እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓይልታት ፌዴራልን ትግራይን ናብ ቅሉዕ ውግእ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ክልል ትግራይን ሚኒሰተር ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ገለ መዋሰንቲ ከባብታት ቅሉዕ ውግእ ከምዝተወልዐ ኣፍሊጦም።
ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ፡ ኣብ ሰዓታት ረፋድ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቱ "ቅሉዕ ወራርን መጥቃዕትን ከምዝተፈፀመ" ብምኽሳስ፡ ሓይልታት ትግራይ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝተወሃቦም ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።
እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ እዚ ካብቲ ትማሊ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ክፍፀም ዝወዓለ መጥቃዕቲ ድሮን መቐፀልታ እዩ።
"ካብ'ዚ ብምብጋስ ዋልታ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ ዝኾነ ሰራዊትና፡ ኣብ ልዕሌና ንዝተኸፈተ መጥቃዕትን ወራርን ንኽምክት መምርሒ ተዋሂቡዎ ናብ ናይ ምክልኻል ውግእ ኣትዩ ኣሎ"።
ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣማኻሪ ሚኒሰተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ "መሪሕነት ህወሓት ሎሚ ንግሆ ብወገን ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መጥቃዕቲ ፈንዮም" ክብል ኣብ ፌስቢክ ገፁ ከሲሱ።
"ፖለቲካዊ-ወተሃደራዊ መሪሕነት ህወሓት፡ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሩ ናብ ካልእ ብራኸ ወሲዶዎ ኣሎ" ።
እቲ ግጭት ብቕሉዕ ከምዝተጀመረ ዘራጋገፁ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት፡ መን ጀሚሩዎ ዝብል ይካሰሱ ኣለዉ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ነቲ ክስተት ብባዕሉ ወይ ድማ ብሳልሳይ ወገን ኣየፃረየን።
እቲ ሎማዓንቲ፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ቅሉዕ ወግእ፡ ነቲ ንኣዋርሕ እናተጋደደ ዝመፅአ ወጥሪ፡ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ክብ ዘብል እዩ።
ብዛዕባ እቲ ግጭት ዘሎ ምዕባላታት ተኸታቲልና ከነስዕበልኩም ኢና።
ብተዛማዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራታት "ንግዚኡ ምቍራጹ" ኣፍሊጡ።
ምቍራጽ እቲ በረራታት፡ ዕጡቓት ትግራይ ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ድሕሪ ምቍጸጻሮም ምዃኑ እዩ ዝግለፅ።
ህወሓት፡ ነቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ስልጣን ብምእላይ ንምምሕዳር እታ ክልል ድሕሪ ምቍጽጻሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብታ ክልል ወጥሪ ሰፊኑ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብታ ክልል፡ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጥቃዕትታት ድሮን ክፍጸም ከምዝፀንሐ ፀብፃባት ይሕብሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድማ ሸውዓት ዕጡቓት ሓይልታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምዕላው፡ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ይዝከር።
እቲ ጥምረት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን (ኦላ) ካልኦት ኣርባዕተ ብሄራዊ ውዳበታትን ብኣባልነት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
ጥምረት ናይዞም ሓይልታት ዕላዊ ምዃን፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ክጐሃሃር ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ግምታት ጸኒሖም'ዮም።
ብኸመይ ናብዚ ማዕቢሉ
ብመሰረት እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘብቀዐ፡ ውዐዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር፡ ብመራሕቲ ህወሓት ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ንዘሎ ወጥሪ ዝያዳ ኣጋዲዱዎ።
ፕረዚደንት ነበር እቲ ግዝያዊ ምምህዳር፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ ዛጊድ ኣብ መቐለ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እዩ ዝርከብ።
ክልቲኦም ወገናት: ኣብ ዝሕታለ ኣፈጻጽማ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ንዂናት ብዝግበር ምድላዋትን ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
ብፍላይ ንኣስታት መንፈቕ ዓመት፡ መንግስቲ ፈደራል ደሞዝ ሰራሕተኛ መንግስቲ እታ ክልል ብምኽልካል፡ ናብቲ ከልል ዝኸይድ ነዳዲ፡ መድሓኒትን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብምቍራጹ፡ ብወገን ትግራይ ከቢድ ክሲ ይቐርብ።
ማእከላይ መንግስቲ ብዛዕባ እዞም ክስታት ዝህቦ ምላሽ ኣይጸንሐን።
እንተኰነ መንግስቲ፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ንኲናት ይዳሎ ኣሎ ዝብል ክሲ ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ህወሓት ብወገኑ እቲ መንግስቲ ምድላዋት ኲናት ይገብርን ሰራዊቱ ናብቲ ክልል የንቀሳቕስን ኣሎ ክብል ይኸስስ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ብ 7 ሓምለ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂ፡ ንህወሓት፡ ኤርትራ፡ ሱዳንን ግብጺን ኣልዒሉ ብምንቃፍ፡ "ኣይኰነን ዶ ሻዕብያ፡ ወያነን ሱዳንን፡ ካልእ እውን እንተ ተወሰኸ፡ ልዑላውነት ኢትዮጵያ ቅንጣብ'ውን ትዅን ስግኣት የብሉን፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኤርትራ ነቲ ብሰበስልጣን ኢትዮጵያ ምስ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ንዘለዋ ምሕዝነት ኣመልኪቱ ንዝቐርበላ ክሲታት ደጋጊማ ክትነጽጐ እያ ትስማዕ።
ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ኣውሐስቲ እቲ ውዕል ዝዀኑ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ክረአ ዝፀንሐ ምዕባለታት ነቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ከውድቖ እዩ ዝብል ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ድሕሪ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2018 ዓ.ም ዝተወለዐ ውግእ ሸረሪና [ምዕራብ ትግራይ -ምስ ሱዳን ዝዳወብ]፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ቀፃሊ መጥቃዕቲታት ድሮን ክፍፀም ፀኒሑ ኣሎ፤ መንግስቲ ብዛዕባ እቶም ክስታት መብርሂ ሂቡ ኣይፈልጥን።
ኲናት ትግራይ ጠጠው ካብ ዝብል ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት፡ ሎማዓንቲ ዝተጀመረ ውግእ ኣጋር ሓይልታት፡ ናበይ ከምዘምርሕ ንብዙሓት ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።