዘይኰነ ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ የረድእ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ ካብ ናጽነት ክሳብ 2003 ቤት ጽሕፈት መሸጣ ትኬትን ናይ ምድሪ ኣገልግሎት ጥራይ ዝህብ ኰይኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2003 እዩ ወግዓዊ ስራሕ በረራ ስራሕ ጀሚሩ።

ሽዑ ብኽልተ ዓበይቲ ቦይንግ 767 ነፈርቲ (ሓንቲ ብክራይ፡ ሓንቲ ብዕድጊ) ናብ ስራሕ ብምእታው፡ ዋላ'ኳ ብተግባር ብሓንቲ ነፋሪት ይንቀሳቐስ እንተ ነበረ፡ ከም ጀማሪ ትካል ክትደፍሮም ዝኸብዱ ርሑቓት ሃገራት ኤውሮጳ ይበርር ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

እቲ መንገዲ ኣየር ንኣስመራ ብቐጥታ ምስ ፍራንክፈርት፡ ሮማ፡ ሚላኖን ኣምስተርዳምን፡ ከምኡ'ውን ምስ ጅዳን ዱባይን የራኽብ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ድሕሪ ኲናት 1998 ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝተሰጒጉ ሰፊሕ ተመኵሮ ዝነበሮም ኣብረርትን ቴክኒሽያናትን፡ ከምኡ'ውን ካብ ወጻኢ ዝተኣኻኸቡ ብቑዓት ኤርትራውያን ሰብ-ሞያ ብምንባሮም፡ እኹል ክእለት ነይሩ እዩ።

እታ ሃገር ካብ ዓለም ክትንጸል የብላን ብዝብል መንፈስ፡ ብሞዴል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተሰሪቱ ብብዙሓት ነፈርቲ ንምስራሕ ዓበይቲ መደባት ተታሒዙ፡ ቤት ትምህርቲ ኣብረርቲ ከይተረፈ ተኸፊቱ ምንባሩ፡ ሓደ እዋን ኣካያዲኡ ዝነበረ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ይገልጽ።

እዚ ሕጂ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዝነበረ ናይ ቀጥታ በረራታት ታሪኽ ዘኽተመ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኤውሮጳ ዝነብሩ ኣማእታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ከቢድ ቍጠባውን ናይ ግዜን ጽልዋ ዝፈጥር ምዃኑ ኣይሰሓትን።

ተጓዓዝቲ ብቐጥታ ናብ ኣስመራ ዝወስዶም ሃገራዊ በረራ ስለ ዘየለ፡ ኣብተን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝበርራ ውሑዳት ናይ ወጻኢ ትካላት (ከም ፍላይ ዱባይ፡ ተርኪሽ ኤርላይንስ፡ ኢጅፕት ኤርን ታርኮን) ተጸጊዖም፡ ብኢስታንቡል፡ ዱባይ ወይ ካይሮ ኣቢሎም ብናይ መተሓላለፊ (ትራንዚት) መስመራት ክጓዓዙ ይግደዱ።

እዚ ድማ ንተጓዓዝቲ ንናህሪ ዋጋ ትኬትን ንነዊሕ ናይ ምጽባይ ሰዓታትን ዘቃልዕ ኰይኑ፡ ንሃገር እውን ባጤራ ወጻኢ ከም ዘስእና ሞያውያን ይገልጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኡ ከም ዘስመረሉ፡ ኣብዚ መዝገብ ዝሰፈራ ሃገራትን ትካላትን፡ ዓለምለኻዊ መለክዒታት ውሕስነት ከም ዘማልኣን ኣድላዪ ናይ ቍጽጽር ስጕምቲ ከም ዝወሰዳን ብተግባር እንተደኣ ኣመስኪረን፡ ካብቲ እገዳ ዝእለያሉ ዕድል ኵሉ ግዜ ርሑው ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።