እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ሓድሽ ምዕባለታት ኲናት ሓይልታት ፈደራልን ትግራይን

ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትማሊ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት‘’ኣይዕወትን’ዩ’’ ብምባል ከም ኣካል ናይቲ ብጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሃገር ዘይምርግጋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ "ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ" ከሲሱ
  • ሓይልታት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተወሃቦም ወግዓዊ ገይሩ
  • ኣማኻሪ ሚኒሰተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "መሪሕነት ህወሓት ብወገን ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈንዮም" ክብል ኣብ ፌስቢክ ገፁ ከሲሱ።
  • መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ
  • ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ብምባል ክሲሱ።
  • ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መልእኽቱ፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ "ምኽንያታዊ ፖለቲካዊ ዘተ ቅኑዕ መንገዲ እዩ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ።
  • ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

    ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።

    እቲ ውግእ ብንጹር ኣበይ ከም ዝተኻየደን ንመን ዒላማ ከም ዝገበረን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብርጋደር ጀነራል ሸሪፎ፡ "ንፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ይዅን ንምልሻ ዓፋር፡ ህዝቢ ወይ ምምሕዳር ኣይተንከፍናን፤ ከምዚ ዓይነት ዕላማ ይዅን መደብ እውን የብልናን፡" ክብሉ መሊሱ።

    ዕላማ ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም "ካብ ባዕልና ዝሸፈቱ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ህዝቢ ትግራይን" ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ምጽራግ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

    እዞም ኣካላት፡ "ዋና መቀላጠፍቲ ናይ ብልጽግና" ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ትግራይ ሰላም ንኸይመጽእ ህውከት ዝፈጥሩ ዘለዉ እዮም፡" ክብል ድማ ከሲሱ።ምሉእ ንባብ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

  2. ኣብ ትግራይ ናይ ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ተቛሪጹ

    ኣብ ክልል ትግራይ፡ ካብ ሓሙስ 24 መስከረም ለይቲ ኣትሒዙ ናይ ትካል ኢትዮ ተለኮም ኣገልግሎት ተለፎንን ኢንተርነትን ምሉእ ብምሉእ ተቛሪጹ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

    ናጽነት ኢንተርነት ዝከታተል ዓለምለኻዊ ትካል ኔትብሎክስ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ሓሙስ ለይቲ ጀሚሩ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ምባሉ ኣፍሊጡ ኣሎ።

    ቢቢሲ ብወገኑ ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን ብተደጋጋሚ ተለፎን ክድውል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ እቲ መስመራት ከም ዘይሰርሕ ኣረጋጊጹ እዩ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተለፎን ዝህብ መስመር ሳፋሪኮም ግን ክሳዕ ሕጂ ይሰርሕ ኣሎ። ማዕከን ዜናፈረንሳ (ኤኤፍፒ) እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኢንተርነት ደው ኢሉ ምህላዉ ኣቃሊሑ።

    ቢቢሲ ብዛዕባ’ዚ ዘጋጠመ ምቍራጽ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሰበ-ስልጣን ኢትዮ ተለኮም ብደወልን ጽሑፍን እኳ እንተ ፈተነ፡ መልሲ ክረክብ ኣይከኣለን።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ምቍራጽ ተለፎንን ኢንተርነትን ብኢትዮ ተሌኮም ድዩ ወይስ ብኻልእ ኣካል ከም እተፈጸመ ብናጻ ወገን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

    እዚ ምቍራጽ ርክባት ኣብ ዕለታዊ ናብራን ቍጠባዊ ምንቅስቓስን እቲ ክልል ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ ኣለዉ። ትማሊ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ኣገልግሎት ተለፎን ምቍራጹ ብፍላይ ምትሕልላፍ ገንዘብ ደው ብምባል ኣብ ንግዳውን ዕዳጋውን ንጥፈታት ዓቢ ጸቕጢ ከም ዝፈጥር ስግኣቶም ገሊጾም ነይሮም።

    ሎሚ ረፋድ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ካልኦት ነበርቲ እውን፡ ዝበዝሐ ህዝቢ እቲ ክልል ተጠቃሚ ኢትዮ ተለኮም ብምዃኑ፡ እቲ ኣገልግሎት ብቕልጡፍ እንተ ዘይተመሊሱ ብዙሓት ሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ርክብ ወጻኢ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።

    ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ተሌፎንን ኢንተርነትን ደው ኢሉ ዘሎ፡ ዕጡቓት ትግራይ ብረቡዕ ኣብታ ክልል ዝርከባ ሰለስተ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ድሕሪ ምእታዎም እዩ።

    ህወሓት ነቲ ዝተኸፍቶ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሓይልታቱ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝኣዘዘ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣብ መቐለ፡ ሽረን ኣኽሱምን ዝርከባ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝተቘጻጸረ ገሊጹ ነይሩ።

    ነዚ ስዒቡ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ታክልል ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ደው ኣቢልዎ ይርከብ። ትማሊ ሓሙስ ድማ እቲ መንገዲ ኣየር ናብ ላሊበላ ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት ደውከም ዘበለ ተፈሊጡ።

    ማዕከን ዜና ሮይተርስ ዘዘራረቦም ሰለስተ ነበርቲ ላሊበላ፡ ኣብቲ ከባቢ ኲናት ይካየድ ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት መንግስታትን፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት ተዅሲ ብህጹጽ ደው ብምባል ነቲ ብ2022 ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከኽብሩ ጸዊዖም ኣለዉ።

  3. ምሕዝነት ንህልውና፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ቅልውላው ጸጥታ ኢትዮጵያ ንዘለዎ መርገጺ ነቒፉ

    እቲ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ንምውራድን መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛምን ዝዓለመ ‘ምሕዝነት ንህልውና’ ዝተሰምየ ልፍንቲ ዕጡቓት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ዕሽሽ ከም ዝበሎ ብምግላጽ ወቒሱ።

    እዚ መግለጺ፡ ሓሙስ 24 መስከረም ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ህወሓት ዝወጽአ ኰይኑ፡ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበር ነዚ ምሕዝነት ከም ስግኣት ሰላምን ህድኣትን ገይሩ ብምቕራቡ ተቓውሞኡ ገሊጹ እዩ።

    ከም ህወሓት፡ ፋኖ ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝኣመሰሉ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ዘጠቓለለ እዚ ምሕዝነት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራ፡ ኦሮሚያ፡ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝካየዱ ዘለዉ ቀጸልቲ ግጭታት ተነጺሎም ክረኣዩ ከም ዘይክእሉ ኣረዲኡ።

    እቲ ጥምረት ኣብ መግለጺኡ፡ "እዚኣቶም ብሓባር፡ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት፡ ንህልውና ትካላት መንግስትን ንመጻኢ ኢትዮጵያን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሃገራዊ ቅልውላው ዘንጸባርቑ እዮም። ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ቅልውላው’ዚ በቲ ዘድልዮ ህጹጽነትን ቀጻሊ ጻዕርን ምላሽ ብዘይምሃቡ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ረኺብናዮ ኣለና፡" ኢሉ።

    ብተወሳኺ፡ እዚ ልፍንቲ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝካየድ መጥቃዕቲ ደው ንኽብል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይዕንቅፋት ንኽባጻሕን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ግጭታት ሰላማዊ መዕለቢ ንኽረኽቡን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ተሰማዕነቱን ጽልዋኡን ኣብ ግብሪ ከውዕል ተላብዩ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ እዚ ሓድሽ ወተሃደራዊ ጥምረት ነቲ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተረኽበ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ።

  4. ውግእ ድሮናት ኣብ ሱዳን፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዳርጋ 200 ድሮናት ወዲቐን

    ኣብ ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻረርቲ ወገናት፡ ካብ 1 ጥሪ ክሳዕ 30 ነሓሰ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝነበረ እዋን እንተ ወሓደ 196 ድሮናት ከም ዘውደቑ፡ ብሕታዊት ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ትማሊ ሓቢራ።

    እዚ ድማ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ድሮናት ዘለዎም ልዑል ጽግዕተኛነትን ዓቕሚ ምክልኻል ኣየር ንምዕባይ ዝገብርዎ ዘለዉ ወፍርን ዘጕልሕ እዩ።

    እታ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ካብ ዝርከቡ ስሞም ዘይተጠቕሱ ምንጭታት ጠቒሳ ከም ዘረድኣቶ፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ሰራዊት ሱዳን እንተ ወሓደ 112 ድሮናት ከውድቕ ከሎ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ብወገኖም 84 ድሮናት ዓጊቶም ኣውዲቖም እዮም።

    እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ደቡባዊ ማእከል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ዞባ ዓባይ ኮርዶፋን ጥራይ ልዕሊ 45 ናይ ዳዕመ-ሰሪዕ ድሮናት ኣውዲቑ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ምዕራባዊ ዳርፉርን ደቡባዊ-ምብራቕ ዞባ ሰማያዊ ናይልን ብድሮናት ብብዝሒ ካብ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ምዃኖም ተገሊጹ።

    እቶም ምንጭታት ወሲኾም፡ ተናሓናሕቲ ወገናት ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብቶም ዝድግፍዎም ስሞም ዘይተገልጹ ሃገራት እንተ ወሓደ 100 ድሮናት ከም ዝተቐበሉ ገሊጾም።

    ሰራዊት ሱዳን ካብ ሓምለ ጀሚሩ ልዕሊ 40 ፓኪስታን ዝሰርሓቶም "ሻህፓር" ዝተሰምያ ድሮናት ከም ዝተረከበ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚኣተን ድማ "ብተኸታታሊ ስምምዕ ዝተገብረለን ጕጅለታት" ዝመጽኣ ኰይነን፡ ናይ ስለያን መጥቃዕትን ዓይነታት ዘጠቓልላ እየን።

    እቲ ጸብጻብ፡ "እቲ ዝተላእከ ኣጽዋር፡ ካብ ስትራተጅያዊ ናይ ስለያ ነፈርቲ ጀሚርካ ክሳዕ ብዘመናዊ መተኰሲ ስርዓታትን ብሌዘር ዝምርሑ ቴክኖሎጅታትን ዝተዓጠቓ ድሮናት ውግእ ዘጠቓልል እዩ፡" ኢሉ።

    ዳዕመ-ሰሪዕ ብወገኑ፡ ምስተን ንሰራዊት ሱዳን ዝተዓደላ ዝመሳሰላ ልዕሊ 60 ድሮናት ከም ዝረኸበ ተሓቢሩ ኣሎ። እንተዀነ፡ እዚ ጸብጻብ’ዚ ዕጡቕ ሓይሊ ነተን ድሮናት መዓስ ከም እተረከበን ብንጹር ኣይገለጸን።

  5. ትግራይ፡ ግጭት ከይጋደድ ብምስጋእ ነበርቲ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዕዳግ ይጓየዩ ኣለዉ

    ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ - መቐለ ሓዊሱ: ኣብ ብዙሓት ከባብታት መግብን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ንምዕዳግ፡ ነበርቲ ይጓየዩ ከምዘሉ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።

    እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ መዳወብቲ ዓፋርን ሰሜን ወሎ - ኣምሓራን ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ምእታዎም ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ ፅባሕ እዩ።

    ነበርቲ ከተማ መቐለ ብስልኪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “መሰረታዊ እዩ ዝበልናዮ ኩሉ ዓይነት ንገዝእ ኣለና” ኢሎም።

    እቲ ምእንተ ድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደሊ ነባሪ እታ ከተማ፡ "ኩሎም መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት ንምርካብ ወይ ንምግዛእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ" ኢሉ።

    "እቲ ኩነታት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝነበረ፡ ናብ ክባን ዕፅዋን ክዓቢ ይኽእል'ዩ ዝብል ሻቕሎት'ውን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ነበርቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት መቐለ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ድምፂ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ይስማዕ ከምዝነበረን ብምሕባር ቀረብ መግቢ ከይጠፍእ ይሰግኡ ኣለዉ።

    ካልእ ነባሪ ከተማ ዓዲግራት ድማ ሰባት ሰንቢዶም መግቢ ስለዝገዝኡ መኽዝናት ባዶ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።

    "እቶም መኽዝናት ባዶ እናዀኑ፡ እቲ ሕፅረት መግቢ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣገደስቲ መድሃኒታት እውን ሕፅረት ኣሎ፤ ኣዝዮም ክቡራት እውን እዮም" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

    ክልቲኦም ነበርቲ፡ መንእሰያት ተገፊፎም ብግዲ ናብቲ ኲናት ክጽንበሩ ከምዝረኣዩን እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ስክፍታ ፈጢሩ ከምዘሎን ገሊጾም።

    እቲ ነባሪ ዓዲግራት ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ መናእሰይ ብምጥቃስ ፡“ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ኣቡኡ ዝሰኣነ ወዲ 18 ዓመት ብሓይሊ ሒዞም ከምዝወሰዱዎ እፈልጥእየ” ኢሉ።

    ኣብ ኣብ 2012 ዓ.ም [ግ] ኣብ ትግራይ ዝተኸየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብቲ ክልል፡ ዘይእዉጅ ዕፅዋን ክባን ተነቢሩ ምንባሩን፡ ብሰንኩ ድማ ሕጽረት መግቢ፡ገንዘብን መድሃኒትን ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

    እቲ ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉ ደማዊ ኲናት፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ኣብቀዐ፡ ዳርጋ ድሕሪ ሸድሽተ ዓመት ረቡዕ 13 መስከረም [ግ] መሊሱ ተወሊዑ ኣሎ።

    ቅድም ኢሉ፡ 10 መስከረም 2019 [ግ] ምሸት፡ ህወሓት ፋኖ-ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣባል ዝኰነሉ፡ 7 ዕጡቓት ጉጅለታት፡ “ምትሕግጋዝ ንህላወ” ዝብል ጥምረት ምቛም ኣፍሊጦም።

    ቅድሚ ምቛም እቲ ጥምረት እውን እንተኾነ መራሕቲ ህወሓት ፌደራል መንግስትን ምድላዋት ኲናት ብምግባር ክካሰሰሱ ፀኒሖም እዮም።

    ኣብዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል፡ ንሓይልታት ትግራይ ዒላማ ብምግባር ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከካይድ ቀንዩ ኣሎ።

    እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ትማሊ ረቡዕ ናብ ቅሉዕ ውግእ ክብ ከምዝበለ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወተሃደራዊ ጐንፂ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።

    ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እቲ ግጭት ቅድሚ ምግዳዱ ክሃድእን ሰላመዊ ፍታሕ ክረክብን ፀዊዐን። ኣምባሳደር ኣመሪካ ድማ ህወሓት ነቲ ግጭት ብምግዳድ ምኽሳሱ የዘራርብ ኣሎ።

  6. ኣዛዚ፡ ኣብ ግጭት ዝተሳተፈ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሰራዊት ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?

    ኣዛዚ፡ እዚ ሰሜን ምብራቕ፡ ሌተናል ጀነራል ኣሰፋ ቸኮል: ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ህወሓትን ካልኦት መሓዙቱን ሰፊሕ መጉዳእቲ ከምዘብፀሐ ኣፍሊጡ።

    ምስቲ ትማሊ ኣብ ደቡባውን ደቡባዊ ምብራቕ ትግራይን- ከባቢ ዓፋር፡ ብኽልተ ኣንፈታት ተወሊዑ ዝተብሃለ ወተሃደራዊ ጐንፂ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተውሃበ ፈላማይ መግለፂ እዩ።

    እቲ ኣብ ማሕበራዊ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝወፅአ መግለፂ ከምዝብሎ፡ “ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝዓለመ ምሕዝነት ህወሓትን ካልኦት ታሪኻዊ ጸላእቲ ኢትዮጵያን ብዞባ ሰሜን ወሎ [ክልል ኣምሓራ] ንምእታው” ዝተገብረ ፃዕሪ፡ ድሕሪ ዝበፅሖ ወተሃደራውን ሰብኣውን ኪሳራ ንድሕሪ ከምዘንሰሓበ ኣፍሊጡ።

    እቲ ኣዛኢ ከምዝበሎ፡ ህወሓትን መሓዙቱን፡ ኣብቲ ብኣንፈት ሰሙን ወሎ [ደቡብ ትግራይ] ዝተልዓለ ጐንፂ፡ ቱኩለሽ፣ ድልዲ፣ ቀይ ዓፈር፡ በረሃ ማርያም፣ ባይብዋ፣ ቺሮ ከምኡ’ውን ኩቤ ከረንሳ፡ ኣብ ዝተብሃሉ ከባብታት፡ ሓይልታቶም ምውፋር መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ ከሲሱ።

    ትማሊ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ፡ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወን፡ ሓይልታት ትግራይ ዓርሶም ንምክልኻል ፀረ-መጥቃዕቲ ከካይዱ ትእዛዝ ከምዝተውሃቦምን ምግላፁ ይዝከር።

    እቲ ኣዛዚ፡ እዚ ሰሜን ምብራቕ፡ ነዚ ስዒቡ፡ ሓያል ጸረ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ብምሕባር፡ “እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓይልታቱን መሳርሕታቱን ርኡይ ክሳራታት ድሕሪ ምብፅሑ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ተገዲዱ” ኢሉ።

    እቲ ኣዛዚ ወሲኹ፡ በቲ ዝተጀመረ ጸረ-መጥቃዕቲ ሰራዊት፡ ብዙሓት ኣጽዋር ከምዝተታሕዙ ሓቢሩ።

  7. ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ

    ሓይልታት ትግራይ ምስ ፈደራል መንግስቲ “ምሉእ ብምሉእ ኲናት” ኣብ ዝበልዎ ከም ዝኣተዉ ኣዊጆም ኣለው።

    ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ኣካላትን እቲ ወጥሪ ብህጹጽ ክዝሕልን ክልቲኦም ወገናት ቀጥታዊ ዘተ ክጅምሩን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

    ሓደ ላዕለዋይ ኣባል መሪሕነት ትግራይ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ‘ምሉእ ብምሉእ ኲናት’ ከም ዝኣተዉ ገሊጹ። ረቡዕ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ሰለስተ መዓረፍ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ልዕሊ ፈደራል ሓይልታት መጥቃዕቲ ምፍጻሞምን ስዒቡ እቲ ግጭት ብዝያዳ ሓዪሉ ኣሎ።

    ኣብ ክልል ዓፋር፡ ጥቓ ዶብ ትግራይ፡ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከም ዝተሰምዐ እውን ሓበሬታታት የመልክቱ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ዝሰፍሐን ዝያዳ ኣዕናዊ ዝኾነን ግጭት ከምርሕ ካብ ዝኽእል ተግባራት ክቝጠቡ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

    ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ሻቕሎቱ ገሊጹ ኣሎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተኻየደ ዝሓለፈ ኲናት፡ ህይወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ከም ዝቐዘፈ ይፍለጥ።

  8. ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ጅቡቲ ኣትዩ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት “ቍጠባዊ ምትሕብባር ንምሕያል” ዝዓለመ ሓድሽ ሓባራዊ ፕሮጀክት ንምእዋጅ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ብፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

    እቲ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፈይስቡክ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ሓድሽ ስጕምቲ ብሓባር ዕላዊ ክገብሩዎ ትጽቢት ይግበር።

    ሰበ-ስልጣን ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዘሎ ቍጠባዊ ምትሕብባር ንምዕማቝን፡ ንግዲን ምትእስሳርን ብዝያዳ ንምዕባይን ዝዓለመ ምዃኑ የብርሁ።

    ኣብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትርከብ ኢትዮጵያ፡ ንመብዛሕትኡ ዓለምለኻዊ ንግዳ ብዓቢኡ ኣብ ወደባት ጅቡቲ እያ ትምርኰስ። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት፡ ክልቲአን ሃገራት ቍጠባዊ ዝምድናታት ከማዕብላ ጸኒሐን እየን፤ እዚ ድማ ብዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጺ፡ እንተላይ ብመንገዲ ባቡር ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲን ዶብ-ሰገር ምትእስሳር ጸዓትን ዝተደገፈ እዩ።

    ጅቡቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ናጽነታ ካብ ትረክብ ንደሓር ወደብ ኣልቦ ንዝዀነት ኢትዮጵያ ኣገዳሲት ኣፍደገ ኰይና ጸኒሓ እያ።

    ክልቲኦም መንግስታት ዕድላት መጓዓዝያ፡ ሎጂስቲክስን ወፍርን ንምምሕያሽ ጻዕሪታት እናገበሩ ምስ ምምጻኦም፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ቍጠባዊ ዝምድና እናሰፍሐ ይኸይድ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።

    ዋላ’ኳ ዝርዝራት ናይቲ ሓድሽ ዝተኣወጀ ፕሮጀክት ዛጊት ዕላዊ እንተ ዘይተገብረ፡ እዚ ምብጻሕ ግን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዞባዊ ንግዲን ቍጠባዊ ዕብየትን ንምድንፋዕ ኣብ ዝደልያሉ ዘለዋ እዋን እዩ።

  9. ሰራዊት ኢትየጵያ፡ 'ኣብ ዶብ ጥራይ ከምዘይድረት' የጠንቅቕ

    ኤታ ማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ትማሊ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት‘’ኣይዕወትን’ዩ’’ ብምባል ከም ኣካል ናይቲ ብጎረቤት ሃገር ኤርትራ ሃገር ዘይምርግጋእ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዃኑ ገሊጹ።

    ንሱ ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቲቪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝመደበሩ ጕጅለ ህወሓት ከም ውክልና ትጥቀመሉ ከምዘላን ጸጋታት ትእክብ ከምዘላን ከምኡ’ውን ግብጽን ሱዳንን ክኖኡ'ውን "ካልኦት ሓይልታት" ንህወሓትን ኤርትራን ይድግፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    እቲ ሓላፊ ሰራዊት፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ‘’ኣብ ውግኡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ጥራይ ከምዘይድረት" ኣጠንቂቑ።

    ብርሃኑ፡ ብዛዕባ እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ውግእ ግን ኣይተዛረበን። መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ሓደሽቲ ምዕባለታት ብዓቢኡ ሸለል ኢለንኦ ኣለዋ።

  10. ኢጋድ ወጥሪ ሰሜን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክሃድእ ኣተሓሳሲቡ

    ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ሓድሽ ውግእ፡ ምትሕዝ ሲቪላዊ መዓርፎታት ነፈርቲ ምስንኻል ናይ ኣየር መገሻታት ዝሕብሩ ጸብጻባት ብምጥቃስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ከቢድ ስግኣቱ ገሊጹ።

    በይነ-መንግስታዊ በዓል-መዚ ንልምዓት (ኢጋድ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵሎም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ወገናት፡ ተጻብኦታቶም ብህጹጽ ደው ከብሉን ዝለዓለ ርእሰ-ምዕቃብ ከርእዩን ተማሕጺኑ።

    እቲ ውድብ፡ ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዝበኣሰ ሓደጋ ዘውድቑ ወይ ነቲ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ርግኣትን ንምዕቃብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ዘዐንቅፉ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ተቘጢቦም ክንቀሳቐሱ ኣጠንቂቑ።

    እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ “ኢጋድ፡ እቶም ወገናት ተጻብኦታት ደው ከብሉ፡ ዝለዓለ ርእሰ-ግትኣት ከርእዩ፡ ከምኡ’ውን ንህይወት ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ወይ ንመስርሕ ሰላም ዘዐንቅፍ ዝዀነ ይዅን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ክቘጠቡ ይጽውዕ፡” ይብል።

    እዚ ጻውዒት’ዚ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብቲ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ ሰሜን ኢትዮጵያ እናወሰኸ ዝኸይድ ስግኣታት ኣብ ዘለወሉ እዋን ኰይኑ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ድማ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብዓቢኡ ከም ዝተጋደደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

    ኢጋድ፡ ንሰላማዊ ዘተን ዞባዊ ርግኣትን ንምድጋፍ ዘለዎ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  11. ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ትግራይ ዝብእስ ዘሎ ኵነታት ደው ክብል ጸዊዑ

    ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ጸጥታዊ ኵነታትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘስዕቦ ዘሎ ጽልዋን ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

    ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወተሃደራዊ ረጽምታት ከምዘጋጠመ ዝሕብር ጸብጻባት፡ ከምኡ’ውን ኣብ መቐለ፡ ኣኽሱም፡ ሽረ (ትግራይ) መዕርፎ ነፈርቲ ብሓይልታት ህወሓት ብምሓዝሞ ስክፍታኡ ገሊጹ።

    ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ሓያሎ መጥቃዕትታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብስክፍታ ክከታተሎ ከምዝጸንሐ ጠቒሱ።

    ሕብረት ኤውሮጳ "ወጥሪ ብቕጽበት ደው ክብል ኣለዎ" ብምባል፡ ክልቲኦም ወገናት እቲ ግጭት ንሓዋሩ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዳግማይ ተወፋይነት ክገብሩ ጸዊዑ።

    ብተወሳኺ ፍልልያት ብዘተ ጥራይ እምበር ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ከምዘይፍታሕ ኣስሚሩሉ።

    ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኵሎም ወገናት እቲ ግጭት፡ ንሰለማውያን ሰባት ክከላኸሉን ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ከኽብሩን፡ ኣተሓሳሲቡ።

    ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ መካይን ሰብኣዊ ረድኤት ዝፍጸም መጥቃዕትን ንሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ዝዕንቅፍ ዝኾነ ይኹን ተግባራትን ብትሪ ኮኒኑ።

    እቲ ሕብረት፡ ወጥሪ ንምጕዳል ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሽምግልናን ትርጕም ዘለዎ ዘተን ከምዝድግፍ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

  12. ሕብረት ኣፍሪቃ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ወጥሪን ወተሃደራዊ ግጭትን እናገደደ ምምጽኡ “ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ” ገሊጹ። እቲ ግጭት "ብቕልጡፍ ደው ክብል" እውን ተማሕጺኑ። ትማሊ ረቡዕ 13 መስከረም 2019 [ግ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ፡ ኣኽሱምን ሽረን ኣብ ቁጽጽር ምእታዎም፤ ህወሓት ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል ምሓዙን ህዝባዊ ኣገልግሎት ምትእጉጓሉን ከምዘሰክፎ ኣፍሊጡ። ረቡዕ ንጉሆ ሓይልታት ትግራይ ንመዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ከምዝሓዙን ምስ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ጎንፂ ከምተወለዐን ጸብጻባት የመልክቱ።

    ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ክልል ዓፋርን እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ከምዘሻቐሎ እዩ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ወሲኹ ድማ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ዝኾነ ጥምረት ዕጡቓት ጉጅለታት "ነቲ ዘይምርግጋእ ከጋድዶ'ዩ" ኢሉ።

  13. ህወሓት፡ 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮኒኑ

    ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ብምባል ክሲሱ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ ረቡዕ 23 መስከረም 2026፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝቶቖጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ወቐሳኡ ኣስሚዑ።

    ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሎም መራሕቲ ህወሓት፡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝወሰድዎ ድኹም ውሳነ ከምዝሓዘነ" ገሊጹ።

    እቲ ኣምባሳደር፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ብናይጀርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብምንጻጎም'ውን ነቒፉ።

    "ክዕወቱ ኣብ ዘይክእሉ ኲናት ምእታው ንህዝቢ ኣይጠቅምን'ዩ" ክብል ድማ ነቒፉ።

  14. መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ናብ ትግራይ ዝካየድ ኵሉ በረራታት ደው ኣቢሉ

    መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበረ በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።

    ህወሓት ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ብበይናዊ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።

    ብተወሳኺ፡ ኣብታ ክልል ኣብ ዝተፈለለያ እዋናት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ጸኒሑ'ዩ።

    ምቍራጽ እዚ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም ስዒቡ ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።

    ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።

  15. ሓይልታት ፌዴራልን ትግራይን 'ኣብ ቅሉዕ ውግእ'

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ሚኒሰተር ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ቅሉዕ ውግእ ከምዝተወልዐ ኣፍሊጦም።

    ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ፡ ኣብ ሰዓታት ረፋድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ "ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ" ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተወሃቦም ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።

    እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ እዚ ካብቲ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክፍፀም ዝወዓለ መጥቃዕቲ ድሮን መቐፀልታ እዩ።

    "ካብ'ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና፡ ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራርን ንኽምክት መምርሒ ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ"።

    ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣማኻሪ ሚኒሰተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "መሪሕነት ህወሓት ሎሚ ንግሆ ብወገን ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈንዮም" ክብል ኣብ ፌስቢክ ገፁ ከሲሱ።

    "ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ መሪሕነት ህወሓት፡ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሩ ናብ ካልእ ብራኸ ወሲዶዎ ኣሎ" ።

    ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት፡ nቲ ግጭት መን ጀሚሩዎ ኣብ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።

    ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ክስተት ብባዕሉ ወይ ድማ ብሳልሳይ ወገን ኣየፃረየን።