መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ "መጥቃዕቲ ሳይበር" ከምዘጋጠሞ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Airlines
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ "ውሱን መጥቃዕቲ ሳይበር" ከምዘጋጠሞ ንዓማዊሉ ሓቢሩ፡ እቲ ‘ጥሕሰት ዳታ’ ክሳብ ክንደይ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ንምፍላጥ መርመራ የካይድ ኣሎ።
እንተዀነ፡ ዛጊድ ብሰንኪ እቲ ፍፃመ፡ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ዓማዊል ናብ ካልእ ወገን ከምዝበፅሐ ዘመልክት መረዳእታ ኣይተረኽበን።
እቲ ኩባንያ፡ ንተጠቀምቲ 'ሸባ ማይልስ' ኣብ ዝለኣኾ ናይ ኢመይል መልእኽቲ እዩ ነቲ ፍፃመ ኣብሪሁ ዘሎ።
ብመሰረት ዝሓለፈ ዓመት ዝተዘርግሐ መረዳእታ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣስታት 5.4 ሚልዮን ዓማዊል ‘ሸባ ማይልስ’ ዘለዎ ኮይኑ፡ እሙናት ዓማዊል ፍሉይ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ መስርሕ እዩ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ስርዓት ሸባ ማይልስ ጥራይ ዝተሓፀረ ድዩ ኣይኮነን ንጹር ኣይኮነን።
መግለጺ እቲ መንገዲ ኣየር፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘጋጠመ እኳ እንተገለጸ፡ ዕለቱ ብልክዕ ኣይነፀረን።
ክንደይ ዓማዊል በቲ ጥሕሰት ከምዝተፀለዉ፡ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከምዝተጣሕሰን ወይ እቲ ፍጻመ ብኸመይ ከምዝተፈልጠን ኣይገለጸን።
ቢቢሲ ካብ ሓለፍቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።






