ደደቢት-ኣዲስኣበባ-መቐለ፡ ጕዕዞ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካበይ ናበይ?

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ብ11 ለካቲት 1967 (ግእዝ) ኣብ በረኻ ደደቢት ዝተመስረተ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ብረታዊ ቃልሲ ብምክያድ ዝተዓወተ ውድብ እዩ። ን28 ዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን ድማ፡ ናይታ ሃገር ልዑላዊነትን ውሽጣዊ ፖሊሲን ኣብ ምውሳን ዓቢ እጃም ነይሩዎ።

እንተዀነ፡ ድሕሪ ምምጻእ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ እቲ ውድብ ምስ ፈደራል መንግስቲ ብፖለቲካዊ ፍልልይ ዝጀመረ ምስሕሓብ፡ ኣብ መወዳእታ 2013 ዓ.ም ናብ ኣዕናዊን ደማዊን ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ነቲ "ብገበን" ዝሰረዞ ሕጋዊ ኣፍልጦ ናይቲ ውድብ'ኳ እንተመለሰሉ፡ እቲ ቅሩቍስ ኣይተፈትሐን። እቲ ውሽጣዊ ምግምማዕ ናብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ብጌታቸው ረድ ዝምራሕ ጕጅለ ካብቲ ውብ ተፈንጪሉ ወጺኡ፤ እዚ ድማ እቲ ውድብ ኣብ ታሪኹ ርእዩዎ ዘይፈልጥ ከቢድ ውሽጣዊ ምግምማዕ ተባሂሉ ተግልጸ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድማ፡ ነቲ ብውዕል ፕሪቶሪያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ፡ ስልጣን ምምሕዳር እታ ክልል ናብ ኢዱ ብምምላስ ዝዓረገ ምትፋናን፡ ናብ ሓድሽ ዙር ውግእ ኣንጻር ፈደራል ኣትዩ ይርከብ።

ካብ ቃልሲ ናብ ስልጣን፣ ካብ ስልጣን ናብ ኲናት፣ ካብ ኲናት ናብ ስልጣን ሕጂ ድማ፡ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ "ኪዳን ህልውና" ብምምስራት ኣብ ምውጋእ ዝርከብ ውድብ ህወሓት - ታሪኻዊ ጕዕዞኡ እንታይ ከም ዝመስል ብኸምዚ ዝስዕብ ተዳህሲሱ ኣሎ።

(እቲ ኣብዚ ጽሑፍ ተጠቒሱ ዘሎ ዓመተ-ምሕረት ብኣቋጻጽራ ግእዝ እዩ)።

ማገብት፡ ጥጅእ ህወሓት

ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት ንኽምስረት ኣሰር ዝዀኖ፡ ተምሃሮ ተጋሩ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝመስረትዎ 'ማሕበረ ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ' (ማገብት) ዝበሃል ዘይስሩዕ ውዳበ እዩ።

ማገብት፡ ብ1966 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ብተምሃሮ ዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ተጠቒሙ ስልጣን ዝሓዘ ወተሃደራዊ ጕጅለ ደርግ፡ ነጺጉዎ ነይሩ።

ማገብት ብ8 መንእሰያት ብሕቡእ እዩ ተመስሪቱ፤ ንሳቶም ድማ፡

  • በሪሁ በርሀ (ኣረጋዊ)
  • ፋንታሁን ዘርኣጽዮን (ግደይ)
  • ሙሉጌታ ሓጐስ
  • እምባዬ መስፍን (ስዩም መስፍን)
  • ኣመሃ ፀሃየ (ኣባይ ጸሃየ)
  • ዕቑባዝጊ በየነ
  • ኣለምሰገድ መንገሻ
  • ዘርኡ ገሰሰ (ኣግኣዚ) እዮም።

እቲ ማሕበር፡ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ዝወርዶ ዝነበረ ብሄራዊ ወጽዓ ካብ ሱሩ ንምምሓው ብረታዊ ቃልሲ ከካይድ ድልው ምዃኑን፡ ፖለቲካዊ መሪሕ ከም ዘድልዮን ወሲኑ። ስለዝዀነ ድማ፡ መሪሕነት ማገብት ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምውላዕ ዘኽእሎም ምድላዋት ብምጽፋፍ፡ ምክፍፋል ዕዮ ገበሩ። ዝተወሰኑ ምስ ጀብሃን ህዝባዊ ግንባርን ርክብ ንምፍጣር ናብ ኤርትራ ክኸዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከብ ህዝቢ ናብ ምውዳብ ወፈሩ። ዓሰርተ-ሓደ መንእሰያት ኰይኖም ከኣ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምብሳር ኣብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ዝርከብ በረኻታት ደደቢት ወጹ።

ዕላማ ቃልሲ ህወሓት

ኣብ ፈለማ እቲ ቃልሲ፡ ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ምንጻል ዝብል ሕቶ 'ሪፐብሊክ ትግራይ' ተላዒሉ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ኣጀንዳ ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ከም ዘይቀጸለ ነባራት መስረትቲ እቲ ውድብ ይዛረቡ።

ኣብ 1968 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ እቲ ዛዕባ 'ሓራ ትግራይ' ምምስራት ብኣብዝሓ ኣባላት ተነጺጉ፡ ካብ ማኒፌስቶ እቲ ውድብ ተኣልዩ። ዕላማ እቲ ውድብ፡ ደርባዊ ቃልሲ ብምክያድ ውጹዓት ህዝብታት ሓራ ንምውጻእ (ዲሞክራስያዊት ኢትዮጵያ ምህናጽ) ዝብል መልክዕ ሒዙ ቀጸለ።

እንተዀነ፡ ንህወሓት ብኣንጻሩ ዝርእዩ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ክሳብ ሕጂ ከም ሓደ ህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ዝተመስረተ ስዉር ኣጀንዳ ዘለዎ ውድብ ገይሮም እዮም ዝስእሉዎ።

ህወሓት መብዛሕትኡ ግዜ 'ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝብታት' ይቃለስ ከም ዘሎ እዩ ዝገልጽ። ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ (2013-2015) እቲ ውድብ ንፈለማ እዋን፡ ካብቲ ዝልለየሉ ዝነበረ 'ክልላዊ መንግስቲ' ዝብል ኣጸዋውዓ ወጺኡ 'መንግስቲ ትግራይ' ዝብል መግለጺታት ይጥቀም ነይሩ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ 'ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ' ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ ቅርጺ ኢትዮጵያ ብምቛሙ፡ እቲ ውድብ ናብቲ ቀዳማይ መዋቕራዊ ቦታኡ ተመሊሱ።

እንተዀነ፡ ምስ ዕድመ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ስልጣንን መዝነትን ዝተኣሳሰሩ ዘይተፈትሑ ጉዳያት ምጕት ብምቕራብ፡ ህወሓት ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ስልጣን ምምሕዳር እታ ክልል ጨቢጡ ይርከብ።

ጽንሰ ሓሳባትን ውሽጣዊ ጉዳያትን

ኣብ 1968 ዓ.ም ህወሓት ንመጀመርታ ግዜ "ሕንፍሽፍሽ" እናተባህለ ዝዝከር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዎ።

እቲ ናይ ሓሳብ ምፍልላይ ብኣግባብን ብዲሞክራስያዊ መንገዲን ስለ ዘይተኣልየ፡ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ እቲ ውድብ ጸረ-ዲሞክራሲ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ዝዝክሩዎ ነባራት ተጋደልቲ ኣለዉ።

ኣብቲ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ 1977 ዓ.ም ዝተፈጥረ ፍልልይ ከኣ፡ ነባራት መራሕቲ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣረጋዊ በርሀን (ሕጂ ዶክተር) ግደይ ዘርኣጽዮንን ካብቲ ውድብ ንኽሰናበቱ ምኽንያት ኰይኑ።

ኣብቲ እዋን ዝተገብረ ገምጋምን ምትእትታው ሓድሽ ወተሃደራዊ ሳይንስን፡ ብዙሓት ዝንእዱዎ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ሽዑ ዝተኣወጀ ፖለቲካዊ ክንፊ ዝዀነ 'ማሌሊት' (ማርክሳዊ ሌኒናዊ ሊግ ትግራይ) ግን፡ ንውሽጣዊ ባህሪ'ቲ ውድብ ንሓዋሩ ከም ዝቐየሮ ነባር ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት "ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ" ኣብ ዘርእስታ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

እቲ ብተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ዝነበረ ማሌሊት፡ ቀስ ብቐስ ናይቲ ውድብ ቀንዲ ሕመረት ኣመራርሓ ተቘጻጺሩ ጽኑዕ ማእከላይ መሪሕነት (Democratic Centralism) ከም ዝፈጠረ ይዝረብ።

ህወሓት ንሰውራታት ሩስያን ቻይናን ዝንእድ እኳ እንተነበረ፡ ከም መርኣያ ግን ንቃልሲ ኣልባንያ እዩ ዝኽተል ነይሩ።

ድሕሪ ምውዳቕ ደርግ ኣብ 1983 ዓ.ም፡ እቲ ኮምኒስታዊ ባህሪ እቲ ውድብ (ብፍላይ ድማ ዝሑል ኲናት ኣብ መወዳእታኡ ስለ ዝበጽሐ) ብገሃድ እናሃሰሰ ዝመጸ እኳ እንተመሰለ፡ ውሽጣዊ ባህሪን ኣወዳድባን እቲ ውድብ ግን ኣይተቐየረን። ነጻ ዕዳጋ ክእውጅ እኳ እንተ ተገደደ፡ ብ'ወያናይ ዲሞክራሲ' (Revolutionary Democracy) ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ እናተመርሐ፡ ደሓር ድማ 'ኣውራ ፓርቲ' ዝብል ፖለቲካዊ ጕልባብ ብምጥቃም ጸኒሑ።

ኣብ 1993 ዓ.ም (ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ)፡ ህወሓት ኣብ ፖለቲካዊ መሪሕነቱ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ምፍንጫል ኣጋጢሙዎ።

ከም በዓል ኣቶ ስየ ኣብርሃን ገብሩ ኣስራትን ዝኣመሰሉ ገዳይም ነባራት መራሕቲ ካብቲ ውድብ ምስ ተገሊፉ፡ እቲ ብኣቶ መለስ ዜናዊ ዝምራሕ ጕጅለ ውድባዊን መንግስታዊን ስልጣን ጠቕሊሉ ብሒቱ።

ድሕሪ 1997 ዓ.ም ዝተኣወጀ መርገጺ 'ልምዓታዊ መንግስቲ' (Developmental State)፡ እቲ 'ነጻ ዕዳጋ' ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ እናሃሰሰ፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ኣንፈት ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ዘዘምበለ ኰይኑ ቀጺሉ። በዚ ምዕባለታት መንግስታት ምዕራባውያን ከም ዘይተሓጐሱ ይዝረብ።

ዘይተሳነዩ፡ ዕብየትን ናጽነትን

እዚ ምስ ምብራቕ ኤስያ ዝመሳሰል ስርዓተ-መንግስቲ፡ ኣብ ከም ቻይና፣ ታይዋንን ጃፓንን ዝኣመሰላ ሃገራት ዓቢ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ዝላ እኳ እንተምጽአ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይክሰርሕን እዩ ኢሎም ዝሞጐቱ ብዙሓት ነይሮም።

ብርግጽ፡ እቲ ኣካይዳ ንቍጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ዳርጋ ካብ ዜሮ ተበጊሱ ሓፍ ኣቢሉዎ እዩ። ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ልዑል ቈላሕታ ሂቡ ከም ዝሰርሐ ዓለማውያን ትካላት ፋይናንስ መስኪሮም እዮም።

ኢትዮጵያ ብዘመነ ኢህወደግ፡ ኣብ ዓለም ካብተን በዓል ክልተ ኣሃዝ ቍጠባዊ ዕብየት ዘመዝገባ ሒደት ሃገራት ሓንቲ ነይራ። እቲ መንግስቲ ንግድብ ህዳሰ ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጺ ሃኒጹ።

እንተዀነ፡ እቲ ስርዓት ንዲሞክራሲ ዝደቘሰን ንሰብኣዊ መሰላትን ናጽነት ዜጋታትን ኣብ ግምት ዘየእተወን ብምዃኑ ብትሪ ይንቀፍ ነይሩ።

ንኣብነት፡ ንህወሓት ብቐረባ ዝፈልጦ ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደዋል፡ እቲ ብቐጻሊ ገምጋም ብምክያድ ዝፍለጥ ዝነበረ ህወሓት ናብ 'ልምዓታዊ መንግስቲ' ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብ ኢደ-ወነን ሓደ መራሒ (መለስ ዜናዊ) ከም ዝወደቐ ብምንቃፍ፡ እቲ ስርዓት ንዝሃነጾ ለውጢ "ሒዙዎ ራዕ ከይብል" ስግኣቱ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

እዚን ካልእ ፖለቲካዊ ፍልልያትን ዝፈጠሮ ስምብራት፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት/ኢህወዴግ ምግምማዕን ምብስባስን ከም ዝፈጠረ ዝኣምኑ ብዙሓት እዮም።

ኣብቲ ህወሓት ዝዕብልሎ ዝነበረ ስርዓት፡ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ይገሃስ ብምንባሩ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፉዎ ጸኒሖም እዮም። ስርዓተ-ፈደራሊዝም ዘተኣታተወ እኳ እንተዀነ፡ ንጸጥታዊን ስለያዊን መሓውራት እታ ሃገር ግን ጠቕሊሉ ብሒቱዎ ተባሂሉ ክሕመ ጸኒሑ እዩ።

ህወሓት፡ ግርጭታት ብኸመይ ይፈትሕ?

ህወሓት ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ 17 ዓመታት፡ ምስ ደርግ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብፍሉይ ስልታዊ ምሕዝነት እናሰርሐ፡ ኣንጻር ውድብ ሓርነት ትግራይ (TLF)፣ ኢድዩ (EDU)፣ ጀብሃ (ELF)፣ ኢህኣፓ (EPRP)ን ካልኦት ውድባትን ውግእ ኣካይዱ ንዅሉ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሓይሊ ብረት እዩ ኣልዩዎ።

ንውድብ ሓርነት ትግራይ ድማ ብውዲት ንመራሕቱ ቀንጺሉ፣ ተጋደልቱ ኣጥፊኡዎም ተባሂሉ ይንቀፍ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብረታዊ ቃልሲ፡ ምስ ብኣዴን (ኣምሓራ)፣ ኦህዴድ (ኦሮሞ)፣ ደኢህዴን (ደቡብ) ተጣሚሩ 'ኢህወደግ' ዝበሃል ግንባር መስሪቱ።

ድሕሪ ዓወት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ዝጸንሐ ኣሃዱኣዊ ስርዓት ኣፍሪሱ፡ ኣብ 1987 ዓ.ም ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኣጽዲቑ።

ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስቲ፡ መሰል ርእሰ-ምምሕዳር ብሄር ብሄረሰባት፡ ማዕርነት ሃይማኖትን ጾታን ንክረጋገጽ ሰሪሑ። ኣብ ዘበነ ሃይለስላሰን ደርግን ተጨቚኖም ዝነበሩ ብሄራት፡ ቋንቋኦምን ባህሎምን ከማዕብሉ ዕድል ረኺቦም።

ብኻልእ ወገን ግን፡ እዚ ስርዓት "ንሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ኣእትዩዎ" ዝብሉ ብርቱዓት ነቐፍቲ እውን ኣለዉዎ።

ኣብ መጋቢት 2010 ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ-መንበር ኢህወደግን ቀዳማይ ምኒስተርን ኰይኑ ምስ መጸ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝጸንሐ ኣፈላላይ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ። መንግስቲ ኢህወደግ፡ ዓበይቲ ትካላት ልምዓት ናብ ብሕታዊ ዋንነት ክሰጋገራ ምስ ወሰነ ህወሓት ተቓውሞ ኣርእዩ።

ኣብ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ብዝምልከት እውን መርገጺ ህወሓት ዝተፈልየ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ሰለስተ ውድባት ኢህወደግ ሰልፊ 'ብልጽግና' ክምስርቱ እንከለዉ፡ ህወሓት ነቲ መስርሕ "ዘይሕጋዊ እዩ" ብምባል ካብቲ ውህደት ርእሱ ኣግሊሉ።

ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይረአ?

ህወሓት ብመብዛሕትኦም ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ኢትዮጵያ ብኽልተ ዓበይቲ ነጥብታት ይንቀፍ።

ቀዳማይ፡ ንናጽነት ኤርትራ ደጊፉ ንኢትዮጵያ ባሕሪ-ኣልቦ ብምግባሩ። (ኤርትራ ግን ን30 ዓመታት ተቓሊሳ ብብረትን ብህዝባዊ ረፈረንዱምን እያ ናጽነታ ኣረጋጊጻ)።

ካልኣይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር-ተኮር (ዓሌታዊ ዝብሉዎ) ፈደራላዊ ስርዓት ብምትእትታዉ።

ንህወሓት ኣምሪሮም ካብ ዝነቕፉ፡ ኣብ 1997 ዓ.ም ሓያል ስምረት ፈጢሩ ዝነበረ ውድብ ቅንጅት ይጥቀስ። መራሕቱ ዝነበሩ ከም በዓል ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን (ሕጂ ኣቦ መንበር ኢዜማን ምኒስተር ትምህርቲን) ወ/ሪት ብርቱካን ሚደቅሳን ድሕሪ ምምጻእ ዶ/ር ኣብይ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ልዑል ፖለቲካዊ ተሳትፎ ክገብሩ ክኢሎም እዮም።

ካልእ ኣመራርሓ ቅንጅት፡ ሰላማዊ ቃልሲ ክቕጽል ዝወሰነን ምሰኦም ዘይተሳነየን፡ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን ንሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስወጽአ፡ ውድቡ፡ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ [ኢዴፓ] ሕጋዊ ሰውነቱ ብመረጻ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዝተሰረዘ ይፍለጥ።ንሱ ድማ ብምኽንያት ኵነታት ጥዕናኡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንሕክምና ከይዱ፣ ኣብኡ ኰይኑ ድማ ፖለቲካዊ ቃልሱ የካይድ ኣሎ።

ንህወሓት፡ መነመን መሪሕምዎ ?

እቲ ውድብ ኣብ 1967 ምስ ተመስረተ፡ ንሓደ ዓመት ብስሑል ኣየለ ተመሪሑ።

ቀጺሉ ብግዝያዊነት ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኣቦ-መንበር ኰይኑ።

ካብ 1971 ክሳብ 1981 ዓ.ም፡ ኣቦይ ስብሓት ነጋ ኣቦ መንበር ኰይኖም መሪሖምዎ።

ካብ 1981 ዓ.ም ኣትሒዙ ክሳብ ዕለተ-ሞቱ ኣብ 2004 ዓ.ም፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብኣቶ መለስ ዜናዊ ተመሪሑ።

ድሕሪ ሃንደበታዊ ሕልፈት መለስ ዜናዊ፡ ክሳብ መስከረም 2011 ዓ.ም ብኣቶ ኣባይ ወልዱ ተመሪሑ።

ኣብ መስከረም 2011 ዓ.ም፡ ህወሓት "ካብ ዘዐወቶ ዘጥፈኦ ይበዝሕ" ብዝብል ገምጋም፡ ኣቶ ኣባይ ወልዱ ተላዒሉ፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦ-መንበር ኰይኑ ተመሪጹ።

ህወሓት ካብ ኲናት ክሳብ ሕጂ (2013 - 2019)

እቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ህወሓት ብደረጃ ሃገር ዝነበሮ ጽልዋ ተዳኺሙ ናብ መቐለ ድሕሪ ምምላሱ፡ ምስ ፈደራል መንግስቲ ዝነበሮ ምትፍናን መልክዑ እናቐየረ ከይዱ። ብ24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ምፍጻሞም ስዒቡ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብምእዋጁ ናብ ቅሉዕን ኣዕናዊን ኲናት ኣምሪሑ።

ሰራዊት ፈደራል (ምስ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ብምዃን) ንመቐለ ምስ ተቘጻጸረ፡ መራሕቲ ህወሓት ናብ በረኻታት ኣንሳሒቦም።

ኣብቲ እዋን ከም ኣምባሳደር ስዩም መስፍን፡ ኣባይ ጸሃየ ዝኣመሰሉ ነባራት ጀመርቲ እቲ ውድብ ተቐቲሎምን ተማሪኾምን።

እንተዀነ፡ ኣብ ሰነ 2013 ዓ.ም ሓይልታት ትግራይ ብዘካየዱዎ ጸረ-መጥቃዕቲ ንመቐለ ዳግማይ ተቘጻጺሮም ንደቡብ ገጾም ብምግስጋስ ክሳብ ከባቢታት ሸዋ (ደብረ ሲና) በጺሖም ነይሮም።

ኵነታት ዳግማይ ተቐይሩ ሓይልታት ትግራይ ናብ ክልሎም ምስ ተመልሱ፡ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክባን ዕጽዋን ወዲቓ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙዋ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት፡ ኣብ ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ፕሪቶርያ (ደቡብ ኣፍሪቃ) ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ህወሓትን ስምምዕ ሰላም ተኸቲሙ።

ህወሓት ከቢድ ብረት ክፈትሕን ንልዑላውነት ፈደራል መንግስቲ ክቕበልን እንከሎ፡ መንግስቲ ድማ ዕጽዋ ከልዕልን ግዝያዊ ምምሕዳር ንክቐውም ተሰማሚዑ። በዚ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝመርሖ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቈይሙ።

እንተዀነ፡ ህወሓት ካብ ደገ ብዝመጽእ ጸላኢ ዘይኰነስ፡ ካብ ውሽጡ ብዝተወልደ ፖለቲካዊን መሪሕነታዊን ምፍንጫል ኣብ ሓደጋ ወዲቑ። እቲ ሓደ ብዶ/ር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ንመዋቕር ውድብ ክቈጻጸር እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ ድማ ንመዋቕር መንግስቲ (ግዝያዊ ምምሕዳር) ሒዙ። እዚ ክልተኣዊ ምፍንጫል'ዚ፡ ነቲ ንፍርቂ ዘመን ዝተጓዕዘ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ኣፋፍኖት ምብትታን ኣብጺሑዎ ነይሩ።

እቲ ሕጋዊ ሰብነቱ ንምምላስ ኣብ ምስ ቦርድ መረጻን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበሮ ፍሕፍሐ ዘይፈትሐ ህወሓት፡ ኣብ ነሓሰ 2016 መበል 14 ጉባኤ ብምክያድ ንዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር ገይሩ መሪጹ።

ኣብቲ እዋን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝነበረ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ኣግሊሎም ተፈንጪሎም ወጺኦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምያዝያ ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት፡ ነቲ ብቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕድመ ስልጣኑ ንሓደ ዓመት ተናዊሑሉ ዝነበረ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝመርሖ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምድፋእ፡ ነቲ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ "ተወንዚፉ ዝጸንሐ እዩ" ዝበሎ "ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ" ናብ ቦታኡ ብምምላስ፡ ንደብረጽዮን ገብረሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ክኸውን መሪጹ፤ ነታ ክልል ይመርሕ ኣሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምስ ካልኦት ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ብምግላፍ ንዅሉ-ሓቈፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ምምስራት ዕላማኡ ከም ዝገበረ ዝነጸረ ጥምረት ንህልውና ዝብል ኪዳን መስሪቱ ድማ ኣብዚ እዋን ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ሓያል ውግእ ተጸሚዱ ይርከብ።