ጆርጅያ መሎንን ትራምፕን፡ ንምዕራዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ቅሉዕ ምስሕሓብ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ትራምፕን ቀዳመይቲ ምኒስተር ጆርጅያ መሎኒን ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ መሰረት ብምግባር ሓያሎ ስእላዊ-ላግጺታት (ሜመ) ክዳሎ ቀንዩ ኣሎ።
ኣብቲ ኣሳእል ንጆርጅያ መሎኒ ካብ ፍቕራዊ ዝምድና ዝተባተኸት ሓዳሽ 'ሲንግል' ዘመስል እዩ ነይሩ። ሓንቲ ካብ ዝምድናኣ ዝተፈላለየት ጓለንስተይቲ ክትገብሮ እትኽእል ብምውካል ድማ ክላገጹ ተራእዮም።
ኣብቲ ኣሳእል፡ ጆርጅያ መሎኒ ሓድሽ ቅዲ ጸጕሪ እናገበረት፡ ንዕረፍቲ ጕዕዞ እናሰርዐት፡ ንማራቶን ክትስልጥንን መጻምድቲ ኣብ ዘራኽብ መተግበሪ ክትጽንበርን ብዘርኢ ተዳልዩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘዋወር ተራእዩ።
ብርግጽ ካብቶም ኣሳእል ሓደ እኳ ሓቂ ኣይኰነን። እንተዀነ፡ እቲ ዋዛ ንተዓዘብቲ ክስሕብ ዝኸኣለሉ ምኽንያት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ቀዳመይቲ ምኒስተር ኢጣልያን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ዘሎ ኵሉ ዝፈልጦ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዘንጸባርቕ ብምዃኑ እዩ።
ርክቦም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ግሁድ ሓድሕድ ምጥቕቓዕ ቃላት ናብ ግላዊ ጸርፍታትን ምስሕሓባትን እናተቐየረ ከይዱ እዩ።
ጆርጅያ፡ "መጓጅምቲ ትራምፕ" ተባሂላ እያ ክትጽዋዕ ጸኒሓ። ትራምፕ ንኻልኣይ እብረ ናብ ዋይትሃውስ ምስ ተመልሰ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቃለመሓላ ድግስ፡ ጆርጅያ ኣብ ቅድሚት ኮፍ መበሊ ዝተዋህበት እንኮ ኤውሮጳዊት መራሒት እያ ነይራ።
ኣብ ዝሓለፈ ምያዝያ፡ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃለኽቲ ኣቑሑ ኤውሮጳ ዘንበረቶ ወሰኽ ቀረጽ ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምህዳእ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ንምኻድ ዝተመርጸት መራሒት ሕብረት ኤውሮጳ'ውን እያ።
እቲ ምስ ትራምፕ ዝጸንሓ ጥቡቕ ዝምድና ድማ ከም ሓደ ጠቓሚ ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳር እዩ ክርአ ጸኒሑ - ብሕብረት ኤውሮጳ።
እንተዀነ፡ ጆርጅያ ንዘይተገማቲ ባህርያት ትራምፕ ክትሕዞ ኣጸጋሚ ኰይኑዋ ኣሎ።
እቲ ፈለማ ዝምድናኦም ክሽሕክር ዝተራእየ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ኰይኑ፡ ምኒስትሪ ምክልኻል ኢጣልያ ንወተሃደራውያን ነፈርቲ ኣመሪካ ኣብ ሲሲሊ ዝርከብ መዓስከር ኔቶ ከይጥቀማ ምስ ከልከለን እዩ።
እዚ ውሳነ፡ ካብ ሕገ-መንግስቲ ኢጣልያን ህዝቢ ኣንጻር ውግእ ካብ ዘለዎ ዓሚቝ ተቓውሞን ዝመንጨወ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሒደት ሰሙናት እቲ ምስሕሓብ እናበኣሰ ቀጺሉ።
ትራምፕ ንርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ልዮ መበል 14፡ "ኣብ ልዕሊ ገበን ድኹም፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ድማ ኣዝዩ ሕማቕ፡" ክብል ገሊጹዎም።
ንሓንቲ ዓሚቝ ካቶሊካዊ እምነት ዘለዋ ሃገር እትመርሕ ጆርጅያ ድማ ነቲ መጥቃዕቲ "ቅቡል ኣይኰነን" ክትብል ገሊጻቶ።
ትራምፕ ነዚ ብጽቡቕ ኣይተቐበሎን፤ "ብኣኣ ተገሪመ ኣለኹ" ክብል ነታ 'ኮርየረ ዴላ ሴራ' እትበሃል መዓልታዊ ጋዜጣ ኢጣልያ ገሊጹ። "ትብዓት ዘለዋ ይመስለኒ ነይሩ፣ ግን ተጋግየ።" ወሲኹ ድማ፡ "ንሳ ቅብልቲ ኣይኰነትን..." ኢሉ።
ብሰነ ግን ኵነታት ዝመሓየሽ መሲሉ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7፡ ትራምፕን ጆርጅያን ኣብ ሓደ ሶፋ ኰይኖም ጕጅም እናበሉ ዝተሳኣሉዎ ኣሳእል ተዘርጊሑ።
ጆርጅያ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ሃዋሁ "ኣዝዩ እወታዊ" ከም ዝነበረን "ዝዀነ ምስሕሓብ" ከም ዘይነበረን ገሊጻ።
ጋዜጠኛታት ነቲ ዜና ጽሒፎም ከይወድኡ ግና ነገራት ዳግማይ ተበላሽዩ።
ትራምፕ ምስ ሓደ ኣብ ኢጣልያ ዝመደበሩ ተለቪዥን 'ላ7' ብተለፎን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ከም ዝለመነቶ" ገሊጹ። እቲ ዘረባኡ ኣይተሰምዐን፣ ብቛንቋ ጥልያን ዝተተርጐመ እዩ ሸፊኑዎ ተሰሚዑ።
"ምሳይ ክትስኣል ኣዝያ እያ ደልያ ነይራ፡" ይብል'ሞ፡ ቀጺሉ፡"ምስኣ ኣይምተሳእልኩን ነይረ፡ ግን ደንጊጸላ፡" ኢሉ።
ጆርጅያ መልሲ ንምሃብ ብዙሕ ኣይተጸበየትን። ኣብቲ ዝዘርግሓቶ ቪድዮ፡ እቲ ትራምፕ ዘቕረቦ ዛንታ "ምሉእ ብምሉእ ዝተማህዘ" ምዃኑ ገሊጻ።
"ፕረዚደንት ኣመሪካ ምስ መሓዙት ሃገራት ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ባህሪ ከም ዘርኢ ኣይፈልጥን እየ፡" ዝበለት መሎኒ፡ እዚ ክኸውን ንመጀመርታ ግዜ ከም ዘይኰነ ድማ ወሲኻ ሓቢራ።
"ኣነ ጥራይ ክብሎ ዝኽእል፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ምስ ጸላእቲ ምዕራብን ጸላእቲ ኣመሪካን ከርእዮ ዘለዎ ቆራጽነት ዘይምርኣዩ ዘሕዝን እዩ—ነቶም መራሕቶም ግን ብኣንጻሩ ብዝያዳ ክረዲ እዩ ዝርአ።"
"ግን ክዝክሮ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ፣ ኣነ ይዅን ኢጣልያ ከቶ ኣይንልምንን ኢና።"
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታያኒ ናብ ዋሽንግተን ክገብሮ ወጢኑ ዝነበረ ጕዕዞ ሰሪዙዎ።
ፕረዚደንት ኢጣልያ ሰርጆ ማታሬላ ናብ ጆርጅያ ተለፎን ብምድዋል ደገፉ ገሊጹላ። መሻርኽቲ መንግስቲ መሎንን ኣባላት ባይቶን እቲ ዘረባ፡ ንኽብሪ ኢጣልያ ዝትንክፍን ይቕረታ ክሕተተሉ ዝግባእ ምዃኑን ክገልጽዎ ከለዉ፡ ኣባላት ተቓወምቲ ድማ ነቲ ዘረባ ከም ዘይቅቡልን ንምልእቲ እታ ሃገር ዝጸርፍን ገይሮም ብምውሳድ ኰኒኖሞ።
ትራምፕ ኣብ ካምፕ ዴቪድ ኰይኑ ነቲ ዘረባኡ ብምድጋፍ፡ እታ ቀድመይቲ ምኒስተር፡ "ብተደጋጋሚ" ምስኡ ክትስኣል ከም ዝሓተተቶ ብምግላጽ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ጽሒፉ። ኣመሪካ "ንኢራን ብወተሃደራዊ መንገዲ ምስ ሰዓረታ"፡ ጆርጅያ ዳግማይ "ክትፈትዎ" ትጽዕር ከም ዘላ እውን ከሲሱ።
እቲ ምስሕሓብ ዝሃድእ ኣብ ዝመስለሉ ዝነበረ እዋን፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝምልከት ካልእ ምስሕሓብ ዳግማይ ተላዒሉ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
