ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጕያ ነዊሕ ርሕቐት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዝሐሻ ድየን?

ምንጪ ስእሊ, Zoe Salt
"እቲ ውድድር ንደቂኣንስትዮ ከቢድ እዩ። ንምዝዛም እኹል ጥንካረ የብለንን።"
እዞም ቃላት ዳይሬክተር ውድድር ማራቶን ባርክሊይ ላዛሩስ ሌክ ዝተዛረቦም እዮም።
ባርክሊይ ማራቶን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝኸበዱ ውድድራት 'ኣልትራማራቶን' እዩ።
ክሳብ ሕዚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ነዚ ውድድር ጀሚረሞ፡ ነዚ ውድድር ምውዳእ ዝኸኣሉ ግና 20 ሰባት ጥራሕ እዮም።
ላዛሩስ ኣብ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ነዚ ክዛረብ እንከሎ፡ ከም ዝተጋገየ ከረጋግፀሉ ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ፈተና ኣቕሪቡ።
ሓንቲ ብሪጣንያዊት ነዚ ካብ ማራቶን ኣዝዩ ዝነውሐ ማራቶን እትጎይይ- 'ኣልትራ ራነር': እቲ ላዛሩስ ከቢድ እዩ ዝበሎ ከም ዝከኣል ክሳብ ዘመስከረትሉ እዋን፡ ትሽዓተ ዓመታት ተቖፂሮም።
ካብ ስኮትላንድ ዝመፅአት ጃስሚን ፓሪስ፡ ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ጉያ 100 ማይል [ኣስታት 161 ኪሎሜተር]፡ እቲ ናይ 60 ሰዓት ግዘ ገደብ እንከይበፅሐ ሓደ ደቒቕን 39 ካልኢትን እንትተርፎ ብምዝዛም፡ ሽማ ኣብ ታሪኽ 'ኣልትራ' ጕያ ኣመዝጊባ።
ሕዚ ግና በይና ኣይኰነትን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ጃስሚን ዘመስከረቶ ይደግመኦ ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ደርቢሻየር ክሳብ ስኮትላንድ ኣብ ዝካየድ ኣዝዩ ኣድኻምን ከቢድን ውድድር ጉያ 'ሞንቴን ሰመር ስፓይን'፡ ንፈለማ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሒዘን።
ራቸል ኤንትርኪን፡ ነቲ ኣብ ጉንበት ኣብ ኣሪዞና ዝተኻየደ ውድድር ኣልትራ ማራቶን 'ኮኮዶና 250' ዝተዓወተት ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኰነት።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 'ቪያ ኣልፒና' ድማ፡ ሶፊ ዉድስ ኣብ ሽድሽተ መዓልቲ ብምዝዛም፡ ነቲ ቅድሚ ሕዚ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ ወሰን ሰይራቶ።
ደቂ ኣንስትዮ ጐየይቲ ኣብቲ ሕሉፍ ተጻዋርነት ዝጠልብ ካብ ማራቶን ዝኸበደ ጕያ ተሳተፍቲ ጥራሕ ዘይኰናስ፡ ምስ ደቂ ተባዕትዮ መወዳድርተን እናተነሓነሓ፣ ካብ ሕሉፍ ዝሐሸ ውፅኢታት የመዝግባ፣ ኣብ ገለ ክስተታት ድማ ብቐጥታ ዓወት ይጐናፀፋ ኣለዋ።
እዚኦም ኩሎም፡ ሰባት፡ ደቂ ኣንስትዮ ንከምዚኦም ዝኣመሰሉ በዳህቲ ውድድራት ዝያዳ ዝምችኣ (ዝሰማምዓ) ክኾና ይኽእላ እየን ኢሎም ክሓስቡ ደሪኾም።
ኣብ ኣፈፃፅማ ጉያ ኣብ መንጎ ፆታታት ዘሎ ኣፈላላይ ብኸመይ ይንኪ
ክሳብ ማራቶን ኣብ ዘለዉ ርሕቐታት ጉያ፡ ደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብማእኸላይ ካብ 10 ክሳብ 12 ሚእታዊት ዝቐልጠፉ እዮም።
ደቂ ተባዕትዮ ብሓፈሻ ጥንኩራት እዮም፤ ሰብነቶም'ውን ኣብ ግዘ ልምምድ ኦክሲጅን ንምጥቃም ዝዓበየ ዓቕሚ ኣለዎ።
እንተኾነ ርሕቐት እናወሰኸ እንትኸይድ፡ ኣገዳስነት እዞም ኣካላዊ ብልጫታት እናነከየ ዝኸይድ ይመስል። ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ኣፈላላይ ድማ ክፀብብ ይጅምር።
ኩባኒያ ራንሪፒት ምስ ዓለምለኸ ማሕበር' ኣልትራ ራነርስ' ብምትሕብባር: ካብ 'ኣልትራ ራነርስ' (ሕሉፋት ጐየይቲ) ንልዕሊ 20 ዓመታት ንዝተኣከበ መረዳእታ ብምጥቃም መፅናዕቲ ኣካይዱ።
ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ፡ ኣብ ውድድራት 100 ማይል ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ኣፈላላይ ኣፈፃፅማ ጉያ ብ0.25 ሚእታዊት ጥራሕ ዝነኣሰ እዩ።
ኣብ ዝኾነ ካብ 195 ማይልስ ዝነውሐ ውድድር ግና፡ ደቂ ኣንስትዮ ጐዬይቲ ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝቐልጠፋ ክኾና ይኽእላ እየን።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤክሰተር፡ ኣብ ኣፈፃፅማ ነዊሕ ግዘ ዝፀንሑ ኣካላዊ ምንቅስቐሳት በዓልሞያ ዝኾነ ፕሮፌሰር ኤንዲ ጆንስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውድድር ነዊሕ ርሕቐት ልዕሊ ደቂ ተባዕትዮ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከርእያሉ ዝኽእላ ሰለስተ ምኽንያታት ከም ዘለዉ ይገልፅ።
ኣጠቓቕማ ስብሒ– ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ዝተኸዘነ ስብሒ ኣለወን። እዚ ስብሒ ንጉልበት ይጥቀማሉ፤ እዚ ድማ ጉልበተን ንነዊሕ እዋን ንክዕቅባ ምንጪ ይኾነን።
ጭዋዳታት– ደቂ ኣንስትዮ ንኦክስጅን ብግቡእ ዝጥቀሙ 'ስሎው–ትዊች' ተባሂሎም ዝፍለጡ ፅሕጊ ጭዋዳታት ኣለወን ። እዚኦም ድማ ተጻዋርነት ንዝጠልቡ ንጥፈታት ዝያዳ ዝሰማምዑ እዮም።
ተጻዋርነት ድኻም– ደቂ ኣንስትዮ ተጻዋርነት ኣብ ዝጠልብ ምንቅስቓስ ንነዊሕ እዋን ሓይለን ክዕቅባ ይኽእላ እየን።
እንተኾነ ጆንስ፡ ኣብዚ ዓውዲ እኹል ሳይንሳዊ መፅናዕቲ ከም ዘይተኻየደ ከነፅር ይደልይ።
"ኣብ ውድድራት ሓፂር ርሕቐት ምስ ዝተኻየዱ መፅናዕቲታት እንትነፃፀር፡ ኣብ ውድድራት ነዊሕ ርሕቐት ክንድ'ቲ ረዚን ሳይሳዊ መርትዖ የለን" ይብል።
"ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥንካረ ዝተደረኸ'ዩ"

ምንጪ ስእሊ, Zoe Salt
ኣካላዊ ዓቕሚ ኣገዳሲ'ኳ እንተኾነ፡ ንሱ ጥራሕ እኹል ኣይኰነን።
ኣብ ውድድራት ነዊሕ ርሕቐት ኣብ ናይ መወዳእታ መዛዘሚ መስመር ንምብፃሕ ኣእምሮኣዊ ጥንካረ'ውን ከም ኣካላዊ ጥንካረ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 'ቪያ ኣልፒና'፡ ኣብ ሽድሽተ መዓልቲ ብምዝዛም ነቲ ቅድሚ ሕዚ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረ ወሰን ዝሰበረት ሶፊ ዉድስ፡ "ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር ንምዕዋት ኣብ ፈለማ ብቕልጡፍ ምጉያይ ኣየድልየካን። ዓወት ብዛዕባ ምድላው፣ ጥንካረ ኣእምሮን ፀገማት ኣብ ዘጋጥመሉ ምቕፃል ምኽኣልን'ዩ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ነገራት እንትቕየሩ ምስቲ ኩነታት ተላሚደን ኣብ ምቕፃል ጎበዛት እየን። ሓንሳብ ምስ ጀመርና ክሳብ መወዳእታ ክንቅፅል ከም ዘለና ንርዳእ ኢና" ትብል።
ክኢላ ስነ ኣመጋግባ ኣትሌታትን ስፖርተኛታትን ሬኒ ማክግሪጎር፡ እቲ ምኽንያት ምስ ሰብነት እታ ጓል ኣንስተይቲ ዝዛመድ ክኸውን ይኽእል እዩ ትብል።
"ኣዋልድ ናብ ዕድመ ጉብዝና ካብ ዝኣትዋ ጀሚረን፡ በቢ ግዚኡ ምስ ዝቀያየር ሆርሞናዊ ለውጢ ይነብራ።"
"ነዚ ንርእስና ኣይንንእድን ኢና። ንቡር ክፋል ደቂ ኣንስትዮ ምዃኑ ጥራይ ኢና ተቐቢልናዮ። ግደ ሓቂ ግና እዚ ርእሱ ዝኸኣለ ተጻዋርነት ዝሓትት እዩ። ምናልባት እቲ ዝዓበየ ክፋል ፅንዓትና ካብዚ ዝመፅአ እመስለኒ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ንምፍታን ትብዓት ይሃልኻ"
ኣብዚ ዓውዲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ክህልወን ዝኽእል ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ብልጫታት ብርግፀኝነት ክንዛረብ ዘይንኽእል፡ ቁፅሪ ኣብዚ ውድድር ዝሳተፋ ትሑት ብምዃኑ እዩ። ንመበገሲ 'ኣልትራ ማራቶን' ካብ ዝጅምሩ ሰባት፡ ደቂ ኣንስትዮ 20 ሚእታዊት ጥራሕ እየን።
ብሺሬስስ (SheRACES) ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ዘሎ ማሕበረሰባዊ ኣመላኽታት፣ ንስልጠና ክንደየናይ ግዘ ከም ዘድልይ ዘሎ ስግኣት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውድድራት ግቡእ ሓገዝ ዘይምርካብን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ትሑት ክኸውን ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት እዮም።
ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት፡ ኣብ ኒውዚላንድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ መሮር፡ 50 ብ 50 ማለት'ውን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብመዓረ ብዝሒ ዝተሳተፍሉ፡ ፈላማይ ተኸታታሊ ውድድር 'ዩቲኤምቢ' ኰይኑ።
ንተካይዶም ውድድርን ልምምድን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እትስንድ ኣብ ደረጃ ኣማተር ትርከብ ጓል 22 ዓመት 'ኣልትራራነር' (ናይ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቐት ጐያይት) ኤሚሊ ፌርስ፡ "ብፅሒት ዝሳተፋ ትሑት እንትኾን፡ ደቂ ኣንስትዮ ክንደይ ክዕወታ ከም ዝኽእላ ኣይንፈልጥን።
ሕዚ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ናብዚ ስፖርት ክፅንበራ፣ ቅልጣፈአን ክውስኽን ክብረ ወሰን ክሰብራን ምዕዛብ ጀሚርና ኣለና። ስለዚ፡ ኣብ መፃኢ ድሕሪ 10 ክሳብ 15 ዓመት ክንደየናይ ከም ንግስግስ መን ይፈልጥ? ትብል።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


