ካብ ዓለምለኻውያን ጸሓፍቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝቐረበ ሕቶ 'መርትዖ ህይወት' እሱራት ጋዜጠኛታት

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ተዓወትቲ ስልማት ኖበልን ቡከርን ዝርከብዎም ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ 188 ውሩያት ጸሓፍቲ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዝእሰሩ መበል 25 ዓመቶም ንዘቝጸሩ 12 ጋዜጠኛታትን ደረስትን "ብህይወት ምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ" ክወሃብ ዝሓትት ክፉት ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ልኢኾም።

እዚ ብማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም (PEN International) ኣቢሉ ዝተዘርግሐ ጻውዒት፡ ነቲ ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስን ነቐፍቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳይያስን ዝተወስደ ስጕምቲ ስዒቡ፡ ደሃዮም ንዝጠፍአ ጋዜጠኛታት መዕለቢ ንምግባር ዝዓለመ እዩ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ንርብዒ ዘመን ዝቐጸለ ስቓይ ስድራቤታት፡ ዝተቘጽየ መሰል ናጽነት ሓሳባት፡ ከምኡ'ውን ዘይተመለሱ ዓለምለኻውያን ሕቶታት ዳግማይ ናብ መድረኽ ዘምጽአ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ፈረምቲ ኣብ ደብዳበኦም፡ "መጻኢ ኤርትራ ብብሩሃት ኣእምሮኣ እምበር፡ ንዓኣቶም ብምዕፋን ክህነጽ የብሉን፤ ዝዀነ ጸሓፊ ወይ ጋዜጠኛ ሓሳቡ ብሰላማዊ መንገዲ ስለ ዝገለጸ ጥራይ ብግዲ ክስወር ኣይግባእን፡" ክብሉ ኣስሚሮምሉ።

ኣስዒቦም ድማ፡ "ንዅሎም ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጸሓፍትን ነቐፍትን፡ ብህይወት ምህላዎም ዘረጋግጽ ቅልጡፍን ዝተረጋገጸን መርትዖ ኣቕርቡ፡" ዝብል ሓደ ህጹጽ ጠለብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

እቲ ኣብ መስከረም 2001 ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ደማዊ ናይ ዶብ ኲናት ስዒቡ ዝተኸስተ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ዝነቐለ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን፡ ሓያሎ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ጀነራላትን (ጕጅለ 15 ተባሂሎም ዝፍለጡ)፡ ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ግብሪ ክውዕል፡ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድን ፖለቲካዊ ጽገናታት ክግበርን ብጋህዲ ክሓቱ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣብታ ሃገር ልዑል ዕብየትን ተነባብነትን ዘርእያ ዝነበራ ከም ቀስተ ደመና፡ ሰቲት፡ ዘመን፡ መቓልሕ፡ ጽጌናይን ኣድማስን ዝኣመሰላ ጋዜጣታት ብሕቲ፡ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ጕጅለ 15ን ዝነበረ ክትዓት ብግሉጽነት ናብ ህዝቢ ኣብ ምብጻሕ ከም ባይታ ኰይነን ኣገልጊለን።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምሕቋን ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብ18 መስከረም 2001 መንግስቲ ኤርትራ ንዅለን ናጻ ጋዜጣታት ሃንደበት ዓጽዩ፡ ነቶም ኣሰናዳእትን ጸሓፍትን ብዘይ ፍርዲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም።

ካብ ብርዒ ናብ ጸልማት ቤት ማእሰርቲ፡ መንነት እቶም ጋዜጠኛታት

እቶም ን25 ዓመታት ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ 12 ጋዜጠኛታት፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ዳዊት ይስሓቕ፡ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ መድሃኔ ሃይለ፡ ሳህለ ጸጋዛኣብ (ወዲ-ኢታይ)፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ስዒድ እድሪስ (ኣቡ ዓረ)፡ ስዩም ጸሃየ፡ ተመስገን ገብረየሱስን ዩሱፍ መሓመድ ዓሊን እዮም።

መብዛሕቶኦም ናይ ዜና ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ስነ-ጽሑፍን ስነ-ጥበብን ኤርትራ ዓቢ ኣሰር ዘንበሩ ደረስቲ፡ ገጠምቲ፡ ሰኣልትን ተዋሳእትን እዮም ነይሮም።

ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተጋዳላይ ዝነበረ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ)፡ ድሕሪ ናጽነት ከም "ምስጢር እታ ቆፎ"፡ "ትጽቢት" ወዘተ ዝብላ ዓበይቲ ድራማታት ዝደረሰ፡ ብዙሕ ግጥምታት ዝጸሓፈን መስራቲ ጋዜጣ ሰቲትን ብምዃን ኣብቲ መድረኽ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ጽሑፋት የበርክት ነይሩ።

ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣብ ባህልን ስነ-ጽሑፍን ወሳኒ ግደ ዝነበሮ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ዘመን ኣማኑኤል ኣስራት፡ ጸኒሑ ብማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም ዝወሃብ ዓቢ ክብሪ ዝዀነ ስልማት "PEN Pinter Prize" ዝተሸለመ ውሩይ ገጣምን ሃያስን ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግጥምታቱ ተኣኪቡ "ኣበሳ ኲናት" ብዝብል ኣርእስቲ ብኣሕታሚ እምኵሉ ተሓቲሙ ናብ ኣንበብቲ ተዘርጊሑ እዩ።

እቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ብካሜራኡ ክሳዕ ዓውደ-ውግእ ብምእታው ታሪኽ ዘሰነደን ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ ተለቪዥን ኤርትራ ዝነበረን ስዩም ጸሃየ፡ ናብ ናጻ ፕረስ ብምስግጋር ግሉሕ ድምጺ ብምዃን ክጽሕፍ ጸኒሑ።

ዜግነት ኤርትራን ሽወደንን ዘለዎ ዳዊት ይስሓቕ ድማ ከም "ባና" (ልብወለድ)፡ ድራማታትን ሓጸርቲ ዛንታታትን ዝጸሓፈ ኰይኑ፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ከም ኣባል ቦርድን ጋዜጠኛን ኰይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።

እቲ ክፉት ደብዳበ፡ "እንኮ ገበኖም፡ ናጻ ድምጺ ምዃኖምን ብዛዕባ እታ ንመጻኢ ዝሓልምዋ ዝነበሩ ኤርትራ ምዝራቦምን ጥራይ እዩ ነይሩ፤ ፈጺሞም ክእሰሩ ኣይነበሮምን፡" ብምባል፡ እዞም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ እዋን ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ዝርከቡ ደረስቲ ክፍትሑ ወይ ብህይወት ምህላዎም ዘረጋግጽ መርትዖ ክቐርብ ደጊሙ የዘኻኽር።

ስቓይ ስድራቤታትን ሕጋዊ ትርጕም 'መርትዖ ህይወት'ን

ን25 ዓመታት፡ ቤተሰባት እዞም ጋዜጠኛታት ኣብ ከቢድ ናይ "ኣበይን ከመይን ከም ዘለዉ ዘይምፍላጥ" ስነ-ኣእምሮኣዊ ስቓይ ክነብሩ ጸኒሖም እዮም።

ደቆም ብዘይ ኣቦታቶም ዓብዮም፣ መብዛሕትኦም ወለዲ ድማ ደሃይ ደቆም ከይሰምዑ በብሓደ ዓሪፎም።

ጓል ዳዊት ይስሓቕ ዝዀነት ቤተልሄም ይስሓቕ እትርከቦም ቤተሰብ ናይዞም እሱራት ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ መድረኻት ናይ ፍትሒ ጻውዒቶም ከስምዑ ጸኒሖም እዮም።

ማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም (PEN) ነቲ ጻውዒቱ "ብህይወት ዘረጋግጽ መርትዖ" ብዝብል ሕጋዊ ቃና ዝሰመየሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ውዕል ምክልኻል ግዱድ ምስዋር፡ ሓደ እሱር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ምስ ዝኣቱ፡ ብህይወት ምህላዉን ዘለዎ ኵነታትን ናይ ምግላጽ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ'ቲ መንግስቲ ስለ ዝወድቕ እዩ።

ብዛዕባ ጥዕናኦም፡ ዘለውዎ ቦታን ህልውናኦምን ዝምልከት ኵሉ ሓበሬታ ምሕራም ድማ፡ "ጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊን ጭካነ ዝመልኦ ተግባርን፡" ምዃኑ ይሕብር።

ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየ፡ ብዛዕባ ዕላማን ኣመጻጽኣን እዚ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተላእከ ደብዳበ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ቀንዲ ድራኸ፡ ሃለዋትን ድሕነትን እቶም እሱራት ንምፍላጥ ምዃኑ ገሊጹ።

ዓወት፡ "ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተጻሕፈ ደብዳበ፡ ሃለዋትን ድሕነትን ኣብ 2001 በቲ መንግስቲ ናይ ዝተጨውዩ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብህጹጽ፡ ከምኡ ድማ ብናጻ ኣካል ብዝምስከረሉ ኣገባብ ንስድራን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንዓለም ወግዓዊ ክገብር ዝጠልብ ጻውዒት እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ደብዳበ ብኸመይ ናብ ኢድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከም ዝበጽሕ ክገልጽ ከሎ ድማ፡ እቲ ደብዳበ ቅሉዕ ምዃኑን ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ምዝርግሑን ተዛሪቡ።

"ከም ቢቢሲ፡ ተነበብቲ ጋዜጣታት ከም ዘ ጋርድያንን ካልኦትን ኣድሚጸንኦን ጽሒፈንኦን ኣለዋ። ሓደ ካብቲ ፕረሲደንት ዝበጽሓሉ መንገድታት እዚ እዩ። ብኻልኦት ዲፕሎማስያውያን ትካልትን ኤምባሲታቱን ኣቢሉ ክበጽሖ 'ውን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ፡" ክብል ኣረዲኡ።

ኣህጉራዊ ጸቕጢ፡ ዲፕሎማስያዊ ሕልኽላኻትን ስቕታ መንግስትን

እዚ ናይ ማሕበር ጸሓፍቲ ዓለም ጻውዒት፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ኣካላት ዝተመሓላለፉ ሕጋዊ ውሳነታትን ዝተኻየዱ ወፈራታትን ዘዘኻኽር እዩ።

ኮምሽን ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ (ACHPR) ገና ኣብ 2003ን 2007ን ኣብ ዘመሓላለፎ ወግዓዊ ውሳነ፡ ማእሰርቲ ናይቶም ጋዜጠኛታት ንቻርተር ኣፍሪቃ ዝጥሕስ ዘይሕጋዊ ስጕምቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ኮምሽን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሎም እቶም ጋዜጠኛታት ካብ ማእሰርቲ ክፍትሖም፡ ወይ ድማ ናጻን ፍትሓውን መስርሕ ፍርዲ ከቕርበሎም፡ ከምኡ'ውን ናይ ሕጊ ጠበቓታትን ሓካይምን ስድራቤቶምን ክረኽቡ ዘኽእል ስጕምቲ ክወስድ ኣዚዙ እዩ።

ብተመሳሳሊ፡ ጕጅለ ዕዮ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ (UN Working Group on Arbitrary Detention)፡ ማእሰርቲ እዞም ጋዜጠኛታት - ብፍላይ ድማ እቲ ዜግነት ኤርትራን ሽወደንን ዘለዎ ዳዊት ይስሓቕ - ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምሕባር ብቕጽበት ክፍታሕ ተደጋጋሚ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 2015ን 2016ን ሰፊሕ መርመራ ዘካየደ ኮምሽን መርመራ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዝተፈጸመ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ግዱድ ምስዋርን፡ ከም "ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት" ክቝጸር ዝኽእል ከቢድ ጥሕሰት ምዃኑ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ ነይሩ።

ፓርላማ ኤውሮጳ'ውን፡ ብዛዕባ ኵነታት ዳዊት ይስሓቕን መሳርሕቱን ብተደጋጋሚ ተሪር ውሳነታት ብምሕላፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሎም ናይ ሕልና እሱራት ብዘይ ቅድመ-ኵነት ክፈትሖምን ካብ ዓለም ተገሊሎም ኣብ ዝርከብሉ ፍሉይ ማእሰርቲ ዘለውዎ ቦታን ህልውናኦምን ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርብን ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ሽወደን'ውን መንግስቲ ንዓመታት ዝተኸተሎ "ስቕታዊ ዲፕሎማሲ" ውጽኢት ኣየምጽአን ብዝብል ክትዓት እናተኻየደሉ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ዓለምለኻውያን ጠበቓታት ድማ ኣብ መጋብኣያታት ሽወደንን ካልኦት ኣብያተ-ፍርድን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክሲ ንምምስራት ዝገበርዎ ፈተነታት ኣይዓረፈን።

ከም ኮሚቴ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት (CPJ) ከምኡ'ውን ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ (RSF) ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ናጽነት ፕረስ ድማ ንኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዓለም፡ "ብማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ካብ ዝኸፍኣ ሃገራት ሓንቲ" ብምባል ኣብ መሐበሪ ናጽነት ፕረስ ዓለም ኣብቲ ዝተሓተ ደረጃ እናመደቡ ክነቕፉ ጸኒሖም እዮም።

ሪፖርተራት ብዘይ ዶብ ብተደጋጋሚ ከም ዘስመረሉ፡ እዞም ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት፡ ኣብ ዓለም ብዘይ ፍርዲ ንዝነውሐ እዋን ዝተኣስሩ ናይ ፕረስ ሰባት እዮም።

ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየ፡ እቲ ደብዳበ ካብ ምላሽ መንግስቲ ንላዕሊ ዝዓበየ ዕላማ ከም ዘለዎ ብምሕባር፡ "ካብቲ ዝሓለፈ እዚ ደብዳበ ዝውስኾ ዕላማታት ኣለዎ። ንርብዒ ዘመን ዝተጨውዩ ፍትሒ ዝጽበዩ ጸሓፍቲ ምህላዎም ምስክርነት ዝተዋህበሉ ደብዳበ እዩ፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ኣንጻር እቲ ንምርሳዖም ዝግበር ውዱብ ተግባራት ዝቐንዐ ወፍሪ ምዝካር እዩ። እቲ ደብዳበ 'ትብጻሕ ናብ ፕረሲደንት' ተባሂሉ ደኣ ይጠቐስ እምበር፡ ተቐባሊ እቲ መልእኽትስ ኵሉ ብፍትሒ፡ ብናጽነትን ብሰላምን ክንበር ናይ ዝደሊ ወድ-ሰብ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ዘይተመለሱ ሕቶታት፡ ድሕሪ 2001 ዝተኸስተ ሃጓፍን መደምደምታን

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ካብቶም ጋዜጠኛታት ገሊኦም ኣብቲ ከቢድ ቍጽጽር ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ዒላዒሮ (ዒራዒሮ) ሃለዋቶም ከም ዘይተፈልጠ (ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአ) ብዝተፈላለዩ ምንጭታትን ናይ ቀደም ሓለውቲ ቤት ማእሰርትን ወረታት ክናፈስ ጸኒሑ እዩ።

ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ ዘለውዎ ቦታ ይዅን ኵነታት ጥዕናኦም ዝተዋህበ ዝዀነ ወግዓዊ መብርሂ የሎን።

ድሕሪ ምዕጻው ናጻ ፕረስ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ፈጺሙ ተዓጽዩ ዝተረፈ ኰይኑ፡ እቲ ሃጓፍ ኣብ ስደት ብዝቘሙ መደበራት ራድዮ (ከም ብዓል ራድዮ ኤረና፡ ተለቪዥን ኣሰና፡ ኤሪሳትን ኤሪፒኤምን ዝኣመሰላ)፡ ክምላእ ጻዕርታት ክግበር ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ እቶም ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ውልቀሰባት፡ "ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘውደቑን ልዑላውነት ሃገር ዝተጻብኡን፡" ብምባል እምበር ብሰንኪ ጋዜጠኝነት ከም ዘይተኣስሩ ክገልጽ ጸኒሑ'ሎ።

ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር፡ ኣህጉራውያን ትካላት ሰብኣዊ መሰላትን መንግስታት ምዕራብን ዝህብዎ መግለጺታት ድማ' "ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ኢድ ኣእታውነት፡" ክብሉ ብተደጋጋሚ ይነጽግዎ።

ይዅን'ምበር፡ ተሸለምቲ ስልማት ኖበል ኦልጋ ቶካርቹክን ጄ. ኤም. ኩትዚን፡ ፕረዚደንት ፔን ኢንተርናሽናል ቡርሃን ሶንመዝ፡ ተሸለምቲ ስልማት ቡከር ቤን ኦክሪን ያን ማርተልን፡ ደራሲ ዳኒኤል ሰመረ ተስፋይ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃን ካልኦት ኤርትራውያንን ከምኡ'ውን ካብ ኣመሪካ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ዩክረይንን ካልኦት ሃገራትን ዝተዋጽኡ 188 ደረስቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ እቲ ንርብዒ ዘመን ዝተኻየደ ናይ ፍትሒ ቃልሲ ገና ከም ዘየብቅዐ ዘርኢ እዩ።

እቶም ጸሓፍቲ፡ ምስቶም ዝተሰወሩ መሳርሕቶም ዘለዎም ሓድነት ብምግላጽ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም ክሳብ ዝርእዩ ጻዕሮም ከም ዘየቋርጹ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ነዚ ሓድሽ ክፉት ደብዳበ ዝምልከት ብወገን ኣስመራ ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ምላሽ የሎን።