ግብጺ፡ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትየን
![ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኤርትረ ግብጽን ሱዳንን [ካብ ጸጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2c73/live/8517ed00-e63c-11f1-95a5-39a1eaadd44b.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Badr Abdelatty
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ባድር ዓብደላቲ፡ ምስ መዘንኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሞሂዲን ሳሌምን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ብቐዳም ኣብ ኣስዋን ሰሉሳዊ ዘተ ኣካይዱ።
እቲ ኣኼባ ጎኒ ጎኒ ሻድሻይ መድረኽ ዘተ ኣስዋን ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናታት ንምጥንኻርን ኣብ ኣገደስቲ ዞባዊ ጉዳያት ምምኽኻርን ምትሕብባርን ንምዕባይን ዝዓለመ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጸን።
ሚኒሰትር ባድር ዓደላቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ስእሊ ኣሰንዩ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ምስ ምኒሰትራት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ምትሕባር፡ ልኡላውነት፡ ዶባዊ ውህደነት ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ኣተኲሮም ከምዝተመያየጡ ገሊጹ።
እዚ ርክብ፡ ኣብ እዋን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዝውስኽ ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ወጥሪ ምክያዱ ፍሉይ ኣገዳስነት ክረክብ ኣኽኢልዎ ኣሎ።
እቶም ሰለስተ ሚኒስተራት፡ ኣብ መንጎ ሃገራቶም ካብ ነዊሕ ዘመናት ዝጸንሐ ዓሚቝ ታሪኻዊ ዝምድናታት ብምጥቃስ፡ ብርክባቶም ዝተፈጥረ ዕድላት ብምጥቃም፡ ኣብ ጉዳያት ሓባራዊ ረብሓ ዘለዎም ኣርእስታት ንኽመኻከሩ ከምዝተረዳድኡ'ውን ተገለጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ'ውን ኣብ ኤልዓለመይን ዝተኻየደ ናይ ምኽክር ጉባኤ ሚኒሰትራት ግንጺ፡ ሱዳን፡ ኤርትራንን ሶማልያን ተራኺቦም ምንባሮም ዝዝከር ዀይኑ ውጽኢታውነት ናይቲ ዝሓለፈ ርክብ ከምዝተመያየጥሉ ዘ ኢጅብሻን ጋዜት ኣፍሊጣ።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ርክቦም ሶማልያ ንምንታይ ከምዘይተሳተፈት'ኳ ኣይገለጽ፡ ዓብደላቲ ምዕባለ ናይቲ ናይ ሕጂ ርክብ ኣመልኪቱ ንሶማላዊ መዛነኡ ክሕብሮ ምዃኑ'ዩ ኣፍሊጡ።
እቶም ሚኒስተራት ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ናይ ቀይሕ ባሕሪ ድሕነትን ርግኣትን ክሕሎ፡ ናጽነት ምንቅስቓስ መራኽብ ክውሓስ ከምኡውን ድሕነት ዓለምለኻዊ መስመራት መጓዓዝያ ባሕሪ ክረጋገጽ ምዝርራቦም ተሓቢሩ።
ንምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪን ድሕነቱ ንምሕላውን ዝምልከት ሓላፍነት፡ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ከም ዝወድቕ'ውን ኣስሚረምሉ።
ኣብ ሱዳን ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይሊ ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝቕጽል ዘሎ ውግእ፡ ኣብታ ሃገር ዓቢ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ኣሎ።
ሚልዮናት ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም፡ እቲ ውግእ እውን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዎ ጽልዋ ይውስኽ ኣሎ።
እቶም ሚኒስተራት፡ ንሉኣላውነት ሱዳን፡ ሓድነታን ምሉእነት ግዝኣታን፡ ከምኡውን ንምዕቃብ ሃገራዊ ትካላታ ዘለዎም ደገፍ ምርግጋጾምን ንሚሊሻታት ካብ ወጻኢ ዝግበረሎም ቀረብ ኣጽዋር ከምዝተቓወምዎ'ውን እታ ጋዜጣ ኣቓሊሓ።
እቶም ምኒስተራት ኣዕሚቖም ዝዘተይሉ ንድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት ምንባሩን፡ እዚ ባሕሪ ንዓለምለኻዊ ንግዲ፡ መጓዓዝያ ነዳዲን ኣብ መንጎ ኤስያን ኣውሮጳን ዝካየድ ምንቅስቓስ መራኽብን ኣዝዩ ኣገዳሲ መስመር ከም ምዃኑ መጠን ወጥሪ ባብ ኤል-መንደብን ባሕሪ ዓደንን፡ ከምኡውን ኣብቲ ዞባ ዝርአ ዘሎ ወተሃደራዊ ህላወ ወጻኢ ሓይልታት፡ ኣብ ድሕነት እቲ መስመር ስግኣታት ፈጢሩ ምህላዉ ምርድደኦም ተሓቢሩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2024 ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልን ሰሉሳዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ርክብ ኣካይደን ምንባረን ዝዝከር'ዩ።
እቲ ናይ 2024 ርክብ እዘን ሰለስተ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ወደባት ዝምልከት ምስታ ሶማል ኣካል ግዝኣተይ'ያ ትብላ ሶማሊላንድ ስምምዕ ድሕሪ ምግባራ ዝሰዓበ'ዩ ነይሩ።
ሃገራት ናይዞም ሰለስተ ኣብ ግብጺ ዝተራኸቡ ምኒስተራት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓርፋፍ ኩነታት'የን ዝርከባ።
ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኵናት ከይውላዕ ዓቢ ሻቕሎት'ዩ ኣንጠጥዩ ዘሎ።
ኣብቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ፌደራል ደው ብምባል ኣብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት ኢዳ ሓዊሳ'ያ።
ኵናት ትግራይ ብውዕል ፕሪቶርያ ድሕሪ ምዝዛሙ ግን ብወገን ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ዋንነት ባሕሪ ዝምልከት ንኤርትራ 'ዘቖጥዕ' ተደጋጋሚ መደረታትን ጎስጓሳትን ስለዝተጀመረ ርክበን ክሕርፍ ጀሚሩ።
ኢትዮጵያ ብወገና ኤርትራ ንኸም ህወሓት ዝኣመሰሉ ኣንጻር መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ዘለዉ ተዕጥቕን ተስንቕን'ያ ብምባል ንኤርትራ ትከሳ'ያ።
ኣብ ሞንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን'ውን ምስ ፈለግ ኒልን ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝተሓሓዝ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ምስሕሓብ'ዩ ዘለወን፡
ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ንግብጺ ንህወሓትን ካልኦት ትድግፋ'ያ ብምባል'ውን ትኸሳ'ያ።
ናይ ሱዳን ምስ እንርኢ ድማ፡ ኢትዮጵያ ነቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕ ከምእትድግፍን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝምወል ኣሽሓት ኣባላት ዳዕመ ሰሪዕ ዝዕለምሉ መዓስከር ከምዘለዎ'ውን ሮይተርስ ኣብ ለካቲት 2026 ዘዳለዎ ምርምራዊ ጽሑፍ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋናት'ውን ኣብቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ትካላት መመንጨዊ ጸዓትን ደብዳብ ዝፈጸማ ድሮናት ዳዕመ ሰሪዕ ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተበገሳ ምዃነን'ዩ ሰራዊት ሱዳን ዝሕብር።
ብሓፈሻ፡ ኣኼባ ኣስዋን ካብ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሰለስተ ሃገራት ንላዕሊ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ምውህሃድ ንምጥንኻር ዝዓለመ ስጉምቲ'ዩ ዝመስል።

ምንጪ ስእሊ, Badr Abdelatty























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
