ቀጥታ , ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝነበረት መርከብ ሩስያ ብዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ ተሃሪማ

ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቤንጋዚ ሊብያ ኣልሒቓ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ፡ ሰንበት ወጋሕታ ብዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ - ብድሮን ክኸውን ብዝጥርጠር - ከም ዝተሃርመት ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሮም ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ካርቱም፡ ደብዳብ ድሮን ዓለማዊ ኵነኔ የስዕብ
  • ማሽን መርማሪት 'ሓሶት' ከነጋግያ ንኽእልዶ?
  • ዕድመ ሓንጎልና ንምፍላጥ ዝሕግዝ ቀሊል ናይ ሓደ ደቂቕ ንጥፈት
  • ግብጺ፡ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘትየን

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ ኢራን 'ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ' ብዝሒ ሚሳይላት ተኲሳ

    ትራምፕ

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ ዘወንጨፈቶ ንላዕሊ ድሮናትን ሚሳይላትን” እኳ እንተ ተኰሰት፡ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይበጽሐ ሰንበት ተዛሪቡ።

    እቲ ፕረዚደንት 'ትሩዝ ሶሻል' ኣብ ዝተባህለ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ደሞክራታውያን ኣብ ክልቲኦም ኣብያተ-ምኽሪ ኮንግረስ ኣብዝሓ ድምጺ ዝሰዓሩሉ መረጻ ፍርቂ እብረ፡ ምስ ምግዳድ ናይቲ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣተኣሳሲሩ ኣልዒልዎ።

    እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ብዝምልከት “ክልተ ነገራት ተነብዩ” ከም ዝነበረ ጠቒሱ።

    “ቀዳማይ፡ ዲሞክራት እንተ ስዒሮም ስቶክ-ማርከት ብኸቢድ ኵነታት ክወድቕ እዩ ዝብል ነይሩ፤ እዚ ድማ ተኸሲቱ እዩ።

    ካልኣይ ድማ ክሳዕ ሎሚ 81,000 ተቓወምቲ ዝቐተለት እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን መጥቃዕታ ዝያዳ ከተሐይል እያ ዝብል ኰይኑ፡ እዚ እውን ኰይኑ እዩ” ብምባል ጽሒፉ።

    ብሰንኪ እቲ ኲናት ዋጋ ነዳዲ ብዝለዓለ መጠን ምውሳኹ፡ ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣካይዳ እቲ ቍጠባ ክሰግኡ ገይሩ እዩ።

    ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ ሓዊሱ ላዕለዎት መራሕቲ ሪፓብሊካን፡ ሰልፎም ኣብቲ መረጻ ዝተሳዕረሉ ሓደ ምኽንያት ምስ ኲናት ኢራን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ገሊጹ።

    ትራምፕ ብወገኑ ሰንበት ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ መረጽቲ ትርጕም ድምጾም “ኣይተረድኡን” ክብል ከሎ፡ ነቲ መረጻ ድማ “ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’” ክብል ገሊጽዎ።

    “መራሕቲ ኢራን ንደሞክራት ከም ድኹማት፡ ውጽኢታውያን ዘይኰኑን ኣጥፋእቲ ሃገርን እዮም ዝርእይዎም፤ ይዅን እምበር እዚ ክኸውን ኣይፈቅድን እየ! ደሞክራት ይዅኑ ኢራን ዋጋ ነዳዲ ብዝተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን ልዑል ኰይኑ ንኽጸንሕ ኣዝዮም ተቓሊሶም እዮም፤ ድሕሪ እቲ መረጻ ግን ዋጋ ነዳዲ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ነኪዩ እዩ” ኢሉ።

    ወሲኹ ድማ፡ “መረጽቲ ድምጺ ቅድሚ ምሃቦም ነዚ ዘይምርዳኦም ኣዝዩ የሕዝን፤ ይዅን እምበር ሓፈሻዊ እቲ መረጻ ኣዝዩ ‘ዘይልሙድ’ እዩ ነይሩ” ክብል ኣብ ገጽ ማሕበራዊ ሚድያኡ ጽሒፉ።

    ተወሳኺ ንባብ፤

  2. ዋዕላ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣንቶኒ ኣልባኒዝ ኢዱ ኣጣሚሩ ተጸዊጉ ኮፍ ኢሉ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕለኡ ደው ኢሎም

    ኣብ ቱርኪ ኣንታሊያ ንኽልተ ሰሙናት ክካየድ ዝቐነየን ኣብ ታሪኽ ሕቡራት ሃገራት እቲ ዝነውሐ ዝዀነን መበል 31 ጉባኤ ለውጢ ክሊማ (COP31)፡ ብሰንኪ ኣብ ጉዳይ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካልን (fossil fuels) ፋይናንስን ዝተራእየ ዘይምስምማዕ ብዘይ ዝዀነ ውሳነ ተዛዚሙ።

    እዚ ካብቲ ብ2009 ኣብ ኮፐንሃገን ዝተኻየደ ዋዕላ ንነጀው፡ ናይዚ ደረጃ’ዚ ናይ ፖለቲካ ስምምዕ ክፈሽል ንመጀመርታ ግዜኡ እዩ።

    ቀንዲነጥብታት፤

    • ነዳዲቅሪተ-ኣካልዘይምጥቃሱ፤ ሕብረት ኤውሮጳን ሃገራት ደሴታት ፓሲፊክን ነቲ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ንድፊ ስምምዕ ነጺጐሞ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ሰነድ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሙቐት ከባቢ ኣየር ዓለም ዝዀነ ‘ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል’ ብቐጥታ ስለ ዘይጠቐሰ እዩ።
    • ተቓውሞ ናይ ኣፍረይቲነዳዲሃገራት፤ ከም ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ዝኣመሰላ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት፡ ካብ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ብቕልጡፍ ምውጻእ ናብ "ብኽነት ነዳዲ" የምርሕ ብዝብል ኣብቲ ሰነድ ስም ነዳዲ ከይጥቀስ ጸቕጢ ገይረን።
    • ጥርዓንዘይማዕበላሃገራት፤ ዘይማዕበላ ሃገራት ነቲ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ንምግጣም ዘኽእለን ርጉጽ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ሃብታማት ሃገራት ብዘይምርካበን ተቓውሞአን ኣስሚዐን።

    ዝተዋህቡቀንዲርእይቶታት፤

    ኣንቶኒዮጉተረዝ (ዋናጸሓፊሕቡራትሃገራት)፤ በቲ ውጽኢት "ኣዝየ ሓዚነ" ድሕሪ ምባል፡ ናይ ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ረብሓታት ዘለዎም ሓይልታት ነቲ ስነ-ፍልጠታዊ ሓቂ ብምጥዋይ ስጕምትታት ከም ዝዓገቱን ሰባት ዋጋ እናኸፈሉ ንሳቶም ግና ብልዑል መኽሰብ ይሕጐሱ ከም ዘለዉን ብምግላጽ ወቒሱ።

    ኣንቶኒኣልባኒዝ (ቀዳማይምኒስተርኣውስትራልያ)፤ እቲ ጉባኤ ብዘይ ስምምዕ ምዝዛሙ ብሰንኪ ዘሎ "ጽንኩር ጂኦ-ፖለቲካዊ ሃዋህው" ምዃኑ ገሊጹ።

    ዳራኦብራይን (ተወካሊሕብረትኣውሮጳ)፤ "ኣብ ስምምዕ ክሊማ ስም ነዳዲ ቅሪተ-ኣካል ፈጺሙ ዘይጥቀሰሉ ምዃኑ ፍጹም ቅቡል ኣይኰነን፤ እቲ ውሳነ ነቲ ዘድሊ ናይ ለውጢ ድሌት ዘየማልእ እዩ፡" ኢሉ።

    ተወሳኺ፤

  3. ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝነበረት መርከብ ሩስያ ብዘይተፈልጠ መጥቃዕቲ ተሃሪማ

    መርከብ ሩስያ

    ኣብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ቤንጋዚ ሊብያ ኣልሒቓ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ሩስያ፡ ሰንበት ወጋሕታ ብድሮን ክኸውን ብዝጥርጠር መጥቃዕቲ ከም ዝተሃርመት ኣብ ምብራቕ ሊብያ ዝመደበሮም ሰበ-ስልጣን ሓቢሮም።

    እቲ ወጋሕታ ዘጋጠመ ነትጕ፡ እታ መርከብ ናብ ሩስያ ቅድሚ ምምላሳ ነዳድን ቀረባትን እናመልአት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን እዩ።

    ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምብራቕ ሊብያ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት እታ መርከብ ዝዀነ ጕድኣት ከም ዘይተመዝገበን፡ መን ሓላፍነት ከም ዝወስድ ንምጽራይ ምስ ሰበ-ስልጣን ሩስያ ብምትሕብባር መርመራ ይካየድ ከም ዘሎን ገሊጾም።

    ልኡኽ ደገፍ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ህጹጽ፡ ናጻን ግሉጽን መርመራ ክካየድ ጸዊዑ።

    እቲ ልኡኽ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሊብያ ኣብ ናይ ወጻኢ ግጭታት ከይትኣቱ ብምጥንቃቕ፡ እታ ሃገር ንናይ ደገ ተዋሳእቲ ዓውደ-ውግእ ኰይና ከተገልግል ከም ዘይብላ ኣስሚሩሉ።

    ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሑን ብናጻ ተንተንቲ ዝተረጋገጹን ምስልታት፡ ኣብ ወደብ ቤንጋዚ ሓንቲ መርከብ ብሃልሃልታ ሓዊ ተዋሒጣ ኣርእዮም።

    ምስልታት ሳተላይት እውን እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምሕባሩ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብቲ ወደብ እትነድድ መርከብ ከም ዝነበረት ኣመልኪቶም።

    ብኣመሪካዊ ትካል ስለያ 'ቫንቶር' ዝተመርመሩ ልዑል ንጽረት ዘለዎም ምስልታት፡ እታ ዝተጐድአት መርከብ ኣብ ምድብ 'ስተረጉሽቺ' እትምደብ 'መርኩሪ' ዝተባህለት ኰርቬት (ተዋጋኢት መርከብ) ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ከም ዝዀነት ኣሚቶም።

    እቶም ምስልታት፡ እታ መርከብ ክሳዕ ሰንበት ብኸፊል ተገምጢላን መብዛሕትኡ ክፋላ ኣብ ማይ ጥሒሉን ከም ዝነበረ ዘርእዩ ይመስሉ።

    ጸኒሑ በታ መዓልቲ፡ ምኒስትሪ ጥዕና ሊብያ፡ ንግዳዊት መርከብ ምዃና ዝተገልጸት ካልእ መርከብ ኣብ ገምገም ባሕሪ ቤንጋዚ ዒላማ ምስ ተገብረት፡ ሓያሎ ሰባት ቀሊል መቍሰልቲ ከም ዝወረዶም ሓቢሩ። ኵሎም እቶም ዝቘሰሉ ኣብ ርጉእ ኵነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

    ኣብ ምብራቕ ዝመደበሩ 'መንግስቲ ሃገራዊ ርግኣት'፡ ሊብያ ኣብቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣካል ከም ዘይኰነት ብምጕላሕ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ጥሕሰት ሉዓላውነትን ጸጥታ ባሕርን ሊብያ ክብል ኰኒንዎ።

    ዝዀነ ጕጅለ ሓላፍነት’ኳ እንተ ዘይወሰደ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብድሮን ከም ዝተፈጸመ እንተ ተረጋጊጹ ዩክረይን እታ ዝዓበየት ተጠርጣሪት ምዃና ተንተንቲ ይገልጹ።

    እዚ ፍጻመ ምስ ሞስኮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ምስ ሩስያ ዘለዎም ጥቡቕ ዝምድና እናዓሞቘ ምስ ዝመጸ ሰበ-ስልጣን ምብራቕ ሊብያ እውን ወጥሪ ከልዕል ትጽቢት ይግበር።

    ተወሳኺ፤