እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ሆቴል ተወሲዱ ተባሂሉ
ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ብሓይልታት ትግራይ ካብ መንበሪ ቤቱ ዝተወስደ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣባል ስድራቤት ሌተና ጀነራል ታደሰ ዝዀነ ምንጪ ከም ዝገለጾ፡ ንሱ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ 'ኤችዜድ' ዝተባህለ ሆቴል ተታሒዙ ነይሩ።
ትማሊ 2 ጥቅምቲ 2026፡ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣቢሉ ኣስታት 20 ዝዀኑ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ናብቲ ሆቴል ብምኻድ፡ "መንግስትና ናብ ዘዳለወሉን ድሕነቱ ናብ ዝሕለወሉን ቦታ ኢና ክንወስዶ፡" ዝብል ምላሽ ብምሃብ ክወስድዎ ከም ዝደለዩ፡ ታደሰ ግን፡ "ካብዚ ኣይነቅልን እየ፡" ኢሉ ከም ዝኣበየ ተዛሪቡ።
ይዅን'ምበር፡ እቶም ኣባላት ጸጥታ ለይቲ ሰዓት 11፡30 ተመሊሶም ብምምጻእ፡ ማዕጾ መደቀሲ ክፍሊ እቲ ሆቴል ሰይሮም ብምእታው ብሓይሊ ኣውጺኦም ከም ዝወሰድዎ እቲ ምንጪ ገሊጹ።
ክሳዕ ሕጂ ኣበይ ከም ዘሎ ከም ዘይፍለጥ ዝሓበረ እቲ ኣባል ስድራቤት፡ ስድራቤቱ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ከም ዝርከቡን፡ "ብቒም ተደሪኾም ክጐድእዎ ወይ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፎም ክህብዎ ይኽእሉ እዮም፡" ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎምን ንዲፕሎማሰኛታት ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይን ወተሃደራዊ ኣካል ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመን እዩ።
ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተረኪቡ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምምራሑ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ብዝተፈጥረ ከቢድ ምፍንጫል ስልጣኑ ከም ዝፈርስ ተገይሩ ነይሩ።
ብሓይልታት ትግራይ ቅድሚ ምትሓዙ ድማ ንኣዋርሕ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።
ታደሰ ኣበይ ከም ዘሎ ዘይተፈልጠሉ ምኽንያት፡ ሓይልታት ህወሓት ካብ መቐለ ለቒቖም ይወጽኡ ኣብ ዘለውሉ እዋን እዩ።
ወኪል ዜና ፈረንሳ (ኤኤፍፒ) ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ምንስሓብ ዝተገብረ ፈደራላውያን ሓይልታት ናብታ ከተማ እናቐረቡ ኣብ ዝመጽሉ እዋን እዩ።
ምስ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ተሰሊፉ ዝዋጋእ ዘሎን ካብ ህወሓት ዝተፈንጨለን 'ሓይሊ ሰላም ትግራይ' ብወገኑ፡ ነቲ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ከም ዝተቘጻጸሮ ወኪል ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ናይ ሓደ ተራድኦ ድርጅት ሳተላይት ተለፎን ብምጥቃም ንቢቢሲ ሓበሬታ ዝሃበ ውልቀሰብ፡ መራሕቲ ህወሓት ኣምቡላንሳት ሕሙማት ከይተረፈ ሒዞም ይወጽኡ ከም ዝነበሩን ኣብ ቤት ጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ፖሊስ ኮምሽንን ሆስፒታል ስንኩላን ኲናትን ራስያ ከም ዝተፈጸመን ተዛሪቡ።
ቢቢሲ ነዚ ክሲ'ዚ ብናጻ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ነበርቲ እታ ከተማ'ውን ኣብ መንጎ'ዚ ምስግጋር፡ ሓይልታት ጸጥታ ብዘይምህላዎም፡ ንብረት ህዝቢ ንራስያ ክቃልዕን ስርዓት-ኣልቦነት ክሰፍሕን ይኽእል እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከም ዘለዎም ንኤኤፍፒ ገሊጾም።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ፈደራል መንግስቲ ንዝዋግኡ ዕጡቓት ብምድጋፍ ንኤርትራን ግብጽን ዝኸሰሱ ኰይኖም፡ ክልተአን ሃገራት ነቲ ክሲ ነጺገንኦ እየን።