መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ሱዳንን ሶማልያን እንታይ ተሰማሚዖም?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ ብዝገበረሎም ዕድመ ኣብ ግብጺ ከተማ ኒው ኣል ዓለሜን ዝተኣከቡ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምኡ ከኣ ኣቦወንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ቀዳምን ሰንበትን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ ንኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝውክል "ሓባራዊ ኣዋጅ ኣል ዓለሜን" ዝሰመይዎ ኣዋጅ ኣውጺኦም።

እዞም ኣርባዕተ መራሕቲ ዝተሰማማዕሎም ጉዳያት ሽዱሽተ ነጥብታት ዝሓዙ ኰይኖም ንጉዳያት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን ፈለግ ኒልን ኣብ ዝምልከት ዘለዎም ሓባራዊ ኣረኣእያ ብመልክዕ ኣዋጅ ኣጽዲቘም።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ግብጺ ኣምባሳደር ኣሕመድ ፋህሚ ድሕሪ እቲ ኣዋጅ ምውጽኡ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ መንጎ ኣርባዕቲአን ሃገራት ምውህሃድን ምትሕብባርን ንምዕባይ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዉ ሓደስቲ ምዕባለታት፡ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ካልኦት ጉዳያት ኣፍሪቃን ዞባውን ጉዳያት ኣድሂቦም ከም ዝተዘራረቡን ከም ዝተሰማምዑን ገሊጹ።

ርክብ ናይዞም መራሕቲ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ ተጓሃሂሩ ዘሎን ናብ ዶብ ኤርትራ ገጹ ዝቐርብ ዘሎን ግጭትን፡ ሱዳን፡ ኤርትራን ግብጽን ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ምትእትታው ይገብራ ኣለዎ ኣብ ዝበለቶ ዝተፈጸመ ምዃኑ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ብ1 ጥቅምቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ብምቁራጽ ንኢምባሲኣ ካብ ኤርትራ ስሒባ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ 10 ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራ'ውን ካብ ኢትዮጵያ ንኽወጽኡ ናይ 48 ሰዓታት ገደብ ግዜ ኣቐሚጣትሎም፤ ኤርትራ'ውን ከም ግብረመልሲ ነቲ "ተጻባኢ" ዝበለቶ ውሳነ ኢትዮጵያ ብምንቃፍ፡ ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራውያን ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ኣብ ኤርትራ "ውሽጣዊ ግጭት ብምስዋር ናይ ስርዓት ለውጢ" ክትፈጥር ትፍትን ከምዘላ ከሲሳ።

ካብዚ ብምብጋስ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ ኤርትራ ዓጸፋ ምላሽ ካብ ምሃብን ምስ ኢትዮጵያ ዝህልዋ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ካብ ምብታኽን ካልእ ኣማራጺ የብላን" ብምባል ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ምሉእ ብምሉእ ምብታኻ ኣፍሊጣ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራ ዝነበረ ግብጻዊ ዲፕሎማት ካብ ሃገራት ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽእ ክትሕብሮ እንከላ ግብጺ'ውን ከም ግብረ መልሲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ካብ ሃገራት ክወጽእ ኣዚዛ።

ድሕሪ'ዚ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልታት - ብ 3 ጥቅምቲ ምትእኽኻብ መራሕቲ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዝኽሰት ዘሎ።

እቲ ስምምዕ እንታይ ነጥብታት ዝሓዘ'ዩ?

እዞም ቀዳምን ሰንበትን ኣብታ ኣብ ሰሜን ግብጺ ኣብ ገምገም ማእከላይ ባሕርን ጸጋማይ ጫፍ ናይቲ ብፈለግ ኒል ዝለምዕ ሕርሻን እትርከብ ሓዳስ ከተማ ኣልዓለሜን ዝተኣኸኸቡ መራሕቲ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ሶማልያን፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ሶማልያን፡ ኣጠቓቕማ ፈለግ ኒልን ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዝምልከቱ ስምምዓት ጸዲቖም።

እዞም ኣርባዕተ መራሕቲ ኣብ እዋናውን ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ጽዑቕ ሕውነታዊ ምኽርታት ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ኣርባዕቲአን ሃገራት ፖለቲካዊ፡ ንግዳውን ቍጠባውን ምትሕብባር ንምዕባይን ኣብ መንጐአን ዝግበር ምምኽኻርን ምውህሃድን ንምሕያል ምርድዳኦም ኣብቲ ኣዋጅ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣብ ካልኣይ ነጥቢ ተጠቒሱ ዘሎ ስምምዕ ከኣ "መሰረታዊ መትከላትን ኣዕኑድን ኣህጉራዊ ሕጊ ከም መሰረት ዞባዊ ምርግጋእን ምትሕብባርን" ብምውሳድ ብፍላይ ድማ "ምኽባር ልዑላውነት፡ ምርግጋእን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሃገራት እቲ ዞባ፡ መትከላትን ሰናይ ጉርቡትና" ምኽባር ከምዘድሊ ብምጥቃስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት እቲ ዞባ ብዝዀነ ይዅን ምኽንያት ምትእታው "ምንጻግ" ከምዘድሊ ብምስምማዕ ንግርጭታት ሰላማዊ ፍታሕ ንምድንፋዕ ክሰርሑ ተሰማሚዖም።

ዞባዊ ምርግጋእ ንምርግጋጽ፡ ንሓባራዊን ዘላቒን ልምዓት ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ቍጠባዊ፡ ንግዳውን ባህላውን ዝምድናታት ንምስጓም፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ኵለን ተሳተፍቲ ሃገራት፡ ሓባራዊ ዕላማታቶምን ሓባራዊ ዕድሎምን ኣብ ግምት ብምእታው ዝምድናታት ዘደልድልሉ ኣገባብ ክህሉ እቶም መራሕቲ ተረዳዲኦም።

ከም ራብዓይ ነጥቢ ኣብ ዝተጠቐሰ ሽዱሽተ ንኡሳት ነጥብታት ዘለዎ ኰይኑ ንጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝምልከት "ንሓድነት፡ ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሪፓብሊክ ሱዳንን ሃገራዊ ትካላታን" ንምድጋፍ ተሰማሚዖም።

ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኣብ ዝምልከት'ውን ብተመሳሳሊ "ንሓድነትን ልዑላውነትን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ምድጋፍን ንዕኦም ንምድኻም ዝዓለመ ዝዀነ ይዅን ምትእትታው" ክነጽጉ ብምስምማዕ፡ ነታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትቘጽርን ሶማልያ ግን ኣካል ግዝኣተይ'ያ እትብላ ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብ ክንጸግ ኣለዎ ኢሎም።

ሶማሊላንድ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ሰነድ ምርድዳእ ተፈራሪማ ምንባራ ዝዝከር ኰይኑ፡ በዚ ዝተለዓል ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓባት ተፈጢሩ ነይሩ'ዩ።

እታ ሓንቲ ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ሂባታ ዘላ ሃገር እስራኤል ጥራይ'ያ።

ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኣብ ዝምልከት እዞም መራሕቲ ኣርባዕቲአን ሃገራት ካልእ ዝተሰማምዕሉ ነጥቢ፡ ነቲ ሶማልያ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ትገብሮ ዘላ ቃልሲ ንኽሕግዝዋን ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን መሻርኽቲ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (AUSSOM) ዕላማኡ ነኸፈጽም እኹል፣ ዘላቒን ክግመት ዝከኣልን ምወላ ክገብርሉን ጸዊዖም።

ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ከኣ ብመትከል ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ገሊጾም።

ካብዘን ነዚ ሰምምዕ ዝፈረማ ኣርባዕተ ሃገራት ብዘይካ ሶማልያ እተን ዝተረፋ ግብጺ፡ ኤርትራን ሱዳንን ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ ኰይነን፡ እዚ ነጥቢ'ዚ ብቐጥታ ነታ ብተደጋጋሚ ኣፍደገ ባሕሪ የድልየኒ'ዩ እትብል ኢትዮጵያ ዝዓለመ ይመስል።

እዞም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኒል ኣብ ዝምልከት ኣብ ዝበጽሕዎ ስምምዕ'ውን "ንሩባ ኣባይ ሓዊሱ ስግረ-ዶባዊ ሩባታት ዝምልከት ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባር" ግዴታ ምዃኑ ብምግላጽ "ንዝነበረ ኣጠቓቕማ ማይ ክልቲአን ታሕተዎት ሃገራት ኣባይ [ሱዳንን ግብጽን] ብኣሉታ ዝጸሉ ዝዀነ ይዅን ናይ ሓደ ወገን ስጕምትታት" ክንጽግኦ ኣርባዕቲአን ሃገራት ተሰማሚዐን።

ግብጽን ኢትዮጵያን በቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሃንጸ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንነዊሕ ዓመታት ዝቐጸለ ምስሕሓብ ከምዘለወን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ግብጺ እቲ ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶ ግድብ ንመጠን ማይ ኒል ዝንኪ'ዩ ብምባል ነዚ ዝነበረ ስምምዓት ዝጥሕስ'ዩ ብምባል ብተደጋጋሚ ንኢትዮጵያ ትኸሳ'ያ።

እዞም መራሕቲ ኣብ መንጐኦም ዝህሉ ምምኽኻርን ምውህሃድን ንምዕባይ ንውጽኢት እዚ ዝተበጽሐ ስምምዓት ንምልኻዕን ዘኽእል ኣገባብ ከተኣታትው ከም ዝተሰማምዑ'ውን ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ ኣሎ።