እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዞባዊ ወጥሪ ኣብ ዝጋደደሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲስን ተራኺቦም
መራሕቲ ኤርትራን ግብጽን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ጉዳያትን ዘተኰረ ዓሚቚ ዘተ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዋዕላ ዞባዊ ድሕነት ንምስታፍን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዘሎ ስትራተጅያዊ ዝምድናታት ንምብራኽን፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ እዩ ንግሆ 3 ጥቅምቲ ናብ ግብጺ ኣምሪሑ።
እቲ ዋዕላ ብቐንዱ ኣብ "ሓባራዊ ድሕነት፡ ምርግጋእን ሽርክነትን" ዘተኰረ ምዃኑ ዝሓበረ ምኒስተር የማነ፡ እዚ መድረኽ ንጉዳያት ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ወሽመጥ ዓደን፡ ወሽመጥ ዓረብ ከምኡ'ውን ተፋሰስ ኣባይ [ኒል] ኣመልኪቱ ክካየድ ዝጸንሐ ተኸታታሊ ዘተታት መቐጸልታ ምዃኑ ኣረዲኡ ነይሩ።
ሚኒስትሪ ኢንፎርሜሽን ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲን ሎሚ ኣብ ከተማ ሓዳስ ኣልዓለሜን ከምዝተራኸቡ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መዘናኡ ፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣል-ሲሲ ኣብ ምሕያል ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ'ውን ዞባዊ ምትሕግጋዝ ዘተኰረ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ "ንዞባዊ ምዕባለታት ብዝምልከት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት ክኽበር፣ ከምኡ'ውን ዘይምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያተን ኣብ ዝብል መትከላት፡ ኤርትራን ግብጽን ንጹር ኣርኣእያን ተመሳሳሊ መርገጺታትን ከምዘለወን" ምጥቃሱ እቲ መግለጺ የመልክት።
ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ "ግብጺ ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ዓሚቚ ታሪኻዊ ዝምድና፡ ምትእስሳርን ጥቡቕ ስትራተጅን ዓቢ ግምት ከምእትህቦ" ምዝራቡ ይጠቅስ እቲ መግለጺ።
"ኣብ መጻኢ ኣብ'ዚ ጽቡቕ ዝምድናታት ዝተሰረተ ትግባረ ፕሮጀክታት ልምዓትን ቁጠባዊ ሽርክነትን ብቐንዱ ኣብ'ቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጽላታት ንምርግጋጽ ብዝለዓለ ክነሰርሕ ኢና"።
ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወትን ሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ኣቶ ነስረዲን መሓመድ-ሳልሕን ብወገን ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻእን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ዶ/ር በድር ዓብደልዓጢ ድማ ብወገን ግብጺ ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ እዮም።
እዚ ዑደት፡ ኣብ መንጎ ኣስመራ፣ ካይሮን ኣዲስ ኣበባን ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ስጉምቲ ድማ፡ ኣስመራን ካይሮን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ጽላታት ፖለቲካ፡ ጸጥታን ቍጠባን ዘካየድኦ ዝነበራ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምቅርራብ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋግር ተገይሩ ይውሰድ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዲፕሎማሰኛታት ኤርትራን ግብጽን ድሕሪ ምስጓጓን ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኤምባሲኣ ምዕጻዋን፡ ኤርትራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝጸንሓ ዝምድና ክትበትኽ እንከላ፡ ግብጺ ድማ ብኣንጻሩ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ምብኣረራ ይዝከር።
ኣብዚ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ምትፍናን፡ ኤርትራ ንኢትዮጵያ "ወደባተይ ንምውራር ትጕስጕስ ኣላ" ክትብል ክትከስስ እንከላ፡ ካይሮ ድማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ውሽጣዊ ቅልውላዋታ ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ኣብ ግዳማዊ ግጭታት ትጽመድ ኣላ ብምባል ትወቅስ።