ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል ተመሪጹ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብይ ኣሕመድ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል ተመሪጹ።

ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ'ዩ ስልጣን ናይቲ ቀዳማይ ምኒስተር ክቕጽል ኣድሚጹ ዘሎ።

እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ ዝበዝሐ ድምጺ ድሕሪ ምርካቡ ይዝከር።

እቲ ሰልፊ፡ ካብ 501 ዝተወዳደሮ ን438 መናብር ከምዝተዓወተ'ዩ ኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ መረጻ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ከምዘይነበረን ኣብ ልዕሊ ገለ ሰልፊታት ጸቕጥታትን እገዳታትን ከምዝተገብረ ዝገልጽ ነቐፌታታት ቀሪብሉ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

እቲ ናይ ሎሚ መረጻ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ክኸውን'ዩ።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መጋባእያ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ "ማዕበል ለውጢ" ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ወሳኒት ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።

ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን "ብሓባር ከም ዝተላዕሉ" እንተዀነ ግን "ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።

"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ'ዩ" እውን ኢሉ።

"ኣብ በረኻታት ዘለኹም ኢትዮጵያውነን [ዕጡቓት ተቓወምቲ] ናብ ሰላም ንዑ" ክብል'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ፈደራል ምስ ህወሓትን ፋኖን ዝርከቦም ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጕጅለታት ኣብ ዝዋጋኣሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ድሮ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ናይ ሎሚ መረጻ ተኻይዱ ዘሎ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻየደ መረጻ ዳርጋ መላእ ትግራይን ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዘይተሳተፍሉ'ዩ ነይሩ። ብፍላይ ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይዅን ቤት ምኽሪ ፈደራሽን ብዘይ ውክልና ተሪፋ ኣላ።

ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮምሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፈደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከም ዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።

ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ሕገ መንግስቲ ፈደራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣኣንፊቱ ኣሎ።

ምኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኣሕመድ ሸዴ ንኣቶ ታገሰ ጫፎ ብምትካእ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኰይኑ ከምዝተመረጸ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ውን፡ ንወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣፈኛ ክትከውን መሪጹዋ። ንሳ፡ ምኒስተር ሰላም፡ ከምኡ'ውን ምኒስተር ዕዮን ሞያን ዝነበረት'ያ።

ንፈለማ እዋን ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝደየበ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ገዛኢ ውድብ ኢህኣደግ ናብ ሓደ ውሁድ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ቀየሮ ህወሓት ኣባልነቱ ብምስሓብ ናብ ትግራይ ከምዝተወሰነ ይዝከር።