ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ እዋናዊ ኵነታት እንታይ ኢሉ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ትማሊ 1 ጥቅምቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ሓድሽ ውግእ ምጅማሩ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ናይ ህልውና ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣፈላላያቱ ንጐድኒ ብምሕዳግ ንህልውናኡ ደው ክብል ተማሕጺኑ።

ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ወተሃደራዊ ኵነታት መብርሂ ዝሃበ ደብረጽዮን፡ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ይዋጋእ ከም ዘሎን እቲ ኲናት ተንቀሳቓሲ ብምዃኑ ሓይልታት ፈደራል ገለ ቦታታት ትግራይ ክሕዙ ከም ዝኽእሉን ኣፍሊጡ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ብፍላጥ ዝውሰድ ዘሎ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ንጸላኢ እንወቕዖ ኣብ ንመርጾ ቦታ እምበር፡ ንሱ ኣብ ዝመረጸልና ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ነዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2020 ዝተኻየደ 'ወፍሪ ኣሉላ'ን ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ተመኵሮን ብምዝማድ፡ እቲ ጕዕዞ ነዊሕን መስዋእቲ ዝሓትትን እኳ እንተዀነ፡ ሓይልታት ትግራይ ብብዝሒ ሰራዊት ኰነ ብኣጽዋር ከም ዘይስዓሩን ኣብ መወዳእታ ናብ ጐደና ዓወት ከም ዘምርሑን ተዛሪቡ።

ብተመሳሳሊ፡ ድሕሪ መግለጺ ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣዛዚ ናይቲ ካብ ህወሓት ዝተፈንጨለ 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ዝተባህለ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነ ብርጋደር ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር በየነ፡ ኣብ ዩቱብ ቻነል 'ቲቢኤስ ቲቪ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሱ ዝመርሖ ሓይልን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ተቘጻጺሮም ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ መብዛሕትኡ ከባቢታት ራያ፡ ከምኡ'ውን "ገለ ከባቢታት እንደርታ፡ ሳምረን ተምቤንን ምቍጽጻር ጀሚርና ኣለና፡" ኢሉ።

"ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብቲ ንደልዮ ናይ ትግራይ ማእከል ክንኣቱ ኢና፡" ድሕሪ ምባል፡ ምሊሻታትን ፖሊስን ሰላም ኣብ ምውሓስን ንብረት ህዝቢ ኣብ ምሕላውን ክሳተፉ ጸዊዑ።

ቢቢሲ ነዚ ኣብ ባይታ ብኽልተኦም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ወተሃደራዊ መግለጺታት ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ኣብ መግለጺኡ ነዚ ኲናት "ምስ መሓዙት ኴንካ ዝግበር" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ህወሓት ዝርከቦም ሸውዓተ ዕጡቓትን ፖለቲካውያንን ጕጅለታት ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ፈደራል ካብ ስልጣን ንምውራድ ዝመስረትዎ 'ኪዳን ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ዝተባህለ ሓድሽ ጥምረት ዝተኣሳሰር እዩ።

ብተወሳኺ፡ እዚ ግጭት ምስቲ ቀይሕ ባሕሪ ንምቍጽጻር ዝግበር ዘሎ ርብርብን ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ምትእትታውን ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ዞባዊ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ኣረዲኡ።

"እዚ ኲናት ናይ ኣብይ ኣሕመድ ጥራሕ ኣይኰነን፡ ካልኦት ዓድታት'ውን ይሳተፉ እዮም፡" ብምባል ድማ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝርከባኦ ሃገራት ኣብቲ ኲናት ኢድ ከም ዘለወን ከሲሱ።

እንተዀነ፡ ነዚ ብዛዕባ ምትእትታው ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝቐረበ ክሲ፡ ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ነዚ ፕረዚደንት ደብረጽዮን ትማሊ ዝሃቦ መግለጺ ብቐጥታ ዝምልከት ዛጊት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። እንተዀነ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቲቪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝቘመ ሓድሽ ጥምረት "ኣይዕወትን እዩ" ብምባል ነጺግዎ ነይሩ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ ነቲ ኲናት ምስ ዞባዊ ፖለቲካ ብምእሳር፡ ኤርትራ ንህወሓት ከም ውክልና ትጥቀመሉ ከም ዘላን ግብጽን ሱዳንን ዝርከባኦም ካልኦት ሓይልታት ደገፍ ይገብሩ ከም ዘለዉን ብምኽሳስ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ "ኣብ ውግኡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ጥራይ ከም ዘይድረት" ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እዚ ክስታትን ጸረ-ክስታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ግብጽን ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣብ ዝደየበሉ እዋን እዩ።

ኢትዮጵያ ንኤርትራውያንን ግብጻውን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገራ ከተባርርን ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጹን እንከላ፡ ኤርትራ ብወገና ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኣ ምብታኻ ኣፍሊጣ ኣላ። ግብጺ'ውን ከም ግብረመልሲ ንወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣፍሊጣ እያ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብወገኑ፡ እዚ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ዞባዊ ቍጠባውን ፖለቲካውን ምርጋእ ኣብ ሓደጋ ከየውድቕ ብምስጋእ፡ እተን ሃገራት ፍልልያተን ብሰላማዊ ዘተ ክፍትሓኦ ጸዊዑ ኣሎ።

እዚ ዳግማይ ዝተወልዐ ግጭት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ትካላትን ከቢድ ጽልዋ የሕድር ኣሎ።

ፕረዚደንት ደብረጽዮን፡ ሓይልታት ፈደራል ናይ እኽሊ መኻይን ብምቅጻል ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭፍጨፋ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ከሲሱ።

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ተለኮምን ኢንተርነትን ዝተቛረጸ ኰይኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዘጋጠመ ዕጽዋ ከይድገም ብምስጋእ መሰረታዊ ሸቐጣት ንምዕዳግ ክጓየ ይርአ ምህላዉ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

ብተወሳኺ 'ሓካይም ብዘይ ዶብ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ጥራይ ኣብ ሆስፒታላት ኮረም፡ ኣላማጣን ሽረን ዝኣተዉ ውጉኣት ቍጽሮም ልዕሊ 420 ከም ዝበጽሐን፡ ብሰንኪ ጸጥታዊ ኵነታት ገለ ንጥፈታቱ ደው ከብል ከም ዝተገደደን ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኵሉ ትግራዋይ ኣፈላላያቱ ንጐድኒ ብምሕዳግ ንህልውናኡ ደው ክብል ዝጸወዐ ደብረጽዮን፡ "ቀንዲ ውራይና ዘተ ኣብ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣይኰነን ሕዚ፡ ንቐዳም ህልውና ምርግጋጽ እዩ፡" ኢሉ።

ብሰንኪ እቲ ኲናትን ድርቅን ህዝቢ ትግራይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮ ከም ዘሎ ብምሕባር ድማ ዲያስፖራ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣድላዪ ደገፍ ክገብሩ ተላብዩ።

እዚ ኵነታት እናበኣሰን ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓበየን ይኸይድ ብምህላዉ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ሓድሽ ግጭት ብቕጽበት ደው ክብል ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ማርኮ ሩብዮ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን እቲ ሓድሽ ኲናት ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከየውድቖ ዘለዎም ዓሚቝ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዕንቅፋት ክባጻሕን ኵነታት እቲ ዞባ ክሃድእን ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ።