ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ምስ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኣሳሰር ዘውጽኦ ንድፈ-ሕጊ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Jim Baird/X
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ጂም ባይርድ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ሰላም ምስ ናይ ኣመሪካ ቍጠባዊ ሽርክነት ዘተኣሳስሩ ክልተ ንድፍታት ሕጊ ናብ ባይቶ ከም ዘቕረበ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ገሊጹ።
እቲ ካብ ክፍለ-ሃገር ኢንዲያና ዝዀነ ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካውያን፡ እዞም "ኢትዮጵያ ስፓርክ" ከምኡ'ውን "ኤርትራ ፒላር" ዝተሰምዩ ንድፍታት ሕጊ፡ ነተን ሃገራት ካብ ጽልዋ ቻይና ኣግሊስካ ናብ ጐደና ሰላምን ዘላቒ ልምዓትን ንምምላስ ዝዓለሙ ምዃኖም ኣረዲኡ።
እዚ ናይ ሕጊ ስጕምቲ፡ ንነፍሲ-ወከፈን ሃገር ብዘለዋ ፍሉይ ጸጋታትን ድሌታትን ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውሕስነት መግብን ሕርሻዊ ምዕባለን፡ ኤርትራ ድማ ኣብ ወደባዊ ትሕተ-ቕርጽን ዕደናን ዘተኰረ ረብሓታት ንኽረኽባ ዝዕድም እዩ።
ክልተአን ሃገራት ናብ ዘላቒ ሰላም ዘምርሕ ስጕምቲ ምስ ዝወስዳ፡ ኣመሪካ ከም ዕፉን፡ ሶያቢን፡ መግቢ እንስሳታትን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሕርሻን ከተቕርበለን፡ ቀረጽ ብምጕዳል ድማ ንግዳዊ ምትሕግጋዝ ንምፍጣር ወግዓዊ ዘተ ንግዲ ክትጅምር እያ።
ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ከም ወርቂ፡ ብሩር፡ ነሓስ፡ ዚንክ፡ ሓጺን፡ ማዕድን ፖታሽ፡ ከምኡ'ውን ጋዝን ነዳድን ዝኣመሰሉ ክቡራት መዓድናት ኣብ ምውጻእ ኣመሪካ ቴክኒካውን ቍጠባውን ሓገዝ ክትገብር ድልውቲ ምዃና እቲ ንድፊ ሕጊ የነጽር።
ባይርድ ኣብ መግለጺኡ፡ እዘን ሃገራት ንቐጻልነት ዘመናዊ ህይወት ኣመሪካ ወሰንቲ ዝዀኑ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ከም ዘለወን ብምሕባር፡ ብፍላይ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መንእሰይ ህዝበን ንዝሓሸ ቍጠባዊ ዕድላት ሃረር ይብል ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
"ኣብ ኢንዲያና ነዚ ዓቕሚ ናብ ረብሓ ንምቕያርን ዘላቒ ቍጠባዊ ብልጽግና ንምህናጽን ዘኽእል ቴክኖሎጂ ሕርሻ፡ ተመኵሮን ዓቕሚ ሰደድን ኣሎና፤ ንሕና ንሽርክነት ድሉዋት ኢና፡" ዝበለ ባይርድ፡ ሰላማዊ ምትሕግጋዝ ዝመረጻ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣመሪካ እሙን መሻርኽቲ ከም ዝረኽባ ንዅሉ እቲ ኣህጉር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ምዃኑ ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለዎ ዓቢ ጸጋታት፡ ከም ቻይና ዝኣመሰሉ ተጻባእቲ ኣመሪካ ዘለዎም ጽልዋ ንምድራት ዕዙዝ ረብሓ ከም ዘለዎ ኣስሚርሉ።
እዚ ናይ ኮንግረስ ሓሳብ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ ባይታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ሓድሽ ምሉእ ኲናት ናይ ምእታው ሓደጋ ኣብ ዘንጸላልወሉ ዘሎ ተኣፋፊ እዋን እዩ።
ኣብቲ ዶባተን ዝርአ ዘሎ ሓያል ምትእኽኻብ ሰራዊት፡ ሓይልታት ክልተአን ሃገራት ተዅሲ ንምኽፋት ኣብ ኣዝዩ ቀረባ ርሕቀት ከም ዝርከቡ ሮይተርስ ከም ዝሓበረ ይፍለጥ።
እዚ ምትፍናን ብፍላይ ኣብ መስከረም ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ዝርከቡ ዕጡቓትን ውግእ ድሕሪ ምውልዑ ዝገደደ ኰይኑ፡ ነቲ ብግጭት ዝተሃስየ ዞባ ኣብ ተወሳኺ ሓደጋ የእትይዎ ኣሎ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሕጂ ብተለፎን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን፡ ኵለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ጐረባብተን ከኽብራ፡ ዶብ ዝሰግር ወተሃደራዊ ምትእትታዋት ከወግዳ፡ ከምኡ'ውን ናብቲ ናይ 2018 ስምምዕ ሰላም ክምለሳ ጸዊዑ ነይሩ።
እቲ ምኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እቲ ዞባ ካልእ ተወሳኺ ግጭት ክጻወር ዝኽእለሉ ዓቕሚ የሎን፡" ብምባል ኣጠንቂቑ እዩ።
ብጉዳያት ኣፍሪቃ ዝግደሱ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት፡ ኣመሪካ ቀጻልን ዝተዋደደን ዲፕሎማስያዊ ስጕምቲ ክትወስድ ንምኒስተር ሩብዮ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ ጸዊዖም ነይሮም።
እዚ ቅልውላው እንተ ዘይሃዲኡ፡ ንኢትዮጵያን ሰፊሕ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንቐይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ መሻርኽቲ ኣመሪካን ስትራተጅያዊ መስመራት መርከብን ዘናውጽ ናይ ብብዙሐ-ግንባራት ኲናት ከስዕብ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም።
ኣመሪካ እዚ ቅልውላው ንግብጺ፡ ሱዳንን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ዝሓቍፍ ሰፊሕ ዞባዊ ውግእ ከየስዕብ ትሰግእ እኳ እንተላ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መስከረም ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ገዛኢ ሰልፍን ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ከም ዘልዓሎን ንኢትዮጵያ ዝተነበረ እገዳ ኣጽዋር ከም ዘብቅዖን ይፍለጥ።
ይዅን'ምበር፡ ባይቶ ኣመሪካ ብንግድን መዓድንን ኣቢሉ ሰላም ንምስፋን ዘቕረቦ እዚ ሓድሽ ናይ ሕጊ ስጕምቲ እንታይ ዓይነት ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝኽእል ዛጊት ንጹር ኣይኰነን። ካብ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን'ውን ክሳብ ሕጂ ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረ-መልሲ የሎን።


























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
