ኲናት ኢራንን እስራኤልን፡ ዓቕሚ ምጽዋር ቴህራን ይዓቢ ምህላዉ ዘርኢ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ሚሳይላትን ድሮናትን፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሕዝቦላህ ዘካየደቶ መጥቃዕቲታት ግብረ-መልሲ ንምሃብ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ብላዕላዩ ክርአ እንከሎ ወተሃደራዊ ጽልዋኡ ውሱን እኳ እንተ መሰለ፡ ወተሃደራዊ ትርጕሙ ግና ኣዝዩ ዓቢ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እተካይዶም ቀጥታውያን መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ልዕሊ መሬታ፡ ኣዘዝታ ወይ ረብሓታታ ንዝተፈጸሙ ስጕምቲታት ከም ሕነ ምፍዳይ ገይራ እያ ንዓመታት ክትገልጾ ጸኒሓ።
እዚ ናይ ሎሚቕነ ግን ዝተፈልየ እዩ። ቴህራን ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደት፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ካብ መሻርኽታ ድሕሪ ዝተፈጸሞ መጥቃዕቲ እዩ።
እስራኤል ምስ ሕዝቦላህ ምትእስሳር ኣለዎ ኣብ ዝበለቶ ከባቢታት - ደቡባዊ በይሩት ዝርከብ ህንጻ - ድሕሪ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ ድማ እዩ።
ሰራዊት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፍጽሞ መጥቃዕቲታት ከም ዘቋርጽ ብሰኑይ ገሊጹ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ እቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝተወሰደ ውሳነ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ የልዕል፤ መሪሕነት ኢራን፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤል ክስዕብ ከም ዝኽእል እናፈለጠን ምስ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ተኣፋፊ ዘተ ሰላም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል እናተገንዘበን፡ ብኸመይ ነዚ ስጕምቲ ንምውሳድ እዋኑ ሕጂ እዩ ኢሉ ክግምግም ክኢሉ?
መልሱ፡ መራሕቲ ኢራን ድሕሪ'ቲ ኣዋርሕ ዝወሰደ ግጭት ዘለዎም መርገጺ ከመይ ምዃኑ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ኣብቲ ውግእ ብገለ መዳያት እኳ እንተ ተዳኸመ፡ ብኻልእ ሸነኽ ግን ዝለዓለ ስምዒት ተጻዋርነት ከም ዘለዎ ኒሕ ሰኒቑ እዩ ወጺኡ።
ዋላ'ኳ ብርቱዕ ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ ቍጠባዊ እገዳታትን ዕጽዋ ወደባትን እንተ ነበሮ፡ እቲ መንግስቲ ክምክት ክኢሉ እዩ።
ገና'ውን ኣብ ስልጣን ይርከብ፤ ጸጥታዊ መሓውሩ ብምሉእ ተዓቂቡ ኣሎ።
ብተጻረርቱ ዝተፈላለየ ግምታት እኳ ይወሃበሉ እንተ ነበረ፡ ዝዀነ ይዅን ህዝባዊ ናዕቢ ኣይተራእየን።
እዚ ተመኵሮ'ዚ ንኣተሓሳስባ ቴህራን ቀዪርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኢራን ንገዛእ-ርእሳ ካብ ግጭት ክትርሕቕ እትደሊ ተነቃፊት ገይራ ኣብ ክንዲ ምርኣይ፡ ንሓያል መከራ እትምክትን ናይ ድርድር ዓቕማ ዘዕበየትን ገይራ ክትዕዘባ ጀሚራ ኣላ።
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንላዕሊ ንምክልኻል ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ቴህራን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉዋ መሻርኽቲ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ገዛእ-ርእሳ ከም ዝፍጸሙ ተገይሮም ክውሰዱ ከም ዘለዎም መልእኽቲ ተመሓላልፍ ኣላ።
እዚ ዓይነት መልእኽቲ እዚ፡ ንሕዝቦላህ፡ ንዕጡቓት ዒራቕን ንኻልኦት ኣባላት ናይቲ "ኪዳን ሓይሊ ምክልኻል" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዞባዊ መርበብን ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ኣለዎ።
ጽልዋ ኢራን ብኸፊል ኣብቲ ኣብ ጐድኒ መሻርኽታ ክትስለፍ ትኽእል እያ ዝብል እምነት ዝተመርኰሰ እዩ። ንእስራኤል ብወግዒ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃብ፡ ግብረመልሲ ከይሃብካ ምትራፍ ነቲ ተኣማንነት ክጐድኦ ይኽእል ነይሩ እዩ።
በዚ መዳይ ክርአ ከሎ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ንእስራኤል ጥራይ ዝዓለመ ኣይነበረን።
ቴህራን ነቲ ትህቦ ዝነበረት መጠንቀቕታታት ናብ ተግባር ክትቅይሮ ትኽእል ድያ ኢሎም ኣስኪኦም ንዝከታተሉ ዝነበሩ መሻርኽቲ ኣመሪካን እስራኤልን ዝዀኑ ዞባውያን ሃገራት መልእኽቲ ንምሕላፍ ዝዓለመ'ውን እዩ።
እዚ ሓደስቲ ምዕባለታት ዝርኣየሉ ዘሎ ግዜ'ውን፡ ብማዕረ ሕቶ ዝፈጥር እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስምምዕ ክግበር ከም ዝከኣል ጠቒሱ ነይሩ።
እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣተሓሳስባ ኢራን፡ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ መስርሕ ኣብ ሓደጋ ከይተእትዎ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ክትሕየብ እዩ።
ይዅን እምበር ቴህራን ብግምጣሉ ክትርእዮ ትኽእል እያ።
መራሕቲ ኢራን፡ ብውሱን ወይ ብዝተሓሰበሉ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣቢልካ ሓይሊ ምርኣይ፡ ነቲ ኣብ መኣዲ ዘተ ዘለዎም መርገጺ ከዳኽሞ ዘይኰነስ ክድግፎ ከም ዝኽእል ደምዲሞም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ኢራን ሓይሊ ንምጥቃም ዘለዋ ድልውነት ምርኣይ፡ ዋሽንግተንን ቴልኣቪቭን ቴህራን ገና ካልኦት ኣማራጺታት ከም ዘለዋ ንምእማት ዝዓለመ እዩ።
እዚ ማለት ግን ኢራን እቲ ዘተ ክፈሽል ትደሊ እያ ማለት ኣይኰነን።
ቴህራን ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ልማድ ንምስባርን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንምሕላፍን ስጕምቲ ዝወሰደት እኳ እንተ መሰለት፡ እቲ መጠን ግን ነቲ ወተሃደራዊ ምስሕሓብ ዘይተርፍ ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን።
እቲ ሕሳብ ቅኑዕ ምዃኑን ዘይምዃኑን ናብ መጻኢ ዝግደፍ እዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

