ካብ ምድረበዳ የመን ክሳብ ኣህጉራዊ መድረኻት፡ ስትራተጅያዊ ስግኣት ዝፈጠረ ኲናት

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ምስ ኣንጻር ሑቲ ዝቃለሱ ዕጡቓት
Published
ንባብ: 5 ደቓይቕ

ብድሕሪት ዕጡቓት ተዋጋእቲ ብዝጸዓነት መኪና (ፒክ-ኣፕ) ተሰቒልና ኣብቲ ምድረ-በዳ ብዝለዓለ ፍጥነት ጕዕዞና ጀመርና። ምስ ደገፍቲ መንግስቲ የመን ዝዀኑ ሓይልታት እናተጓዓዝና፡ ንባሕሪ ዓረብን ኣብ ርሑቕ ዝርአ ገያጽ ኣኽራናትን ንዕዘብ ነይርና። ዕጡቓት ሑቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብዚ ቦታ ከም ዝተባረሩ ድማ ተነጊሩና።

ኣብ ሰፊሕን ጭር ዝበለን ምድረ-በዳ ክትዋጋእ እንከለኻ፡ እቲ እትገብሮ ምዕባለ ንምርኣዩ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይዅን'ምበር፡ እዞም ኣብ ምምሕዳር ላሕጅ ኣብ ዝርከብ ሻዓብ-ኣል-ጂን ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ብሑጻ ዝተመልአ ሓደሽቲ ናይ መከላኸሊ ዕርድታት ኣርእዮምና።

ወተሃደራዊ ክዳን ዝተኸድነ ጫሓም ኣዛዚ ተውፊቕ ኣል ሓቡን፡ "ከቢድ ውግእ ነይሩ፡" ይብል።

"ስናይፐር፡ ከበድቲ ኣጽዋርን መወንጨፊ ባሊስቲክ ሚሳይልን ኣለዎም፡" ክብል እውን ይገልጽ።

ኣብዚ ርሑቕ ኵርናዕ ማእከላይ ምብራቕ፡ ዓለምለኻዊ ሳዕቤናት ዘለዎ ኵናት ይካየድ ኣሎ።

ነዚ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ኵናት ሓድሕድ የመን ዕሽሽ ምባል ሕጂ ዘይከኣል እዩ። እዚ ካብ ቴህራን ክሳብ ሪያድ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ግጭት ኣካል ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ሚሳይላት ኣብቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ወዲቑ ነይሩ።

ዕጡቓት ሑቲ የመን - ድሮ ንዓለምለኻዊ መጓዓዝያ ባሕሪ ስግኣት ኰይኖም - ንስዑዲ ዓረብ እውን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣት እዮም። ንሳቶም ነታ ዞባዊት መቀናቕንቲ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ደጋፊቶም ኢራን'ውን ተወሳኺ ዓቕሚ ይፈጥሩላ ኣለዉ።

ተውፊቕ ኣል ሓቡን ናብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ቍርጽራጽ ፋይበር-ግላስን ሓጺንን ብምምልካት፡ እዚ ኣካል ናይታ ሲ-4 (C4) ዝዓይነቱ ነታጒ ጸይራ ዝነበረት'ሞ ዝተሃርመት ድሮን ሑቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣዛዚ ኣል ሓቡን ኣባል ደቡባዊ ሓይልታት ኰይኑ፡ እዚ ሓይሊ ኣካል ናይቲ ብስዑዲ ዓረብን ደብዳብ ነፈርታን ዝድገፍን ብኣህጉራዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዝረኸበን መንግስቲ የመን ኰይኑ፡ ብሓባር ዝዋጋእ ኪዳን እዩ።

ሑቲ ብ2014 ናብታ ርእሰ-ከተማ ዝዀነት ሰንዓ ብምእታው ንመንግስቲ ኣልዮሞ ነይሮም። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ጣልቃ ብምእታው ንሑቲ ንምብራር ፈቲኑ።

ይዅን'ምበር፡ ንዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ደብዳብ ነፈርቲ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ስጕምቲ ክሰርሕ ኣይከኣለን።

ቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ዘራኽብ ስትራተጅያዊ ባሕራዊ መተሓላለፊ - ባብ ኣል-መንደብ - ኣብ ዘማዕዱ ልዑል ቦታ ኣስታት 500 ተዋጋእቲ ሑቲ ከም ዘለዉ እቲ ኣዛዚ ነጊሩና።

ንሰደድ ነዳዲ ኣዝዩ ወሳኒ ዝዀነ እዚ ጸቢብ መተሓላለፊ ማይ፡ ኣብ እዋን ጕዕዞና ኣይረኣናዮን።

ሑቲ ብመስከረም ኣብ ዘካየድዎ ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ነቲ ከባቢ ተቘጻጺሮሞ ነይሮም። እቲ ኣዛዚ ግና ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት ኣስታት 85% ናይቲ ቦታ ተመሊሶም ከም ዝሓዝዎ ይገልጽ (ከምቲ ካብ ናይቲ ከባቢ ምንጭታትና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ ሑቲ ኣብ ካልእ ቦታታት መሬት ከም ዘይሰኣኑ እኳ እንተ ገለጹ፡ ኣብዚ ቦታ ግና ነዚ ኣይነጸጉን)።

ምሉእ ቍጽጽር ክሳብ ዝረኽቡ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳድን ዋጋታቱን፡ ብሓፈሻ'ውን ኣብ ቍጠባዊ ኵነታት ዓለም ጸቕጢ ክህሉ እዩ።

ካርታ የመን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጸኒሕና ከም ዝሰማዕናዮ፡ በታ ዝበጻሕናላ መዓልቲ ከቢድ ግጭታት ተኻይዱ ነይሩ። ሓሙሽተ ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ ብሑቲ ኣብ ዝተነበረ ፈንጅታት ተሃሪመን እየን። ክንደይ ተዋጋእቲ ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝቘሰሉ ግን ዛጊት ኣይተነጸረን።

ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ጸዓት ስግኣት ኣብ ዝሰፍነሉ ዘሎ እዋን፡ ቍጠባ እታ ሃገር እናተዳኸመ ብምምጻኡን ብሰንኪ እዚ ሓድሽ ማዕበል መጥቃዕቲ ክመዛበሉ ብምግዳዶምን፡ ነቶም ዝደኸሙ ዜጋታት የመን ጥሜት የንጸላልዎም ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ ካብ መጀመርታ መስከረም ኣትሒዙ እዚ ግጭት ካብ ዝጋደድ ንነጀው፡ ኵሉ እዚ መከራ ኣብዛ ዝደኸየት ዓረባዊት ሃገር እናተኻየደ፡ ኣስታት 200,000 ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለዉ።

ካብቲ ከባቢ ክንወጽእ እንከለና፡ ስድራቤታት ኣብ ትሕቲ ኣእዋም መዕቈቢ ክደልዩ ብዝተፈላለየ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ትርኢት መከራኦም ተዓዚብና። ካብ መንጎ ሓደ ጕጅለ ደቂ-ኣንስትዮን ቈልዑን ድማ ኣብ መሬት ኮፍ ኢላ ዝነበረት ዓሻ ዝስማ ዕባራን ዝሸምገለትን ጓል-ኣንስተይቲ ረኺብና።

ንሳ ብሰንኪ ፍርሒ ካብቲ ብድሮን ሑቲ ዝተደብደበ ኣኽራናት ካህቡብ ዝርከብ መንበሪኣ ዝሃደመት እያ።

"ኣብዚ ን30 መዓልታት ጸኒሕና ኣለና፡" ክትብል እያ ነጊራትኒ።

"እንስሳ የብለይን፣ ገንዘብ የሎን፡ ማይ ይዅን መግቢ፡ ዋላ'ውን ኮቦርታ የብለይን... ነታ ኣብ ዝባንና ዝነበረት ክዳን ጥራይ ሒዝና ኢና ክንሃድም ተገዲድና።"

ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሪያድ ክሃድሙ ዝተገደዱ ሰለማውያን ሰባት ስዑዲ ዓረብ እዮም። እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓሰርተ-ዓመት ኣብ መሬት ስዑዲ ብዓይነቱ ዝኸበደ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ኣብቲ ዞባ ስንባደ ዝፈጠረን ንስምዒት ድሕነት እታ ሃገር ዝሃሰየን እዩ።

እንተዀነ፡ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ዓደን ኣብ ዝርከብ ክፍልታት መብጣሕቲ የመን፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጉዳያት ርሑቕ ኰይኑ እዩ ዝስምዓካ። ሆስፒታላት ብብዝሒ ቍሱላት ተጨናኒቐን ኣለዋ፣ ሓካይም ድማ ነቶም ካብ ግንባር ዝመጽኡ ውጉኣት መንግስቲ ንምሕካም ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ኣለዉ።

ኣሕመድ ዓሊ ማሕሙድ ኣብ ሕክምና ደቂሱ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ኣሕመድ ዓሊ ማሕሙድ መውጋእቱ ሓውዩ ኣንጻር ሑቲ ምውጋእ ክቕጽል ይደሊ

ኣብ ሓንቲ መዓልቲ 51 ዝቘሰሉ ሰባት ናብ ዝመጽኡላ ሓንቲ ወተሃደራዊት ሆስፒታል በጺሕና ነይርና - መብዛሕትኦም መውጋእቲ ዘለዎም ኰይኖም፡ ሓያሎ ድማ ኣካላቶም ምቝራጽ ዘድልዮም እዮም።

ኣብ ሓደ ጸቢብ ዝበለ ክፍሊ ሕሙማት፡ ሓደ ዕጡቕ ሑቲ ምስቶም ካብቲ ካልእ ወገን ዝመጽኡ ዕጡቓት ጐድኒ ንጐድኒ ተጋዲሙ ነይሩ። ሓካይም ኵነታት ሕሙማት ክፍትሹ እንከለዉ ዝዀነ ኣፈላላይ ከም ዘይገብሩ ነጊሮምና።

ዶክተር ባሳም ሃዛር ካብ ዘለዎ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኵሮ ብምብጋስ፡ "ካበይ ከም ዝመጽአ፡ ድሕረ-ባይታኡ ወይ ሃይማኖቱ ኣየገድሰንን እዩ። ንሱ ወዲ-ሰብ እዩ፣ ስለዚ ከም ወዲ-ሰብ ክሕክሞ ኣለኒ፡" ይብል።

ኵናት ዋላ'ውን ሓንቲ መዓልቲ እንተ ኣብቅዐ፡ ገለኦም ሰባት ነቲ ሳዕቤን ፈጺሞም ክርስዕዎ ኣይክእሉን እዮም። ሓደ ሰብኣይ፡ ዝተቘርጸ ጸጋማይ ኢዱ ብጻዕዳ ፋሻ ተጠቕሊሉ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ስቴፕለር እናተራእየ፡ ኣብ ዓራቱ ብስቕታ ኮፍ ኢሉ ነይሩ።

ካልኦት ከም ኣሕመድ ዓሊ ማሕሙድ ዝኣመሰሉ ድማ ሓያሎ መስበርቲ እኳ እንተለዎም እናተሓጐሱ ወተሃደራዊ መንፈሶም ኣየጥፍኡን።

ንሱ፡ "ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ዝሓዊ ኣይጽበን እየ፡" ኢሉና።

ኣስዒቡ ድማ፡ "ጠጠው ክብል ክኽእል ጥራይ እየ ዝደሊ። (ናብ ውግእ ምምላስ) ሃይማኖታውን ሃገራውን ግቡእ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን። ሑቲ ነታ ሃገር ኣዕንዮምዋ እዮም። ዓወት ምስ እንረክብ፡ እዚ መስበርቲ እኳ ኣይክስምዓንን እዩ፡" ይብል።

ዓሊ ኣብ ሕክምና ደቂሱ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ወዲ 12 ዓመት ዓሊ ኣብ ጐደና እናተጓዕዘ እንከሎ ብድሮን ተሃሪሙ

ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ክፍሊ፡ ካብቲ ኲናት ሓድሕድ የመን ብሓደ ዓመት ጥራይ ዝዓቢ ወዲ 12 ዓመት ዝዀነ ቡናዊ ጸጕሪ ዘለዎ ዓሊ ዝተባህለ ቈልዓ ደቂሱ ነይሩ። ዓሊ ብጐደና እናተጓዕዘ እንከሎ ብመጥቃዕቲ ድሮን ዝቘሰለ ኰይኑ፡ ሕጂ ድማ ዝተሓላለኸ መብጣሕቲ ይጽበዮ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ዓራቱ ደው ኢሉ ዝነበረ ዶክተር ዓምር ሪያድ ኣሳቃፍ፡ "ኣብ ጥቓ ሕቘኡ ስኴጆ ቦምባ ኣሎ፡" ይብል።

"እቲ መብጣሕቲ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ፣ ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ግና እቶም ምስ ምኒስትሪ ጥዕና ዝሰርሑ ሞያውያንና ከካይድዎ ይኽእሉ እዮም።"

ዓሊ ስቕተኛን ህዱእን ምዃኑ ከኣ ነጊሩኒ።

"ኣብ መጀመርታ ጓሂ ወሪስዎ ነይሩ፣ ዝጻወተሉ ኣቕሑ ምስ ሃብናዮ ግን ሕጂ ኵነታቱ በብግዜኡ ይመሓየሽ ኣሎ፡" ድማ ይብል።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ኵናት ክሳብ ዝዓቢ ደድሕሪኡ ክስዕቦ ድዩ?

ብ2022 ዝተገብረ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንውሑዳት ዓመታት ተዛማዲ ህድኣት ኣምጺኡ ነይሩ። ሕጂ ግና ሑቲ - ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ከም ዘረጋገጽዎ - ዝያዳ ሓያል ጸላኢ ኰይኖም ኣለዉ።

ድሮ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ የመን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣውዲቖሞ ኣለዉ። ሓድሽ ዘተ ንምክያድ ፈተነ እንተ ተገይሩ - ብዛዕባ እዚ ከኣ ገለ ግምታት ኣሎ - ተሪር መርገጺ ክሕዙ ይኽእሉ እዮም።

ኣብታ ሆስፒታል፡ ዶክተር ባሳም ሃዛር ንዝቕጽል ማዕበል ቍሱላት ክዳሎ እንከሎ፡ ለውጢ ክመጽእ ተስፋ እኳ እንተ ገበረ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ግና ኣይጽበዮን እዩ።

"ምናልባት ኵናት ንዜና ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ [ንህዝቢ] ግና ዘስካሕክሕ እዩ፡" ይብል።

"ውሉዳት ኣቦታቶም ይስእኑ፡ ኣደታት ድማ ደቀን ይስእና ኣለዋ። ሰላም የድልየና እዩ።"