ኣስመራ፡ እታ ብጽምኢ ማይ ትሳቐ ዘላ ከተማ

ጀሪካናት ማይ
መግለጺ ስእሊ, ኣፍደገ ሲነማ ኦድዮን፡ ማይ ቦጥ ዝጽበ ዓበይቲ ጀሪካናት ማይ [ስእሊ-ፋይል]
Published
ንባብ: 8 ደቓይቕ

ኣስመራ፡ እታ ብጽሬታን ብስሩዕ ውጥን ዘመናዊ ከተማውነትን ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት "ንእሽቶ ሮማ"፡ ሎሚ መልክዓ ብሕሱም ኵነታት ተቐይሩ፡ ነበርታ ኣብ ከቢድ ጸገም ጽምኢ ማይ ይርከቡ።

እቲ ንጽሬት ጐደናታታ ዝገልጽ ዝነበረ ትርኢት፡ ሎሚ ማይ ከግብእ ብዝጽበ ፊስቶታት፡ ሰማያዊን ቢጫን ጀሪካናትን፡ ከምኡ'ውን ማይ ብዘመላልሳ ዓረብያታትን ካሮሳን ተተኪኡ ይርአ። እዚ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ስእነት ማይ፡ ሎሚ መዓልታዊ ናብራ እታ ከተማ ኰይኑ ኣሎ።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ነቲ ቀደም ብምዕቡል መስመር ሻምብቆታት ኣቢሉ ናብ ኣባይቶም ዝበጽሕ ዝነበረ ማይ፡ ብናፍቘት ይርእይዎ ኣለዉ።

ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ከም መተካእታ ዝጥቀሙሉ ቦጣት ማይ እውን ከም ልብኻ ዝርከብ ኣይኰነን። እዚ ስእነት እዚ ንኣሽቱ ቈልዑ ከይተረፈ፡ ደድሕሪ ማይ ክጓየዩ ብምግዳድ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ተወሳኺ ናይ ግዜን ጸዓትን ጾር ፈጢሩ'ሎ።

ነቲ ኵነታትን ጠንቁን ብዝብለጸ ንምርዳእ ቢቢሲ ንምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀልን፡ ንቤት ጽሕፈትን ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ተወኪስና ዛጊት ዝዀነ ምላሽ ኣይረኸብናን።

ነቐማጢ እታ ከተማ ዝዀነ ኣስመሮም (ስሙ ንድሕነቱ ተቐይሩ እዩ)፡ "ኣብ ዕድመና ከምዚ ዝኣመሰለ ሕሰም ርኢና ኣይንፈልጥን" ብምባል ብጓሂ የማርር።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኤርትራ ዝነበረ ጽንኩር እዋናት ብምዝካር ድማ፡ "እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ዝነበረ፡ ኣብ እዋን ሓርነት ባጽዕ ዝነበረ እዋን እኳ ከምዚ ተሸጊርና ኣይንፈልጥን" ብምባል፡ እቲ ጸገም ክሳዕ ክንደይ መሪርን ዘይጽወርን ምዃኑ የረድእ።

ሎሚ ዳርጋ ኵሉ ተቐማጢ እታ ከተማ ከቢድ ሕጽረት ዝስተ ማይ ኣጋጢሙዎ ኣሎ። ማይ መሰረት ዕለታዊ ህይወት ብምዃኑ፡ እቲ ስእነት ኣብ ጥዕናን ጽሬትን ሓያል ሳዕቤን ኣኸቲሉ ኣሎ።

ንብዙሓት ሰብነትካ ምሕጻብ ከም "መጋየጺ" ይቝጸር ኣሎ። ስለዝዀነ ኣባላት ስድራቤት በብተራ ክሕጸቡ ይግደዱ፣ ክዳውንቲ እውን ከከም ኣገዳስነቱን ቀዳምነቱን ብቝጠባ እዩ ዝሕጸብ።

ብሰንኪ ስእነት ማይ ሽቓቕ ብግቡእ ክጸሪ ብዘይምኽኣሉ ድማ፡ እቲ ዝፍጠር ጨናን ኵነታትን ንጥዕና ስድራቤታት ኣብ ስግኣት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ፡ ንነበርቲ ሒደት እፎይታ ሂብዎም ነይሩ። ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ ግዜ፡ ማይ ከዕቁር ዝኽእል ዘበለ ኣቑሑ ገዛ ካብ ፊስቶታት ክሳብ ኩባያታት - ማይ ንምዕቋር ናብ ግዳም ይወጽእ። ይዅን እምበር፡ እዚ ብዝናብ ዝርከብ ማይ ግዜያዊ መፍትሒ እምበር፡ ነቲ መሰረታዊ ጸገም ማይ እታ ከተማ ክፈትሖ ኣይከኣለን።

ኣስመሮም ከምዝበሎ፡ "ኣስመራ ሎሚ እውን እንተዀነት፡ ዓይና ናብ ሰማይን ናብቶም ዝነቐጹ ሻምብቆታታን ብምቋት፡ ቀዋሚ መፍትሒ ትጽበ ኣላ" ይብል።

ጠንቂ እቲ ጸገም ግን እንታይ እዩ - ባህሪያዊ ዶ ምምሕዳራዊ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ሓደ እዋን 'ግዜያዊ ሕጽረት' ተባሂሉ ዝግለጽ ዝነበረ፡ ሕጂ ናብ ቀዋሚ ስእነት ማይ ተለዊጡ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነበርትን ተመራመርትን፡ ኣህጉራውያን ትካላትን፡እቲ ጸገም ብምቅይያር ክሊማን ድኹም ምሕደራን ፖለቲካዊ ስንክልናን ከምዝመጽአ ይዛረቡ።

ካብ 2003 ኣትሒዙ ክሳብ 2011 ዳይረክተር ምሕደራ ሃብቲ ማይ ነበር ሕጂ ነባሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዀነ ኣቶ ሰንጋል ወልደንስአ ኤርትራ ኣብ ኣጻምእን ሓውሲ ኣጽምእን "ኣሪድ ኤንድ ሰሚ ኤሪድ" ቦታ ስለእትርከብ ሕጽረት ማይ ዝጸንሐ ተርእዮ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ርእሲኡ መንግስቲ ኤርትራ ንምሉእ ዓቕምን ሃብቲን እታ ሃገር ኣብ ኲናትን ምክልኻልን ብምጽንቃቑ እቲ ጉዳይ ከም ዝበኣሰ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ሕጂ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነብር ዘሎ ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሩ ዝነበረ ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተ ኤርትራዊ መሃንድስ፡ "ሓንቲ ሃገር ኵሉ ጸጋታታ ናብ ወተሃደራዊ ህንጸት እንተውዒላቶ ምስ ብዝሒ ህዝብን በብግዚኡ ዝውስኽ ጠለባት ማይ ከተማልእ ከምእትጽገም ንኤርትራ ከም ኣብነት ብምጥቃስ እዚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣስመራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ጸገም ብቝዕ ምሕደራ ስለዘይረኸበ ምዃኑ ይምጕት።

"ኣብ 1996 ኣቢሉ ካብ መንግስቲ ፈረንሳ ብዝተረኽበ ሓገዝ ካብ 40-50% ዝኣረገ ሻምብቆታት ከተማ ኣስመራ ተሐዲሱ ነቲ ዝተረፈ መስመር ዝኸውን እኹል ቀረባት መጺኡ ነይሩ እዩ።

እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ኣብ 1998-2000 ዘጋጠመ ኲናት ዶባት እዩ ተሰናኺሉ" ዝብል ኣቶ ሰንጋል እዚ ሕጂ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዘጋጠመ ጸገማት እቲ ዝተረፈ ክፋል መስመራት ሻምብቆ ብግቡእ ስለዘይተጸገነን ዝግበኦ ቆላሕታ ስለዘይረኸበን ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ሕጂ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ዘሎ መሃንድስ ከኣ፡ "ቍጠባዊ ዓቕሚ እታ ሃገር ካብ ንማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ልምዓትን ኣብ ካልእ ስለ ዝባኸነ፡ ነታ ሃገር ናብ ድኽነትን ቍጠባዊ ዝሕታለን ኣውዲቑዋ ኣሎ" ክብል ትሕተ-ቅርጺ ማይ ኣብቲ ክሕደሰሉ ዝግብኦ ዓመታት ስለዘይተሓደሰ፡ ዘመናዊ ኣገልግሎታት ከተማ ኣስመራ ከምዝተዳኸመ ወሲኹ የብርህ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኣስመራ ዝመጽአት ንግስቲ ብዝብል ስም ሓሳባታ ዝገለጸት ነባሪት ዓባይ ብሪጣንያ "ዋላ'ኳ ብከባብያዊ ክሊማዊ ጸገማት ዘጋጥም ሕጽረት ዝናብ ዝጽሎ እንተኾነ እቲ ዘሎ ምሕደራዊ ድኽመታት ክሕባእ ኣይከኣልን'ዩ" ትብል።

ኣብ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ንኣዋርሕ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ማይ ቡምባ ሰትየን ዘይፈልጣ ስድራቤታትን ከባቢታትን ከምዘለዋ ከኣ ትሕብር።

ኣስመራ ከም ከተማ

ሓደ ካብ ጐደናታት ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብመሰረቱ ጸገም ማይ ከተማ ኣስመራ፡ ካብቲ "ሃይድሮሎጂያዊ ኣቀማምጣኣ" ከም ዝጅምር ዝተወከስናዮ ኣብዚ ጉዳይ ዝተኻየደ ዝተፈላለየ መጽናዕቲታት የመልክት።

እታ ከተማ፡ ኣብ ማእከላይ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ሓደ ጐልጐል፡ ልዕሊ እቲ ብባህርያዊ መንገዲ ማይ ክህባ ዝኽእል ተፋሰሳት እያ ትርከብ።

እዚ ማለት፡ ማይ ካብቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ቆላታት ተታሒዙ ወይ ተኸዚኑ ናብ ነበርታ ንምብጻሕ ንላዕሊ ብፖምፓ ክድይብ ኣለዎ ማለት እዩ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ብሕጽረት ጸዓት እትሳቐ ሃገር፡ ልዑል ጸዓት ዝሓትት ኣሰራርሓ ምዃኑ፡ ብተክኒካውን ፋይናንሲያውን ወጻኢታት እውን ከቢድ ምዃኑ ክኢላታት ይገልጹ።

ይዅን እምበር ኣቶ ሰንጋል ናይ ሓደ ከባቢ መጠን ማይ በቲ ካብ መሬት ሃፊፉ ተመሊሱ ዝዘንብ ንቡር ስነፍልጠታዊ ዑደት ማይ ስለዝውሰን እቲ ቀንዲ ጸገም ሕጽረት ኣግራብን ምግራብን ዘስዓቦ ምዃኑ ይገልጽ።

"ኵሉ ሳዕ እቲ ዝበዝሐ ዝናብ ኣብ ከበሳታት እዩ ዝሃርም፣ እቲ ዝርካቡ ማይ ብግቡእ ስለዘይዕቀብ ከኣ እዩ ውሒዙ ናብ ቆላታት ዝወርድ" ዝብል ኣቶ ሰንጋል ካብ ዝኾነ ዝተሓተ ቦታ ናብ ላዕሊ ጨንጒዕካ ከተደይቦ እቲ ማይ ካብ ዋጋ ጸዓት ንላዕሊ ክኸብር ከምዝኽእል የረድእ።

ብሓደ ሓደ ዝቐረበ ምሁራዊ መጽናዕትታት፡ ብኣስመራ ዝሓልፍ ቀዋሚ ሩባ ስለዘየለ ክጠቅም ዝኽእል ትሕተ ባይታዊ ማይ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፣ ከምኡ እውን መብዛሕትኡ እቲ ካብ ዒላታት ዝርከብ ማያት ኣስመራ ጨዋም ስለ ዝዀነ ንኣገልግሎት ከተማ ዝበቅዕ ከምዘይኮነ የረድእ።

ስለዚ፡ እታ ከተማ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጽፍሒ-ማይ (surface water) እያ እትምርኰስ። እዚ ማለት ብውሑዳት ዲጋታት ተዓቚቡ ኣብ ወቕቲ ደርቂ በብግዜኡ ዝልቀቕ ወቕታዊ ማይ ዝናብ ማለት እዩ።

በዚ መሰረት፡ ስርዓተ-ማይ ኣስመራ ብኽልተ ዓበይቲ ሓጽብታት ዝተሰረተ መርበብ ዝምርኰስ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኢትዮጵያ ኣብ 1970 ዝተዛዘመ ዲጋ ማይ-ነፍሒ፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ እንኮ ዝዓበየ ምንጪ ማይ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ኣስታት 26 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ ዝሕዝን ንደቡባዊ ክፋል እታ ከተማ ዘገልግልን እዩ። እቲ ኣብ 2001 ዝተዛዘመ 73 ሜትሮ ቍመቱ፡ ብጽኑዕ ኮንክሪት ዝተሃንጸ ዲጋ ቶከር ከኣ ካብቲ 17 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ዝሕዝ ማእከሉ መዓልታዊ ክሳዕ 20,000 ኪዩቢክ ሜትሮ ዝተጻረየ ማይ ክምልእ ተባሂሉ ዝተነድፈ እዩ።

ኣብ ዓዲ-ሸኻ፡ ማይ-ስርዋን ስትሩዋታ-ቫውዴቶን ዝርከቡ ንኣሽቱ ዲጋታት ድማ፡ ነዚ ስርዓት ብምምላእ፡ ንሰለስተ መደበራት መጻረዪ ማይ ይምግቡ።

እዚ ተደማሚሩ፡ ነቲ ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ-ከተማን 12 ናብ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝተጸንበራ ከባቢታት ብግቡእ ክሽፍን ዝኽእል እዩ ነይሩ።

ብግብሪ ግን፡ መሃንድሳዊ መጽናዕቲ ክፍሊ ቀረብ ማይ ኣስመራ ከም ዘመልክቶ፡ እተን መጻረዪ መደበራት ብሰንኪ እርጋን ንዋትን ስእነት መቀያየሪ ኣቝሑን፡ ቴክኒካዊ ብልሽትታትን ኣብ ዝዀነ እዋን ክንደይ ማይ ይፈርን ይጭንጓዕን ከም ዘሎ ዘይምቍጽጻርን፣ ካብቲ ክሰርሓኦ ዝግባእ ዓቕመን ትሕቲ ፍርቁ ጥራይ ክሰርሓ ከምዝጸንሓ መጽናዕቲ ይሕብር።

"ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ 40% ሻምብቆታት ማይ ኣስመራ ማይ የፍስስ ብምንባሩ ንሃብቲ ማይ ኣዝዩ እዩ ዝሃስዮ" ዝበለ ኣቶ ሰንጋል ነቲ ውሁብ ሕጽረት ማይ ብስልጡን ምሕደራ ክመዓረራ ይኽእል ምንባሩ ብምጥቃስ እስራኤል ካብ ኤርትራ ዝወሓደ ዝናብ እናሃለዎም ንዝርካቡ ማዮም ካብ ኤርትራ ንዝበዝሕ ህዝቦም ብግቡእ ስለዝጠቀሙሉ ንጸገማቶም ከምዝፈትሑዎ የረድእ።

ኣብ ርእሲኡ ህዝቢ ኣስመራ ካብ ግዜ ናጽነት 1991 ኣትሒዙ ብቐጻሊ እናዓበየ ብምምጽኡ እቶም ማይ ዘቕርቡ ዲጋታት፡ ሻምብቆታትን መጻረዪ መደበራትን ግን ብማዕረ ኣይተሓደሱን።

ኣብ መጽሔት 'Advances in Geographical and Environmental Sciences' ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣብ ጽላት ማይ ኤርትራ፡ ነዚ ጸገም ብግልጺ ኣቐሚጡዎ ኣሎ።

ዕቤት ህዝቢ፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ እርጋን ትሕተ-ቅርጺን ድኹም ምሕደራ ማይን ተደማሚሮም፡ ንዓቕንን ጽሬትን ቀረብ ማይ ብቐጻሊ ንምዕቃብ ኣዝዩ ኣጸጋምን እቲ ማይ ኣብ ዝመጸሉ እዋን እውን፡ ግዜኡ ዘይስሩዕን ጽሬቱ ዘጠራጥርን ይኸውን ምህላው ይግለጽ።

ተለዋዋጥነት ክሊማ ነዚ ጸቕጢ ብርግጽ የጋድዶ እዩ። እቲ ምሉእ ስርዓተ-ማይ ኣብ ሓንቲ ወቕቲ ዝናብ ብዝእከብ ውሕጅን ንምሉእ ዓመት ብምስሓብን ዝምርኰስ ስለ ዝዀነ፡ ካብ ማእከላይ ገምጋም ንታሕቲ ዝዀነ ወቕቲ ዝናብ - እዚ ድማ ዞባዊ ክሊማዊ ለውጢ እናተቐየረ ስለዝመጽእ ኣብታ ዝስዕብ ደረቕ ወቕቲ ዝገደደ ሕጽረት ማይ የስዕብ።

ጉዳይ ቦጣትን ሳዕቤናቱን

ዓረብያ ማይ ዝመልኡ መንእሰያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2019 ኣቢሉ፡ ንዝነበረ ሕጽረት ማይ ንምሽፋን ወፊረን ዝነበራ ኣማኢት ናይ ብሕቲ ቦጣት ማይ፡ ብሰበ-ስልጣን ጸጥታ መንግስቲ ሃንደበት ደው ክብላን ከቢድ መቕጻዕቲ ከምዝተዋህበንን ነበርቲ እታ ከተማ ይዝክሩ።

እተን መብዛሕትአን ዝኣረጋን ዘየተኣማምናን ኰይነን ብስእነት መቀያየሪ ኣቝሑ ዓመታት ብጻዕሪ ዝቃለሳ ዝነበራን'ኳ እንተዀና ሕጂ ግን "ዳርጋ ኵለን" ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምዃነን ካብታ ከተማ ዝተረኽቡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሰባት ካብ እንዳ ማይ ብኣዝዩ ስማዊ ገንዘብ ዓዲጎም ብዝተጋነነ ዋጋ ይሸጡዎ ምህላዎ ተዛሪቡ ነይሩ። እተን ቦጣት ስለምንታይ ደው ከምዝበላ ግን ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበን።

ኣብዚ እዋን እተን ዝርካበን ኣብ ስራሕ ዘለዋ ቦጣት "ፍሉይ ፍቓድ ናብ ዝተዋህቦ ከም መርዓን ሓዘንን ዝበለ ማሕበራዊ ጉዳያት" ንዘለዎም እንተዘይኰይኑ ጠለብ ነናብ ዝረኸባሉ ከባቢታት ብናጻ ወፊረን ማይ ክዕድላ ክልኩላት እየን።

"ኣብ 2017 ኣቢሉ ሕጽረት ማይ መሪር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን፡ እተን ብምምሕዳራት ኣቢለን ዝዋፈራ ዝነበራ ቦጣት፡ ብኵፖን ብዓቐን ስድራቤታት ንፈውሲ ሞት እየን ዝዕድላ ነይረን" ዝብል ሓደ ሽሙ ክዕቐበሉ ዝሓተተ ነባሪ፡ "ቦጣት - ኣሽንኳይ ሎሚ እዚ ዘይበሃል ጸቕጢን ምፍርራሕን በዚሑወን ቀደም'ውን እንተዀነ ኣየርሃዋልናን" ክብል የማርር።

ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣስመራ ኣብ ገለ መንበሪ ኣባይቲ፡ ብወነንቲ መብዛሕትአን ንውልቃዊ መዓላ ተባሂለን ዝተዃዕታ ዒላታት፡ ትሕዝቶአን ጨዋምን ጽርየቱ ዘይተሓለወ፣ ኣብ ገሊኡ ድማ ዝሓትዎ ዋጋታት ዝተጋነነ ይዅን እምበር፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ጭንቂ እዋናት ንብዙሓት ስድራቤታት የርህዋ ነይረን እየን። "እዘን ዒላታት ንሕልናኦም ኢሎም ብናጻ ለይትን ቀትርን ንዝጨነቘ ማይ ዝዕድሉ" ገለ ወነንቲ ምንባሮም እውን ነበርቲ እታ ከተማ ይገልጹ።

ይዅን እምበር "ብናጻ ይዅን ብመሸጣ ማይ ዝዕድሉ ወነንቲ ዒላታት" ግዳይ መቕጻዕቲን ምፍርራህን ከም ዝዀኑ እዩ ዝፍለጥ።

ምኽንያት ናይዚ ንምፍላጥ ሕቶ ዘቕረብናሉ እቲ ኤርትራዊ መሃንድስ፡ "ብሓፈሻ 'ዝዀነ ይዅን ትሕተ-ማያዊ ሃብቲ ዋንነት መንግስቲ እዩ' ካብ ዝብል ፕሪንሲፕል [መትከል] ዝነቅል" ምዃኑ እዩ ዘረድእ።

እዚ ማለት "መሬት ዋንነት መንግስቲ" ምዃኑ ብኣዋጅ ስለዝተነጸረ፡ ዋና ገዛ እውን እንተዀነ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መሬት ዝሃነጾ ገዛ እምበር፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ሃብቲ ዋንነት የብሉን ናብ ዝብል ምጕት ከም ዝወስድ ይሕብር።

"እዚ ኰይኑ እቲ ግን ነቲ ጭንቂ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን፡" ብምባል ከኣ ነቲ ኣብ ምሕደራ ሃብቲ ማይ ዘሎ ጸገማት የረድእ።

ዲጋ ከርከበት

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ካብ ዝተሃንጸ ዓበይቲ ዲጋታት ሓደ - ዲጋ ከርከበት

ቅልውላው ነዳዲ

ኣብዛ ብገምጋም ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ርእስን ዝዓበየትን ከተማ ኤርትራ፡ ጸገም ማይ ካብቲ ዝነበሮ፡ ኣብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ኣዝዩ እናገደደ ከም ዝመጽአ ነበርቲ ይገልጹ።

ኣብ ለካቲት ዝተወልዐ ኲናት ወሽመጥ ዝፈጠሮ ቅልውላው ነዳዲ ትሕዝቶን ዓቕሚን ጸዓት እታ ሃገር መሊሱ ከም ዝተሃስየን፡ ተሽከርከርቲ ምንቅስቓሰን ከም ዝተደረተን ከኣ እዩ ዝፍለጥ።

እዚ ሕጂ ብሰንኪ ሆርሙዝ ዝተጋደደ ሕጽረት ነዳዲ፡ ንመስርሕ ምክፍፋል ማይ እውን ኣዝዩ ኣኽቢድዎ ኣሎ። እተን ገና ኣብ ኣገልግሎት ዝርከባ ውሑዳት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተተኽላ ታንከራት ማይ እውን፡ ዋጋ ነዳዲ እምብዛ ስለ ዝኸበረን ንምዕዳል ማይ ኣዝዩ ስለ ዘጸገመን፡ ካብ ስራሕ ደው እናበላ መጺአን ክብል ኣስመሮም ይገልጽ።

ሕጂ እቲ ነዚ ሃጓፍ ዝተክአ፡ ኣብ ርእሲተን ክልተ ወይ ኣርባዕተ ፊስቶ ሰኒዐን ዝጓዓዛ ብፈረስ ዝስሓባ ዓረብያታት ወይ ድማ ተጐተትቲ "ሰለስተ እግረን" ብሽክለታታት እዩ።

እዚ ዝጓረታኦ ማይ ካበይ ከም ዝመጸ መብዛሕትኡ ግዜ ኣይፍለጥን እዩ። ገሊኡ ካብ ዝዓቘረ ከባብያዊ ዲጋታት ክመጽእ እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ካብ ዒላታት ብሕቡእ - መብዛሕትኡ ብለይቲ ዝምላእ ማይ ጨው እዩ።

ኣስመራ በጺሓ ዝተመልሰት ንድሕነታ ክንብል ሽማ ዘይንረቑሓ ኤርትራዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ማይ ጥራይ ይዅን እምበር፡ ንመሕጸቢን ንሽቓቕን'ውን እንተ ተረኽበ ኣይጽላእን ኢልካ ኢኻ ብኽቡር ትዕድጐ...፡" ክትብል ተማርር።

ብተወሳኺ "ኣስመራ ከምዚ ኰይና ክርእያ፡ ኣመና ሓዚነ'የ፡" ክትብል ነቲ ብርቱዕ ዝሃሰየ ኵነታት ናብራን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ምስቲ ቀደም እትፈልጣ ዝነበረት ከተማ ብምንጽጻር ብጓሂ ትገልጽ።

ዝንገር ተስፋታት ልምዓት

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ተተኺለን ዘለዋ ታንከራት ማይ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ተተኺለን ዘለዋ ታንከራት ማይ

ንዝሓለፉ 35 ዓመታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሕጽረት ማይ እታ ሃገር ንምፍታሕ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዩ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ነዚ ሕዱር ሕጽረት ማይ ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ሓያሎ ንኣሽቱ ዲጋታትን መዕቈር ማይን ከም ዝሰርሐ እዩ ዝገልጽ።

ሰበ-ስልጣን ወይ ዝምልከቶ ምኒስትሪ፡ ኣብ ገለ ክፋል እታ ሃገር ንዝኣረጉ ቱቦታት ማይ ንምትካእ ዝዓለሙ ውሱናት ፕሮጀክታት ከም ዝገበሩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ይገልጻ።

መንግስቲን ኣለቃሕቲ ትካላትን ከም ዝሰነድዎ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ግዜ ናጽነት ኣትሒዙ ቀጻሊ ህንጸት ዲጋታት ተኻዪዱ እዩ።

እቲ ብ "ፕሮጀክትታት ዓዲ ሃሎ" ብዝብል ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝመሓደር ፕሮጀክትታት ዝነጥፉ ሞያውያን ብምጥቃስ፡ ሻባይት ኣብ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ስትራተጂያዊ ካርታ መንገዲ ቀረብ ማይ ኣስመራ፡ ኣብ 2006 ናብ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ ዝምለስ ኰይኑ፡ ክሳዕ 2025 ክካየዱ ዝተመደቡ ተኸታተልቲ ፕሮጀክታት ኣስፊሩ ነይሩ።

ማእከል ካርቶግራፊን ሓበሬታን ኣብ 2021 ከም ዘስፈሮ እውን፡ ኤርትራ ኣብቲ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ኣብ መላእ ሃገር 345 ዓበይቲ ዝርከቡዎም 945 ዓበይትን ናእሽቱን ዲጋታት ሃኒጻ እያ።

ካብኣቶም ከርከበት፡ ፋንኮ-ጽሙእ፡ ፋንኮ-ራዊ፡ ባደሚት፡ ምስላም፡ ሎጎን ጋሕተላይን ዝርከቡዎም ኰይኖም፡ ንመስተ ማይን ሕርሻዊ ልምዓትን ዘገልግሉ እዮም። ንኣሽቱን ኣብ ዝተወሰነ ዞባ ዝዓለሙን ፕሮጀክታት እውን ብቐጻሊ ይካየዱ ከም ዘለዉ እዩ ዝንገር።

ከምኡ'ውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ገለ ገዛውቲ (ንኡሳን-ዞባታት) ኣስመራ ዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት ንምቅላል ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ሓደስቲ ማሕዘል ማይ (ታንከራት) ተሃኒጾም እዮም።

ንጽላት ማይ ኣስመራ ዘጽንዑ መሃንድሳትን ተመራመርቲን ከም ዝምጕትዎ፡ እቲ ጸገም ኣብ ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ኣሰራርሓ እውን ሱር ዝሰደደ ብምዃኑ ብምቕማጥ፡ "ሓደስቲ ዲጋታት ብምህናጽ ጥራይ እቲ ቅልውላው ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ፡" ብምባል ይምጕቱ።

ኣስመሮም ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "መንግስቲ ነዞም ፕሮጀክታት ከም ልምዓታዊ ዓወታት ገይሩ የቕርቦም፤ ህዝቢ ግን ክሳብ ሕጂ ዋላ መሰረታዊ ዝስተ ማይ ኣይረኸበን፡" ይብል። እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ መግለጺታት መንግስትን ጭቡጥ ናብራ ህዝብን ዘሎ ጋግ ዘርኢ ምዃኑ ይምጕት።