እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት የመን፡ ብዙሓት የመናውያን ንቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ይስደዱ ኣለዉ
ኢብራሂም ዒሳ ወዲ 50 ዓመት ኰይኑ፡ ኣብታ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ከተማ ድሁባብ'ዩ ዝነብር ነይሩ።
ድሁባብ ቀንዲ መስመር ውግእ ናይቲ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሑቲን ናይቶም ብመንግስቲ ስዑያ ዝድገፉን ዕጡቓት መንግስትን'ያ ዀይና ዘላ።
እጂ ግን ምስ ስድራኡ ካብቲ ኲናት ብምህዳም ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኦቦክ'ዩ ዝነብር ዘሎ።
ኣብቲ መዓስከር ንባብ ኤል መንደብ ኣቋሪጾም ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ ብዙሓት የመናውያን'ዮም ተዓቂቦም ዘለዉ።
እቶም የመናውያን በብዝጥዕሞም ንባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ጅቡቲ ምስ ኣተዉ፡ ገሊኦም ብእግሮም ገሊኦም ብመካይን ናብቲ ብመንግስቲ ጅቡቲን ሕቡራት መንግስታትን ዝመሓደር መዓስከር'ዮም ዝተኣኻከቡ ዘለዉ።
ኢብራሂም "ደቀይ ብፍርሒ እናኣንቀጥቀጡ ከመይ ኢለ'የ ኢደይን እግረይን ኣጣሚረ ኮፍ ክብል" ድሕሪ ምባል "ድምጺ ናይ ነፈርቲ ኣብ ዝሰምዕሉ፡ ክውጭጩን ክበኽዩን'ዮም ዝጅምሩ፡ ነዚ እናርኣኻ'ሞ እንታይ ኢኻ ክትገብር ትኽእል? እዚ ስለዝዀነ ኢና ሃዲምና በቃ ደቅና ከነድሕን" ይብል።
ኢብራሂም ኣብ የመን ገፋፊ ዓሳ ስለዝነበረ፡ ባዕሉ ዝውንና ዓባይ ጃልባ ነይራቶ'ያ።
ሓያሎ ካብተን ኣጣል ናይታ ስድራቤት ከይተረፈ ተማሊእወን'ዩ።
ገለ ስድራቤታት ካብ የመን ንኣሽቱ ንብረት ሒዘን ክመጻ ክኢለን እየን - ሓንቲ ስድራቤት "ጀራክ" ዝበሃል ነዊሕ ብሓጺን ዝተሰርሓ ሻምብቆ ሽሻ ከይተረፈ ሒዛ ክትመጽእ ክኢላ፡ ገሊአን ስድራቤታት ግን ነታ ኣብ ዝባነን ዝነበረት ክዳን ጥራይ ሒዘን'የን ናብ ጅቡቲ ኣትየን።
ኣብ ዝሓለፈ ቅሩብ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 3000 ስደተኛታት ናብ ጅቡቲ ኣትዮም ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ከኣ ጥርኑፋት ስድራቤታት'ዮም።
ሕቡራት ሃገራት በቲ ሕጂ ኣብ የመን ማዕቢሉ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 120 ሽሕ የመናውያን ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ'ዩ ዝግምት።
ኣብዚ ወርሒ፡ ዕጡቓት ሑቲ ነቲ ዝበዝሐ ሰብ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢታት የመን ክቈጻጸርዎ ክኢሎም ኣለዉ።
ካብቲ ቀንዲ ክቈጻጸርዎ ክኢሎም ዘለዉ ቦታ ከኣ፡ እቲ ንንግዲ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ንቀይሕ ባሕሪ ምስ ወሽመጥ ዓደንን ህንዳዊ ውቅያኖስን ዘራኽብ ባብ ኤል መንደብ'ዩ።
እታ ነቲ ዓለምለኸ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ የመን እትድግፍ ስዑድያ ከም ግብረ መልሲ ኣብቲ ዕጡቓት ሑቲ ተቖጻጺረምዎ ዘለዉ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣማኢት ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ ኣላ።
ዕጡቓት ሑቲ ብወገኖም ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ስዑድያ ኣማኢት ናይ ድሮንን ናይ ሚሳይልን መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ኢብራሂምን እቶም ኣብ ጅቡቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦም የመናውያንን ነቲ ካብን ናብን ዝካየድ ዘሎ ደብዳብ ኣመልኪቶም "ንሕና መን'ዩ ንመን ዘጥቅዖ ዘሎ ኣየገድሰናን'ዩ፡ ንዓና ቦምባታት'ዩ ዝዘንበና ነይሩ፡ ንሱ ስለዝዀነ ኢና ሃዲምና ናብዚ መጺእና" ዝብል መልሲ'ዩ ዘለዎም።
ጅቡቲ ካብ የመን ንደቡባዊ ምዕራብ ንባብ ኤል መንደብ ሰጊርካ ኣብ ኣፍሪቓ እትርከብ ንእሽተይ ሃገር'ያ።
እዛ ሃገር ኣብቲ ኣብ መንጎ ሑቲን ብስዑድያ ዝድገፍ መንግሰቲ የመንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ፈጺማ ኢዳ ከምዘይትሕውስ ብግሉሕ ኣፍሊጣ'ያ።
ጅቡቲ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ካብተን ዝበዝሓ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለዋ ሃገር'ያ።
ኣመሪካ ካብ 2003 ጀሚራ ኣብ ጅቡቲ ዓስኪራ ትርከብ፡ ቻይና'ውን ኣብ ጅቡቲ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለዋ።
ቻይና ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ካብ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከራት እቲ ኣብ ጅቡቲ ዘሎ እቲ ዝዓበየ'ዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት'ውን ኣዝያ ኣስፊሓቶ ኣላ።
ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኦቦክ ምስ እንመልስ፡ ምስቶም ካብ የመን ዝተሰደዱ ታሴራኡ ወዲ 100 ዓመት ምዃኑ ዝሕብር ቃስም ኣብርሃም ኣብሲ ይርከቦም።
ቃስም'ውን ገፋፊ ዓሳ'ዩ ነይሩ።
ብዛዕባ ዘለውዎ ኵነታት ምስ ተወከስናየ "ናብዚ ክንመጽእ እንታይ ድዩ መሪሕና?"ብምባል'ዩ ንሕቶ ቢቢሲ ብሕቶ መሊስዎ።
ኣስዒቡ "ነፈርቲ ኲናት፡ ድምጺ ነፈርቲ ኲናት'፡ ቡም ዝብል ድምጺ ደብዳባት፡ እዚ'ዩ ናብዚ ኣህዲምና፡ ደቅና ከነድሕን ናብዚ ሃዲምና፡ ውሽጥና ዘቃጽልን ነገር'ዩ ገጢምና፡ መን'ዩ ዝድበድብ ዘሎ ኣይንፈለጥን ኢና፡ ኣብ ኵሉ'ዩ ዝድብደብ ነይሩ፡ ምኽንያቱ ሑቲ ኣብ ኵሉ'ዮም ነይሮም፡ ኣብቲ ጎቦታት፡ ኣብ ሩባታት፡ ኣብ ጽርግያታት ኣብ ኵሉ'ዮም ነይሮም፡ ነፋሪት መጺኣ ኣብ ኩሉ ደብዲባ ትኸይድ" ይብል።
መዓስከር ስደተኛታት ኦቦክ ክሳብ 37 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ'ዩ፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ብሕቡራት ሃገራት ዝተውሃቦም ቴንዳ ከኣ ካብ ከተማ ዓደን ዝተሰደደ ወዲ 63 ዓመት መሓመድ ዓብዱልከሪም ረኺብናዮ።
መሓመድ ካብዞም ሕጂ ናብ ጅቡቲ ዝተሰደዱ ኣይኰነን፡ ኣብ 2015'ዩ ናብ ጅቡቲ ተሰዲዱ።
ኣብ የመን ኣብ 2014 ኲናት ሓድሕድ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ዓመቱ'ዩ ናብ ጅቡቲ ተሰዲዱ።
ንዝሓለፈ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ከኣ ኣብቲ መዓስከር ክነብር ጸኒሑ፡ እዚ ሕጂ ዘጋጠመ ሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ስለዘየኽኣሎ ግን ከነዘራርቦ ኣብ ዝፈተንናሉ ንብዓት'ዩ ቀዲምዎ።
"መብዛሕትኦም ኣብዚ ዘለዉ ሰባት ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት እዮም ዘለዉ። ኣዝየ ተተንኪፈ ኣለኹ፡ ስለዞም ሰባት፡ ንህዝበይ፡ ብስቓዮም እበኪ ኣለኹ። ድምጽና ብዘይመንግስታውያን ትካላትን መንግስቲ ጅቡትን ክስማዕ እደሊ። ንዓና ስለ ዝተቐበሉና ድማ የመስግኖም"ኢሉ።
ክሳብ መዓስ እዮም ኣብዚ ክጸንሑ? እዚ ብርግጽ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝምርኰስ'ዩ ክኸውን።
የመን ካብ 2014 ጀሚራ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ዝቐተለ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝተመዛበሉ ብዘስካሕክሕ ኲናት ሓድሕድ'ያ ትሕመስ ዘላ።
ኣብ 2022 ብኣሸማጋልነት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞንጎ ስዑድያን ሑቲን ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተበጺሑ ነይሩ'ዩ እንተዀነ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ንሓድሕዶም ብነፈርቲ፡ ድሮንን ሚሳይልን ክተሃራረሙ ስለዝጀመሩ እቲ ውዕል ብዘይወግዒ ፈሪሱ'ዩ።
ኲናት የመን ንመብዛሕትኦም ሰባት ርሑቕ ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ እንተዀነ ነታ ቀንዲ መትኒ ቍጠባኣ ሰደድ ነዳዲ ዝዀነ ስዑድያ ብባብ ኤል መንደብ ኣቢላ ከምዘይትሰድድ ገይሩ ብጎሮሮኣ ስለዝሓዛ ብቍጠባ ዓይኒ ክርአ እንከሎ እቲ ሳዕቤኑ ዓቢ'ዩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኲናት እቲ ብዙሕ ዘይስትብሃለሉ ግን ከኣ ዓሚቝ በሰላ ዝገድድ እቲ ኲናት ዝፈጥሮ ሰብኣዊ ቅልውላዋት'ዩ።
ወዲ 100 ዓመት ቃስም ኣብርሃም ኣብሲ፡ ኣብ ጎኒ ብዓልቲ ቤቱ ዓይሻ ዓብዱልቓድር መሓመድ ኮፍ ኢሉ ብኣስተንትኖት "እቲ ኲናት ደው እንተዘይ ኢሉ ናብ ዓድና ኣይክንምለስን ኢና፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ሰላም'ዩ ዘሎ" ይብል።
ብዓልቲ ቤቱ ዓይሻ ዓብዱልቓድር'ውን ምስ ዘረባ ባዓል ቤታ ብምስምማዕ "ሰላም ናብ ሃገርና እንተተመሊሱ ብሰላም ክንምለስ ፍቓደኛታት ኢና፡ ሰላም ክምለስ ድማ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ ኣለና። ዘድልየና ሰላም ጥራይ'ዩ፡ ዋላ ንመጻኢ ደቅና'ውን፡ ቅድም ድሕነት ይረኽቡ፡ ድሕሪኡ መግቢ፡ ማይን ትምህርትን ይረኽቡ።"
"ከምዚ ትርእዩና ዘለኹም ነዘን ክዳውንትና ጥራይ ሒዝና ኢና ሃዲምና፡ [ኣብ የመን] ስላም ስለዘየለ ኩሉ ነገር ሓዲግናዮ ኢና ሃዲምና" ትብል።