ዕጡቓት ሑቲ፡ ንኤርትራን የመንን ኣጋጭየን ዝነበራ ኣገደስቲ ደሴታት ሓኒሽ ተቘፃፂሮም

ዕጡቓት ሓይልታት የመን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሓይልታት የመን
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ቀረባ እዋን እናገስገሱ ዝመፅኡ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነተን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታት ንኤርትራን የመንን ናብ ግጭት ዘእተዋ ደሴታት ሓኒሽ ከም ዝሓዙ ተገሊፁ።

ሓይልታት ሑቲ፡ ብሰኑይ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ነዘን ኣገደስቲ ደሴታት ብምቁፅፃር፡ ነቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ የመን ከም ዘባረሩ ኣሶሴይትድ ፕረስ (ኤፒ) ፀብፂቡ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ነዘን ኣብ ጥቓ ኤርትራን ጅቡቲን ዝርከባ ደሴታት ሓኒሽ ምቁጽጻሮም፡ ካብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ኣብ ውሽጢ 20 ማይልስ ክመዓዳደዉ ገይሩዎም ኣሎ።

ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ናጻ ሃገር ድሕሪ ምዃና፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ቅድሚ 30 ዓመት ብሰንኪ ሕቶ ይግበኣኒ ደሴታት ሓኒሽ፡ ምስ የመን ናብ ኲናት ኣትያ ነይራ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ግጭት ድማ፡ ሓይልታት ኤርትራ ንሓጺር እዋን ነተን ዝዓበያ ደሴታት ሓኒሽ ተቖጻጺሮምወን ነይሮም።

እንተዀነ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ተወሲዱ፡ መብዛሕትኡ ንመግፈፊ ዓሳ ዝውዕል ሰብ ዘይነብረለን ደሴታት ሓኒሽ ዋንነተን ናይ የመን ምዃነን ወሲኑ።

መሓዙት ኢራን ዝኾኑን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ወደባትን ደሴታትን ኣብ ቁጽጽር የእትዉ ዘለዉ ሑቲ፡ ንወደባዊት ከተማ ሞካን ደሴት ፐሪምን ብምሓዝ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መጻብቦ ሆርሙዝን ቀይሕ ባሕርን ዝርከብ ቁልፊ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ ንምቁጽጻር ተቓሪቦም ኣለዉ።

ሓይልታት ሑቲ፡ ብፍላይ ነተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለወን ዓበይትን ንኣሽቱን ደሴታት ሓኒሽ ብምቁጽጻር፡ ኣብ ልዕሊ ቁልፊ መተሓላለፊ መስመራት መራኽብ ባሕሪ ዓለም ዘለዎም ፅልዋ ኣሐይሎም ኣለዉ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ የመን፡ ኣብ ዙርያ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ንዝካየድ ዘሎ ቅልጡፍ ወፍሪ ሑቲ ደው ከብሉ ኣብ ዝጽዕሩሉ ዘለዉ እዋን እዩ፡ ሑቲ ነተን ክልተ ደሴታት ከም ዝሓዙ ሰብ-መዚ ተዛሪቦም ዘለዉ።

ዓወት ሑቲ ኣብ ልዕሊ ደሴታት ሓኒሽ ዝንገር ዘሎ፡ እቲ ጉጅለ ዝሓለፈ ሰሙን ንወደብ ሞካ፡ ደሴት ፐሪምን ካልኦት ከባቢታት ገማግም ባሕሪ ቀይሕ ባሕርን ምቍፅፃሩ ስዒቡ ዀይኑ፡ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዓለማዊ ቀረብን ዋጋታትን ነዳዲ ዝያዳ ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ይግመት።

ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉን ብሕቡራት ሃገራት ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎምን ሓይልታት መንግስቲ የመን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ተኸታተሊ ወፍሪ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምምካት ብዝገበሩዎ ፈተነ፡ ነቲ ገስጋስ ደው ከብሉዎ ኣይከኣሉን።

ነቲ ወፍሪ ስዒቡ፡ ሓይልታት መንግስቲ የመን ነተን ደሴታት ለቒቖም ኣብ ዝወፅሉ እዋን፡ ዕጡቓት ሑቲ ከም ዝሓዝወን ስሞም ከይርቋሕ ዝደልዩ፡ ክልተ መንግስቲ የመንን ሓደ በዓል ስልጣን ሑቲን ኣረጋጊጾም።

ዕጡቓት ሑቲ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ወሰንቲ ትሕዝቶ መንግስቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ ወደባዊ ከተማታት ሞካን ዱባብን ተቖፃፂሮም ኣለዉ።

እዚ ድማ ነቲ ንሰደድ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ክቆጻጸርዎ ተኽእሎ ኣሎ።

እቶም ብኢራን ዝድገፉ ሰፊሕ ክፋል ሰሜናዊ የመን ተቘፃፂሮም ዝርከቡ ሑቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ ወፍሪ ከፊቶም ከጓይዩዎም ቀንዮም ኣለዉ።