ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወለደ ጆ ንጉሰ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ

ጆ ንጉሰ ድሕሪ 13 ጥቅምቲ 2026
መግለጺ ስእሊ, ጆ ንጉሰ ድሕሪ 13 ጥቅምቲ 2026
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ካብ ኤርትራውያን ስተደኛታት ዝተወለደ ጆ ነጉሰ፡ ንዝመጽእ መበል 120 ኮንግረስ ኣመሪካ ብምሉእ ድምጺ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ።

ወዲ 42 ዓመት ጆ ንጉሰ ኣባል ኮንግረስ ክፍለ-ግዝኣት ኮሎራዶ ኰይኑ፡ ኣብ መሪሕነት ሰልፊ ዲሞክራትስ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ራብዓይ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝሓዘ ኣባል ክኸውን እዩ።

ከምኡ'ውን ኣብ መሪሕነት ሰልፊ ዝነኣሰ ዕድመ ዘለዎ ካብ ወጻኢ ገማግም ኣመሪካ (non-coastal states) ዝመጸ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ከበሳታት ራንች (Highlands Ranch) ኮሎራዶ ዝዓበየ ጆ ንጉሰ፡ ንሱ ነዚ ሽመት ምምራጹ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዕድላት ዘንጸባርቕ'ዩ ብምባል፡ ኣባላት ሰልፉ ነዚ ሓላፍነት ስለዝመረጽዎ ምስጋናኡ ገሊጹ።

"ኣብ ኣመሪካ ጥራይ እዩ ኣብ ከበሳታት ራንች ዝዓበየን ኣብ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተመሃረን ወዲ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት፡ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ ክኸውን ዝኽእል" ኢሉ።

ጆ ንጉሰ ኣብዚ ሓድሽ መዝነቱ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ብልሽውና ንምውጋድ ዝግበረ ለውጥታት ከምዝድግፍን፡ ኣብ ገጠራዊ ከባቢታት ዝነብሩ ዜጋታት፡ ዝያዳ ዕድላት ንምፍጣር ክሰርሕ ምዃኑን ገሊጹ።

ጆ ነጉሰ፡ ምስቶም ንሰልፊ ዲሞክራተስ ብዝልዓለ ስልጣን ዝመርሑ ከም ሃኪም ጀፍሪስ፡ ካትሪን ክላርክን ፒት ኣጊላርን ብምዃን ክሰርሕ ስለዝዀነ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኮሎራዶ ካብ ኩሎም ሓገግቲ ኣካላት ክፍለ-ግዝኣት ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ፖለቲከኛ ኰይኑ ኣሎ።

ካብኡ ጀሚሩ፡ ሓጋዚ መራሒ ዲሞክራትስን ኣቦ ወንበር ኮሚቴ ሕጋዊ ጉዳያት ዝርከብዎም ሓያለ ልዑል ደረጃታት ዘለዎም ጽፍሕታት ሒዙ ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፖሊሲን ኮሜተ ርክብን ሓበሬታን ኰይኑ ሰሪሑ፤ ከምኡ'ውን ነቲ ንዶናልድ ትራምፕ ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝቐረበ ክስታትተ (impeachment) ሓደ ካብቶም ወከልቲ ኮንግረስ'ዩ ነይሩ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ብባይቶ ኣመሪካ ንዝኣተዎ ቃለማሕላ ጠሊሙ ተባሂሉ ክልተ ግዜ'ዩ ተኸሲሱ ነይሩ።

ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶታት ኣመሪካ- ካፒቶል፡ ዘጋጠመ ሂወት ሓያሎ ሰባት ዝተቐዝፍሉ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ ነይሩ።

ጆ፡ ኣብቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ምጉት ኣብ ዓይኒ ካሜራታት ዓለምን ኣመሪካን ኣትዩ፡ ናይ ምዝራብን ምምጓትን ክእለቱ ዘመስከረሉ ኣጋጣሚ'ዩ ነይሩ።

ወለዱ ናይ ጆ ነጉሰ ኣብ መጀመርታ 1980ታት'ዮም ካብ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።

ጆ ንጉሰ ከኣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዝበጽሐ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ክኸውን በቒዑ ኣሎ።

ጆ ንጉሰ መን'ዩ?

እቲ ኤርትራዊ ዝመበቆሉን ኣባል ሰልፊ ዲሞክራት ዝኾነን ጆሰፍ ንጉሰ፡ ኣብ ሕዳር 2018 እዩ ኣባል ኮንገረስ ኣመሪካ ኰይኑ ተመሪጹ።

ንኮሎራዶ ወኪሉ ዝተመርጸ ፈላማይ ኣፍሪቃዊ-ኣመሪካዊ ኣባል ኮንግረስ ብምዃን ታሪኽ ዝሰርሐ ክኸውን በቒዑ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ንፖሊስን ባህርን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣትሪሮም ክነቐፉ ዝጸንሑ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣብ ባይቶታት ኣመሪካ'ዩ።

ጆ ንጉሰ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ብዓውዲ ሕጊ'ዩ ተመሪቑ። ኣብ 2008 ድማ ኣብ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ካልኣይ ጸሊም ኣመሪካዊ ብምዃን ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ሰሪሑ።

ቀጺሉ ብዕድመ ዝነአሰ ኣብ ካቢነ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ዝተመዘዘ ዜጋ ብምዃን ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኮሎራዶ ኤጄንሲ ምክልካል ሃልኪ ንክልተ ዓመታት ኣገልጊሉ።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ጆ ንጉሰ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ እብረ መረጻ ንራባዓይ ግዜ ኣባል ኮንግረስ ኮይኑ ከምዝተመረጸ ዝዝከር'ዩ።

ንካልኣይ ወረዳ ምርጫ ክፍለሃገር ኮሎራዶ ዝውክል ንጉሰ፡ ኣስታት 75% ድምጺ ተዓዊቱ።

ጆ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣንድርያን ህጻን ጓሉ ናታልያን 'ላፍያት' ኣብ እትበሃል ከተማ እዮም ዝነብሩ።

ዑደት ናብ ኤርትራ

እቶም ሽዑ ሓደስቲ ኣባላት ባይቶ ዝነበሩ፤ ፈላሚ ወግዓዊ ዑደቶም ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገበርሉ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀልን ተራኺቦም ነይሮም።

እቲ ዑደት ድሕሪ 14 ዓመታት ብኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ዝተገብረ ዲፕሎማሲያዊ ፍጻመ ብምንባሩ ንብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘዘራረበ'ዩ ነይሩ።

ገለ ኤርትራውያን፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ለዕሊ ኤርትራ ትኽተሎ ዝነበረት ግጉይ ዝብልዎ ፖሊሲኣ ብምቕያር ገጻ ብምምላሳ ክንእዱ ተሰሚዖም።

ካልኦት ድማ ኤርትራ ብግህሰት ሰብአዊ መሰላት እናተኸሰት፡ ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት እንከይፈትሐት፡ ኣብ 2001 ዝዓጸወቶ ብሕታዊ ሕትመትን ሸዑ ዝኣሰረቶምን ጋዜጠኛታትን ከይፈትሐት ነቲ ዑደት ምፍጻሞም ኣበሳ መንግስቲ ዝሽፍን'ዩ ክብሉ ነቒፎም።