እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ 25 ዓመታት ስቕታን ስቓይን ጋዜጠኛታት
ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኤርትራ ወርሒ መስከረም ብዙሕ ምዕራፋት ዝሓዘት እያ። ኣብ ድሕረ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ (1998-2000) ኣብ ዝመጽአት መስከረም ናይ 2001 ድማ እታ ዝመረረት ምዃና ክትዝከር ቀንያ ኣላ።
ኣብ 2026 ኴንና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ፡ ካብታ ብዙሓት ኤርትራውያን "ጸላም ዕለት" እናበሉ ዝገልጹዋ 18 መስከረም 2001፡ ዝተኣወጀ ዕጽዋ ብሕታዊ ፕረስን ማእሰርቲ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን፡ እቲ ዝሰዓበ ሰሙን እውን ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታት እዩ ቀንይሉ።
መንግስቲ ኤርትራ "ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ሕጊ ሃገርን ሕጊ ፕረስን ብምጽራረን ብሕጊ ንኽሰርሓ ዝተዋህበን ተደጋጋሚ መዘኻኸርን ዕድልን ነጺገን'' ብምባል ይኸሶም።
ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ጋዜጠኛታት "ንልዑላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ተግባራት ፈጺሞም ከምኡ'ውን ምስ ወጻኢ ሓይልታት ብምሽራኽ፡ እቶም ጋዜጠኛታትን ጋዜጣታትን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንመንግስቲ ንምዕላው ካብ ወጻኢ ሓይልታት ሓገዝ ይረኽቡ'' ነይሮም ዝብል ክሲ ይርከቦ።
ልክዕ ከምዛ ዕለት - 23 መስከረም 2001 - ወጋሕታ ሰዓት 6:00 ኣትሒዙ ጋዜጠኛታት ብሕቲ ከካብ ቤቶምን ዝተረኽብሉ ክልቀሙ ጀመሩ።
መብዛሕትኦም ተታሒዞም ድማ ፈለማ ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ተኣስሩ። ንሳቶም ተመስገን ገብረእየሱስ፡ ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዳዊት ይስሓቕ፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ስዒድ ዓብደልቓድር፡ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ መድሃኔ ሃይለ እዮም።
ዳዊት ሃብተሚካኤል ግን፡ ኣዕሩኽቱን ቤተሰቡን ከም ዝገልጽዎ፡ ንኣስታት ክልተ ቅነ ተሓቢኡ ድሕሪ ምቕናይ እዩ ኣብታ ዝሰዓበት ወርሒ ካብ ስርሑ ተጨውዩ ዝተወስደ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኣስመራ ሓፈሻዊ መምህር ስለዝነበረ፡ "ከም ብጾተይ ዝረኸበት ትርከበኒ፡" ኢሉ ስርሑ ክጅምር ኣብ ዝኸደላ መዓልቲ እዩ በቶም ክከታተልዎ ዝቐነዩ ኣባላት ጸጥታ ተታሒዙ።
እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ቀዳማይ መደብ ፖሊስ ንልዕሊ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዘይ ዝዀነ ፍርዲ ኣብኡ ጸኒሖም። ኣብ መወዳእታ ፍትሒ ንምጽዋዕ፡ ኣብ መጋቢት 2002 ኣድማ ምሕሳም መግቢ ድሕሪ ምክያድ፡ ናብ እምባትካላ ከም ዝተወስዱ እዩ ዝንገር።
ድሕሪኡ እውን ጸሓፍቲ እድሪስ ስዒድ ኣቡዓረ፣ ሳህለ ጸገዝኣብ ስዒቦምዎም። ኣብኡ ክሳብ 2003 ጸኒሖም ድማ ምስ ኣባላት ጕጅለ-15 ናብ ዒላዒሮ ግዒዞም ይበሃል።
እቲ እዋን ብልክዕ ርብዒ ዘመን ኣሕሊፉ'ሎ። እዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንሓደ እዅል ሰብ ፍርቂ ዕድመ እዩ፤ ነቶም ደሃይ ዘይብሎም እሱራት ጋዜጠኛታት ግን ኣብ ጸልማት ጐዳጕዲ ዝሓለፈ መሪር እዋን እዩ።
እዚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ መወዳእታ ዘይብሉ ዓፈና ሓሳብካ ምግላጽን ምዅላፍ ናይ ብሕቲ ፕረስን፡ ስቓይን ግፍዒን እቶም ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ቤተሰቦም ዝወረደ ቃንዛን በብእዋኑ ክስነድ ጸኒሑ እዩ። ቢቢሲ፡ ድማ ነዚ ናይ 25 ዓመታት ስቕታን ስቓይን፡ ብዓይኒ ስድራቤትን እቶም ኣብቲ እዋን ዝነጠፉ ዝነበሩ መሳርሕቶምን ኣዘራሪቡ'ሎ።
ቢቢሲ ብዛዕባ ሃለዋቶም ሓበሬታ ንምርካብ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ፣ መልሲ ይጽበ ኣሎ።
ዝነበረ ተስፋ
ኣብ መወዳእታ ተስዓታትን ፈለማ 2000ን፡ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መዳያት ብሩህ ተስፋ ዝነበራ ሃገር እያ ነይራ።
ድሕሪ ናጽነታ ኣብ ዝተፈጥረ ሃዋሁ፡ እቲ ኵሉ ሸነኻዊ ጕዕዞ ህንጸት-ሃገር ተስፋ ዝህብ ነበረ። ድሕሪ'ቲ ኣብ 1996 ዝወጸ ኣዋጅ ሕጊ ፕረስ ብቕልጡፍ ዝማዕበላ ጋዜጣታት ብሕቲ - ሰቲት፡ ጽጌናይ፡ ቀስተ-ደበና፡ መቓልሕ፡ ዘመን፡ ኣድማስን ካልኦትን - ንህዝቢ ክፉት መድረኽ ምግላጽ ሓሳብን ዘተን ኣስተማቒረናኦ ነይረን።
እቲ ህዝቢ ብሓፈሻ ድሕሪ ናጽነቱ ንመጀመርታ ግዜ ብዛዕባ ፖለቲካ፡ ቍጠባን ማሕበራዊ ጕዳያትን ዝተፈላለየ ሓሳባት ከስተማቕርን ክመያየጥን ጀሚሩ ነይሩ።
እዘን ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ብሓፈሻ ክፍጽሞ ዝግባእ ስራሓት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝርአ ዝነበረ ጕድለታት ይነቕፋን የቃልዓን ምንባረን፡ ትሕዝቶታተን የርኢ። እዚ ግን ተደማሚሩ ብዓይኒ ሰበስልጣን መንግስቲ ብጽቡቕ ኣይተራእየን።
ኻልድ ዓብዱ፡ ሓደ ካብቶም ኣብቲ እዋን ዝነጠፉ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህው ክዝክሮ እንከሎ፡ "እቲ ኣበጋግሳና ገርሂ እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ሃገር ቅዋም ከይጸደቐላ እንከሎ፡ ኣብ 1996 ኣዋጅ ፕረስ ምስ ወጸ፡ ኣብኡ ኣሚንና ኢና ጀሚርናዮ፡" ይብል።
መብዛሕትኦም እቶም ነዘን ጋዜጣታት ዘበገሱ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ምዃኖም ዝገልጽ ኻልድ፡ ዕላማኦም ኣብታ ሃገር ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምህናጽን ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምዕባይን ምንባሩ የረድእ።
እንተዀነ እቲ እናሰፍሐ ዝመጽእ ዝነበረ ህዝባዊ መድረኽ ከም ስግኣት እናተራእየ ስለዝመጸ፡ ቅድሚ'ቲ ምሉእ ዕጽዋ እተን ጋዜጣታት ብዙሕ ማሕለኻታት የጋጥመን ምንባሩ ኣብቲ እዋን ጋዜጠኛታት ዝነበሩን ካብ ማእሰርቲ ዘምለጡን ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ "ነቲ ንዅሉ ክቈጻጸር ዝደሊ ስርዓት ኣመና ዘሰምብድ ኰይኑ፡" ብምባል ነቲ ኵነታት ይገልጽዎ።
እታ መዓልቲ - 18 መስከረም 2001፡ ዓለም ብሰንኪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም ኣመሪካ ሰንቢዳ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኵነታት ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ፈለማ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ ከም ዝወሰደ እዩ ይግለጽ።
ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሃንደበት ኵለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክዕጸዋ ምዃነን ኣወጀ። እዚ ኣዋጅ'ዚ፡ ማዕረ-ማዕረኡ ድማ ነቶም ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘልዓሉ ብምንቅስቓስ ጕጅለ-15 ዝፍለጡ ተቓወምቲ ዝተኣሰሩሉ መዓልቲ ብምንባሩ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ፍርሒን ስንባደን ኣስፈነ።
እቲ ብመንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንምዕጻው እዘን ዝተገልጸ - ንጽባሒቱ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝተሓትመ መግለጺ - ነተን ጋዜጣታት ዓንቀጻት ሕጊ ፕረስ ብምጥሓስ፣ ረብሓን ድሕነትን ሃገር ብምፍትታን፣ ብጕድለት ሞያዊ ስነምግባር ይኸስስ።
እቲ መግለጺ "መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ'ውን ንምዕባለ ናጻን ሓላፍነታውን ሓያልን ፕረስ ውፉይ ስለዝዀነ፡ ሚኒስትሪ ዜና ዝሓለፈ ተመክሮ ገምጊሙ ብሕጊ ፕረስ ንዝቕየዳ ጋዜጣታት ብሕቲ ፍቓድ ክህብ እዩ፡" ክብል ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እቲ መንግስቲ ነቲ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቐሶ ኣብ ልዕሊ እዞም ጋዜጠኛታት ወግዓዊ ሕጋዊ ክሲ ኣየቕረበን። ብዛዕባ'ቲ ሕጊ ፕረስ ዝተገብረ ገምጋም እውን ዝፍለጥ የሎን።
ክኽፈታ ዝተባህላ ጋዜጣታት እውን ኣይተራእያን፡ እቲ "ንግዚኡ" ዝተባህለ ዕጽዋ ድማ 25 ዓመት ሓሊፉ፡ ዘልዓለማዊ ኰይኑ'ሎ። "እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እተን ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን እንተላይ ጕጅለ-15 ብኸምቲ መንግስቲ ዝለመዶ ኣገባብ፡ ወረታት ብምዝርጋሕ 'ብኽሕደት ሃገር፣ ብኽድዓት...' ዘጸልም ወረታት ክዝርጋሕ ጀመረ" ይብሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነቲ እዋን ዝዝክሩ ኤርትራውያን።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቶም፡ ብሕግን ስርዓትን ተኸሲሶም፡ ንዝቐረበሎም ክሲታት ክምጕቱን ነብሶም ክከላኸሉን ዕድል ዘይረኸቡ ጋዜጠኛታት ጸቕጢ ክፈጥር ጀመረ።
ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ ዝነበረ ማቴዎስ ሃብታኣብ፡ ኣብታ ንመወዳእታ ግዜ ናብ ስድራኡ ብ24 ጥሪ 2002 ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ እቲ ዝነበረ ኵነታት የረድእ። እቲ ኣብ ደብዳበኡ ዘመልከቶ፡ ንዅሉ ሰጊሩ ዝሓየለ ሰብ ኰይኑ ክወጽእ ምዃኑ ዝነበሮ ተስፋ ግን ልዕሊ ዅሉ ዝመረረ ምዃኑ ካብ ስምዒት ስድራኡ ንምርዳእ ይከኣል።
ማቴዎስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝዝርጋሕ ዝነበረ "ውጹእ ሓሶት ዝዀነ ወረታት" ወይ ፕሮፓጋንዳ፡ ብሓቂ ከምዝስዓር ጽኑዕ እምነት ነይሩዎ። "እቲ ሓቀኛ ባህርያት ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ብግልጺ ዝግለጸሉ መዓልቲ ምምጻኡ ዘይተርፍ'ዩ፡" ብምባል፡ ሞያዊ ብቕዓቶምን ንጽህናኦምን ታሪኽ ከም ዝምስክሮ የረጋግጽ።
ኵሉ ዘሎ ጸገማት ሓሊፉ "ደረትና ነፊሕና ንነብረሉ ኵነታት ክመጽእ'ዩ" ዝብል ጽኑዕ ተስፋን ትጽቢትን ንስድራቤቱ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ግን ገና እቲ ግዜ ኣይመጸን ዘሎ። እዚ ድማ ነታ ስድራ ዘይውዳእ ትጽቢት ኰይኑዋ ይነብር ኣሎ።
እዛ ኣብ ስእሊ እትርአ ብ 21-01-2002 ካብ ቀዳማይ መደብ ፖሊስ ኣስመራ ብኢድ ማቴዎስ ናብ ስድራኡ ዝተጻሕፈት ደብዳበ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጥን ማእሰርትን ዝነበረ ተስፋ ዝነበሮ ጋዜጠኛ፡ ራእዩ ገና ከምዘይጸልመተን ንሞያኡ ዘለዎ ክብርን ንህዝቡ ዘለዎ ሓልዮትን ከምዘይነከየ ብንጹር እተርኢ ህያው ታሪኻዊት ምስክር ኰይና ኣብ ሰነዳት እታ ስድራ ብኽብሪ ትነብር ኣላ።
ቃንዛ ስድራቤታት
ካብታ መዓልቲ እቲኣ ኣትሒዙ ክሳዕ ሎሚ ኣብ 2026፡ ናይዞም ጋዜጠኛታት ደሃይ ፈጺሙ የሎን። ን25 ዓመታት ብዘይ ዝዀነ ክሲ፡ ብዘይ ጠበቓ፡ ብዘይ ፍርዲ፡ ኣብተን ኣዝየን ዘሰቅቓ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ - ብፍላይ ድማ ኣብቲ ዘስካሕክሕ መዳጐኒ 'ዒላ-ዒሮ' ተዳጕኖም ይርከቡ።
እዚ ኵነታት፡ ንስድራቤታቶም፡ ንውሉዳቶም፡ ንሰብ-ሓዳሮም መሪር ቃንዛ እዩ፤ ንናብራኦምን ተስፋኦምን ድማ ኣባዲሙዎ።
ነቲ ኣብ ስድራቤታት ዝወረደ መሪር ቃንዛን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስምባደን ብዝምልከት፡ ግርማይ ዮሃንስ፡ ሓዉ ንጋዜጠኛን ጸሓፊ-ትያትርን ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ነቲ ስምዒት ከካፍል እንከሎ፡ "ኣካልካ፡ ጐድንኻ፡ መዓርግካ ካብ መንጎኻ ስልዕ ኢሉ ክፍንጨል ከሎ ዝፈጥሮ ሃጓፍን ቃንዛን መወዳድርቲ የብሉን፡" ይብል።
እዚ ስቓይ እዚ ንስድራቤታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዞም ሞያውያን ንህዝቦም ከገልግሉ ዝተበገሱ ብምዃኖም፡ ንመላእ ሕብረተሰብን ሃገርን ዝሃሰየ ዓቢ ጕድለት ምዃኑ ድማ ግርማይ የረድእ።
ኣደታት ኣዒንተን ክሳዕ ዝነጽፍ በኽየን፣ ኣንስቲ ሰብኡተን ዝምለሱሉ መዓልቲ እናተጸበያ ኣሪገን፣ ውሉዳት ድማ ኣብ ክንዲ ምስ ኣቦታቶም ብፍቕሪ ዝዓብዩ፡ ብናፍቖትን ብጓሂን ተሰይሮም ገሊኦም ፋሕ-ሓፍ ኢሎም ፈቐዶ ስደትን ገለ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ከርተትን ሕሱም መነባብሮን ገለ ድማ ንማእሰርቲ ተቓሊዖም ፈታኒ እዋናት ኣሕሊፎምን የሕልፉን ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ውሉዳት እዞም ጋዜጠኛታት ኣብ እዋን ማእሰርቲ ኣቦታቶም ህጻናት እዮም ነይሮም፤ ሎሚ ግን ጐርዝዮምን ጐቢዞምን ኣለዉ።
ክሳዕ ሕጂ ግን "ኣቦይ ኣበይ ኣሎ?" ዝብል ሕቶታቶም ገና ምላሽ ወይ ቅባጸት ኣይተረኽቦን። ግርማይ ነዚ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ፡ "እቲ ዝኸፍአ ቃንዛ ኣብቲ ትጽቢት እዩ ዘሎ። 'ኣሎ' ኣይተባሃልካ፡ 'የሎን' ኣይተባሃልካ፡ ስቕ ኢልካ ጥራይ ዘይውዳእ ትጽቢት እዩ ዘሎ። ንወለዲ እቲ ዝኸፍአ ማህሰይቲን ውድቀትን ድማ ተጸባያይ ምዃን እዩ፡" ብምባል ነቲ ብቓላት ክግለጽ ዘጸግም ናይ ዘይቅባጸት ጕዕዞን ስድራቤታዊ ጾርን ብጓሂ ይገልጾ።
ደሃይ ንምንዳይ ዝተገብረ ጻዕሪ
ሓደ ወዲ-ሰብ ብህይወት ምህላውን ዘይምህላውን ንስድራቤት ካብ ሞት ንላዕሊ ዘሳቒ ምዃኑ ስድራቤታት እዞም ጋዜጠኛታት ክገልጽዎ ዝጸንሑ ቃንዛ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ብዛዕባ ኵነታትን ሃለዋትን እቶም ዝተሰወሩ ደሃይ ንምርካብ ስድራቤታት በብመንገደን ብዙሕ ጻዕሪታት ገይረን እየን።
ግርማይ፡ ሓዉ ጆሽዋ፡ ኣብቲ እዋን ኣባል ሰራዊት ኰይኑ ኣብ ከባቢታት ፍልፍልን ሰለሙናን ይሰርሕ ብምንባሩ፡ ደሃይ ሓዉን ብጾቱን ንምርካብ ዘካየዶ ውልቃዊ ጻዕሪ የዘንቱ።
"ውሽጢ ክኣቱ ዘይፈተንክዎ መንገዲ ኣይነበረን፡" ዝብል ግርማይ፡ እቲ ኣተሓሕዛኦም ብብርቱዕ ፍርሒ ዝተዋጠረ ኰይኑ፡ እቶም ሓለውቲ ንሓድሕዶም ዝተሓላለውሉ ሰንሰለት ተዘርጊሑ ነይሩ።
ንኣብነት፡ ንዕኦም ዝሕልዉ ዒስራ ወይ ሰላሳ ሰባት እንተልዮም፡ ነቶም ሓለውቲ ዝከታተሉ ካልኦት ሰላሳ ሰባት ይምደቡ። እዚ ጽኑዕ ሓለዋ'ዚ፡ "ዋላ ጣንጡ" ብኡ ክትሓልፍ ዘይትኽእለሉ ኵነታት ፈጢሩ ከም ዝነበረ ድማ ካብቲ ባዕሉ ብቐረባ ዝተዓዘቦ ይምስክር።
እቲ ናብ ዒላዒሮ ዝገዓዝሉ እዋናት ሸበደበድ ዝበዝሖ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ከም ዝነበረ ብምዝካር፡ እቲ ኣጋጣሚ ክርእዮም ዕድል ዝረኸበሉ ኵነታት የዕልል፤ "ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበርዎ እምባትካላ ብመካይን ተጻዒኖም ናብ ዒላዒሮ ክግዕዙ እንከለዉ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሰራዊት ካብቲ ጽርግያ ርሒቑ ክኸይድ ተኣዚዙ ነይሩ፤ ኣነ ግን ኣመኻንየ ብብልሓት ኣብ ደረት ጽርግያ ተጸብየዮም።"
ዓይኒ ሒዙ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት ስለ ዝነበረ፡ ብንጹር ሰብ ከተለሊ ኣጸጋሚ ምንባሩ መካይኖም በብሓደ ክሓልፋ እንከለዋ ብኣተኵሮ ተኸታቲለዮም ዝብል ግርማይ፡
"እቲ ዝኸፍአ ስነ-ኣእምሮኣዊ ቃንዛ ዝፈጠረለይ ግን፡ ሓወይ ጆሽዋ ኣብኡ እናሃለወ፡ ኣነ ከኣ ከም ኣባል ሰራዊት ኣብኡ ምህላወይ፡ ዳርጋ ዋርድያ ኰይነ ንሓወይ እሕልዎ ነይረ፡ ዝብል ስምዒት የሕድረለይ ምንባሩ እዩ፡" ብምባል ነቲ ዘሕለፎ ኵነታት የዘንቱ።
ሃለዋቶም ንምፍላጥን፡ ብዛዕባ ቀረብ መግቦም፡ ማይ ሕክምናን ስዉር ሓበሬታ ንምርካብን፡ ንነፍሲ-ወከፍ ምስጢራዊ ምልክት ክሳብ ጭሕመይ ከይተረፈ ተጠሚተሉ እየ።
"እቲ ኵሉ ዘካየድኩዎ ቀጻሊ ጻዕሪ ኣብቲ ጽኑዕ መርበብ ጸጥታ ተደቚሱ ፈሸለ፤ ሓበሬታ ንምርካብ ገለ ሓለፍቲ እንተ ሓተትኩ'ውን፡ 'ኣይምልከተንን' ዝብል መልሲ ጥራይ እዩ ዝወሃበኒ ነይሩ፡" ድማ ይውስኽ።
በዚ ኵነታት ከቢድ ፈተነ ከም ዘሕለፈ ብምግላጽ ግርማይ፡ ኣብ መወዳእታ ተስፋ ስኢኑ፡ ካብቲ ዓዲ'ውን ከም ዝወጽአ ይጠቅስ።
ኣብዚ መስርሕ ድልያን ህልኽን፡ "ጭላንጭል" እንተዘይርኢ ነይረ ነዊሕ ግዜ ክጸንሕ ኣይምኸኣልኩን፡ ብምባል ኣብ ገለ እዋን ገለ ተስፋ ዝህቦ ነገራት ከም ዝነበረ ይእምት። "ነቲ ኵነታት ምስቲ ዘጋጥመኒ ዝነበረ መሰናኽላት... ምጥምማት፡ ምጕያይ፡ ብዙሕ ፈተናታት ዝነበሮ ጻዕሪ መወዳእታኡ ግን ከምዚ ንርእዮ ዘለና ፍረ ዘይተረኽቦ ኰይኑ ተሪፉ።"
ደሃይ ንምርካብ ኵለን ስድራቤታት ይኸውን እዩ ብዝበላኦ ወይ ንዝፈልጣኦ በዓልስልጣን ይውከሳ ከም ዝነበራ እየን ዝገልጻ።
ካብ መንግስታዊ ኣካላት ጸጥታ፡ ፖሊስን ይምልከቶም እዩ ዝበሃሉ ኣካላት መንግስትን ሰበስልጣንን ደሃይ ሃለዋት ንምርካብ ዝተገብረ ኵሉ ፈተነታት ድማ ብጸማም እዝኒ እዩ ተጐስዩ።
ክሲን ፍርዲን ኣብ ዘይፍለጠሉ ግን ከኣ ብድብዱቡ፡ [ብሰበ-ሰብ ዘይወግዓዊ መንገዲ] "ፍርዶም ወዲኦም እዮም ኢሎምና..." ኢለን ዝጽበያ ስድራቤታት ከም ዘለዋ እውን ይፍለጥ።
"ኵሉ 'ኣይፈልጥን' ወይ 'ኣይምልከተንን' እዩ ዝብል... እንታይ ከም ዝምልሰልካ ትፈልጥ ኢኻ፡" ብምባል ግርማይ ነቲ ስርዓታዊ ዝዀነ ምኽሓድን ሓላፍነት ዘይምውሳድን ብምረት ይገልጾ።
ዋላ'ኳ ንላዕለዎት ሓለፍቲ ይዅን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብቐጥታ ንምሕታት ፈተነታት እንተ ተገብረ፡ እቲ ሕቶ ከም ዘይምልከቶም ገይሮም ኵሎም ካብ ነብሶም ኣርሒቘምዎ እዮም።
እቶም ኣብ 2001 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት፡ ክንደይ ካብኣቶም ብህይወት ከም ዘለዉ ዝፈልጥ ሰብ የሎን። ካብቶም ናይ ቀረባ ሓለዋ ዝነበሩ ወተሃደራት ብዝወጸ ስዉር ሓበሬታታት፡ ሓያሎ ካብዞም ጋዜጠኛታት ብሰንኪ ብርቱዕ ስቓይ፡ ሕማምን ዘይምቹእ ኵነታት ኣየርን ኣብ ውሽጢ ዒላ-ዒሮ ከም ዝሞቱ ይንገር።
ግርማይ፡ "ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታን ዝረኣኹዎ ክውንነትን ሓደ መሪር መደምደምታ በጺሐ፤ እቶም እሱራት ባዕሎም ነብሶም ዘጥፍእሉ ዕድል እኳ ኣይነበሮምን።
ብኣንጻሩ፡ ብተስፋ ምቝራጽ፡ ብጭንቀት፡ ብማህሰይትን ሕማምን እዮም ተቐቲሎም። ኵሉ እቲ ዘጋጠመ መዓት ብዓይነይ ስለ ዝረኣኹዎ፡ ነቲ ሓቂ ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ እየ፡" ክብል ጓሂኡ ኣይሓብእን።
ሃጓፍ ናጻ ፕረስን ስምብራቱን
እቶም ጋዜጠኛታት እንታይ በደል እዮም ፈጺሞም? ዝብል መሰረታዊ ሕጋዊ ሕቶ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ብሕጋዊ መርትዖ ኣይመለሶን፤ ወይ ብሕጋዊ መንገዲ ኣይሓዞን።
እተን ጋዜጣታት ቅድሚ'ቲ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተፋጠጥሉ ደሓር ናብ ምንቅስቓስ ጕጅለ-15 ዝማዕበለ ምክፍፋል ብቕሉዕ ቅድሚ ምውጽኡ፤ ብፍላይ ኣብ እዋን ዶባዊ ኲናት ሞጐስ መንግስቲ ከም ዝነበረን እዩ ዝፍለጥ።
እቲ መድረኽ ምስተቐየረ፡ ዝተፈላለየን ሰፊሕን ርእይቶታት ክፉት መድረኽ ምስ ረኸበ፣ መንግስቲ "ከም ሓላው ማዕጾ 'Gate Keeper' ኰይኑ ሓሳብ ዜጋታት ክቈጻጸር ምስ ሰኣነ፡ ነታ ሓቂ ድማ ክሰምዓን ክትስማዕን ኣይደለየን፡" ዝብል ርእይቶ ዘቐመጥ ኻልድ ዓብዱ፡ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝግለጽ፡ ሓቅን ሓሶትን ምዃኑ ክትፈልዮ ዘጸግም ፕሮፖጋንዳ ጥራይ ተሪፉ፤ ካልእ ኵሉ ድምጺታት ተዓቢሱ እዩ፡ ኢሉ የረድእ።
እቲ ደሞክራሲያዊ ህዝባዊ መድረኽ ሕሱም ተወቒዑ፡ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ፡ ህይወቱ፡ ናብራኡ፡ ፖለቲካኡ ኣካይዳ መራሕቱን መጻኢኡን ክዛረብ ገበን ኰይኑ፣ እታ ሃገር ድማ፡ ሓንቲ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ኰይና ተሪፋ፡ ኢሉ።
ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ ወሲኹ፡ ናጻ ማዕከናት ዜና ብምዕጻወን ዝፈጠሮ ሃጓፍ ክገልጽ እንከሎ፡ "ሎሚ ቀንዲ ማዕከናት ዜና (Mainstream Media) ስለዘየሎ፡ ኣብ ሃገርና ሓቀኛ ህዝባዊ ርእይቶ የሎን።
ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ይዅን ፖለቲካዊ ጉዳያት ናይ ሓባር መረዳእታ የሎን፡" ክብል ይምጕት። ብተወሳኺ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ፈሊኻ ንምርኣይ ዘኽእል ናጻ ሃዋህው ስለ ዝተነፍገ፡ ስቕታን ፍርሕን ነጊሱ ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ዝተዋጃበረ ኣካይዳን ድሩት ንቕሓትን ከም ዝፈጠረ ይገልጽ።
ካብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፖለቲካዊን ቍጠባዊን ዝሕታለ ወዲቓ እያ። እቲ ቍጠባ እናማሰነ ምስ ከደ፡ መነባብሮ ህዝቢ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ወሪዱ።
ናጻ ፕረስን ክፉት ዘተን ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ህንጸትን ዕብየትን ሃገር ክህሉ ባህርያዊ ብዘይምዃኑ፡ ኤርትራ ናብ ዓሚቝ ጸልማት ተደሪኻ ኣላ፡ ዝብል ርእይቶኡ ኻልድ የካፍል።
መንእሰያት ነዚ ዓፈናን ቍጠባዊ ውድቀትን ክጻወርዎ ስለ ዘይከኣሉ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ነታ ሃገር ገዲፎምዋ ይስደዱ ኣለዉ።
ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ማዕበል ማእከላይ ባሕርን ክንደይ ሓሳረ መከራ ርእዮም ኣብዚ ጕዕዞ ስደት ህይወቶም ይስእኑ ኣለዉ፡ ምስ ዝብል ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኵነታት ኻልድ ይሰማማዕ።
ዝዓበየ ክፋል ጠንቂ ናይዚ ኵሉ ጸገም፡ 'እቲ ኣብ 2001 ዝተወሰደ ጸረ-ደሞክራሲያዊ ስጕምቲ ኰይኑ፡ እቲ ልጓምን ተሓታትነትን ዘይብሉ ምልካዊ ወተሃደራዊ ስርዓት በብቝሩብ ስልጣኑ ስለዘደልደለን ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽ ስለዘይከኣለን እዩ።'
ኣህጉራዊ ጸብጻባት
ብመሰረት ጸብጻባት ኣህጉራውያን ትካላት፡ ኵነታት ኤርትራ ኣዝዩ ዘሰቅቕ እዩ። ኮሚተ ሓለዋ ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ (RSF)፡ ከምኡ'ውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዘውጽኡዎ ዓመታዊ ጸብጻባት፡ ኤርትራ ኵሉ ግዜ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ዝተሰርዐት እያ።
ብፍላይ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ኣብ ዘውጽኦ መዐቀኒ ናጽነት ፕረስ ዓለም፡ ኤርትራ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ደረጃ - ካብ ሰሜን ኮርያ እውን ንታሕቲ - ትስራዕ ምጽንሓ መረዳእታታት የረጋግጹ።
ብመሰረት ጸብጻባት ኮሚተ ሓለዋ ጋዜጠኛታት፡ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ዝለዓለ ቍጽሪ ጋዜጠኛታት ዝኣሰረት ሃገር ኰይና ትርከብ። እዚ ስታቲስቲክስ ወይ ኣሃዛት ጥራይ ኣይኰነን፤ መንግስቲ እውን ብተደጋጋሚ ተሓቲቱ ምላሽ ኣይሃበን።
በዚ እዩ ድማ፡ ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 188 ውሩያት ጸሓፍቲ፡ ብዛዕባ እዞም ጋዜጠኛታት "ብህይወት ምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ" ክወሃብ ዝሓትት ክፉት ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልኢኾም ዘለዉ።