ማሽን መርማሪት 'ሓሶት' ከነጋግያ ንኽእልዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላይ ዲተክተር (Lie Detector) ወይ ፖሊግራፍ ንሓደ ሰብ ሓቂ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ ወይ ሓሶት ንምግምጋም ዘገልግል መሳርሒ እዩ።
እዚ መሳርሒ ብፍላይ ኣብ ምርመራ ገበን፡ ኣብ ስራሕ ጸጥታ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምርመራ ይጥቀምሉ።
ላይ ዲተክተር ብቐጥታ ኣይኰነን እቲ ሰብ ሓቂ ድዩ ሓሶት ዝዛረብ ዘሎ ዝነግረና፡ እቲ ዝምርመር ዘሎ ሰብ ምስ ተሓተተ፡ መልሲ ኣብ ዝህበሉ እንታይ ዓይነት ኣካላዊ ለውጢ ከምዘርኣየ'ያ ነቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳቱ ቀሚራ እቲ መልሲ ናብ ሓቂ ድዩ ናብ ሓሶት ዝቐረብ እትሕብረና።
እቲ መሳርሒ ኣብ እዋን መርመራ እቲ ተመርማሪ ትርግታ ልቡ ክንደይ ግዜ ኣብ ደቒቕ ከም ዝሃርም ይምዝግብ፣ ጸቕጢ ደሙ ኣብ ግዜ ምርመራ እንታይ ለውጢ ከም ዘርኢ ይሕብር፡ ኣብ ኣተናፍሳ ከኣ እቲ ሰብ ብኸመይን ብኽንደይ ፍጥነትን ከም ዘስተንፍስ ትልክዕ ኣብ መወዳእታ ከኣ ቆርበቱ እንታይ ምልክታት ኣርእዩ ይስንድ [ እዚ ብሰንኪ ረሃጽ ኣብ ቆርበት ዝፍጠር ለውጢ'ዩ ዝምዝግብ]።
እዞም ለውጥታት እዚኦም ሰብ ኣብ ግዜ ምርመራ ጭንቀት ወይ ፍርሒ ከም ዘለዎ ክሕብሩ ይኽእሉ።
እዚ ኵሉ እናዀነ ግን እቲ ውጽኢት 100 ሚእታዊት ቅኑዕ'ዩ ማለት ኣይኰነን።
ሓደ ሰብ ሓቂ እናተዛረበ ከሎ ብሰንኪ ፍርሒ፡ ጭንቀት ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ኣካላቱ ግብረ መልሲ ክህብ ይኽእል'ዩ።
እዚ ከኣ እታ ማሽን ነቲ ኣብ ትርግታ ልቡ፡ ጸቕጢ ደሙ፡ ኣተነፋፍሳኡን ኣብ ቆርበቱ ዝተረኣየ ለውጥታትን ብምርኣይ ጥራይ ይሕሱ ኣሎ ኢላ ከተንብቦ ትኽእል'ያ።
ብኣንጻሩ፡ ገለ ሰባት ሓሶት እናተዛረቡ እውን ብዙሕ ኣካላዊ ለውጢ ከየርኣዩ ክጸንሑ ይኽእሉ። ስለዚ፡ እቲ መሳርሒ ዝህቦ ውጽኢት ከም መርትዖ በበይኑ ክውሰድ ኣይክእልን'ዩ።
ላይ ዲተክተር ወይ ፖሊግራፍ ውሱናት ኣካላት ጥራይ'ዮም ክጥቀምሉ ዝፍቀዶም፡ ንሶም ከኣ መርመርቲ ገበን፡ ኣካላት ጸጥታ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ሰራሕተኛታት ብዛዕባ ስርሖም ቃለ መሕተት ኣብ ዝገብሩሉ ይሕስዉ ከይህልዉ ንምፍላይ ላይ ዲተክተር ይጥቀሙ'ዮም።
ከምኡ ከኣ ኣብ ስነልቦናዊ መርመራ እዛ ማሽን ኣብ ጥቅሚ ክትውዕል ትኽእል'ያ።
ስለዚ ነዛ ማሽን 'ከነጋግያ' ንኽእልዶ?
እቲ ቀዳማይ ክንጽር ዘለዎ ነጥቢ፡ ማሽን ላይ ዲተክተር እትህቦ ውጽኢት መበገሲ'ምበር ምሉእ ውጽኢት ዝሕብር ኣይኰነን።
እቲ ምኽንያት ከኣ በዛ ማሽን ክትምርመር እንከለኻ፡ ኣብ ኣጻብዕትኻ፡ ኣብ ምናትካ፡ ኣብ ልብኻን ካልእ ክፍሊ ኣካላትካ ምስታ ማሽን ዝተኣሳሰረ ገመዳት ይግበረልካ'ዩ።
እዚ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ድማ ምስ ሓቅኻ እንከለኻ ኣብ እዋን መርመራ ብሰንኪ ፍርሒ፡ ጭንቀት ወይ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ፡ ኣካላትካ ትሕሱ ከምዘለኻ ዘምስል ግብረ መልሲ ክህብ ይኽእል'ዩ።
ትርግታ ልብኻ ይዛባዕ፡ ጸቕጢ ደምካ ክብን ለጠቕን ይብል፡ ትርህጽ ኣተናፍሳኻ ክቕየር ይኽእል'ዩ።
ብኣንጻሩ እቶም ብዙሕ ዝሕስዉ ወይ ናይ ምሕሳው ባህሪ ዘለዎም ሰባት ዋላ እናሓሰዉ እንከለዉ ተረጋጊኦም ክምልሱ ይኽእሉ'ዮም።
ጸገም ናይዛ ማሽን ከኣ እዚ'ዩ። ሰባት ምስ ቅንዕናኦም ሓስዮም ክትብሎም እቶም ተረጋጊኦም ዝሓሰዉ ከኣ ቅኑዓት ኣለዉ ክትብሎም ትኽእል'ያ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንማሽን ላይ ዲተክተር ደይ መደይ ኢሎም ገና ጅምር ከብሉ እንከለዉ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢሎም ብምትንፋስን መልሓሶም ብምንካስን ትርግታ ልቦም፡ ኣተናፍሳኦምን ጸቕጢ ደሞምን ብምዝባዕ እታ ማሽን ከምዘይተንብቦም ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።
ገለ ከኣ እናተሓተቱ እንከለዉ፡ ብዛዕባ ካልእ ዘሕለፍዎ ምቁር ህይወት እናዘከሩ ትርግታ ልቦም ንቡር ከምዝኸውን ብምግባር፡ እታ ማሽን ኣይሓሰዉን ከምእትብሎም ይገብሩ'ዮም።
ንኣብነት ሰብ ቀቲሎም በዛ ማሽን እዚኣ ዝተመርመሩ ከም ገረይ ሪድወይ፡ ልዊስ ራንዶልፍን ዊልያምሶንን ዝተበሃሉ ዕሉላት ገበነኛታት እቲ ተግባሮም ቅጭጭ ስለዘይበሎምን በታ ማሽን ኣብ ዝተመርመርሉ ነታ ማሽን ከጋግይዋ ክኢሎም'ዮም።
ስለዚ ነታ ማሽን ከነጋግያ ንኽእል ዲና ንዝብል ሕቶ፡ እቲ መልሲ እወ ግን ኵሉ ሰብ ዝኽእሎ ኣይኰነን'ዩ እቲ መልሲ።


![ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት ኤርትረ ግብጽን ሱዳንን [ካብ ጸጋም ናብ የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/2c73/live/8517ed00-e63c-11f1-95a5-39a1eaadd44b.jpg.webp)

















![መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን [ጸጋም] ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/cc28/live/eff3f9c0-dc0f-11f1-a701-fddedf244c16.png.webp)





