ሓወልቲ ድንግል ማርያም ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዝፈጠሮ ጽልዋን ምትህልላኽን

Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ማርያም ኣደ የሱስ ኣብ ሓፈሻዊ ጎስጓስ መረጻ ብራዚል ቀንዲ ኣርእስቲ ኰይና ጸኒሓ'ላ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ቀንዲ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ ዘለዉ ዝተፈጠረ ምትህልላኽ፡ ኣብታ ዝዓበየ ቍጠባን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር ላቲን ኣመሪካ ዘሎ ዓሚቝ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ምፍልላይ'ውን ኣጕሊሑ'ዩ።

ኣብቲ ብ4 ጥቅምቲ ዝተኻየደ መረጻ እቶም ቀንዲ ተሃላለኽቲ ኰይኖም ዘለዉ ፕረዚደንት ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫን የማናዊ ሰልፊ ዝመርሕ ፍላቪዮ ቦልሶናሮን - ሰነተርን ወዲ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃየር ቦልሶናሮን'ዮም።

ቦልሶናሮን ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ድሕሪ ምስዓሩ ዕልዋ መንግስቲ ብምፍታኑ ናይ ገዛ ሕዩር ኰይኑ'ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣቢኡ ናይ ገዛ ሕዩር ዘሎ፡ ጃየር ቦልሶናሮን ድማ'ዩ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ።

ካብ ክልቲኦም ሓደኦም ልዕሊ 50% ድምጺ እንተዘይረኺቡ፡ እቶም ካልኦት ተወደደርቲ ዘይብሉ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣብ 25 ጥቅምቲ ካልኣይ መረጻ ክካየድ እዩ።

ድሮ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሰባት ዝተኻየደ ቍጥዐ ዝተሓወሶ ጎስጓስ ብ24 መስከረም ዝያዳ ወጥሪ ኣለዓዒሉ።

ካብ ቻነል ግሎቦ-ኒውስ ኣብ ዘመሓላለፈቶ ፈነወ ተለቪዥን፡ ማርያ ክርስቲና ፈርናንደስ ዝተባህለት ጋዜጠኛን ፖለቲካዊት ወሃቢት ርእይቶን፡ ኣብ ብራዚል ዝርከባ ጽላታት ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንድንግል ማርያም [ብቋንቋ ፖርቱጓል ኣፓረሲዳ'ያ ትብሃል] ካብ ሓላዊት ቅድስቲ ብራዚል ንምእላይ ብማሕበረሰብ ፕሮቴስታንት ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከም ዝተሻቐለ ምግላጹ ዝዀነ መርትዖ ከምዘይረኸበት ገሊጻ።

ካብቶም 215 ሚልዮን ብራዚላውያን እቶም ዝበዝሑ ካቶሊካውያን ኰይኖም፡ ንርእይቶ ፈርናንደስ ዝተውሃበ ግብረ-መልሲ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብቕልጡፍ ከም ዝተዘርግሐ ይግመት።

ናጻ ተቘጻጻሪ ትካል ዲሞክራስያ ኤም ዜከ፡ እቲ ክትዕ ሓደ ካብቶም ኣብ 2026 ዝበዝሑ ርእይቶታት ዝረኸቡ ፖለቲካዊ ፍጻመታት ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንባዕሉ ፕሮቴስታንት ዝዀነ ሰነተር ቦልሶናሮ ነቲ ክሲ ነጺግዎ። ንጐስጎስቲ ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕ ከሲስዎም።

ቦልሶናሮ ብተወሳኺ፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስቲ ኣርእስቲ ዝተኣሳሰር ጽሑፋት ንኸይዝርጋሕ ዝእዝዝ ትእዛዝ ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ረኺቡ።

ፍላቪዮ ቦልሶናሮ "እዚ ዓቢ ሓሶት'ዩ፡ ኣብዚ ጐስጓስ ዝዓበየ ናይ ሓሶት ዜና'ዩ" ድሕሪ ምባል "ንዅለን ሃይማኖታትን ከምኡ'ውን ዋላ ነቶም ዝዀነ ዓይነት ሃይማኖት ዘይክተሉ ሰባት የኽብር'የ" ኢሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስ ቦልሶናሮ ዝተሰለፈ ኣባል ባይቶ፡ ድንግል ማርያም ኣብ ክንዲ ሓላዊት መላእ ብራዚል ገይርካ ምግላጽ "ሓላዊት ቅድስቲ ካቶሊካውያን ብራዚል" ጥራይ ገይሩ ምግላጹ፡ ነቲ ኣብ 2007 ዝጸደቐ እማመ ጥሒሱ ተባሂሉ ብዙሕ ጸገም ፈጢርሉ'ዩ።

ከምኡ'ውን እቲ ሰኔተር ኣብ ነሓሰ፡ ቦልሶናሮ፡ እንተ ተመሪጹ፡ "ብራዚል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ምዃና ክእዝዝ'ዩ" ዝብል መግለጺ ኣቕሪቡ - እዚ መግለጺ እዚ ብገለ ሰባት ነቲ ካቶሊካውያን ኣብ ቅዱሳን ዘለዎም እምነት ከም ዘጕድል ይትርጕምዎ።

እቲ ሰነተር ድሒሩ፡ ነቲ ዘረባ ኣብ ሞንጎ ጸሎት ከም ዝተዛረቦ'ምበር ከም ሕጊ ኰይኑ ንኽጸድቕ ሓሲቡ ከምይተዛረቦ ተማጒቱ።

ቦልሶናሮ ኣብ ዙርያ ቅዱስ ብራዚል ንዝተፈጥረ ዳሕረዋይ ክትዕ ንምምላስ፡ እቲ ንዅሎም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝጥርንፍ ወግዓዊ ትካል ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ብራዚል (CNBB)፡ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ይሕግዝ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ትካል ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ብራዚል ግን ኣብቲ ወረታት "ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ" ከምዘይብሉ'ዩ ገሊጹ።

ይዅን እምበር፡ ዋላ ድኣ ትካል ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ኣብ ጉዳያት መረጻ ኢዶም ከምዘይሕውሱ እንተገለጹ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ገለ ኣባላት እቲ ጉባኤ ነቲ ፕረዚደንት ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ዝውጥኖ ዘሎ ፖሊሲታት ዝድግፍ መደረታት ኣቕሪቦም እዮም።

ፕረዚደንት ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫን'ውን ብዛዕባ እቲ ብዛዕባ ድንግል ማርያን ዝነበረ ክትዕ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተዛሪቡ'ዩ።

ብ28 መስከረም ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ቤለም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ጐስጓስ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ብምሓዝ "ፕረዚደንት ክሳብ ዝዀንኩ ሓላዊትናን ቅድስትን ኰይና" ከምእትጸንሕ ቃል ኣትዩ።

ድንግል ማርያም ኣዝያ እትኽበር ካቶሊካዊት ምልክት ኰይና፡ እቲ ኣምልኾ ድማ ካብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝጅምር ኰይኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝነበሩ ሰለስተ ገፈፍቲ ዓሳ ናይቲ ከባቢ፡ ርእሲ ዘይብሉ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ታሕቲ ናይቲ ጭቃ ዝመልኦ ማያት ሩባ ፓራይባ ዶ ሱል ከም ዝሰሓብዎ ይእመን።

ኣብቲ ዝቕጽል ምድርባይ መርበብ፡ ነቲ ርእሲ ሒዞም፡ ድሕሪኡ ድማ ዳርጋ ነታ ጃልባ ክሳብ ክትጥሕል እትደሊ መርበቦም ብዓሳ መሊኡ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ዓሳታት ሒዞም ከኣ ናብ ገዛኦም ከይዶም።

ተመራመርቲ ታሪኽ፡ እቲ ሓወልቲ ናይታ ብፖርቱጋላውያን ቅድስቲ ተባሂላ እትእመን ከምዝነበረ እንተዀነ ኣብቲ ሩባ ንነዊሕ እዋን ስለዝጸንሐ እቲ ሓወልቲ ቡናዊ ሕብሪ ከምዝሓዘት'ዮም ዝገልጹ።

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ክትዓት ከኣ እታ ብቋንቋ ፖርቱጋል ኣፓረሲዳ ተባሂላ እትጽዋዕ ድንግል ማርያም ካብ 1930 ጀሚራ ከም ሓላዊት ብራዚልን ምልክት ዓሌታዊ ብዙሕነትን ብራዚል ኣፍልጦ ተዋሂብዋ።

ካብኡ ጀሚራ ኣፓረሲዳ ዓባይ ሃይማኖታውን ቱሪዝማውን መስሕብ ኰይና፡ ዓመታዊ ከኣ ብገምጋም 10 ሚልዮን ሰባት ይበጽሕዋ።

እቲ ሓወልቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ኣብ ዝርከብ ባዚሊክ ሃገራዊ መቕደስ'ዩ ዝርከብ፡ እዚ ቤት መቕደስ ነቲ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ባዚሊክ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸቲሉ ብዕብየቱ ኣብ ካልኣይ'ዩ ዝስራዕ።

ብኣንጻሩ ፕሮቴስታንት ንቕዱሳን ናይ ምምላኽን ምጽላይን ልምዲ ብታሪኽ ነጺጎሞ'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ቍጽሪ ፕሮቴስታንት ኣብ ብራዚል ርኡይ ወሰኽ'ዩ ኣርእዩ። ቦልሶናሮ'ውን እንተዀነ ተኸታሊ እዚ እምነት'ዩ።

ኣብ 1990ታት ዳርጋ 90 % ብራዚላውያን ተኸተልቲ እምነት ካቶሊክ ምንባሮም ሓበሬታ ቈጸራ ህዝቢ እታ ሃገር ይሕብር።

ኣብ 2020ታት እቲ ብዝሒ ናብ 57% ወሪዱ፡ ብዝሒ ተኸተልቲ ፕሮቴስታን ከኣ ናብ 27 % ተቓሪቡ።

ፕሮቴስታንት ኣብ ፖለቲካ ብራዚል'ውን ጽልዋ ዘለዎ ጕጅለ ኰይኖም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ባይቶ ብራዚል 20 % መንበር ሒዞም ኣለዉ።

ኣብዚ ድሮ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ፍላቪዮ ቦልሶናሮ ምስ መረጽቲ ፕሮቴስታንት፡ ፕረዚደንት ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ድማ ምስ ካቶሊካውያን ብምዃን ሓያል ምፍኽኻር ከም ዘርኣዩ'ዮም ተንተንቲ ይገልጹ።