26 ሰባት ብጃልባ ባሕሪ ዘሳገረ ኤርትራዊ ማእሰርትን ምጥራዝን ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Home Office
ሽዱሽተ ህጻናት ዝርከብዎም 26 ካልኦት ሰባት ዝጸዓነት ንእሽቶ ጃልባ ናብ ገማግም ባሕሪ ኬንት ብሪጣንያ ዘሳገረ ዓብደላ ጀማል ዝተባህለ ኤርትራዊ ን18 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ።
እቲ ወዲ 32 ዓመት ዓብደላ፡ ብ25 ሓምለ ብዘይ ሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ብባሕሪ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ምስጋር "ንህይወት ካልኦት ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ" ንዝቐረበሉ ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ምስ ተኣመነ እዩ ተፈሪዱ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዊንቸስተር ኣብ ዝሰምዖ መጋብኣያ፡ እቲ ኤርትራዊ፡ ሰበ-ስልጣን ኢሚግረይሽን ናብታ ብንፋስ እትንፋሕ ጸላም ጃልባ ኣብ ዝቐረብሉ፡ ነታ ጃልባ መሪሑ ባሕሪ የቋርጽ ከም ዝነበረ ክሕባእ ከም ዝፈተነ ተገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ዘቤታዊ ጉዳያት ከም ዝገለጾ፡ ዓብደላ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መትረብ እንግሊዝ ንምቝራጽ "ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖም" ብዝብል ክሲ ካብ ዝተኣስሩ ሰባት መበል 20 መራሒ ንእሽቶ ጃልባ እዩ።
ዓቃቢ ሕጊ ማትዩ ፓሪስ ኣብ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ተኸሳሲ ነታ ብኣባላት ጸጥታ ፈረንሳ ትህደን ዝነበረት ጃልባ መሪሑ ክሃድም ተራእዩ እዩ።
ዓብደላ መንነቱ ቅድሚ ምልላዩ "ናብ ማእከል እታ ጃልባ ብምጥሓል ቆቢዕ ገይሩ ቦታኡ ከም ዝቐየረ" ዝገለጸ እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ እታ ጃልባ ናይ ሓደጋ መብራህቲ፡ ሓባሪ ኣንፈት - ጂፒኤስ ይዅን ካርታ ከም ዘይነበራ ወሲኹ መጒቱ።
ዓብደላ ፈለማ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ መዓልቲ ሰዓት 17:00 (ብኣቈጻጽራ ብሪጣንያ) ዝጀመረ ምስጋር መትረብ እንግሊዝ [ንኽሰግር] 800 ዩሮ ከም ዝኸፈለ እዩ ምግላጹ እዩ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ካፒተን ናይታ ጃልባ ኮፍ ኢሉ ከም ዝነበረ፡ ይዅን እምበር ብኻልኦት ተጓዓዝቲ ነታ ጃልባ ክመርሓ ከም ዝተገደደ ቃል ሂቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጠበቓ ተኸሳሲ ፍራንቸስካ ሃለት፡ ዓብደላ ካብታ ዝተወልደላን ብዂናት ዝተሃሰየትን ኤርትራ "ክሃድም" ከም ዝኸኣለ ገሊጻ።
መጀመርታ ናብ ርእሰ-ከተማ ኢትዮጵያ - ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ፡ ግን ከኣ ብሰንኪ ኤርትራዊ ዜግነቱ ከም ዝተኣስረ ተዛሪባ።
ብድሕሪኡ ብመንገዲ ሱዳንን ግብጽን ኣቢሉ ናብ ሊብያ ከም ዝተጓዕዘን ኣብኡ ድማ ብኣሰጋገርቲ ሰባት ተታሒዙ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ምስ ተሳቐየ ደሓር ከም ዝተፈትሐን ኣረዲኣ።
ዓብደላ ናብ ኢጣልያን ፈረንሳን ከም ዝቐጸለን፡ ክልቲአን ሃገራት ግን "ንስደተኛታት ውሑሳት ኣይኰናን" ክብል ከም ዝገለጸን ጠበቓ ሃለት ወሲኻ ሓቢራ።
"ኣብቲ ደረጃ እቲ፡ ብሪጣንያ ውሕስቲ ምርጫ ኰይና ተሰሚዓቶ" ኢላ።
ኣብ ልዕሊ ዓብደላ ብይን ዝሃበ ዳኛ ጀይምስ ብሮሚጅ፡ ዓብደላ ግዜ ማእሰርቱ ምስ ወድአ "ብንቡር" ካብታ ሃገር ክጥረዝ ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስተር ጸጥታ ዶባትን ዕቝባን ኣና ተርሊ፡ ንዓብደላ "ብትኽክል ዝተኣስረ ዘይሓላፍነታዊ ገበነኛ" ክትብል ገሊጻቶ።






















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
