ሓባራዊ 'ኣዋጅ ሰላም' መራሕቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ምንታይ ዘተኮረ'ዩ?

ቭላድሚር ፑቲን፡ ሺ ዢንፒንግን ዶናልድ ትራምፕን ድሕሪ ስሉሳዊ ርክቦም ደው ኢሎም እናተሳእሉ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መራሕቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ቻይና ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ "ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላም" ኣውጺኦም።

ሺ ዢንፒንግ፡ ቭላድሚር ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ቻይናዊት ከተማ ሸንዘን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘይልሙድ ስሉሳዊ ዋዕላ'ዮም ነቲ መግለጺ ኣውጺኦም ዘለዉ።

እቲ ዋጅ፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ ስትራተጂካዊ ምርግጋእን ጸጥታ ዓለምን ንምውሓስ ከምዝተረዳድኡ ይጠቅስ።

ተወሳኺ ቀረብ ፍርያት ዝተጻረዩ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ውጥን ከምዘውጽኡ'ውን እቲ ሰነድ ኣስፊሩ'ሎ።

ንዓለምለኻዊ ሓለዋ ሰበስልጣን ካብ ገበናዊ ክስታት (ኢሚዩኒቲ) ብዝምልከት ድማ፡ "ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲን ከምኡ ዝበሉ ካልኦት ትካላት ዓለምን ካብ ደረት ስልጣኖም ከይሓልፉ ተሰማሚዖም" ኣለዉ።

ንጉዳይ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ብምዝምልከት፡ "ኑክሌራዊ ኲናት ዝዕወተሉ ስለዘየለ ክፍጸም የብሉን" ብምባል ሰለስቲኦም መራሕቲ ተሰማሚዖም ከምዘለዉ እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ትራምፕ፡ ሺን ፑቲንን ሓባራዊ መግለጺ ድሕሪ ምውጽኦም'ውን ብንጽል ጋዜጣዊ መብርሂታት ሂቦም ነይሮም።

ኣአንጋዲ ናይቲ ዋዕላ ዝኾነ ሺ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር "ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዘንጸላለወ ሴፍ ዳሞኪልዝ እዩ" ክብል ገሊጽዎ። እቲ ኣገላልጻ ናይ ጥንታዊት ግሪኽ ኮይኑ፡ ሕሉፍ ስልጣንን ሃብትን ንዘምጽኦ መዘዝ ዘመልክት እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ጠቕሊሉ ክእገድን ፍጹም ክዓኑን ኣለዎ" ብምባል ድማ "ኑክሌራዊ ኲናት ክትዕወተሉ ዘይክኣል ስለዝኾነ ክግበር የብሉን" ኢሉ።

ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ እቲ ስሉሳዊ ኣኼባ "ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ኣገዳሲ ምዕራፍ" ከምዝኾነ ገሊጹ'ሎ።

ፑቲን ነቲ "ኣዋጅ ሰላም" ኣብ ዝፈረመሉ እዋን፡ ድሮናትን ሚሳይላትን ንዒላማታት ዩክረይን ክድስቕ ሓዲሩ'ዩ።

ነቲ ኲናት ብዝምልከት፡ ብራስለስን ኪቭን ሕደገታት ክገብሩ ድልዋት ኣይኮኑን ክብል ብምውቃስ መራሕቲ ኣውሮጳ ቅቡል እማመ ሰላም ሒዞም ናብ ሞስኮ ክመጹ ዓዲሙ።

መራሕቲ መሻርኽቲ ዩክረይን ዝኾና ሃገራት ኣውሮጳ ብዛዕባ'ቲ ኲናት ንምዝርራብ ናብ ከተማ በርሊን ይኣትዉ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሮ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናብታ ጀርመናዊት ከተማ ኣትዩ ኣሎ።

ፑቲን፡ ንምስፍሕፋሕ ኑክሌር ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ሃገሩ ብተክነሎጂ ኑክሌርን ሰላማዊ መዓላኡን መሪሕ ቦታ ሒዛ ብምህላዋ ብልጫታት ከምዘለዋ ተዛሪቡ።

እቲ ስሉሳዊ ዋዕላ፡ ምስቲ ኣብ 1945 ዝተኻየደ ስሉሳዊ 'ጉባኤ ያልታ' ብምንጽጻር ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ "ኣብ ያልታ ንዓለም ዝኸፋፈለ ኣይነበረን" ብምባል ነቲ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝመጸ ስርዓት መገዲ ከምዝጸረገ ኣሚቱ።

ጉባኤ ያልታ ኣብ ከባቢ ናይዚ ሕጂ ሩስያ ኣብ 2014 ካብ ዩክረይን ብሓይሊ ዝጐበጠቶ ዞባ ክሪምያ ዝተኻየደ ዋዕላ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ፍራንክሊን ሩዘቨልት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ነበር ዊንስተን ቸርችልን መራሒ ሶቬት ነበር ጆሰፍ ስታሊንን ንናዚ ጀርመን ንምስዓር ሓባራዊ ወጥን ዘውጽእሉ'ዩ ነይሩ።

ጽገና ሕቡራት ሃገራት ሓደ ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበሎም ጉዳያት ምንባሩ'ውን ፑቲን ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ፡ ነቲ ስሉሳዊ ኣኼባ ብምውዳቡ ንፕረዚደንት ሺ ብምምስጋን "ናይ ብሓቂ ታሪኽ ከምዝሰርሑ" ተዛሪቡ።

"መብዛሕትኡ እዋን መራሕቲ ምስተን ፍልልያት ዘለወን ሃገራት ካብ ምዝርራብ ዓዲ ክውዕሉ'ዮም ጸኒሖም"።

"ካብ ምሕዝነት ሃዲምካ ዝተረጋገጸ ሰላም ሃልዩ ኣይፈልጥን'ዩ" ዝበለ ትራምፕ፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ "ፍሉይ ሓላፍነት" ከምዘለዎም ገሊጹ።