ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018

ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018!
    • Author, ጋዜጠኛ ቢቢሲ
  • Published
  • ንባብ: 4 ደቓይቕ

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፣ ልክዕ ከምዚ እዋን፣ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኦሮምኛን፣ ነቲ ኣስታት 20 ዓመት ዝጸንሐ ጽልእን ቅርሕንትን ቀቢሩ ፍቕርን ተስፋን ዝዘርአ ኣብ ዛላምበሳ–ሰርሓ ዝተራእየ ታሪኻዊ ፍጻመ ንምጽብጻብ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ነበርና። እቲ ፍጻመ፣ ንኣህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንዓለምን እውን ከይተረፈ ተስፋ ዝፈጠረ ናይ ዕርቂ ድግስ ነበረ። ሎሚ፣ ነቲ እዋን ክዝክሮ ከለኹ፣ ኣብ ውሽጠይ ናፍቖትን ሕቶን ብሓባር ይለዓል፤ እቲ ልዑል ተስፋን ሃንቀውታን ዘሕደረ ከመይ ኢሉ መኺኑ? እንታይ ረኺቡዎ እብል።

ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ፣ ኣብ 2017 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ መደባቱ ንምስፋሕ፣ ናይ ኣምሓርኛ፣ ዓፋን ኦሮሞን ትግርኛን ሓደሽቲ ኣገልግሎታት ከፊቱ። እተን ኣብ ናይሮቢ ዝተኸፍታ ሰለስተ ቋንቋታት ብ18 መስከረም 2017 ናብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ዲያስፖራን ዜና፣ ትንታነን ሓበሬታን ዘቕርብ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ጀሚረን፣ ድሕሪ ቅሩብ ከኣ ናይ ራድዮ ፕሮግራማት ወሲኸን።

እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን፣ ኢትዮጵያ ብኸቢድ ህዝባዊ ተቓውሞን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ትሕመስ ነበረት፤ ኤርትራ ድማ ኣዝዩ ዕጹው ናይ ሓበሬታ ሃዋህው ነበራ። ብዛዕባ ትውልዲ ሃገርካ፣ ህዝብኻን ባህልኻን ክትጽብጽብ ከለኻ፣ ከም ሰብ ስምዒት ክህልወካ ባህርያዊ እዩ።

ከም ጋዜጠኛ ግን፣ ነቲ ስምዒት ካብቲ ዜና ፈሊኻ፣ ሓቅታት ክትፍትሽ፣ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ክትሰምዕን፣ ነቲ ታሪኽ ብዝተኻእለ መጠን ሚዛናዊ ክትገብሮን ሞያዊ ግዴታ እዩ። ስለዝኾነ ገሊኡ ዛንታታት ከሕትት ስለዝኽእል፡ ርሱን ክትዓትን ብምክያድ ነቲ ፍጻሜ ብኹሉ መኣዝን ፈቲሽካ፡ንኹሉ ወገናት ዕድል ዝህብ ኣብ ሓቅን ጭብጥን ዝተሞርኮሰ ሚዛናዊ ዛንታ ንምቕራብ ተጠንቂቕካ እዩ ዝስራሕ።

እቲ ናይ ዛላምበሳ ሰርሓ ፍጻሜ ግን ናይ ዕርቅን ፍቕርን ጽምብል ብምንባሩ ብዙሕ ዘከራኽርን ዘሰክፍን ነገር ስለዘይነበሮ ብፍሉይ ሓጐስን ተስፋን አና ጸብጺብናዮ።

ክልተ ንብዓት ሓጐስ እናነብዓ ዝሰዓዓማ ኣዴታት ኣብ ባሕቲ መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ

ዶክ ኣቢይ፡ ኢትዮጰያ ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ 2002 ብዘይ ቅድመ-ኩነት ከምእትቕበሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ድሮ ብ09 ሓምለ 2018 "ኩነተ ኲናት ኣብቂዑ፣ ሓድሽ ዘመን ሰላምን ምሕዝነትን ተኸፊቱ" ብዝብል ቃላት ተኣዊጁ፤ መጓዓዝያ፣ ንግዲ፣ ቴሌኮሙኒኬሽንን ዲፕሎማስን ስለዝጀመሩ፡ ኣብ ገጻት እቶም መደባት ዘዳልው ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ማዕረ እቲ ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ዝነበረ ብሓጐስን ተስፋን ተዀሊዑ ነይሩ።

ኣብቲ ጽምብል ዛላምበሳ ሰርሓ ኢሳይያስ፡ ኣቢይን ደብረጽዮንን ብሓባር ስለዝነበሩ፡ እቲ ዕርቀ ሰላም ንህወሓት ዘግለለ እዩ ክበሃል ዝጸንሐ ስክፍታ ቁሩብ ምትእምማን ስለዝሃበ እቶም ዝለኣኽናዮም ጋዜጠኛታት ነቲ ፍጻሜ ኣብ ሰሰዓቱ ብስእልን ቪድዮን ዝልእኩልና ዝነበሩ ነቲ ልዕሊ ቃላት ዝዛረብ ናይ ዝለኣኹልና ንብዓትን ሓጐስ፡ ፍሽኽታን እፎይታን ዘሰነዮ ገጻት ከምዚ ክንብል ብሓጐስ ሰኒድናዮ። " 11 መስከረም 2018፣ ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓ ኣብ ዶባት ኢትዮ ኤርትራ ኮኸብ ጽባሕ በሪቑ። እቲ ንኣስታት 20 ዓመት ብጥይትን ቦምባን ብነታጒን መዳፍዕን ዝሕሎ ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓጹር ተጣሒሱ፡ ብጽልኢን ፍርሕን ንዓመታት ዝተፈልዩ ስድራቤታት እንደገና ተራኺቦም ንብዓት ሓጐስ ንብዓት ፍቕሪ ይነብዑ ኣለው" ኢልና።

ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመት ካብ መንደፈራን ሽረን ካብ ኣስመራ መቐለን ዝነቐላ መካይን ዶብ ሃገራተን ሰጊረን ኣብ መገዲ ክተሓላለፋ ጀሚረን።አህዛብ ክልቲኡ ሃገራት ብጽኑዕ ዕርድታት ክሕሎ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ መዛግብ ሰጊሮም ይተሓቐቖፉ፤ ቖልዑን መንእሰያትን ከም ብተይ ይዕንድሩ ኣለው። ደጊም ፖለቲካ ህልኽ 20 ዓመት ኣብቂዑ እዩ። ኣብቲ ጽልእን ህልኽን ጐቢኡዎ ዝጸንሐ ምድሪ ፍቕሪ ክዕምብብ እዩ ክንብል ጽሒፍናን ሰኒድናን። ጸኒሑ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ እገዳ ተላዒሉ፤ ኣብ 2019 ከኣ ኮሚተ ሽልማት ሰላም ኖርወይ ንኣቢይ አሕመድ ናይ ሰላም ሽልማት ሂቡዎ።

እንተኾነ ዳሕራይ ህወሓት ኣብቲ ናይ ዕርቀ ሰላም መስርሕ ብዝግባእ ከምዘይተኻተተን ዳሕራይ ናብ ዝሰዓበ ውግእን ኵናትን ምኽንያት ከምዝኾነ ይጥቀስ እዩ።

ብሓጸሩ እቲ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ እዋን ዕርቀ ሰላም ውግእን ወረ ውግእን፡ ሞትን ዕንወትን ዝተጸየነ "መንደቕ ጽልኢ ብፍቕሪ ፈሪሱ፤ ደጊም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ዘይንሰግሮ ጸገማት የለን!" ዝብል መደረታት ክልቲኦም መራሕቲ፡ ናይ ኵናት ነጋሪት ክድስቕ ጀሚሩ።

እቲ ናይ ቃላት ኵናት በብቑሩብ እናዓረገ ከኣ ንኵናት ትግራይ ሕዳር 2020-2022 ወሊዱ፤ ኣብቲ ናይ ሽርክነት ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ገጢመን።

ሰራዊት ኤርትራዊ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፌደራል ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኡ። እቲ ምሕዝነት ከኣ ካብ "ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት" ናብ "ሓባራዊ ኲናት ኣንጻር ሓደ ሓይሊ" ከምዝተቐየረ፡ Reuters፣ AP፣ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ ትካላት መሰላት ሰብን ሰኒዶም።

ኲናት ንትግራይ፣ ኣብ ኣምሓራን ዓፋርን ከቢድ ሰብኣዊ ዋጋ ኣኽፊሉ። ሰባት ተቐቲሎም፣ ተመዛቢሎም፣ መሰረተ ልምዓት ዓንዩ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ከበድቲ ጥሕሰታትን ብዝተፈላለዩ ወገናት ከምዝተፈጸሙ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ሕቡራት ሃገራትን ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ጸብጻባትን ይገልጽ።

ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኵናት ዘሰቅቕ ዕንወት፡ኣብ ግንባራት ዝተጋጠሙ ወተሃደራት ክልቲኡ ወገናት ብኸቢድ ተሃስዮም።ንብረት ዓንዩ፤ መሰረተ ልምዓት ፈረሱ፡ ህዝቢ ካብ ቤቱን ንብረቱን ተመዛቢሉ ተሰዲዱን።

ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ እቲ ተወሊዑ ዝቐሃመ ዕርቀ ሰላም 2018

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኵናት ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ እኳ ደው እንተበለ፡ እታ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ክባን ዕጽዋን ዝጸንሐት ትግራይ ግን ክሳብ ሕጂ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ወሪዱዋ ገና ብበሰላ እቲ ውግእ ተሃስያ ምህላዋ ጸብጻባት ይገልጹ።

ውዕል ፕሪቶርያ ግን ኵናት ትግራይ እኳ እንተዕረፈ ኤርትራ ኣብቲ ስምምዕ ስለዘይተጸንበረት እቲ ናይ 2018–2022 ምሕዝነት ተሰንጢቑ፡ ኣቢይ አሕመድ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ ሓይልን ምፍርራሕን ዝተሓወሶ " እንተስ ብውዲ እንተስ ብግዲ!" ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደባት ዋንነትን ክህልወና ኣለዎ ዝብል ምጉት ከምዘቕረበ፡ ነዚ ከኣ ኤርትራ "ልዑላውነተይ ዝግህስ ዕንደራ እዩ!" ክትብል ኮኒናቶ። እቲ ኣቢይ ኣሕመድ ከም ናይ ቁጠባ ከምዝኾነነቶ ዶር ጸጋይ ይገልጽ።

ከም ሳዕቤኑ ሱዳን ግብጺ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኤርትራን ህወሓትን፡ ኢማራትን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ከኣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሪዐም ከምዘለው ዶር ጋይም ክብረኣብ ይገልጽ። ብምቕጻል፡ ኣብዚ ጉዳይ እቲ ቀንዲ ዝለዓል ስለምንታይ ኣቢይን ኢሳያስን ተባኢሶም ዘይኮነስ፡ ስለምንታይ እቲ ናይ 2018 ናይ ሰላም ውዕል ንረብሓ ክልተ መራሕቲ ጥራሕ ተቐይሩ ዝብል ነበር ክለዓል ይግበኦ። ንሱ ከኣ እቲ ሰላም ብትላዊ መሰረት ስለዘይተሃንጸ እዩ ክብል ኣስሚሩሉ።

ኣብ ርእሲኡ ሎሚ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኤርትራን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ምቅይያር ፖለቲካዊ ምሕዝነታት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ። ክፋል ህወሓት ምስ ኤርትራ ተቐራሪቡ ዝብሉ ክስታት ኣለዉ፤ ተኸሰስቲ ግን እቲ ጽምዶ ናይ ህዝቢ ሽርክነት እዩ ክብሉ ይገልጹዎ።

ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብ11 መስከረም 2018 ኣብ ዛላምበሳ ሰርሓን ኣኣብ ቤቱን ቅርዓቱን ዘርኣዮ ጽምብል ናይ ብሓቂ ደላይ ሰላምን ፍቕርን እዩ። ስለዚ እቲ ድሌት ናይ ህዝቢ ኣይፈሸለን እቲ መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት ግን እቲ ህዝባዊ ተቐባልነት ነናብ ፖለቲካዊ ረብሕኡ ስለዝቐየሮ ንግዝኡ ተኾሊፉ ኣሎ።

ስለዚ ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ዝሓለፈ ናይ ውግእን ወረ ውግእን ተመኩሮታቶም ተማሂሮም ነባሪ ሰላም ክሃንጹ ልዕሊ መንግስታቶም ጸብለል ብምባል ነቲ ታሪኽ ከሐድሱዎ ይግባእ ክብል ዶር ጋይም ርእይትኡ ይገልጽ።