ኣብ ኣርሲ ሰለማውያን ሰባት ዝቐተለ መን'ዩ? ኦነግ ንኻልኦት ይኸስስ፡ ኣመሪካ ሻቕሎታ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, SM
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ክልል ኦሮምያ ወረዳ ሽርካ ልዕሊ 40 ሰባት ኣብ ዝተቐትልሉ መጥቃዕቲ "ሓላፍነት ወሲዱ" ተባሂሉ ዝተዘርግሐ ዜና ብምንጻግ፡ ኣባላቱ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምውጽኦም "ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት" መጥቃዕትታት ከም ዝፈጸሙ ከሲሱ።
እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብዓርቢ 20 ሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መብርሂ፡ ኣብ ናይ ቀደም ዞባ ኣርሲ ብ18 ጥቅምቲ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሰኑይ ዘውጽኦ መግለጺ ብመራኸቢ ብዙሓን "ብዝተዛብዐ መንገዲ ከም ዝተተርጐመ" ገሊጹ።
መራኸቢ ብዙሃን "ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሰለማውያን ሰባት ብምቕታሉ ሓላፍነት ከም ዝወሰደ ገይረን ምትርጓመን" ብጽኑዕ ዝተቓወመ እቲ ጕጅለ፡ ኣብቲ ቀዳማይ መግለጺኡ ኣብ እዋን እቲ ግጭትን ድሕሪኡን ሞት ሰለማውያን ሰባት ከም ዘጋጠመ እኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ "ኣብ ልዕሊ ዘይዓጠቑ ሰባት መጥቃዕቲ ፈጺመ ኣይበለን" ክብል ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ በታ መዓልቲ "ስጕምቲ" ዝወሰደሉ ዒላማ፡ ብሰራዊት ምክልኻልን ብሓይልታት ጸረ-ደባይን ካብ ውልቃዊ ህይወቶም ተመልሚሎም ብትእዛዝ ስሩዓት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ዝንቀሳቐሱ "ዕጡቓት ስቪላት" ወይ "ናይ ትርፊ ግዜ ተዋጋእቲ" ኣብ ዝነበሩሉ "መዓስከር ወተሃደራዊ ወፍሪ" ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ጕጅለ በታ መዓልቲ ኣብ ጐድኒ ሓይልታት መንግስቲ ኰይኖም ኣብቲ ግጭት ብቐጥታ ዝሳተፉ ዕጡቓት ጥራይ ዒላማ ከም ዝገበረ ብምጥቃስ፡ "ተዋጋእቲ ኦነግ ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምኻዶም ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ መጥቃዕትታት ተሳቲፎም እዮም" ክብል ፈልዩ ንዘይጠቐሶም ኣካላት ከሲሱ።
እቲ ሰራዊት ኣብ ዘይነበረሉ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታትን ዝወረዱ ጕድኣታትን ብምሉኦም ኣብ ልዕሊኡ ምስካም ከም ዝነጽግ ብምግላጽ ድማ፡ ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ ኵሎም ፍጻመታት ዝምልከት "ተኣማኒ፡ ናጻን ገለልተኛን መርመራ" ክካየድ ሓቲቱ ኣሎ።
እዚ መብርሂ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝመጸ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ናብ ቀበሌ ቢርቦና ጮሌ "ብኣርባዕተ ኣንፈት ብምእታው" ኣብ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ኣስታት 41 ሰባት - 23 ብደረጃ ቀበሌ ዝተወደቡ ኣካላት ጸጥታ፡ 5 ኣባላት ምሊሻን 13 ሰላማውያን ሰባትን -ከም ዝተቐትሉ ድሕሪ ምኽሳሱ እዩ።
ኢሰመኮ በታ መዓልቲ ኣብ ዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ፡ ዘይስሩዓት ዕጡቓት ውልቀሰባት ሸውዓተ ሰለማውያን ሰባት ከም ዝቐተሉ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ነበርቲ ንቢቢሲ ከም ዝገለጽዎ እቶም ሸውዓተ ተቐተልቲ ተኸተልቲ እምነት እስልምና እዮም ነይሮም።
ብኻልእ ወገን ነበርቲ ኣብቲ ናይ ቦርቢና ጮሌ መጥቃዕቲ እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ህጻናት ሓዊሱ 46 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ክገልጹ ከለዉ፡ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ እውን እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ምእመናና ዘነጻጸረ ምዃኑን ቅድሚኡ ሒደት መዓልታት ኣቐዲሙ ኣብ ጐረቤት መርቲ ተወሰኽቲ 16 ሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣፍሊጣ እያ።
እዚ መተሓሳሰቢ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ዞባ ኣርሲ ዝፍጸሙ ዘለዉ ተኸታተልቲ ቅትለታት ኣህጉራዊ ሻቕሎት እናለዓዓሉ ኣብ ዝመእሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, SM
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ቍሸት እንዴቶ ኣብ ጥቓ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም መብዛሕትኦም ኦርቶዶክስ ክርስትያናት ምዃኖም ዝእመነሎም እንተ ወሓደ 34 ሰባት ምቕታሎምን ቅድሚኡ ክልተ ሰሙን እውን ኣስታት 60 ሰባት ዝተቐትሉሉ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምፍጻሙን ድሕሪ ምጽብጻቡ፡ ኣቦ መንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ሰነት ኣመሪካ ሰነተር ጂም ሪሽ ነቶም መጥቃዕትታት "ኣስካሕካሒ ኣንፈት" ክብል ኰኒኑዎ ኣሎ።
ሰነተር ሪሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእን ዓመጽን ንሰላማውያን ሰባት፡ ንዞባዊ ርግኣትን ንረብሓታት ኣመሪካን ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ኣጠንቂቑ፤ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ እውን ናጻ መርመራን ተሓታትነትን ክህሉ ጸዊዑ ኣሎ።
መንነት ፈጸምቲ ናይቶም ኣብ ኣርሲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ብናጻ ኣካል እኳ እንተ ዘይተረጋገጸ፡ ጸብጻባት ውሽጢ ዓዲ ግን ብተደጋጋሚ ምስቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ዝተፈረጀ ኦነግ ከተኣሳስርዎም ጸኒሖም እዮም።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
