ኣብይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ክቕጽል ዳግማይ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ኣበይ ኣሕመድ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኰይኑ ክቕጽል ተመሪጹ።
ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ናይ መኽፈቲ ኣኼባ'ዩ ስልጣን ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክቕጽል ኣድሚጹ ዘሎ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ሻብዓይ ሃገራዊ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ዝበዝሐ ድምጺ ድሕሪ ምርካቡ ይዝከር።
እቲ ሰልፊ፡ ካብ 501 ዝተወዳደሮ ን438 መናብር ከምዝተዓወተ'ዩ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ መረጻ ምሉእ ብምሉእ ናጻ ከምዘይነበረን ኣብ ልዕሊ ገለ ሰልፊታት ጸቕጥታትን እገዳታትን ከምዝተገብረ ዝገልጽ ነቐፌታታት ቀሪብሉ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።
እቲ ናይ ሎሚ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ን13 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘኽእሎ ክኸውን'ዩ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ መጋባእያ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ፋርስ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዘሎ "ማዕበል ለውጢ" ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ወሳኒት ሃገር ናይ ምዃን ተራ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩ።
ውሽጣዊን ግዳማውን ተለኣኣኽቲን "ብሓባር ከምዝተላዕሉ" እንተኾነ ግን "ኣዝዮም ጽዒሮም፣ ተጓይዮም" ንኢትዮጵያ ከድክሙ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ።
"ንጸላእትና ዘገድሶም ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከይትነግስ ምግባር ጥራይ'ዩ" እውን ኢሉ።
"ኣብ በረኻታት ዘለኹም ኢትዮጵያውነን [ዕጡቓት ተቓወምቲ] ናብ ሰላም ንዑ" ክብል'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ፌደራል ምስ ህወሓትን ፋኖን ዝርከቦም ሓያሎ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣብ ዝዋጋኣሉ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ድሮ ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ናይ ሎሚ ምርጫ ተኻይዱ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, EBC
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝተኻየደ ምርጫ ዳርጋ መላእ ትግራይን ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዘይተሳተፍሉ'ዩ ነይሩ። ብፍላይ ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ይኹን ቤት ምኽሪ ፈደራሽን ብዘይ ውክልና ተሪፋ ኣላ።
ካብ ሃገራዊ ኣማኻሪ ኮሚሽን ኢትዮጵያ ዝቐረቡ ኣጀንዳታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ፌደራል መንግስቲን ክልላዊ መንግስታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር እዩ።
ካብዞም ለበዋታት መሰረት ብምግባር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ሕገ መንግስቲ ፌዴራል ምምሕያሻት ከምዝግበር እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣኣንፊቱ ኣሎ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ኣሕመድ ሸዴ ንኣቶ ታገሰ ጫፎ ብምትካእ ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኮይኑ ከምዝተመረጸ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ብዘይካ'ዚ፡ ቤት ምኽሪ ደረሽን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ውን፡ ንወ/ሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣፈኛ ክትከውን መሪጹዋ። ንሳ፡ ሚኒስተር ሰላም፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ዕዮን ሞያን ዝነበረት'ያ።
ንፈለማ እዋን ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ዝደየበ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ናብ ስልጣን ዘምጽኦ ገዛኢ ውድብ ኢህኣዴግ ናብ ሓደ ውሁድ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ቀየሮ ህወሓት ኣባልነቱ ብምስሓብ ናብ ትግራይ ከምዝተወሰነ ይዝከር።



















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
