እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኵራት ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ቻምፕዮና ዓለምን መቕጻዕትን - ጉዳይ ቪዛኸ?
ኣብ ሞንትርያል ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ መበል 93 ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፡ ብዙሕ ፍጻመታት ሰኒዱ ብሰንበት'ዩ ተዛዚሙ።
ኣብ ናይ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ ኣመሪካዊ ብራንዶን ማክናልት ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ቀዳማይ ብምዃን ሃገሩ ኣመሪካ ድሕሪ 33 ዓመታት ነዚ ውድድር ክትዕወተሉ ኣኽኢልዋ፤ ንዕኡ ተኸቲሎም ኣውስትራልያዊ ሚካኤል ማቲውን ሆላንዳዊ ማትዮ ቫን ደርፔልን ካልኣይን ሳልሳይን ኰይኖም ውድድሮም ወዲኦም።
ኣብ ናይ ኤሊት ደቀንስትዮ፡ ሆላንዳዊት ደሚ ቮለሪን፡ ፖላንዳዊት ካስያ ኒውዳን ኢጣልያዊት ኢሊሳ ሎንጎን ካብ ቀዳማይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ወጺአን።
ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ኣመሪካዊ ኣሽሊን ባሪቲ፡ ስጳኛዊ ሄክተር ኣልቫረዝን ኖርወጃዊ ጃስፐር ስቲያሰንን ብቅደም ተኸተል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ኤርትራ ፈጺማ ዘይተሳተፈትሉ ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ [ትሕቲ 18 ዓመት ዕድመኦም] ስጳኛዊ ቤንጃሚን ኖቫል፡ ፈረንሳዊ ሲሞን ዲፍራንስ ከምኡ ከኣ ሽወደናዊ ኢልያስ ዋንደል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጺኦም።
ኤርትራ ኣብ ኤሊት ደቂ ተባዕትዮ ሰለስተ፡ ኤሊት ደቀንስትዮ ሓንቲ፡ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ተጻዋታይ'ያ ኣሳቲፋ፡ ኵሎም ከኣ ንውድድሮም ክውድእዎ ኣይክኣሉን።
እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ቢንያም ግርማይን ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙንን'ውን ብድምር ናይ 2400 ዶላር ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ብዩሲኣይ ተበይንዎም።
ኤርትራ ግን እዞም ሒዛቶም ናይ ካናዳ ዝኸደት ተጻወትቲ ጥራይ ድያ ከተሳትፍ ነይርዋ?
ዩሲኣይ ዘቐመጦ ናይ ተሳታፍነት ቅጥዕታት
ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዝሳተፋ ሃገራት ሒዘናኦም ዝኣትዋ ቍጽሪ ተቐዳደምቲ ዝውሰነሉ ዩሲኣይ ዘውጽኦ ዝተፈላለየ ቅጥዒታት ኣሎ።
ንኣብነት ኣብ ናይ ዓበይቲ ወይ ኤሊት፡ ሃገራት ኣብዚ ውድድር ዘሳትፈኦም ቍጽሪ ተቐዳደምቲ ዝውሰነሉ ሸሞንተ ዓንቀጻት ኣሎ።
ሓደ ካብኡ ሃገራት ክሳብ 19 ጥቅምቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ብዘዋህለላኦ ነጥቢ ዘለወን ደረጃ ብዝሒ ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ዘሳትፋኦም ተጻወትቲ ይውሰን።
ብደረጃ ዓለም ኣብ መሳልል ዩሲኣይ ካብ 1 ክሳብ 10 ዘለዋ ነፍሲ ወከፈን 8 ተቐዳደምቲ የሳትፋ፣ ካብ 11 ክሳብ 20 ደረጃ ዘለዋ ነፍሲ ወከፈን 6 ተቐዳደምቲ የሳትፋ፣ ካብ 21 ክሳብ 30 ዘለዋ ነፍሲ ወከፈን 4 ተቐዳደምቲ የሳትፋ፡ ካብ 31 ክሳብ 50 ዘለዋ ከኣ ነፍሲ ወከፈን ሓሓደ ተቐዳዳማይ የሳትፋ።
እቲ ካልእ ነጥቢ ሃገሩ ኣብዚ ደረጃ [ካብ 1 ክሳብ መበል 50 ደረጃ] ዘየላ ሓደ ብውልቁ ግን ብደረጃ ዓለም ካብ 1 ክሳብ 200 ኣብ ዘሎ ደረጃ ዝተሰርዐ ውልቀ ተቐዳዳማይ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ናይ ምስታፍ ዕድል ይውሃቦ።
ሳልሳይ፡ ኣብ ኣህጉሩ ሻምፕዮን ዝዀነ ተቐዳዳማይ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ናይ ምስታፍ ዕድል ይህልዎ፤ ልክዕ ከምዚ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2025 ቻምፕዮና ኣፍሪቃ ዝዀኖ፡ ብቐጥታ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ናይ ምስታፍ ዕድል ይህልዎ ማለት'ዩ።
እዚ ኮታ እዚ ካልእ ተቐዳዳማይ ተኪእካ እትሳተፎ ኣይኮነን፤ ነቲ ሻምፕዮና ናይ ኣህጉሩ ዝዀነ ተቐዳዳማይ ዝሕዛእ'ዩ።
ራብዓይ፡ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮና ዓለም ዝዀነ ተቐዳዳማይ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብቐጥታ ንኽሳተፍ ኮታ ይሕዝኣሉ።
ሓሙሻይ ኣአንግኣዲት ቻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ዝዀነት ሃገር ብውሕዱ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ከተሳተፍ ዕድል ይውሃባ።
ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዝሳተፋ ሃገራት ተሳታፍነተነት ንኸረጋግጻ ቅድሚ 1 ታሕሳስ ናብ ዩሲኣይ ብኢመይል ከፍልጣ ኣለወን።
ሃገራት ዝግበአን ኮታ ምስ ዘይጥቀማሉ እቲ ኮታ ነተን ደረጀአን ኣብ ዩሲአይ ካብ 31 ክሳብ 50 ዘለዋ ሃገራት ከከም ደረጀአን ሓሓደ ተወሰኽቲ ተጻወትቲ ከሳትፍ ዕድል ይውሃበን።
እቲ ካልእ ሰለስተ ኮታ ብዩሲኣይ ዝውሰን ንዝሓተታ ሃገራት ብፍሉይ ዝውሃብ ናይ ተሳታነት ዕድም'ዩ።
ኤርትራ እቲ ዝግብኣ ኮታ ተጠቒማትሉ ድያ?
ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ እንመጽእ ክሳብ 19 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ናይ ኢሊት ብደረጃ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ ብደረጃ ዓለም ከኣ መበል 20'ያ ተሰሪዓ ነይራ።
ብመሰረት ቅጥዒ ናይ ዩሲኣይ ከኣ ብቐጥታ ሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ትኽእል ነይራ፡ ምስቲ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2025 ቻምፕዮና ኣፍሪቃ ምዃኑ ተደሚሩ [ብቐጥታ ክሳተፍ ስለዝፍቀዶ] ሸውዓት ተቐዳደምቲ ከተሳትፍ ትኽእል ነይራ'ያ።
ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ግን ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ከምዝሳተፉ'ዮም ገሊጹ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብ ዝነበራ ኮታ ነቲ ክልተ ኮታ ስለዘይተጠቐመትሉ ዩሲኣይ ነቲ ኮታ ንኻልኦት ሃገራት ክዕድመሉ ሕግታቱ የፍቅደሉ'ዩ።
ካብዞም ኣብ ሻምፕዮና ዓለም ክሳተፉ ዝተመረጹ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ምሉእብርሃን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ቢንያም ግርማይን ከኣ ኣማኑኤልን ናትናኤልን ኣብቲ ውድድር ኣይተሳተፉን።
እቲ ምኽንያት ብወግዒ ክሳብ ዘይተነገረ ከኣ ንምንታይ ከም ዘይተሳተፉ ኣይተፈለጠን።
ከምቲ ዓመት ዓመት ዝብሃል ናይ ቪዛ ጸገም ዝብል ተባራሪ ወረ ስለዝመጽእ ግን ናይ ቪዛ ጸገም ኢልና ክንሓልፎ።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን ብተመሳሳሊ ያፌት ሙሉጌታ፡ ሚልክያስ ማእከለን፡ ናሆም ኤፍሬምን ዓወት ኣማንን [ዓወት ኣማን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2025 ስለዝዀነ ብካልእ ዘይትካእ ናይ ምስታፍ ዕድል ነይርዎ'ዩ] ክሳተፉ ትጽቢት ነይሩ፡ እንተዀነ ኣብቲ ውድድር ናሆም ኤፍሬም ጥራይ'ዩ ተሳቲፉ።
ብኵራት እቶም ካልኦት ተቐዳደምቲ ሕጂ'ውን ናይ ቪዛ ጸገም'ዩ ተባሂሉ ድዩ ክግለጽ?
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ሓንቲ ሞናሊዛ ኣርኣያ ጥራይ'ያ ኣብዚ ውድድር ተሳቲፋ።
ነዚ ኵሉ ዓመት ዓመት ናይ ቪዛ ጸገም እናተበሃለ ዝግለጸ ብኵራት መፍትሒ ክሳብ ዘይተረኸቦ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት'ውን ተመሳሳሊ ዛንታ ክንሰምዕ ኢና ክንጽበ።
እቲ ካልእ ክስተት ካብ ኵሎም እዞም ተቐዳደምቲ ንውድድሩ ክውድኦ ዝኸኣለ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ዘይምህላዉ'ዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር ንስለ ተሳታፍነት ኢላ ጥራይ እያ ትወፍር ዘላ ዘየብል ኣይኮነን።
መቕጻዕቲ ኣሰልጣንን ተጻወትቲን ኤርትራ
ዩሲኣይ ሰንበት ናይ መወዳእታ ጸወታ ቻምፕዮና ዓለም ምስ ተዛዘመ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ዳይረክተር እታ ሃገራዊት ጋንታ ተባሂሉ ዝተገለጸ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሙን [ሳምሶም ገብረየሱስ ተባሂሉ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ] ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከም ዝተበየነሎም ገሊጹ።
እቲ ቢንያም ግርማይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ሚእቲ ዶላር ዝተቐጽዕሉ ንሕጊ ዩሲኣይ ዓንቀጽ 2.12.007.3.9 ስለዝጠሓሱ'ዩ።
እዚ ዓንቀጽ እዚ ከኣ ኵሎም ንሓንቲ ጋንታ ወይ ሃገራዊ ፈደረሽን ዝውክሉ ተቐዳደምቲ ሓደ ዓይነት ማልያ ክኽደኑ ኣለዎም። እዚ ድማ ስፖርታዊ ፍትሓውነት፣ ንዳያኑ ስእላዊ ቅኑዕነት፣ ንሚድያን ደገፍትን ድማ ንጹር መለለዪ የረጋግጽ ይብል።
ሳምሶም ሰለሙን'ውን ብተመሳሳሊ ንተመሳሳሊ ዓንቀጽ ስለዝጠሓሰ 1200 ዶላር መቕጻዕቲ ተበይንዎ።
ሳምሶም'ውን ከም ኣሰልጣኒ፡ ኣብ እዋን ውድድር ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘይኰነ ወይ ቱታ ስለዝገበረ ድዩ ተቐጺዑ ዋላ ተቐዳደምቲ ዝተፈላለይ ማልያ እናገበሩ ስቕ ኢሉ ስለዝርኣዮም'ዩ ተቐጺዑ ዩሲኣይ ኣየነጸሮን።
ቬሎ ዝተበሃለት ዜናታት ቅድድም ብሽክለታ እተቃልሕ መርበብ ሓበሬታ "ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብድምር 2400 ዶላር ተቐጺዓ እዚ መጠን ከኣ ልዕሊ'ቲ ነዞም ሰለስተ ተቐዳደምቲ ሓድሽ ማልያ ንምዕዳግ ዝወጽእ ወጻኢታት'ዩ" ብምባል ገሊጻቶ።
ሰለስቲኦም እዞም ንኤርትራ ዝወከሉ ተቐዳደምቲ ቅድሚ ምጅማር ጸወታ ናብ መድረኽ ወጺኦም ኣብ ዝተሳኣልዎ መርሃዊ ቅዱስን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ሓደ ዓይነት ናይ ላዕሊ ማልያ ክገብሩ እንከለዉ ናይ ቢንያም ግርማይ ማልያ ዲዛይን ዝተፈለየት'ያ ነይራ።
ኣብ ሓጺር ስረ ከኣ መርሃዊ ቅዱስን ቢንያም ግርማይን ጸሊም ግን ከኣ ዝተፈላለየ ዲዛይኑ ክኽደኑ እንከለዉ ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ገይሩ ነይሩ።
መርሃዊ ቅዱስ'ውን እንተዀነ ኣይተቐጽዐን'ምበር እቲ ገይርዎ ዝነበረ ሓጺር ስረ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ማልያ ኣይኮነን።
ኣብ እዋን ጸወታ ቁሪ ምስ ዝብርትዖም ተቐዳደምቲ ረቂቕ ጃኬት ክድርቡ ይርኣዩ'ዮም፤ ካብ ምጅማር ጸወታ ምስ መራሒት ጕጅለ ብምህዳም ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣዩ ሄኖክ ምሉእብርሃንን ቢንያም ግርማይን'ውን፡ ቢንያም ናይ ጋንታኡ ናይ ኤንኤስኤን፡ ሄኖክ ከኣ ናይ ጋንታኡ ኣስታና ሪቂቕ ጃኬት ገይሮም ክወዳደሩ ኢና ርኢናዮም።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ድዩ ከምኡ ዓይነት ማልያ ወይ ጃኬት ዘይብላ ዀይኑ ዋላ ካብ ዘይምፍላጥ'ዩ ግን ብሕጂ ዝረጋገጽ ክኸውን እዩ።
ሻምፕዮና ዓለም ዝዀኑ ተቐዳደምትን ውጽኢት ኤርትራን
2026፡ ብራንዶን ማክናለቲ [ኣመሪካ] ኤርትራ ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2025፡ ታደይ ፖጋቻ [ስሎቬንያ] ኤርትራ ዘመዝገበቶ ዝበለጸ ውጽኢት መበል 30
2024: ታደይ ፖጋቻ [ስሎቬንያ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 53
2023: ማትዮ ቫንንደርፖል [ሆላንድ] ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2022: ሬምኮ ኤቨነፖል [ቤልጂም] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 54
2021: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 50
2020: ጁልያን ኣላፍሊፕ [ፈረንሳ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 67
2019: ማድስ ፔደርሰን [ድንማርክ] ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2018: ኣለሳንድሮ ቫልቨርደ [ስጳኛ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 41
2017: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 83
2016: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ዝበለጸ ውጽኢት መበል 13
2015: ፔተር ሳጋን [ስሎቫክያ] ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2014: ሚካኤል ክዋተኮወስኪ [ፖላንድ] ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2013: ርዮ ኮስታ [ፖርቴጓል] ጸወታ ዝወደአ ተጻዋታይ ኣይነበራን
2012: ፍሊፕ ጊልበርት [ቤልጂም] ኣይተሳተፈትን።