ኤውሮጳ ኣብ ሓያል ዋዒ፣ ፈረንሳ፡ ብሪጣንያን ስጳኛን ክብረ-ወሰን ዝሰበረ መጠን ሙቐት ኣመዝጊበን

በጻሕቲ ሃገር ጽላል ተሰኪሞም ብቤተመዘክር ሉቭር እናሓለፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓያል ማዕበል ዋዒ፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ መጠን ሙቐት ንምምዝጋብ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

በዚ ድማ ፈረንሳ ታሪኻዊ ዝለዓለ ናይ ሙቐት መዓልታ ከተሕልፍ ከላ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ሰነ ዝለዓለ ክብረ-ወሰን ሙቐት መዝጊባ፣ ስጳኛ ድማ ካብ 1950 ንደሓር ዝለዓለ መዓልታዊ ማእከላይ መጠን ሙቐት ሰኒዳ።

ዓሰርተታት ሚልዮናት ዝግመቱ ሰባት ምስቲ ኣብ ፓሪስ ዳርጋ 41 ደረጃ ሰልሲየስ ዝበጽሐ ብርቱዕ ዋዒ ይቃለሱ ኣለዉ። እዚ ከቢድ ዋዒ ድማ ኣብ ሓያሎ ዞባታት እታ ኣህጉር ቀይሕ መጠንቀቕታ ረስኒ ክእወጅ ገይሩ ኣሎ።

ኣብ ዓሰርተታት ቦታታት ኣብ መዓልትን ለይትን ዝተለክዐ ማእከላይ መዐቀኒ ሙቐት ፈረንሳ፡ ኣብ ረቡዕ 30 ደረጃ ሰልሲየስ ብምብጻሕ፡ ካብቲ መዛግብቲ ክስነድ ዝጀመረሉ 1947 ንደሓር እታ ዝለዓለ ዋዒ ዝተመዝገበላ መዓልቲ ኰይና።

ልዕሊ ፍርቂ ክፋል ናይታ ሃገር ገና ኣብ ትሕቲ ቀይሕ ናይ ረስኒ መጠንቀቕታ ክጸንሕ ከሎ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባይቲ ካብ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ወጻኢ ኰይኖም ኣለዉ።

ለውጢ ክሊማ ኣብ ኵሉ ክፋል ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኤውሮጳ፡ ሙቐት ንኽውስኽ ይገብር ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ክሊማ ኮፐርኒከስ፡ ኤውሮጳ ካብቲ ዓለምለኻዊ ማእከላይ መጠን ብዕጽፊ ዝያዳ ትመውቕ ብምህላዋ፡ እታ ብቕልጡፍ ትመውቕ ዘላ ኣህጉር እያ።

እዚ ድማ ኣብ እዋን ሓጋይ ዝኽሰት ማዕበል ዋዒ ንኽውስኽ፡ ኣብ ቀረብ ማይ ኤውሮጳ ከቢድ ጸቕጢ ንኽፈጥርን ዝያዳ ብርቱዕ ሓደጋ ባርዕ ጫካታት ንኽለዓዓልን ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ስነ-ኣየር ፈረንሳ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝተመዝገበ ግዝያዊ ዝለዓለ መጠን ሙቐት፡ "ምስቲ ናይ ቅድመኡ መዓልቲ ክነጻጸር ከሎ ብተዛማዲ ህድእ ዝበለ እዩ ነይሩ።"

ኣብ መብዛሕትኡ ምዕራባዊ ክፋል ፈረንሳ ዝለዓለ ሙቐት ካብ 39 ደረጃ ሰልሲየስ ክሳብ 43 ደረጃ ሰልሰስ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዞባ ፖይቱ-ሻረንትስ-ቫል ደ ሎይር 43 ደረጃ ሰልሲየስ ተመዝጊቡ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ፒሶስ ኣብ መዓልቲ ሰሉስ ዝተመዝገበ 44.3 ደረጃ ሰልሰስ ብውሑድ ዝተሓተ እዩ።

እቲ ብርቱዕ ዋዒ፡ ክልተ ካብ ታሪኻውያን ፍሉጣት ቦታታት ፓሪስ ዝዀኑ ቤተ-መዘክር ሉቭርን ግምቢ ኤፌልን ካብቲ ልሙድ ሰዓቶም ኣቐዲሞም ክዕጸዉ ገይሩዎም እዩ።

ደረጃታት ሙቐት ብሕብሪ ዘርኢ ካርታ ፈረንሳ

ወሃቢ-ቓል ቤተ-መዘክር ሉቭር፡ እቲ ህንጻ ምስ ለውጢ ክሊማ ዝተዓጻጸፍ ስርዓት ከም ዘይተገብረሉ ሓቢሩ።

ካብ ሓሙስ ጀሚሩ ኣብ ፈረንሳ ምስቲ ማዕበል ዋዒ ብዝተሓሓዝ ብውሑዱ 40 ሰባት ኣብ ማይ ጥሒሎም ሞይቶም። ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ'ውን ኣብ ጂሮንድ ኣብ ዝርከብ ገምገም ባሕሪ ቤግለስ ሓደጋ ጥሕለት ኣጋጢሙዎ እዩ።

ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ እዋን ሓያል ዋዒ ሓደጋ ባርዕ ጫካታት ክኽሰት ዓቢ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ኣብ ዞባ ሜይን-ኤ-ሎይር፡ ኣብ ጫካ ብሬኞን ኣብ ሳን-ማካይር-ዱ-ብዋ ዘጋጠመ ሓያል ባርዕ ንምምካት ልዕሊ 150 ኣባላት ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ብሰሉስ ተዋፊሮም ነይሮም። እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብታ ለይቲ ተቘጻጺሮሞ ከም ዝሓደሩ ድማ ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።

ምኒስተር ዕዮ ዣን-ፒየር ፋራንዶ ከም ዝገለጾ፡ ፈረንሳ፡ "ሓንቲ ካብተን ውዑያት ሃገራት ምዃና ትግንዘበሉ ዘላ መስርሕ እዩ፡" ብምባል፡ ሕብረተሰብ ምስዚ ኵነታት ክተዓጻጸፍ ከም ዝግብኦ ኣጠንቂቑ።

ካብ ዓርቢ ጀሚሩ እቲ ዋዒ ቀስ ብቐስ ክጐድል ከም ዝኽእልን ብተዛማዲ ርግኣት ክምለስ ከም ዝኽእልን ይግመት።

እቲ ማዕበል ዋዒ ብረቡዕ ናብ ካልኦት ክፋላት ምዕራብ ኤውሮጳ ዝሰፈሐ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ሳሕቲ ዝእወጅ ቀይሕ ናይ ረስኒ መጠንቀቕታ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ደረጃ ሙቐት ዘርኢ ካርታ ኢጣልያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብረቡዕ ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ጎስፖርት ሃምፕሻየር መጠን ሙቐት 36.1 ደረጃ ሰልሲየስ (97 ፋረንሃይት) ብምምዝጋብ ኣብ ሰነ ዝለዓለ ሙቐት ኣመዝጊባ። ብሓሙስ ድማ እቲ ሙቐት ክሳብ 38 ደረጃ ሰልሰስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ሰብ-ሞያ ትንበያ ስነ-ኣየር ይገልጹ።

ስጳኛ እውን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ብርቱዕ ዋዒ ዘጋጠማ ኰይና፡ ቤትጽሕፈት ስነ-ኣየር እታ ሃገር ከም ዝሓበሮ ማእከላይ መዓልታዊ ሙቐት ኣብ ሰኑይ 28.08 ደረጃ ሰልሲየስ፡ ኣብ ሰሉስ ድማ 28.17 ደረጃ ሰልሲየስ ብምምዝጋብ ንሰነ ኣብ ታሪኽ ዝለዓለ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ገለ ክፋላት ሰሜን ስጳኛ ቀይሕ ናይ ረስኒ መጠንቀቕታ ጸኒዑ ከም ዘሎን ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገራት ባስክ ድማ ዝለዓለ ሙቐት ክሳብ 42 ደረጃ ሰልሰስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ቤትጽሕፈት ስነ-ኣየር ኤይመት ሓቢሩ።

ኣብ ኢጣልያ'ውን መብዛሕትኦም ኣብ ሰሜናውን ማእከላይን ክፍልታት እታ ሃገር ዝርከቡ 16 ዞባታት ኣብ ትሕቲ ቀይሕ መጠንቀቕታ ይርከቡ።

ኣብ ጀርመን፡ ኔዘርላንድስን በልጁምን ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ዝለዓለ መጠን ሙቐት ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።

እቲ ማዕበል ዋዒ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ናብ ምብራቕ ኤውሮጳ ክዝርጋሕ ዝኽእል ኰይኑ፡ ኣብ ሃገራት ፖላንድ፡ ክሮኤሽያን ሃንጋርን ንመወዳእታ ሰሙን ሓያል ናይ ረስኒ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ ኣሎ።

ጀርመን ምስዚ ዋዒ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣብ ማይ ከም ዝጠሓሉ ዝሓበረት ኰይና፡ ሓደ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ብሰሉስ ምሸት ኣብ ጥቓ ባቫርያ ረገንስበርግ ኣብ ዝርከብ ሩባ ዳኑብ ድሕሪ ምእታዉ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ገለ ከባቢታት ሓደጋ ደርቂ ክኽሰት ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ። ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ዲ ዌልት፡ ኣብ ብራንደንበርግ፡ ሄሰን ሰሜን ራይን-ዌስትፋልያን ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን፡ ህዝቢ ማይ ብቝጠባ ንኽጥቀም ይጽውዑ ኣለዉ።

ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ከተማታት ስቱትጋርትን ፍራይቡርግን (ባደን-ቩርተምበርግ) ኣብ ወጻኢ መግቢ ናይ ምጥባስ (ባርበኪው) እገዳ ተነቢሩ ኣሎ።

ቤትጽሕፈት ስነ-ኣየር ኔዘርላንድስ፡ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ዞባታት እታ ሃገር፡ "ሓደገኛ ኵነታት ኣየር ክኽሰት ልዑል ተኽእሎ ኣሎ፡" ዝብል ናይ ኦረንጅ ኮድ መጠንቀቕታ ኣዊጁ ኣሎ።

እቲ ቤትጽሕፈት፡ ዝለዓለ ሙቐት 37 ደረጃ ሰልሲየስ ክኸውን ከም ዝኽእልን ብዓርቢ ድማ እቲ ሙቐት ክሳብ 39 ደረጃ ሰልሰስ ክበጽሕ ከም ዝኽእልን ሓቢሩ።

መብዛሕትኡ ክፋል በልጁም እውን ኣብ ትሕቲ ናይ ኦረንጅ መጠንቀቕታ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት ዝለዓለ ሙቐት ክሳብ 37 ደረጃ ሰልሲየስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግመት።