እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ሕልሚ'ዩ ዝመስለኒ ዘሎ'- ዳግማይ ጸበባ ሒሳብ ባንኪ ዝተዓፀዎም ተጋሩ
እቲ ኣብ ዝቐደመ ኲናት (2020-2022) ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ከይድገም ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ብዙሕ ፃዕርታት ክግበር ፀኒሑ እዩ። እንተኾነ ካብ ክልቲኡ ወገን ሰማዒ ኣይተረኽበን።
እቲ ዝተፈርሐ ድማ ኣይተረፈን። እቲ ግጭት ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን (ምስ ካልኦት መሓዙት ጉጅለታት] ሰራዊት ፌዴራልን ብሰለስተ ግንባር ካብ ዝውላዕ ድሮ ሓደ ሰሙኑ ኣቚፂሩ ኣሎ።
ከም በዓል ሁዩማን ራይትስ ዎች ዝኣመሰሉ ዓለም-ለኸ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ኲናት ንህዝቢ ግዳይ ከይገብር ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቲ ዝሓለፈ ኲናት ክልተ ዓመት፡ ብፍላይ ድማ ነቲ ቀንዲ ግዳይ ዝዀነ ህዝቢ ትግራይ፡ እንኰላይ ስነ-ልቦናዊን ማሕበራውን ቅልውላው ፈጢርሉ እዩ ሓሊፉ።
እቲ ናይ ሕዚ ድማ ድሮ ነቲ ዝሓለፈ መከራን ሕሰምን መሊሱ ዘዘኻኽር ፍጻመታት ይረአ ኣሎ።
እቲ ግጭት ከም ብሓድሽ ኣብ ዝደገሰሉ ቕነ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ፡ ትራንስፖርትን ኔትዎርክን ጥራይ ዘይኰነ ተቛሪፁ፡ 'ኣብ ትግራይ ዝተኸፍቱ' ሒሳባት ባንኪ ተዓፅዮም ብዙሓት ኣብ ፀገም ወዲቖም ይርከቡ።
ካብቲ ዝሓለፈ ዝኸፍአ ዝገብሮ፡ ኣብቲ ክልል 'ገንዘባዊ ምንቅስቓስ' [ካሽ] ዳርጋ ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፡ ብሞባይል ባንኪንግ ዝግበር ገንዘባዊ ምትሕልላፍ ደው ምባል፡ እቲ ፅልዋኡ ሓደገኛ ከምዝዀነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልፁ።
እዚ ኩነታት ኣብ'ቲ ክልል ንዝርከቡ ነበርቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ግን ሒሳብ ኣካውንቶም ኣብ ትግራይ ዝተኸፍተ ሰበት'ውን ኩሎም በቲ ውሳነ ተፀልዮም ኣለዉ።
ቢቢሲ፡ ነዚ ዛንታ ኣብ ዘዳለወሉ እዋን፡ ዝተዓፅወ ሒሳብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፡ ንምኽፋት ኣብ ገለ ጨንፈራት ኣዲስ ኣበባ ፃዕርታት ከምዘለዉ ተረዲኡ ኣሎ።
ካብቶም ባንክታት ኰነ ካብ መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ግን ኣይሰመረን።
ገብረመድህን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብምስጋእ ቅድሚ ክልተ ወርሕን ክልተ ቕነን እዩ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዒዙ።
ንሱ፡ ኣብታ ክልል ዘሎ ወጥሪ ፈሪሑ ናብ ኣዲስ አበባ ሃዲሙ እንተመፅአ'ኳ፡ ካብቲ ኩነታት ከምልጥ ኣይከኣለን።
ብስራሕ ምኽንያት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ካልእ ከተማ ክጓዓዝ ኣብ ዝፈተነሉ፡ ንትራንሰፖርት ብሞባይሉ ትራንፍር ገይሩ ክኸፍል እንትፍትን ክሰርሐሉ ኣይከኣለን። እንታይ ከምዝተፈጥረ'ውን ኣይተረደኦን።
"ካብ ኣዲስ አበባ ናብ ኣዳማ ክጓዓዝ ትራንስፖርት ኣትየ፡ ክኸፍል ምስ በልኩ ሓበሬታ ስለዘይነበረኒ ክሰርሐለይ ኣይከኣለን። ኣብቲ መኪና ድማ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረን፤ ካብኡ ብስልኪ ደዊለ ካብ ካልኦት ሰባት ክለኣኸለይ ገይረ እየ ኸፊለ" ኢሉ።
ብፍላይ እቲ ውሳነ ሃንደበት ስለዝነበረ ኣብ ቤት ምግቢ፡ ኣብ ትራንሰፖርት ትራንሰፈር ገይሩ ክኸፍል ብዘይምኽኣሉ፡ ብዙሕ ሰብ ከምዝተሸገረ እዩ ዝገልፅ።
ገ/መድህን፡ ኣብ ገለ ከባብታት ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ መቕርባቱ፡ ኣብ ቤት ምግቢ ተጠቒሞም ትራንፈር ክገብሩ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ካብ ቤተሰብ ሓቲቶም ገንዘብ ክኸፍሉሎም ከምዝተገደዱ ይዛረብ።
እቲ ኣገልግሎት ባንኪ፡ ናብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘፅብሐ ለይቲ፡ ብዕለት 15-16 (ግ) መስከረም እዩ ተዓፅዩ።
"ሞባይል ባንኪንግ ሃንደበት እዩ ተዓፅዩ፤ ከምዚ ኸማይ ዝበዝሕ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ኣምሊጡ ኣብ ልዕሊ ዝመፅአ ሰብ ድንጋፀ ፈጢሩ እዩ፤ ብዙሕ ትግራዋይ ተሸጊሩ እዩ ዘሎ። ገንዘቡ ከንቀሳቕስ ኣይከኣለን፤ ናብ ባንኪ ከይዱ ድማ ገንዘብ ከውፅእ ኣይከኣለን" ኢሉ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ሓንቲ ኣማራፂት ምንባራ፤ ንሳ'ውን ሕዚ ምስራሕ ጠጠው ኣቢላ ኣላ።
"እታ ብሕታዊት ዝነበረት ኣማራፂ ብኤቲኤም ገንዘብ ምውፃእ እያ ነይራ፤ ንሳ'ውን ሕዚ ኣይትሰርሕን" ይብል።
"ካብ ኤቲኤም ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ኣብ መዓልቲ ክተውፅእ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ድማ እቲ ግልጋሎት ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ሸውዓተ ሸሞንተ ኣዋርሕ ስለዘይነበረ፡ ገሊኡ 'ፓስወርዱ' ረሲዑዎ ገለኡ ድማ እቲ ካርድ ከይሓዘ ስለዝመፅአ፡ ኣብ ፀገም ወዲቑ።"
ገ/መድህን፡ ቀዲሙ ብሰንኪ ምቊራፅ ኔትወርክ-ቴሌፎን፡ ምስ ኣባላት ስድረኡን ፈተውቱን ክራኸብ ዘይምኽኣሉ ኣብ ጭንቀት እንተሎ እዩ፡ እዚ ምቍራፅ ሕሳባት ባንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ።
ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዝርከቡ ኣባላት ስድርኡ ብሰንበት ካብ ከተማ መቐለ ኣስታት 20 ኪሎሜትሮ ርሒቘም ኣብ ኮረብታ ወፂኦም ከምዝደወልሉን፡ ዝተወሰነ ሓበሬታ ከምዝረኸበን ይዛረብ።
"ኣሸጐዳ ካብ ዝበሃል ካብ መቐለ 23 ኪሎሜትሮ ርሒቚ ካብ ዝርከብ ቦታ ኰይኖም ደዊሎምለይ ነይሮም፤ ስሩዕ መስመር ቴሌፎን የለን፤ ብኢንተርኔት ጥራይ እዩ ዝሰርሕ፤ እቲ ኩነታቶም መግለፂ የብሉን፤ ኣብ ትግራይ ይዅን ኣብ ደገ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ሓበሬታ የብሎምን፤ ገንዘብ'ውን ከንቀሳቕሱ ኣይክእሉን፡"።
ካብ ቤተሰብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ዳርጋ ኣብ ዝበዝሕ ከባብታት ትግራይ ናይ ገንዘብ ምንቅስቓስ ኰነ ኣግልገሎት ትራንስፖርት የለን። ብዛዕባ እቲ ግጭት ኰነ እቲ ኩነታት ምንም ሓበሬታ ከምዘይብሎም እዩ ዝዛረብ። ብሓፂሩ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ከይኸውን ሰፊሕ ስግኣት ኣለዎም።
ገብሩ ገብረዮሃንስ ተስፋይ ብወገኑ፡ ካብ መጋቢት 2028 ጀሚሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ንስራሕ ኣብ ዝመፀሉ እዋን፡ ብተደጋጋሚ ናብ ፖሊስ ጣብያ ተፀዊዑ መብርሂ ክህብ ከምዝተሓተተን ብዙሕ ምንግልታዕ ክበፅሖ ከምፀንሐን ይዛረብ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ድሮ እቲ ግጭት፡ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ፖሊስ ጣብያ እናኸደ ሪፖርት ክገብር ትእዛዝ ተዋሂቡዎ ከምዝበነረ ይዛረብ።
ንሱ፡ ብሰንኪ እዚ ኩነታት ናብ ካልእ ሃገር ክወፅእ ወሲኑ እንተወፅአ'ኳ፡ ኣብ ወፃኢ ዀይኑ፡ ኦንላይን ገንዘቡ ከንቀሳቕስ ኣይከኣለን።
"ኣብ ወፃኢ ዀይነ፡ ገንዘበይ ትራንስፈር ገይረ ክጥቀም እየ ሓሲበ ነይረ፤ ሕዚ ግን ትግራዋይ ብምዃነይ፤ እቲ ኣካውንተይ ኣብ ትግራይ ስለዝተኸፍተ ጥራይ፡ ገንዘበይ ክጥቀም ኣይከኣልኩን፤ ብዙሓት ድማ ከምዚ ከማይ ተሸጊሮም ኣለዉ" ኢሉ።
ፀደይ ዝተባህለት ካልእ ትግራወይቲ ድማ፡ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ቅድሚ ክልተ ወርሒ እያ መፂኣ። ተቘፂራ እያ ትሰርሕ። ናይ ውልቃዊ ስራሕ ድማ ነይሩዋ።
ብምኽንያት ሕክማና እያ ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኣ። ክንድዚ ክትፀንሕ'ውን ሓሳብ ኣይነበራን። እንተዀነ፡ ሃንደበት መጓዓዝያን ቴሌፎንን ምቍራፁ ኣብ ስንባዳ ኣእትዩዋ ይርከብ።
"መጀመርታ ንሕክምና እየ መፂአ ነይረ፡ ካብኡ ግን እቲ ኩነታት ምስረኣኹዎ፡ ስድራይ ናብዚ ንምግዓዝ ወሲነ ትኬት ንዓርቢ ቆሪፀሎም ነይረ፤ ንሱ ኣይኰነን"።
ኣብ ምጅማር እቲ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ንመዕርፎ ነፈርቲ ምስተቘፃፀሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብቲ ክልል ዝገብሮ በረራታት ጠጠው ምባሉ ዝዝከር እዩ።
"ንባዕልና ክነፅናዕንዕ ፈቲንና ነይርና፤ ካብኡ ብፅባሒትኡ ድማ፡ ሒሳብ ባንክና ተዓፅዩ ተባሂልና"።
ኣብ ትግራይ ዝተኸፍቱ ሒሳባት ባንኪታት ኣንበሳን ወጋገንን'ውን ተዓፅዮም ከምዘለዉ'ያ ፀደይ ትዛረብ።
እዞም ናይ ውልቀ ባንክታት፡ ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ቀፂሎም፡ ኣብቲ ክልል ብዝሒ ዓማዊል ዘለዎም እዮም።
"እቲ ፅልውኡ ከቢድ እዩ፤ ብጣዕሚ ከቢድ፤ ምኽንያቱ እቲ ኣብዚ [ኣዲስ አበባ] ዘሎ ሰብ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ኣይርድኦን" ብምባል፡ ሓደ ዝተዓዘበቶ ኣብነት ጠቒሳ።
"ንኣብነት፡ ንገዛ ኽራይ ዝኸፍለሉ መዓልቲ ዝኣኸሎ ጐረቤተይ ኣሎ፤ ነቲ በዓል ገዛ ምንም ከረድኦ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ነቲ ኩነታት ዝርዳእ ኣይኰነን፤ ስለዚ ወይ ካብቲ ገዛ ክወፅእ ወይ ድማ ካብ ዘምፀአ ኣምፂኡ ክኸፍል ኣለዎ፡ እንታይ ከምዝገብር ተጨኒቝ እዩ ዘሎ" ኢላ።
ናይ ባዕላ ኩነታት ኣመልኪታ ድማ፡ "ኣነ ሕዚ ኣጋጣሚ ዀይኑ ኣብ ቴሌብር [ብሞባይል መተግበሪ፡ ዝግበር ገንዘባዊ ምንቅስቓስ] ገንዘብ ነይረናኒ፤ ንኽልተ ንሰለስተ መዓልቲ ብኣአተን እነብር እየ፡ ብድሕሪኡ ግን እንታይ ከምዝኸውን እንድዒ፤ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልቲ እንድሕር ዘይተፈትሐ ኣብ ከቢድ ፀገም ኢና ክንወድቕ" ኢላ።
ኤቲኤም ምስራሕ ጠጠው ኣቢሉ ከምዘሎን፡ ዝበዝሕ ድማ ፓስወርዱ ወይ ድማ እቲ ካርድ ኣጥፊኡዎ ወይ'ውን ኤክስፓየር ገይሩ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን ትእምት።
ምኽንያቱ፡ እዚ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ዳርጋ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣይሰርሕ ነይሩ።
"ኣነ ንባዕለይ ክልተ ካርድታት ነይሮምኒ፤ እቲ ሓደ [ናይ ወጋገን] ምስጢራዊ ቃል ረሲዐዮ፡ እቲ ካልእ ድማ፡ እቲ ካርድ ባዕሉ ከይሓዝክዎ እየ መፂአ" ትብል።
ትማሊ ነዞም ዓማዊል ቃለ መሕትት ኣብ ዘካየድናሉ እዋን፡ ኣብ ገለ ጨንፈራት ንግዲ ባንክ ኣዲስ አበባ፡ ኣካውንት ዝተዓፀዮም ሰባት ክሕብሩ ተሓቲቶም፡ ብዙሓት ሰባት ሪጋ ሒዞም ተራእዮም ውዒሎም።
ገለ ካብኣቶም ድማ ሒሳቦም ከኽፍቱ ዝኸኣሉ ከምዘለዉ ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ኣኽፊተ ኢሉ ዝዘራብ ግን ዛጊድ ኣይረኸብናን።
እንተዀነ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ሞያ ባንኪ፡ ኣብ ባንክታት ኣንበሳን ወጋገንን'ውን ከምኡ ዓይነት ውሳነ ንምውሳን ብደረጃ ኣመራርሓ ትማሊ ተኣኪቦም ምዝታዮም ንቢቢሲ ሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ካልኦት ካበብታት ኢትዮጵያ ግን እቲ ጸገም ሕዚ'ውን ከምዘሎን፡ ኣብ ትግራይ ድማ መመላእታ ህዝቢ ባንኩ ተዓፅዩዎ፡ ገንዘብ ከንቀሳቕስ ከምዘይክእል ቢቢሲ ትማሊ ዘዘራረረቦም ነበርቲ ይገልፁ።
'ካብ ትሮውማ'ኳ ገና ኣይወፃእናን'
ፀደይ ኣብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኲናት ኣብ ትግራይ እያ ነይራ፤ ምስ ሙሉእ ስድራአ ተፀጊማን ተሸጊራን እያ ኣሕሊፋቶ፤ እዚ ናይ ሕዚ ውሳነ ድማ ነቲ ሕሰም ከዘኻኽራ ጀሚሩ'ሎ።
"ገና ካብቲ ትራውማ'ኮ [ስነኣእምሮኣዊ ኣበሰላ] ኣይወፃእናን፤ 2013 ኲናት እንትጅመር እዝክር፡ መሃያ ኣትዩልና፡ ፅባሕ ከውፅእ እየ ኢላ፤ ክልተ ሽሕ ጥራይ ኣውፂአ ነይረ። ካብኡ ኲናት ተጀሚሩ ኩሉ ነገር ዕፅውፅው ኢሉ፤ ካብኡ ደንጊፅና 'ኲናት ማለት ከምዚ ድዩ' ኢልና፡ ካብኡ ድማ ተጋዲዱ ክንደይ መከራ ኣሕሊፍና"።
"ሕዚ 'ካብኡ ተማሂርና ኢና' ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ፤ ደሓር ደጊሙ ሕዚ ከምኡ ዓይነታት ኩነታት ከጋጥም እንከሎ፡ ብጣዕሚ እዩ ተስፋ ዘቑርፅ" ኢላ።
ፀደይ፡ ምስቲ ግጭት ተኣሳሲሩ ህዝቢ ብጃምላ ምቕፃዕ ግቡእ ከመዘይኰነ እያ ትዛረብ።
"ንሕና እንታይ ኢና ገይርና፤ ኣብ ዓለም ከምዘሎ ዝዀነ ህዝቢ፡ መሰረታዊ መሰልና ተኸቢሩልና ክንነብር እናተገበኣና፤ ትግራዋይ ብምዃንካ ጥራይ ከምዚ ዓይነት ነገር ከጋጥም እንሎ፡ ትሓዝን።"
ንሳ ከምቲ ብዙሓት ዝመስሎም፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ካብቲ ክልል ወፃኢ ዘለዉ ሰባት ዝሐሸ ኩነታት ከምዝነበሩ እያ ትሓስብ ነይራ፤ ሕዚ ግን ከምኡ ከምዘይኰነ ባዕላ ከምዝተረደአት ትዛረብ።
ብዛዕባ ስድራኣን ክትጭነቕ ጀሚራ ኣላ።
"መፃኢኻ የፀልምቶ፤ ሕልሚ እዩ ዝመስለኒ ዘሎ፡ ፅባሕ እንታይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን" ብምባል፡ መንግስቲ ጉዳዩ ምስቶም ዝተጋጨዮም ኣካላት ክውድእ ትሓትት።
"ሕዚ ከምኡ [ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ] ክድገም እዩ ኢልና ኣይተፀበናን፤ ትግራዋይ ናብዚ ዓዲ ዝውሕዝ ዘሎ ነንፍሱ ከድሕን እዩ፤ ካብ ኲናት እዩ ዝሃድም ዘሎ። ከም ማንም ሰላማዊ ዜጋ 'ክፍተሓልና ይዀን እዩ' ኢሉ ተሰፋ ዝገብር ኣሎ፤ ኣነ ግን እንድዒ፡ ምኽንያቱ ድማ ግልፂ ኣይኰነን፤ ክሓስቦ እዩ ዝኸብደኒ።
"ንዝዀነ ኣካል ከጥቅዕ ዝደሊ ኣካል፡ ህዝቢ እዩ ክሕዝ ዝግባእ ነይሩ፤ ህዝቢ ኣብቲ ግጭት እንታይ ኢድ ኣለዎ? ንህዝቢ ሓዊስካ ምቕፃዕ ክርድኦ ይኸብደኒ" ብምባል ንብዓታ እናሓበሰት ተማርር።
እቲ በዓል ሞያ ባንኪ፡ ካብ መንግስቲ ብፅሑፍ ዝተውሃበ ትእዛዝ ከምዘሎ ከምዘይፈልጥ ብምግላጽ፤ ነገር ግን፡ መንግስቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት፡ ባንክ ኣካውንት ዝዓፅወሉ ክልተ ሰለስተ ምኽንያታት ከምዘሎ እዩ ዘረድእ።
ልዑል ዝዀነ ዝውውር ገንዘብ ከይፍፀም ወይ ድማ እቶም ኣብ ግጭት ኣትዮም ዘለዉ ኣካላት ገነዘብ ከይረኽቡ ንምግዳብ ብምህቃን ክኸውን ከምዝኽእል ይግምት።
ከምኡ ድማ፡ እቶም ንመንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ኣብ ርአሲ ምቕፃዕ፡ እቲ ህዝቢ ንምፍርራሕ፡ "ኣነ እየ ዘለኹ ዝህብን ዝኸልእን" ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ክኸውን ከምዝኽእል ይምጉት።
ንእሽቶ ብዛዕባ እቲ ግጭት
ሕወሓት፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙን፡ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ምልሻን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ዝርከብዎም ካልኦት ሽዱሽተ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምዃን፡ ኪዳን ንህልውና ዝብል ጥምረት ኣጣይሹ።
ኣባላት እቲ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈላለየ ቅሬታ ኣለዎም፡ እንተኾነ ግን ብኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ምእላይ ሓባራዊ ዕላምኦም እዩ።
ብፍላይ ሓይልታት ህወሓትን ፋኖን፡ ኣብ እዋን ዝሓለፈ ኩናት ሓድሕድ፡ ኣብ ተፃረርቲ ጎኒ እንተነበሩ'ኳ፡ ንግዚኡ ግን ፍልልያቶም ንጎኒ ገዲፎሞ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ኣለው።
ሰበስልጣን ህወሓት፡ እቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ከበባን ተነጽሎን ክደግሙ ከምዘይደልዩ ይዛረቡ።
ይኹን እምበር፡ ኣባላት እቲ ጥምረት ዝተፈላለየ ጠለብ ስለዘለዎም፡ እቲ ኪዳን ንምዕቃብ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቑ።
ህወሓት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝጀመሮ ካብ ምውቃስ ሓሊፉ፡ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ነታ ሃገር ንምብታን ዝዓለመ ፈተነ ከምዝዀነ እዩ መንግስቲ ፌዴራል ዝነቅፍ።
ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕጡቓት ጉጅለታት ትድግፍ ኣላ ኢላ'ውን ይኸስስ፡ እዚ ድማ ኣስመራ እትነጽጎ ጉዳይ እዩ።