ኤርትራ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ተመዚዙ

ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰብ ኮይኑ ከም ዝተመዘዘ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣቃሊሐን።

እቲ ሓድሽ ኣምባሳደር፡ ኣብ ንኡስ-ዞባ ዒላበርዕድ ምብጻሕ ከም ዘካየደ መግስታዊት ተለቪዥን ኤርትራ፡ ኤሪ-ቲቪ ሎሚ ገሊጻ።

ዓብደላ ሙሳ፡ ቅድሚ ነዚ መዝነት ምርካቡ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሊብያ ዝነበረን፡ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ ኢሚግረሽን ኮይኑ ዘገልገለን'ዩ።

ንሱ፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረን፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ይነጥፍ ምንባሩን ይፍለጥ።

ከምቲ ልሙድ፡ ብዛዕባ ምሻም ናይቲ ሓድሽ ኣማሓዳሪ ይኹን ምውራድ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ኣመሓዳሪ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሓደርቲ ዞባታት ደቡብን፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምቕያሮም ይዝከር።

ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ነበር፡ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ስለምንታይ ከም ዝወረደን፡ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ቅድሚኡ ዝነበረ ኣመሓዳሪ፡ ኣቶ ገርጊስ ግርማይ፡ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ሃለዋቱ ከም ዘይፍለጥ ጸብጻባት ይገልጹ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ኤርትራ ፓስፖርት ምውጻእ ንምንታይ ከቢዱ?