እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ ነቲ ኢትዮጵያ 'ዓጸፋ ክምልሰሉ'የ' ዝበለቶ ምትእትታው 'ሕጋዊ ምስምስ' ኢላቶ
ሓደ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዶብ ጥሒሶም ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብቐጥታ ተሳቲፎም ክብል ብምኽሳስ፡ ኣብ ግጭት እታ ሃገር ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ግዳማዊ ኣካል ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝወርዶ ኣጠንቂቑ።
መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብትሪ ብምንጻግ፡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኤርትራ ንምግጫው "ሕጋዊ ምስምስ" ትፈጥር ኣላ ክብል መሊሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋና ኮምሽነር ኮምሽን ጸዓት ኑክሌር ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተሸመ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ፡ ቀዳም ምሸት ምስ ተሌቪዥን ፋና ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ "ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ዘእቱ ዝዀነ ይዅን ኣካል ዓጸፋ ግብረ-መልሲ ከም ዝረክብ ጥርጥር የብሉን" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "ኢዱ ምእታው ዝቕጽልን ካብ ተግባሩ ምቝጣብ ዝኣብን ኣካል እንተ ሃልዩ፡ እቲ ግብረ-መልሲ እንታይ ከም ዝኸውን ኣዝዩ ንጹር እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እዚ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ኣብ መዋሰንቲ ከባቢታት ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ናብ ካልኣይ ሰሙኑ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን እዩ።
እቲ ግጭት ቅድሚ ምውልዑን ድሕሪኡን ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ክኸስዋ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ዘረባ ዶ/ር ኣብርሃም ግን ወተሃደራት ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ከም ዝተሳተፉ ብላዕለዋይ በዓል-ስልጣን ፈደራል ብወግዒ ዝተዋህበ ቀዳማይ መግለጺ እዩ።
ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ወተሃደራዊ ተሳትፎ ኣለዋ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገዝእ ዘሎ ፓርቲ ብልጽግና ካብ ውሽጣዊ ግጭታቱ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ንሱ፡ "መንግስቲ ብልጽግና፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብ ዝካየዱ ዘለዉ ብዙሓት ግጭታት ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ንጐረባብቲ ሃገራት ምኽሳስ ልምዲ ገይርዎ ኣሎ" ኢሉ።
ኣቶ የማነ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዘረባ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ሓዊሱ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ዘስምዕዎ ዘለዉ ክስታት፡ ነቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣንጻር ኤርትራ ክስዓብ ጸኒሑ ዝበሎ ናይ ተጻብኦ ፖሊሲ ሓድሽ "ሕጋዊ ምስምስ" ንምምሃዝ ዝግበር ጻዕሪ እዩ ክብል ገሊጽዎ።
ብመሰረት መግለጺኡ፡ ኣዲስ ኣበባ ነቲ ንነዊሕ እዋን ክትገብሮ ዝጸንሐት ጻውዒት ኣፍደገ ባሕርን ዞባዊ ወተሃደራዊ ጽልዋን፡ ከም ጉዳይ "ርእሰ-ምክልኻል" ኣምሲላ ዳግም ክትቀርጾ ትደሊ ኣላ።
ዶ/ር ኣብርሃም ኣብ ናይ ተለቪዥን ፋና መግለጺኡ፡ "ኣብዚ ኲናት እዚ፡ መንግስቲ ሻዕብያን ሰራዊት ሻዕብያን ተሳቲፎም እዮም፤ ማለት ምስ ምሉእ ዕጥቆምን ኣጽዋሮምን ናብ ቅድመ-ግምባር ወፊሮም እዮም" ድሕሪ ምባል፡ "ሓያሎ ካብኣቶም ተቐቲሎም፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣጽዋሮም ድማ ተማሪኹ እዩ" ክብል ኣነጺሩ።
ኣቐዲሞም እውን ሰበ-ስልጣን ክልል ዓፋር፡ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፎም ዝተባህሉ ወተሃደራት ኤርትራ ምስ ወተሃደራዊ ንብረቶም ከም ዝተማረኹ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
እዚ ወጥሪ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ዘሎ ዝምድና ኣመና ኣብ ዝተበላሸወሉ እዋን እዩ ዝኽሰት ዘሎ። ኣብ ቀረባ መዓልታት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ፡ 10 ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣባረረት፡ ኤርትራ ብወገና ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምሉእ ብምሉእ ከም ዝበተኸት ኣፍሊጣ እያ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ምላሹ ብተወሳኺ፡ ላዕለዎት ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ኢትዮጵያ "ናይ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳ" የሰጕሙ ከም ዘለዉ ብምምጓት፡ እዚ ህርፋን እዚ ቅድሚ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ2023 ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺታት እውን ከም ዝነበረ ጠቒሱ።
ከም ኣብነት ድማ፡ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ብ2022 ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ሰላም ዘተታት፡ ምስ ህወሓት ብምትሕብባር ኣንጻር ኤርትራ ንምስራሕ እማመ ኣቕሪቦም ነይሮም ክብል ከሲሱ።
ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ንኣዲስ ኣበባ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ጉጅለታት ትድግፍ ኣላ ክብል ወቒሱ።
ቢቢሲ ብኽልቲኡ ወገን ንዝቐረቡ ክስታትን መግለጺታትን ብናጻ ኣካል ከረጋግጾም ኣይከኣለን። እቲ ውግእ ኣብ ሓያሎ ግምባራት ይቕጽል ብምህላዉን ናብቶም ብግጭት ዝተጸልዉ ከባቢታት ንምእታው ዘሎ ዕድል ድሩት ብምዃኑን፡ ብዘይሻርነት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይርከብ።