ኢትዮጵያ ንዘተ ፈለግ ናይል ምስ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኣሳስር ሓድሽ ቅድመ-ዅነት ኣቕሪባ

ምንጪ ስእሊ, Fana
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈለግ ናይል ምርድዳእ ንምብጻሕ ግብጺ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ንእትገብሮ ጻዕሪ ክትድግፍ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ንዘተ ፈለግ ናይል ምስ ስትራተጅያዊ ጠለብ ባሕሪ ዘተኣሳሰረ ሓድሽ ቅድመ-ዅነት ኣቐሚጣ።
ምኒስተር ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ሃብታሙ ኢተፋ ነዚ ዝገለጸ፡ ካይሮ ንውሕስነት ማይ ታሕተዎት ሃገራት ዝሕሉ 'ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ' ክግበር ብተደጋጋሚ ኣብ እትሓተሉ ዘላ እዋን እዩ።
ኢንጅነር ሃብታሙ ንማዕከን ዜና ኣል ዓረብያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ግብጺ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንኽትረክብ ኣበርክቶ ክትገብር ኣለዋ፤ ድሕሪኡ ብዛዕባ ማይ ፈለግ ናይል ምርድዳእ ንምፍጣር ዕድል ክህሉ እዩ፡" ኢሉ።
እቲ ምኒስተር ምስ ማዕከን ዜና ፋና ኣብ ዝገበሮ ተመሳሳሊ ቃለመሕትት'ውን፡ ግብጺ ነቲ ተስምዖ ዘላ ጫውጫውታ ኣጒዲላ፡ ልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ እትደልዮ ስትራተጅያዊ ረብሓ ብህድኣት ክትርዳእ ከም ዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ቀንዲ ድሌት ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ብምዃኑ፡ ግብጺ ኣብዚ ጉዳይ'ዚ እውን ምትሕብባር ከተርኢ ከም ዝግባእ ጸቒጡ ኣረዲኡ።
እዚ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ምሕደራ ማይ ናይል ዘሎ ነዊሕ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ናብቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውጥሪ ዘሰጋግር ኰይኑ ኣሎ።
ነዚ ሓድሽ ናይ ኢትዮጵያ ቅድመ-ዅነት ግብጽን ሱዳንን ብትሪ ነጺገንኦ እየን።
ምኒስተራት ጉዳያት ወጻእን ማይን ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየድዎ ሳልሳይ ዙር ሓባራዊ ዘተ፡ ጸጥታ ማይ ሃገሮም "ፈጺሙ ዘይነጻጸል" ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ምዅናኖም ይዝከር።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ "ገማግም ባሕሪ ንዘይብለን ሃገራት ናይ ባሕሪ ተበጻሕነት ንምሃብ ዝግበር ፈተነ፡ ንልዑላውነት ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ፡" ብምባል ተቓውሞኦም ኣስሚዖም እዮም።
እዚ መግለጺ ክልተአን ሃገራት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳእታ ስምምዕ ወደብን፡ ከምኡ'ውን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ብእትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ምስ ኤርትራ ኣብ ውጥሪ ኣእትዩዋ ዝርከብ ኵነታት ዝጠመተ እዩ።
ግብጺ ብወገና፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብዝግበር ተዓጻጻፍነት ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ክትህብ ክትሕግዝ እያ ዝብል ወረ ቅድሚ ሕጂ ብወግዒ ኣሉታ ክትህበሉ ጸኒሓ እያ።
እዚ ሓድሽ ምዕባለታት ዝኽሰት ዘሎ፡ እቲ ንግብጽን ሱዳንን ዘየጠቓለለ 'ስምምዕ ማዕቀፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል' (CFA) ኣብ ግብሪ ድሕሪ ምውዓሉ ኰይኑ፡ ነቲ ምስሕሓብ ዝያዳ ኣጕሊሕዎ ይርከብ።
ምኒስተር ሃብታሙ ኣብቲ ንማዕከን ዜና ፋና ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብቲ ናይ ምትሕብባር ማዕቀፍ ስምምዕ (CFA) ዝሰፈሩ ሓባራዊ ምርድዳእ፡ ምዕቃብ ድሕነት ማይን ምልውዋጥ ሓበሬታን ዝምልከቱ ነጥብታት ግብጺ ከም ዘፍረሰቶም ከሲሱ።
ብተወሳኺ፡ ካይሮ ንናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓ ክትብል ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝህነጹ ግድባት ብሓባር ክትሃንጽ ከም ዝግባእ ብምግላጽ፡ ንምትሕብባር ሃገራት ተፋሰስ ናይል ንምፍራስ እትጓዓዞ ዘላ መንገዲ ንኢትዮጵያ ዘይኰነስ ንባዕላ ንግብጺ ዝያዳ ዝጐድእ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።
እቲ ምኒስተር ኣስዒቡ፡ መደብ ህንጸት ግድባት ሃገሩ ናይ ልዑላውነት መግለጺ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዓቢ ግድብ ህዳሴ "ካልኣይቲ ዓድዋ" ክብል ጸዊዕዎ።
ኢትዮጵያ መጠን ማይ ግድብ ህዳሰ ንምዕቃብ ዘኽእሉ ካልኦት ተወሳኽቲ ግድባት ምህናጽ ከም እትቕጽል ዝሓበረ ሃብታሙ፡ "ሃብቲ ማይና ንምምዕባል ካብ ዝዀነ ሰብ ፍቓድን በረኸትን ኣይንጽበይን ኢና፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ነቲ ግብጽን ሱዳንን ዝምርኰሳሉ ናይ 1959 ውዕል ማይ ፈለግ ናይል ሓዊሱ "ናይ መግዛእቲ ዘመን" ዝበሎም ስምምዓት ከም ዘይትቕበሎም ኣስሚርሉ።
ኣቐዲሙ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ 'ኤክስ' ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ግብጺ ኣብ ሓደ ዝኣረገ ኣካይዳ ተሸኺላ፡ ገና ነቲ ሓደ ዓይነት ደርፊ እያ ትደጋግሞ ዘላ፡" ብምባል ምስዚ ናይቲ ምኒስተር ሓሳብ ብዝሳነ ገሊጹ ነይሩ።
ግብጺ ብግልባጡ፡ ሕጋዊ መርገጺኣ ኢትዮጵያ ባዕላ ከም ናጻ ሃገር ዝፈረመቶም ስምምዓት ዝተሰረተ ምዃኑ እያ ተብርህ።
እዚ ከኣ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1902 ዝፈረመቶ ስምምዕ፡ ናይ 1993 ክልተኣዊ ስምምዕን፡ ኣብ 2015 ዝተፈረመ ናይ መምርሒታት ኣዋጅን ዘጠቓለለ እዩ።
እቲ ምስሕሓብ ኣብ ሕጋዊ መጐት ጥራይ ከይተሓጽረ ናብ ክስታት ኣጠቓቕማ ማይ'ውን ሰጊሩ ኣሎ።
ሃብታሙ፡ ግብጺ ሩዝን ቃንጫ-ሽኮርን ብምዝራእ ልዑል መጠን ማይ ተባኽን ኣላ ብምባል ክኸስስ እንከሎ፡ ማያት ፈለግ ናይል ንኽዕቀብ ልዕሊ 56 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካላ ድማ ካይሮ ዓስቢ ክትከፍልን ይቕረታ ክትሓትትን ጠሊቡ።
ካይሮ ነዚ ክስታት ብምንጻግ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ጸቕጢ ንምምሕዳርን ብቕዓት ንምውሳኽን ቍጠባዊ ወፍርታት ከም ዝገበረት ትገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Grand Ethiopian Renaissance Dam
ምኒስተር ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ ሃኒ ሰዊላም ከም ዝሓበሮ፡ እታ ሃገር ዓመታዊ 23.2 ቢልዮን ሜትሮ ኪዩብ ማይ ደጊማ ትጥቀመሉ ኣላ።
ብ2 ሕዳር 2026 ድማ ንተጻዋርነት ከባቢ ኣየር ዘለዎ ምምሕዳር ማይ ሕርሻ ስንጭሮ ናይል ዝውዕል 58.22 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ረኺባ እያ።
ዋላ'ኳ ምኒስተር ሃብታሙ ማይ ናብ ግብጺ ካብ ምውሓዝ ደው ከም ዘይብልን እቲ ፈለግ ንዅለን ሽዱሽተ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ከም ዝኣክልን ብምግላጽ ቃል እንተ ኣተወ፡ ግብጺ ግን ስግኣታ ማይ ካብ ምሉእ ብምሉእ ደው ምባል ንላዕሊ ምዃኑ እያ ተጕልሕ።
ዘይተዋደደ ስርሒታት፡ ከም ብሃንደበት ማይ ምፍናው ወይ ምቕናስ፡ ኣብ ልዕሊ ታሕተዎት ግድባትን ትካላት ማይን ዕንቅፋት ፈጢሩ ሰብ-ሰርሖ ውሕጅ ወይ ደርቂ ከስዕብ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ።
ኢትዮጵያ ሓድሽ ቅድመ-ዅነት እኳ እንተ ኣእተወት፡ ግብጽን ሱዳንን ግን ነቲ ናይ ምትሕብባርን ጕድኣት ዘይምብጻሕን መብጽዓታት ናብ ንጹር ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ንምቕያር ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ጕዕዞ ዘተ ጸኒዐን ይርከባ።

























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
