እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወናኒ ኣማዞን ዝሃቦም ንምህብታም ዝሕግዙ 10 ቀለልቲ ለበዋታት
ጀፍ ቤዞስ ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና እዩ።
ሃፍቱ ካብ 269 ክሳብ 290 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሕ ይግመት።
ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ዕዉታት ኩባንያታት ኣማዞን ዝመርሕን ዝውንን ንሱ እዩ። መስራቲ እቲ ትካል እውን ቤዞስ እዩ።
ብዘይ ልዑል ጻዕሪ ጀፍ ቤዞስ፡ እቲ ናይ ቴክኖሎጂ ኩባንያ ኣይምተዓወተን እንተተበሃለ ምግናን ኣይኰነን።
ነዚ ኩባንያ ካብ ድኳን መጻሕፍቲ ናብ ምሉእ ኣገልግሎት ዝህብ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ክብ ክብል ምግባር ብዙሕ ፍልጠት፡ ሓደጋ ምውሳድ፡ ውጥንን ፈጠራን ዝሓትት እዩ" ይብል ኣሰናዳኢ 'Inside the Mind of Jeff Bezos' ዘርእስቱ ዶክመንታሪ ፖድካስት ዝዀነ ጋዜጠኛ ዴቪድ ቤከር።
ራእይ ጀፍ ቤዞስ ብዛዕባ ወፍሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቶም ዋጋ ዝህቦም ነገራት እውን ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ሕቶ ግን ቤዞስ ከመይ ጌሩ እዩ ነቲ ትካል ናብዚ ደረጃ ከብጽሖ ክኢሉ ዝብል እዩ።
እነሆ ድማ ንዓወት ጀፍ ቤዞስ ኣበርክቶ ዝገበሩ 10 ነገራት ክንነግረኩም።
1. ኩሉ ጸገም መፍትሒ ኣለዎ
ርግእ ኢልና እንተሓሲብናሉን ብቕዓት ምህዞና እንተተቒምናሉን ፡ ፍታሕ ዘይብሉ ጸገም የለን።
ቤዞስ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ሓይሊ ፈጠራ ይኣምን ነይሩ።
ቤዞስ ኣብ እዋን ዕረፍቱ፡ ምስቲ ኣብ ቴክሳስ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ኣባሓጉኡ ግዜ የሕልፍ ነበረ።
ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቴክኒካዊ ክእለትን ፈጠራን ዝሓትት ነገራት ይሰርሕን ይጽግንን ነይሩ።
ኣባሓጉኡ ንቤዞስ፡ ማሽነሪታት ክበላሽውኦ እንከለዋ ዝጽግን ክኢላ ኣይጽውዕን'ዩ፤ እንታይደኣ ከመይ ገይሩ ከምዘዐርዮ ባዕሉ ይሓስብን መፍትሒ ይእልሽን ነይሩ።
እዚ ተግባር ድማ ቤዞስ ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ ዘጋጥሞ ጸገማት ክፈትሕን ዝተበላሸዉ ነገራት ከዐርይን ደሪኽዎ እዩ።
እዚ ክሳብ ሎሚ ቤዞስ ዘዘንትዎ ዛንታ እዩ።
2. እቲ ዓሚል ኩሉ ግዜ ልክዕ እዩ
ኣካያዲ ስራሕ ኣማዞን ነበር ቶም ኣልበርግ፡ ቤዞስ "ምስ ዓማዊል ብተፈጥሮኣዊ ምትእስሳር" ከምዝነበሮ ይገልጽ።
ወሲኹ ድማ፡ "ዓለም ክቕይራ ይደሊ፡ ሓሳባቱ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ምዕጋብ ዓማዊል'ዩ" ይብል።
"ገንዘብ እንተረኺብካ ድማ ብዙሕ ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።"
3. ካብ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምውሳድ፡ ብድሕሪኡ ንቕድሚት ምስጓም
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ስነ-ቑጠባ ሱኒል ጉፕታ፡ ምህዞ ኣማዞን፡ "ንድሕሪት ብምምላስን ድሕሪኡ ንቕድሚት ብምስፋሕን" ብዝብል ኣካይዳ ሓደስቲ ፍርያትን ኣገልግሎታትን ምፍጣር ዝዓለመ ከምዝዀነ ይገልጽ።
ንድሕሪት ተመሊስካ ጠንቂ ጸገም ናይቲ ኩባንያ ምፍታሽ፡ ድሕሪኡ ነቲ ዝተረኽበ ፍልጠት ተጠቒምካ ንቕድሚት ምስጓም ማለቱ እዩ።
እዚ ማለት ድማ ኣማዞን፡ ዓማዊሉ እንታይ ከም ዝደልዩ ብምሕሳብ ይጅምር፡ ድሕሪኡ ድሌቶም ከምዝተማልአ ኣብ ንምርግጋጽ ይሰርሕ።
4. ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሓዳስ መዓልቲ እያ
ኣማዞን ዘውጽኦም ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ቅዳሕ ናይቲ እቲ ኩባንያ ናብ ወነንቲ ብርኪ ዝጸሓፎ ናይ መጀመርታ ደብዳበ ዘጠቓልል እዩ።
እቲ መልእኽቲ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ከም "ቀዳመይቲ መዓልቲ" ናይ ሓደ ኩባንያ ጌርካ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ።
እዚ ማለት ድሌት ምህዞን ንግዳዊ ዓወትን ምቕጻል ማለት እዩ።
ቤዞስ ኣገዳስነት ናይቲ ኣረኣእያ ብተደጋጋሚ ኣስሚሩሉ እዩ።
"እቲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ኩባንያ በታ መዓልቲ እቲኣ ገና ከም ዝጀመረን መሰረታቱ ይንጸፍ ከም ዘሎን ምሕሳብ'ዩ" ይብል።
5. ካብ መብዛሕትኦም ንላዕሊ ተባዕ ምዃን
ኣብ 2000 ኣጠቓቕማ ኢንተርነት ሰማይ ዓሪጉ ድሕነት ናይቲ ኩባንያ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ቤዞስ ኣማዞን ንናይ ደገ ኣውፈርቲ ክፉት ክኸውን ገይሩ።
እዚ ብምግባር ቤዞስ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ፍረ ረኺቡ።
ቤዞስ ኣብ ምሕደራን ተሪር ውሳነታት ኣብ ምውሳንን ዘለዎ እምነት ሓያል እዩ።
ከምኡ'ውን ገለ ፕሮጀክትታት ገዲፉ፡ ካብ ተመኩሮታቱ ካልኦት ሓደስቲ ፕሮጄክታት ምጅማር ንቤዞስ ዘይተለምደ ነገር ኣይኰነን።
ኣካያዲ ስራሕ ኣማዞን ነበርን ደራሲ መጽሓፍ 'ዘ ኣማዞን ዌይ'ን ዝዀነ ጆን ሮዝማን፡ ጀፍ ቤዞስ "ናበይ ከም ዝኸይድን ብኸመይ ከም ዝበጽሕን ከይፈለጠ ውሳነ ክወስድ ተገዳስነት የብሉን" ክብል ከም ኣብነት ንቴክኖሎጂ ኣሌክሳ ይጠቅስ።
6. ውድቀት ኣካል መንገዲ ዓወት እዩ
ዝፈሸሉ ፕሮጀክትታት ቤዞስ ተመክሮ ዝረኽበሎም ኣገባባት እዮም።
ንሓደጋታት ንምውሳድ ዘለዎ ደረጃ ድልውነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ድሕሪ ውድቀት እውን እንተኾነ ክቕጽል ዘለዎ ቆራጽነት ዘርእዩ እዮም።
ሕድሕዶም ድማ ናብ ዓወት ዘጸግዕዎ ስጉምቲታት እዮም።
7. ብምፍታንኩም ኣይትጠዓሱ
ውድቀት ከየጋጥመና ኢልና ዘይምፍራሕ ማለት፡ ብምፍታንና ዘይምጥዓስ ማለት እዩ።
ቤዞስ ኣብዚ ጉዳይ ዘለዎ መርገጺ ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሕትመት ኣክሰል ስፕሪንገር ማትያስ ዶፕፍነር ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብንጹር ገሊጹ እዩ።
"ብዛዕባ ኣብ 80 ዓመት ዕድሜኻ እትጣዓሰሎም ነገራት ክትሓስብ ከለኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይገበርካዮም ነገራት'ዮም። ንሓደ ዝገበርናዮ ነገር ዕዉት ዘይነበረ ወይ ዝፈሸልናሉ ነገር ክትጣዓስ ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም" ይብል።
8. ሓሳብኩም ግለጹ
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣማዞን፡ ኣብ ኣኼባታት ቦርድ ኩባንያታት ናይ መወዳእታ ውሳነታት ኣብ ዝወስድሉ እዋን ብዲሞክራሲ ከምዘይኣምን ጸሓፊ ብራድ ስቶን ይዛረብ።
ይኹን እምበር ቤዞስ ቅሉዕን ቅንዕናን ክትዕ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ይኣምን።
ጆን ሮዝማን፡ ኣማዞን ኣብዚ መዳይ ካብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኩባንያታት ዝተፈልየ ክኸውን ከምዝገበሮ ይኣምን።
ስለዚ ሰባት ሓሳቦም ካብ ምግላጽ ንድሕሪት ክብሉ ኣይግባእን።
9. ኣብ ሓደ ውድድር ምስታፍ
ቤዞስ ካብ ካልኦት ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ርኡይ ውድድር ኣጋጢምዎ እዩ። ብራድ ስቶን ከም ኣብነት ቴክኖሎጂ ኣሌክሳ ጠቒሱ።
ኣፕል ሲሪ ክፈጥር ከሎ ጉግል ዝተፈላለዩ ነገራት ክገልጽን ክሰርሕን ዝኽእል ብድምጺ ዝእዘዝ ሓጋዚ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ እውን ነይርዎ።
"ኣማዞን ድሮ ዓቢ ኩባንያን መራሒ ቴክኖሎጂን እዩ ነይሩ፡ ጀፍ ቤዞስ ግን ንፕሮጀክት ኣሌክሳ ኣካይዱ፤ እዚ ፕሮጄክት ነቲ 10 ሽሕ ስራሕ ዝፈጠረ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ተስፋ ክቖርጽን ካልኦት ኩባንያታት ክዕወቱ ብዘይምምራጹ እዩ ናብዚ በጺሑ" ኢሉ።
ስለዚ ካብ ውድድር ምርሓቕ ዘይኰነስ፡ ምስታፍ ኣገዳሲ እዩ።
10. ንመጻኢ መደብ ወይ ትልሚ ነዳልው
ናይ ነዊሕ ግዜ ውጥን፡ ቁልፊ ኣካል እቲ ቤዞስን ኣማዞንን ዘመዝገብዎ ዓወት ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።
ቤዞስ "መኽሰብ ንምምዝጋብ 10 ዓመት ክጽበ ፍቓደኛን ትዕግስትን ነይርዎ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝረኣዮ ምዕባለታት ንምዕዋት ድማ ቃል ኣትዩ እዩ" ክብል ጆን ሮዝማን እቲ ወናኒ ኣማዞን ኣብ ትልሚ ዘለዎ እምነት ይጠቅስ።