ኣብ የመን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 1400 ሰባት ናብ ጂቡቲ ሃዲሞም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ የመን ይላባዕ ብሰንኪ ዘሎ ውግእ፡ ብዙሓት ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ጂቡቲ ከም ዝኣተዉ፡ ሚኒስትር ቁጠባን ፋይናንስን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ የመንን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲን ይካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 1400 ሰባት ካብ የመን ናብ ጂቡቲ ከም ዝተሰደዱ፡ ሚኒስቴር ኢሊያስ ሙሳ ዳዋሌ ገሊፁ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከቡ ግዝኣታት የመን ይቆፃፀሩ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ ውግእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ናብ ዝርከቡ ከባቢታት ይዝርጋሕ ኣሎ።
ሚኒስትር ቁጠባን ፋይናንስን ጂቡቲ ኢሊያስ ሙሳ ዳዋሌ፡ ካብቲ ኵናት ዝሃደሙ 1400 ሰባት ንወሽመጥ ባብ ኤል መንደብ ኣቋሪፆም ናብ ጂቡቲ ከም ዝኣተዉ ብመገዲ ኤክስ ኣፍሊጡ።
ኣብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ኣይኦኤም) ኣወሃሃዲት ሰብኣዊ ሓገዝ ሳፊያ ኢብራሂም ንኤኤፍፒ ከም ዝገለፀቶ፡ ናብ ጂቡቲ ኦቦክ ካብ መንጎ ዝበፅሑ ሰባት፡ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ይርከብዎም።
ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት መንግስቲ የመንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን፡ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ተወሰኽቲ ሰባት ናብ ጂቡቲ ክመፅኡ ከም ዝኽእሉ፡ ሳፊያ ኢብራሂም ተዛሪባ።
ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝመፅአ ውግእ ካብ ሓምለ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 76 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ የመን ከም ዝተመዛበሉ፡ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብፍላይ እቲ ውግእ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ካብ ዝውላዕ፡ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ብኣርባዕተ ዕፅፊ ወሲኹ።
ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ዙርያ ወሽመጥ ባብ ኤል መንደብ ንዘለዉ ከባቢታት ዒላማ ገይሮም።
ኣብዚ ቀረባ መዓልቲታት'ውን፡ ኣብ ከባቢ እቲ ገማግም ባሕሪ ንቅድሚት ብምግስጋስ፡ ብሓሙስ ንወደባዊት ከተማ ሞካ ተቖፃፂሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልቲታት ኣብ መንጎ ዕጡቓት ሑቲን ሓይልታት መንግስቲ የመንን ብዝተኻየዱ ውግኣት፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተዋጋእቲ ከም ዝተቐተሉ ፀብፃባት የመልክቱ።
ድሕሪ እዚ፡ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዘለዉ ገማግም ባሕሪን ደሴታትን የመን ብምቁፅፃር፡ ብዓርቢ ድማ መራኽብ ንግዲ ዓለም ናብ ቀይሕ ባሕሪን መትረብ ስወጽን ንምብፃሕ ኣብ ዝጥቀማሉ ኣገዳሲ ወሽመጥ ባብ ኤል መንደብ ንትርከብ ደሴት ብምሓዝ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዘለዎም ቁፅፅር ኣስፊሖም።
ኢራን መፃብቦ ሆርሙዝ ድሕሪ ምዕፃዋ፡ ብፍላይ ስዑዲ ዓረብ ፍርያት ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ንምቕራብ መስመር ባብ ኤል መንደብ ቀንዲ መስመር ጉዕዞ መራኽባ ገይራ ትጥቀመሉ ነይራ።
እንተኾነ ሑቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዘለዎም ትሕዝቶ እናስፍሑ ኣብ ዝመፅእሎም ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ንመራፅምቶም መንግስቲ የመን ንትድግፍ ስዑዲ ዓረብ ዒላማ ብምግባር፡ መራኽባ ብቀይሕ ባሕሪ ከይሓልፋ ኣጊዶም።














![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


