ኵናት ዘስዕቦ ከባብያዊ ዕንወት ንምዅናን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብምሕንባስ ዘቋረጸ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Lewis Pugh Foundation
ሓደ ኣብ ናይ ተጻዋርነት ምሕንባስ ዝነጥፍ ብሪጣንያዊ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኢራንን ካልኦት ወገናትን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዘስዕቦ ዘሎ ከባብያዊ ጉድኣት ኣቓልቦን ንኽረክብ ነቲ ዓቢ ስትራተጅያዊ ኣገዳነስነት ዘለዎ መጻብቦ ሆርሙዝ ንሰለስተ መዓልታት ብምሕንባስ ሰንጢቕዎ።
ኣባል ሓለዋ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ሉዊስ ፑግ ብድምር ኣስታት 15 ኪሎሜተር'ዩ (9.3 ማይል) ኣብቲ ስትራተጂያዊ መስመር ሓንቢሱ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ካብን ናብን ካብ ወሽጥ ዓረብ ነዳዲ ዝመሓላለፈሉ ኣገዳሲ መስመር'ዩ።
ኣብ መወዳእታ ለካቲት ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኵናት ካብ ዝውልዓ ግን እቲ መስመር ተዓጽዩ ይርከብ።
ወዲ 56 ዓመት ፑግ "ኲናት ዓቢ ሰብኣዊ ዕንወትን ስቓይን የስዕብ እዩ፡ ግና ተፈጥሮ እውን ካልእ ግዳይ እያ፡ እንተዀነ ካብቲ ክውሃቦ ዝግብኦ ኣቓልቦ ኣዝዩ ውሑድ ኣቓልቦ'ዩ ዝውሃቦ ዘሎ" ኢሉ።
ንሱ እቲ ውግእ ክቋረጽ፡ መጻብቦ ሆርሙዝ ዳግማይ ክኽፈት፡ ከምኡውን እቲ ግጭት ዘስዓቦ ከባብያዊ ጉድኣት ንምሕዋይ ስጉምቲ ክውሰድ ይጽውዕ ኣሎ።
እቲ ሓንባሲ ካብቲ እቲ ግጭት ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ነቲ መጻብቦ ብምሕንባስ ዘቋረፀ ቀዳማይ ሰብ ክኸውን ከም ዝኽእል ይእመን።
ንሱ ካብ ደሴት ሙሳንዳም ብምብጋስ'ዩ ናብቲ ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ዖማን ዝርከብ ሓውሲ ደሴት በጺሑ።
ብመሰረት ሓበሬታ ፋውንዴሽን ሉዊስ ፑግ፡ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ምሕንባሱ፡ ካብቲ ንሱ ዝሕንብሰሉ ዝነበረ ቦታ ኣስታት 4 ኪሎሜተር (2.5 ማይል) ርሒቓ ነዳዲ ጽዒና ዝነበረት መርከብ ብተወንጫፊ ተወቒዓ።
ኣብታ ካልአይቲ መዓልቲ ድማ ብጥቓኡ ሓንቲ ነዳዲ ጽዒና እንከላ ዝተሃረመት'ሞ ገና ትነድድ ዝነበረት መርከብ ሓሊፉ።
ፑግ፡ "ብቐጥታ ናብ ሓሳበይ ዝመጸለይ፡ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ባሕሪ እዮም" ኢሉ።
"እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ኣዝዩ ብርቱዕ'ዩ ነይሩ። እዘን መራኽብ ብቐሊሉ ዝነድድ ጋዝ'የን ዝጽዕና። ኣብ ሓንቲ ካብዘን መራኽብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣዝዩ ከቢድ ሳዕቤን ከስዕብ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣባላት መርከብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ከባይቢኡ ዝርከብ ህይወታዊ ብዙሕነትን መሓድሮ ባሕሪ እውን ከቢድ ጉድኣት ከውርድ ይኽእል እዩ።"
ፑግ፡ ብሰንኪ ግጭት ዝፍጠር ከባብያዊ ጉድኣት፡ ምስቲ ኣብ ሰባት ዘጋጥም ጉድኣት ክነጻጸር ከሎ፡ ብዙሕ ኣቓልቦ ከም ዘይረክብ 'ዩ ዝገልጽ።
ንሱ፡ "ኲናት ዓቢ ሰብኣዊ ስቓይ የስዕብ እዩ። ህይወት ሰባት ይጠፍእ፡ ስድራቤታት ይበታተና፡ ከምኡውን ኣባይቲ፡ ሆስፒታላትን ቤት ትምህርትን ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ክዓኑ ይኽእሉ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Lewis Pugh Foundation
ብምስዓብ "ግናኸ፡ ካልእ ግዳይ እውን ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣዝዩ ውሑድ ኣቓልቦ ዝረክብ እዩ፤ ንሱ ድማ ተፈጥሮ'ዩ። እቲ ጉድኣት ውግእ ድሕሪ ምቁራጹ'ውን ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ይኽእል እዩ" ኢሉ።
መጻብቦ ሆርሙዝ ሓደ ካብ ኣዝዮም ዘገድሱ መስመር መጓዓዝያ መራኽብ ዓለም'ዩ።
ከምኡ'ውን ኣብቲ ከባቢ ከይጸንቱ ዘስግኡ ከም ላም ባሕሪ፡ ፍሉያት ዓሌታት ጎብየ ባሕርን ዓሳ ነበራን ይርከብዎ።
ፑግ፡ መራኽብ ምስ ተሃረማ ዘፍስሰኦ ነዳዲ ኣዝዩ ኣሻቃሊ ብኸላ ከባቢ ይፈጥር ምህላዉ'ዩ ዝገልጽ።
እዚ ድማ ህይወታዊ ብዙሕነትን ማሓድሮ ባሕርን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ሳዕቤን ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ። ብዓቢኡ ኣብ ከም ኮራል፡ ሳዕሪ ባሕርን ማንግሩቭን ዓቢ ዕንወት ከስዕብ ከምዝኽእል ብምስጋእ'ዩ ፑግ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ኩሎም ወገናት እቲ ኵናት ዘስዕብዎ ሰብኣውን ከባብያውን ዕንወት ብምርዳእ ደው ከብልዎ ዝጽውዕ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, Lewis Pugh Foundation
![ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኤርትረ ግብጽን ሱዳንን [ካብ ጸጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2c73/live/8517ed00-e63c-11f1-95a5-39a1eaadd44b.jpg.webp)
























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
