ኤርትራ፡ ሓድሽ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት መን ምዃኑ ብወግዒ ተረጋጊጹ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ሓድሽ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ከምዝመዘዘ ብወግዒ ተረጋጊጹ።
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ዝሃብኦ ሓበሬታ፡ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ዝለዓለ ሚኒስተር ብምዃን ነቲ ስልጣን ተረኪቡ ኣሎ።
ካብ እዋን ምምስራት መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣትሒዙ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ከም ዘይወግዓዊ ('ደፋክቶ) ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከምዘገልግል ይፍለጥ።
እቲ ሓድሽ በዓል ስልጣን ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ'ዩ።
ኣብታ ሃገር መዝነት ሚኒስተራት ይኹን ላዕለዎት ሰብስልጣን መንግስቲ ብወግዒ ካብ ዘይግለጽ ዓመታት ሓሊፉ'ዩ።
ኪኖ ብወረ ዝናፈስ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብ ዜናዊ ጸብጻባት'ዩ እቲ መዝነት ንህዝቢ ዝሕበር።
ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ዓብደላ ሙሳ ከም "ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት" ኣብ ሓደ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝዘተየ ኣኼባ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ካልኦት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ትምህርትን ከምዝተሳተፈ ይጠቅስ።
"ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራት ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ኣብ ዘስመዖ መኽፈቲ ቃል፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ጽላት ትምህርቲ ንዝገበርዎ ገዚፍ ጻዕሪን ወፍሪን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣገዳስነት ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካላት ቅድመ-ትምህርቲ ኣብ ኩለን ዓድታት ክኽፈታ ዝተወስደ ተበግሶ ንምስጓም፡ ምምሕዳራት ዓቢ ሓላፍነት ከምዘለወን ኣዘኻኺሩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ሚኒስተር ዓብደላ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብላት ዝኽሪ ናጽነትን መዓልቲ ሰማእታትን ኣብ ጸጋማይ ጐኒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኮፍ ኢሉ ምርኣዩ ስልጣን ከምዝደለበ ዝእምት'ዩ ነይሩ።
ንሱ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 24 ግንቦት ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኣብ መበል 87 ዓመቱ ዝዓረፈ ሚኒስተር ነበር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ብምትካእ'ዩ ነቲ ስልጣን ተረኪቡ ዘሎ።
ዓብደላ ሙሳ፡ ቅድሚ ነዚ መዝነት ምርካቡ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሊብያ ዝነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ ኢሚግረሽን ኮይኑ ዘገልገለን'ዩ።
እቲ ፈለማ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ዓብደላ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ከም ሓላፊ "ጀማሂር" ኮይኑ ይነጥፍ ምንባሩን ይፍለጥ።
እዚ ኣገዳሲ ቦታ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር፡ ፈለማ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ዝነበረ ነፍሲሄር ሮሞዳን መሓመድ ኑር'ዩ ሒዝዎ ዝነበረ'ዩ። ብድሕሪኡ ድማ እቲ ኣባል ጉጅለ 15 ብምዃን ኣንጻር ፕረዚደንት መርገጺ ብምውሳዱ ኣብ ማእሰርቲ ተሰዊሩ ዝርከብ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ንነዊሕ ዓመታት መሪሕዎ።
ድሕሪ ማእሰርቲ ሚኒስተር ሸሪፎ ብዘይ ሚኒስተር ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 2013 ዝዓረፈ ኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም ተመዲብሉ።
ሃለዋቱ ዘጥፍአ ካቢነን ብዕድመ ዝደፍኡ ሚኒስተራትን

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ከም ትካል ህጣሙ ካብ ዘጥፍእ ኣስታት ሸሞንተ ዓመታት ኮይኑዎ ኣሎ።
ንመወዳእታ ግዜ ዝተገብረ ኣኼባ ካቢነ፡ እቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ምፍራሙ፡ ኣብ መስከረም 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ'ዩ ነይሩ።
እቲ ነታ ሃገር ብዘይ ሃገራዊ ባይቶን ምርጫን ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደት ይኹን መብዛሕትኦም ሚኒስተራት ብዕድመ ዝደፍኡ ኰይኖም ኣብ ክሊ መወዳእታ 70ታት ወይ 80ታት ዝርከቡ'ዮም።
ገለ ካብኦም ካብ 1993 ጀሚሮም ሚኒስተራት ኰይኖም ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ እዮም። ካብኦም ሚኒስተር ህንጻ ኣብርሃ ኣስፍሃ፡ ሚኒስተር መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ተስፋይ ገብረስላሰ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ፡ ከምኡ'ውን ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሓሽም ክጥቀሱ ይኽእሉ።
ሓያሎ ሚኒስትሪታት ላዕለዎት ሓለፍቱ ብሞት ወይ ብሕማም ካብ ንጡፍ ስራሕ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝቦዂርሉ ብዘይ ሚኒስተር ዓመታት ይጸንሕ።
ንኣብነት ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2013 ዝተፈተነ ወተሃደራዊ "ዕልዋ" መንግስቲ' ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ን13 ዓመታት ካልእ ሚኒስተር ምክልኻል ኣይተመደበሉን።
ነቲ ኣብ 2019 ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስንካሉ ናብ ስርሑ ዘይተመልሰ ሚኒስተር ስብሓት ዝትክእ ሰብ'ውን ኣብ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኣይተመዘዘን።
ሚኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም'ውን ንዓመታት ብሰንኪ ሕማም ካብ ንጡፍ ስራሕ ተኣልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ሓዳስ ሚኒስተር ተመዲባትሉ ኣላ።
እታ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዘይወግዓዊ መግለጺ ዝተሸመት ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ኣብታ ሃገር ዝናኣሰት ሚኒስተር ምዃና ይንገር።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994 ዝወጸ ኣዋጅ፡ ቍጽሪን ሓላፍነትን ሚኒስትሪታት ክውስኽን ክጐድልን ምጽንሑ ይፍለጥ። እቲ ብፕረዚደንት ዝምራሕ ካቢነ ናይ ምምዕርራይ እማመ ድሕሪ ምንዳፉ፡ በቲ ክሳብ 2022 ሓውሲ ስሩዕ ኣኼባ ዘካይድ ዝነበረ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ይጸድቕ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ መተካእታ ብሕማምን ስንክልናን ካብ ስራሕ ዝተኣልዩን ዕድመ ዝደፍኡን ላዕለዎት ሰበስልጣን ዝትክእ ሓድሽ ወለዶ መሪሕነት ብዘይምህላዉ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ።
እቲ ነዞም ዘለዉ መራሕቲ ዘፍረየ ህግደፍ ወሰንቲ ኣካላቱ (ሓጋጊን ፈጻሚን) ን32 ዓመት ዝኾነ ጉባኤ ከየካየደ ከም ውድብ ዓዲ-ውዒል ኮይኑ ብምህላዉ ሓደስቲ ተካእቲ መራሕቲ ናይ ምፍጣር ዕድል ከምዝጸበበ ተንተንቲ ይገልጹ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ዘለዋ 17 ሚኒስትሪታት፣ ምክልኻል፡ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕርሻ፡ መሬት ማይን ኣከባብን፡ ዜና፡ ጥዕና፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ጸዓትን ማዕድንን፡ ትምህርቲ፡ ፋይናንስ ሃገራዊ ልምዓትን፡ ፍትሒ፡ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ንግዲ፡ ህንጻ፡ ቱሪዝም፡ ሃብቲ ባሕሪን ዞባዊ ምምሕዳርን እየን።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
