ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንዕጡቓት ተቓወምቲ ደጊፈን ንዝብል ክሲ ነጺገን

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ግብጽን ሱዳንን፡ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ከምዝድግፋ ካብ ኢትዮጵያ ዝቐረበለን ክሲ ነጺገን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት ፈደራልን ትግራይን ናብ ቅሉዕ ውግእ ከም ዝኣተዉ ተገሊፁ እዩ።

እቲ ዳሕረዋይ ግጭት ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ሓይልታትን እናተዘርገሐ ከይኸይድ ድማ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ ሰሙን ንማሕበራዊ ሚዳያታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግብጽን ሱዳንን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝምራሕ መንግስቲ ንምውዳቕ ዝተመስረተ ጥምረት ከምዝድግፋ ከሲሱ።

ብተወሳኺ፡ እዞም ጥምረት ዝመስረቱ ዕጡቓትን ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ብዘይ ናይ ደገ ደገፍ ነቲ መንግስቲ ክቃለሱ ከምዘይኽእሉ እውን ኣመልኪቱ። ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን እዞም ጉጅለታትን ከም መተሓላለፊት ኰይና ትነጥፍ ኣላ ክብል'ውን ከሲሱ።

እቲ ፊልድ ማርሻል ነዞም ክስታት ርኡይ መርትዖ ኣየቕረበን።

እንተዀነ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ንተቓወምቲ ይድግፋ እየን ኢሎም ክኸሱ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ሱዳን፡ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ትድግፍ ኣላ ተባሂሉ ብኢትዮጵያ ዝቐረበላ ክሲ "መሰረት ዘይብሉን ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎን" ብምባል ትማሊ ብጽኑዕ ነጺጋቶ።

ሰራዊት ሱዳን እውን ነቲ ኪዳን ከምዘይድግፍ ብምኽሓድ ነቲ ክስታት "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ነጺጉ ኣሎ። እንተዀነ፡ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ዳዕመ ኣልሰሪዕ፡ ንግዝኣታ ክጥቀሙ ፈቒዳ ስልጠናን ቀረብን ትህብ ኣላ ክብል ከሲሱ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ትድግፍ ኣላ ንዝብል ክሲ ኣቐዲማ ነጺጋቶ ነይራ እያ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብ23 መስከረም ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንሱዳን ናብቲ ንኢትዮጵያ ሸሚሙዋ ዘሎ ውሽጣዊ ግጭታት ንምስሓብ ዝዓለመ ቅሉዕ ፈተነ" ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ፡ ፖሊሲ ወጻኢ ሱዳን ኣብ ምኽባር ልዑላውነት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካልኦት ሃገራት ኢድ ዘይምትእትታው፡ ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ መትከላት ሰናይ ጕርብትናን ዝተሰረተ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓደ ግብጻዊ ዲፕሎማስያዊ ምንጪ'ውን፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ክሲ ብምንጻግ፡ ካይሮ ኣብ ውሽጣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘይተእቱን፡ ኣዲስ ኣበባ ድማ ኣብ ክንዲ ንደጋዊ ውድባት ምውቃስ ንውሽጣዊ ቅልውላዋ ክትፈትሕ ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ስለምንታይ ንግብጽን ሱዳንን ትኸስስ?

ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝቐርብ ክሲ፡ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ኣባይን ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን (GERD) ዝካየድ ዘሎ ምስሕሓብ ዝተኣሳሰር እዩ። ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ብዝምልከት ዘላቒ ፍታሕ ኣይተበጽሐን።

ኢትዮጵያ ነቲ ግድብ ኣብ ሩባ ኣባይ (ኒል) ክትሃንጽ ካብ እትጅምር ንደሓር ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ እናገደደ እዩ መጺኡ።

ግብጽን ሱዳንን፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ድርቂ፡ ኣሰራርሓ እቲ ግድብ ንምቁጽጻር ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ምስ ንጹር ኣገባብ ምልውዋጥ መረዳእታ ክጠልባ ጸኒሐን እየን።

ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ፡ እቲ ግድብ ንምፍራይን ልምዓትን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣገዳሲ ሃገራዊ ፕሮጀክት ጌራ ትቖጽሮ። ንግብጽን ሱዳንን ንምጉዳእ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ድማ ትገልጽ።

ተንታኒ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዓብዱል ሻኩር ዓብዱል ሳማድ፡ ኣዲስ ኣበባ ንዓሰርተታት ዓመታት ንግብጺ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና ተጠቒማ ኣብ ልዕሊ ተኸታተልቲ መንግስታት ጸቕጢ ክትገብር እትኽእል ሃገር ጌራ ትርእያ ከምዘላ ይገልጽ። ካይሮ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ምስ ምንቅስቓሳት ኦሮሞ፡ ትግራይን ኤርትራን ታሪኻዊ ምትእስሳር ከምዘለዋ እውን የመልክት።

ብተወሳኺ ባህሪ ዝምድና ግብጽን እዞም ጉጅለታትን ምስ ዝተፈላለየ እዋናትን ፖለቲካዊ ኩነታትን ከምዝተቐየረን፡ ብዛዕባ ታሪኻዊ ቅድመ-ኩነት ምዝራብ፡ ግድን ነቲ ሕጂ ዘሎ ምሕዝነትን ደገፍ ግብጺን ከምዘየመልክት ይዛረብ።

ኣካያዲት ኣሰናዳኢት ኣል-ኣሕራምን ክኢላ ጉዳያት ኣፍሪቃን ዝኾነት ኣስማዓ ኣል ሑሴኒ እውን፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ኣብ መርትዖ ዝተመርኮሰ ከምዘይኰነን፡ ካይሮ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ኢድ ዘይምእታው መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ከምእትኽተልን ትኣምን።

እንተ ሱዳን ግን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ነዊሕ ዶባትን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምስሕሓብን፡ እንተላይ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቃ ዝተፈጥረ ግጭት ክርአ እንከሎ፡ እቲ ኵነታታ ዝተፈለየ እዩ።

ኲናት ሱዳን፡ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ሓድሽ መርበብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት፡ መስመራት ቀረብን ሓድሕዳዊ ምኽሳስን ቀይርዎ እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ኣብ ግዝኣታ ክስልጥኑ ከምዝፈቐደት ሱዳን ትኸስስ። ኢትዮጵያ ግን ነዚ ክሲ ትነጽግ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ሱዳን ንጉጅለታት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ መሬታ ክጥቀሙ ፈቒዳ ዝብል ክሲ እያ ተቕርብ። ሱዳን ድማ ብወገና ነዚ ክሲ ትነጽግ።

ኢማራት ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ድያ?

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኤምባሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወግዓዊ ማሕበራዊ ገጹ ብዘውጽኦ መግለጺ፡ ህወሓትን መሓዙት ሓይልታት ጥምረትን ኣብ ልዕሊ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ምቍጽጻሮምን ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘካይድዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ግጭትን ብትሪ ኰኒኑ እዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ቀረባ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ወተሃደራውን መሻርኽቲ ኣዲስ ኣበባ ኰይና እያ ትቐጽል ዘላ።

ኣብ 2018 ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ዝምድና ኣቡዳቢን ኣዲስ ኣበባን ዝዓሞቐ ኰይኑ፤ እዚ ምትሕብባር ድማ ንኢንቨስትመንት፡ ንግዲ፡ ከምኡ'ውን ጸጥታን ምክልኻልን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ወሳኒ ንዝነበረ ኣጽዋራት ቴክኖሎጂ ድሮን ብምቕራብ ስማ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን እውን ገዚፍ ኢድ ዘለዋ ኢማራት፡ ኣብ ክልል በኒሻንጉል ጉምዝ ኢትዮጵያ ንሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ዘገልግል መዓስከር ከም ዘቘመት፡ ንኢትዮጵያ ድማ ከም መትኒ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ትጥቀመላ ከም ዘላን ትኽሰስ፤ ክልቲአን ሃገራት ግን ነዚ ክሲ ይነጽጋኦ።

ኣብዚ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ተወሊዑ ኣሰካፊ ምዕባለታት ፈጢሩ ዘሉ ውግኣት ሰሜን ኢትዮጵያ ድማ፡ ኢማራት ደጋፋ ንኢትዮጵያ ትገልጽ ኣላ።