ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ 'ከም ገበን ኲናት' ክምርመር ጸዊዑ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ20 ነሓሰ 2026 ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ብዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ሸውዓተ ቈልዑ ዝርከብዎም 13 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝቘሰሉ እቲ ጸብጻብ የረድእ።

ትካል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ እዚ መጥቃዕቲ ብኣልማማ ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ተግባር ብምዃኑ፡ ከም ገበን ኲናት ተወሲዱ ብቕልጡፍ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ 'ዳዕሮ' ዝተባህለ ሰፈር ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ግሁድ ወተሃደራዊ ዒላማ የሎን።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ እዚ ኵነታት ነቲ መጥቃዕቲ ዘይሕጋውን ኣብ መንጎ ሰላማውያንን ወተሃደራውያንን ዘየመዛዝን ገይሩዎ ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነዚ መጥቃዕቲ ብግልጽን ብዘይሻርነትን ክምርምርዎ፡ ንፈጸምቲ ናብ ሕጊ ከቕርብዎምን ንግዳያት ድማ እኹል ካሕሳ ክኸፍሉን ተላብዩ።

ምክትል ሓላፊት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ላቲሽያ ባድር፡ "ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ተዅሲ ምጅማሩ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ መጥቃዕትታትን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘንጸላሉ ዘሎ ከቢድ ሓደጋን ዘለና ስክፍታ ዘዕቢ እዩ፡" ክትብል ገሊጻ።

ቀጺላ፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ንምድሓን፡ ሕግታት ኲናት ከኽብርን ቅድሚ ዝዀነ መጥቃዕቲ ምክያዱ ኵሉ ዝከኣል ጥንቃቐታት ክገብርን ኣለዎ፡" ኢላ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ነዚ ኣመልኪቱ ናብ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ኢትዮጵያን ምኒስትሪ ምክልኻልን ሕቶታት እኳ እንተ ኣቕረበ፡ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ምላሽ ከም ዘይረኸበ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሃቦም መግለጺታት፡ ሰራዊቱ ወተሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከም ዝወቅዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዘይፍጽምን ክገልጽ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተደጋጋሚ ግህሰታት ይፍጸም ከም ዘሎ ይገልጹ።

እዚ ደብዳብ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ግጭት ኣብ ዝተወለዓሉ እዋን እዩ።

እዞም ወገናት ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ኣብ ሕዳር 2022 ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፈሪሞም ነይሮም። ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ዝሓለፈ ኣዕናዊ ተመኵሮ ትምህርቲ ብዘይምውሳድ፡ ብ1 ነሓሰ ኣብ ቀረባ ዶብ ሱዳን ከቢድ ውግእ ዳግማይ ተወሊዑ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ውግእ እናበኣሰ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተላብዐ ኰይኑ፡ ብ21 መስከረም ብድሮን ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ጕዕዞ ዝነበረ ናይ ረድኤት ቃፍላይ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣሎ።

ነዚ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ብትሪ ኰኒኑዎ እዩ። ብተወሳኺ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከባ መዓርፎ ነፈርታት ብምቍጽጻሮም፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ደው ከብል ተገዲዱ።

ነበርቲ ሰፈር ዳዕሮ ብ20 ነሓሰ ቅድሚ-ቐትሪ፡ ሓንቲ ነፋሪት ውግእ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ መምህራን ቦምባ ክትድርቢ ከም ዝረኣዩ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

በቲ ደብዳብ ኣብ መንደቕን ጐደናታትን እቲ ሰፈር ከቢድ ዕንወት በጺሑ እዩ። ሓደ ኣብ ርእሱ ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ግዳይ፡ "ምስ ስድራይ ኣብ ውሽጢ ገዛ እናሃለኹ ኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ሰሚዐ። ንደገ ምስ ወጻእኩ፡ ሓንቲ ነፋሪት ለጠቕ ኢላ መጺኣ ቦምባ ድሕሪ ምድርባያ ንላዕሊ በሪራ። በቲ ነታጒ መንደቕ ናይቲ ግቢ ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ፡" ኢሉ።

ካልእ ግዳይ ብወገኑ፡ "ደቀይ ኣብ ክሽነ ነይሮም። በቲ ነታጒ እቲ ገዛ ኣብ ልዕሊኦም ፈሪሱ። ንሰለስተ ካብኣቶም ካብ ትሕቲ ዚንጎን ዕንጸይትን ኵዒተ እየ ኣውጺአዮም፡" ብምባል እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብሪሁ።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ዝቘሰሉ 13 ሰላማውያን ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከም ዝተወሰዱ ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ካብዚኦም እታ ሓንቲ ዝተሓላለኸ ስብራት እግሪ ዘጋጠማ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ትርከቦም።

እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣቕርቦት ሕክምና ብሰንኪ ዝጸንሐ እገዳታትን ቅልውላውን ኣዝዩ ትሑት እዩ። ሓደ ሰራሕተኛ ጥዕና፡ "ኣብዚ ዝዀነ ነገር የሎን ... ኣብ ዝሓለፈ 4-5 ኣዋርሕ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝተቐበልናዮ ነገር የሎን። ሕሙማን ካብ ውልቃዊ ፋርማሲ እንተ ዘይገዚኦም ክንሕክም ኣይንኽእልን ኢና፡" ኢሉ።

እዚ ድማ ንግዳያት ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ናይ ኣካል ስቓይ፡ ተወሳኺ ከቢድ ቍጠባዊ ጾር ኣሰኪምዎም ይርከብ።

ጓላ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተጐድኣትላ ሓንቲ ኣደ፡ "እቲ ሆስፒታል ዓራት ጥራይ እዩ ዝህበና፣ ኵሉ ነገር ካብ ደገ ኢና ንገዝእ ዘለና። መዓልታዊ መድሓኒት የድልያ ኣሎ። ነዚ ግና ዓቕሚ የብልናን፡" ብምባል እቲ ቍጠባዊ ጸገም ንህይወት ሕሙማን ኣብ ሓደጋ የእቱ ከም ዘሎ ገሊጻ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ሕግታት ኲናት ንተዋጋእቲ ወገናት ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ዒላማታትን ሰላማውያን ሰባትን ዘሎ ፍልልይ ከይሓዋውሱ ብትሪ ይእዝዝ።

ምስዚ ብምትእስሳር፡ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮምሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኵነታት ብቐረባ ክከታተሎን ስሩዕ ጸብጻባት ከውጽእን፡ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ድማ መብርሂታት ክህብን ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸዊዑ።

ብተወሳኺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣዛታይኡን ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆን፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ወገናት ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ስጕምቲ ክወስዱን ሻርነት ዘይብሉ ምርመራ ክፍቀድን ክጽውዑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ላቲሽያ ባድር ኣብ መደምደምታ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዳዕሮ ንዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ብዘይሻርነት ክምርምርን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሕ ጕድኣት ንምንካይ ግቡእ ስጕምቲ ክወስድን ሕጋዊ ግዴታ ኣለዎ፡" ክትብል ኣስሚራትሉ።