እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥምረት ምምስራቶም ብዛዕባ ዘፍለጡ ዕጡቓት ጕጅለታት እንታይ ንፈልጥ?
ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተሰምየ ሓድሽ ጥምረት ከም ዝቘመ ብዕሊ ተኣዊጁ እዩ።
ብመሰረት ኣቦ-መንበር እቲ ጥምረት ኰይኑ ዝቐረበ መራሒ ፋኖ ኣምሓራ ዘመነ ካሴን ኣባላት ውድባትን ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ኪዳን ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብምእላይ፡ "ብመሰጋገሪ ቻርተር ዝምራሕ ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምቛም ዕላማ ከም ዝዓጠቐ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብቲ ዕላዊ መግለጺ ከም ዝተመልከተ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ "ምትሕብባር ንህልውና" ዝተሰምየ ጥምረት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ብረት ኣልዒሎም ዝንቀሳቐሱ ሸውዓተ ዕጡቓት ጕጅለታት ተጠርኒፎም ኣለዉ።
እቶም ኣባላት፤ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ ግንባር ሃገራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፡ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ እዮም።
እዞም ኣብ ሓደ ጽላል ከም ዝተኣኻኸቡ ዝተገልጹ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ኣቐዲሞም ብቕራነ ዝረኣኣዩ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ነቲ ዝጸንሐ ዘይምርድዳኦምን ምስሕሓቦምን ብኸመይ ፈቲሖም ናብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ግን ዝተነጸረ ነገር የሎን።
ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋር፡ ኦሮምያ፡ ሶማሊን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ዝመሰረቶም እዞም ጕጅለታት፡ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኦምን ናብዚ ጥምረት ዘምርሕሉ መንገዲን እንታይ ይመስል?
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን ታሪኽ ካብ ዘለዎም ፍሉጣት ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓደ እዩ። እቲ ውድብ ንወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ብምቅዋም ናብ በረኻ ደደቢት ብዝወረዱ ሸውዓተ ኣባላት ከም ዝተመስረተ ይንገር።
ህወሓት ን17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ብሄር ዝተመስረቱ ውድባት ግንባር ብምፍጣር፡ ኣብ 1991 (1983 ግእዝ) ንደርግ ካብ ስልጣን ኣልዩ ሃገራዊ ስልጣን ተቘጻጺሩ።
ካብቲ እዋን'ቲ ንደሓር ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሕመረት ናይቶም ኣርባዕተ ውድባት ዝሓቘፈ ኢህወደግ ብምዃን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ክጻወት ጸኒሑ እዩ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ዝነበሮ ዓብላሊ ተራ ግን፡ ኣብ 2018 (2010 ግእዝ) ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ብዝተኸስተ ለውጢ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኣብቅዐ። በዚ ድማ ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ዝነበሮ ላዕለዋይ ደረጃ ስኢኑ።
ግደ ህወሓት እናደኸመ ምስ ከደ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ እቲ ውድብን ቀዳማይ ምኒስተርን ዝነበረ ምስሕሓብ እናበኣሰ ብምኻድ ናብ ምትፍናን ኣምርሐ። ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ህወሓትን ፈደራላዊ መንግስትን ኣብ ትግራይ ደማዊ ኲናት ተወልዐ።
ነዚ ስዒቡ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት ብግብረ-ሽበራ በዪኑ ዘይሕጋዊ ውድብ ገይሩ ሰየሞ።
ነቲ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ እቲ ናይ ግብረ-ሽበራ ፍርዲ እኳ እንተ ተላዕለሉ፡ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ግን ኣካታዒ ኰይኑ ቀጺሉ። ህወሓት ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዳግማይ ንኽምዝገብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብምንጻጉ ሕጋዊ ኣፍልጦኡ ስኢኑ ይርከብ።
እቲ ውድብ ሕጋዊ ኣፍልጦ እኳ እንተ ዘይብሉ፡ እቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ ዝቘመ ግዜያዊ ምምሕዳር ብላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝምራሕ ኰይኑ ጸኒሑ ነይሩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ህወሓት ነቲ ብፈደራል ዝተጣየሸ ግዜያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ስልጣን እቲ ክልል ተቘጻጺርዎ።
እዚ ስጕምቲ ድማ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ንኣዋርሕ ናብ ዝቐጸለ ምትፍናን ኣእትይዎ ይርከብ።
ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ህወሓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ነቲ ንፈደራላዊ መንግስቲ ዝቈጻጸር ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና ንምእላይ ተዳልዩ ምህላዉ ክገልጽ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ነዚ ዕላማኡ ንምዕዋት ምስ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ጥምረት ከም ዝፈጠረ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)
ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጕጅለ ዝዀነ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) ተገንጺሉ ዝወጽአ እዩ። ኦነግ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ብሄር ተመስሪቶም ዝተወደቡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ ሓደ ኰይኑ፡ ፈዋናይ ውድብ ኣብ ፖለቲካ ኦሮሞ ምዃኑ ይግለጽ።
ዕጡቕ ምንቅስቓስ ኦነግ ኣብ ዘመነ ደርግ ዝጀመረ ኰይኑ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ዝወድቀሉ ዝነበረ እዋን ምስ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)ን ምስ ህወሓትን ግንባር ብምፍጣር፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራትን ነቲ ሕጂ ዘሎ ቅዋም እታ ሃገር ኣብ ምንዳፍን ዓቢ ተራ ነይርዎ።
ይዅን'ምበር፡ ደርግ ድሕሪ ምውዳቑ እቲ ናይ መጀመርታ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን ምስ ህወሓት ናብ ንሕንሕን ምስሕሓብን ኣተወ። በዚ ድማ ዕጡቓቱ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወዓሉ፣ መራሕቱ ድማ ካብታ ሃገር ተሰዲዶም መንበሪኦም ኣስመራ ብምግባር ብረታዊ ምንቅስቓሶም ቀጸሉ።
ኣብ ስደትን ብረታዊ ቃልስን ዝጸንሐ ኦነግ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነቱ ብዝተኸስተ ተደጋጋሚ ዘይምርድዳእ ብምግምማዑ ካልኦት ውድባት እውን ተመስሪቶም እዮም። ብዳዉድ ኢብሳ ዝምራሕ ኦነግ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ መሪሕነቱን ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ዕጡቓቱን ናብ ሃገር ሳጊሙ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣካላት እቲ ግንባር ብዝተኸስተ ዘይምርድዳእ፡ እቲ ሓደ ክንፊ፡ መንግስቲ 'ሸኔ' ዝብሎ 'ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ' ብዝብል ስም ተፈልዩ ዕጡቕ ምንቅስቓስ ጀመረ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ እውን፡ እዚ ብመሮ ድሪባ ዝምራሕ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ) ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ንምውዳቕ ምስ ህወሓት ብዙሕ ዘይጸንሐ ጥምረት መስሪቱ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ጕጅለ ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከባቢ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ብግብረ-ሽበራ ተፈሪጁ ይርከብ።
ብሳጓ ጃል መሮ ዝፍለጥ መሮ ድሪባ ዝመርሖ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ኣብቲ ናይ ኣምሓራን ኦሮምያን ዘዳውብ ከባቢታት ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ብምግባር፡ ጭውያ ብምፍጻምን ንሰበ-ስልጣን ብምቕታልን ይኽሰስ።
ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ግን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዝቐርበሉ ክስታት ብተደጋጋሚ ከነጽጎ ጸኒሑ እዩ።
ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)
ፋኖ ብቛንቋ ኣምሓርኛ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተገዲዶም ቃልሲ ንዘካይዱ መንእሰያት ዝወሃብ ስያመ እዩ። እዚ ስም እዚ ካብ 1930ታት ኣትሒዙ ነቶም ወረርቲ ጥልያን ንምምካት ፍቓደኛታት ተዋጋእቲ ሰራዊት ሃጸይ ሃይለስላሰ ምስ ተጸንበሩ ብዝያዳ ዝገነነ እዩ።
ነቲ ብኢህወደግ ዝምራሕ ዝነበረ ፈደራላዊ መንግስቲ ዘዳኸመ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ ዝተጐሃሃረሉ እዋን ክቕልቀል ዝጀመረ ምንቅስቓስ ፋኖ፡ ምምሕዳር ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ተጠናኺሩ ቀጸለ።
ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምስ ለሓመ፡ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ንምዕጋት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ መንእሰያት ብምምሕዳር እቲ ክልል እውን ከይተረፈ እናተወደቡ ተዋጊኦም እዮም።
ብልክዕ ኣየኖት ጕጅለታት ፋኖ ምዃኖም ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ሓይልታት ፈደራልን ክልልን ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ሓይልታት ፋኖ ኣብኡ ከም ዝነበሩን በደላት ከም ዝፈጸሙን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጸን ነይረን።
እቲ ሕጂ ዘሎ ምንቅስቓስ ፋኖ ናብ ጫካ ዘምርሓሉ ቀንዲ ምኽንያት ግን፡ ኲናት ትግራይ ምስ ኣብቅዐ መንግስቲ ፈደራል ፍሉያት ሓይልታት ክልል ኣጽዋሮም ኣውሪዶም ኣብ ካልኦት ናይ ጸጥታ መዋቕራት ንኽጽንበሩ ስጕምቲ ኣብ ዝወሰደሉ እዋን እዩ።
ኣብቲ ናይ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ምስ መንግስቲ ፈደራል ብምስላፍ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ ምውጋኡ፡ መንግስቲ ዕጥቁ ንምፍታሕ ምውሳኑ፡ "ከም ክድዓትን ንመጥቃዕቲ ከም ዘቃልዖምን" ብምግላጽ ነቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ተቓወመ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝነበሩን ኣጽዋሮም ከውርዱ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ዝነጸጉን ሓያሎ ኣባላት፡ ምስ ብረቶም ነቲ ምንቅስቓስ ፋኖ ከም ዝተጸንበሩ ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣምሓራ ፋኖ ጎጃም፡ ወሎ፡ ጎንደርን ሸዋን ብዝብል ብተናጸል ክንቀሳቐሱ ዝጸንሑ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን) ብዝብል ሓደ ውድብ ከም ዘቘሙ ኣፍሊጦም ነይሮም።
እቲ ምንቅስቓስ ሓደ ዝተወሃሃደ ኣሰራርዓን ኣመራርሓን እኳ እንተ ዘይነበሮ፡ ነዞም ኵሎም ጕጅለታት ናብ ሓደ ጽላል ኣምጺእዎ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ዝመርሕ ዘሎ ድማ እቲ ሕጂ ኣቦ-መንበር እቲ ሓድሽ ጥምረት ኰይኑ ዘሎ ዘመነ ካሴ እዩ።
ግንባር ሃገራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)
ግንባር ሃገራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዘካየደ እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ቃልሲ ካብ ዘካይዱ ዝነበሩ ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ ኦብነግ፡ ብ1984 እዩ ተመስሪቱ።
እቲ ዕጡቕ ውድብ፡ ህዝቢ ኦጋዴን ኢሉ ንዝጽውዖ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ዝርከብ ህዝቢ ሶማሊ መሰል ርእሰ-ውሳነኡ ንምኽባር ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያት ክቃለስ ጸኒሑ።
ቀደም ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ግብረ-ሸበራዊ ተባሂሉ ተፈሪጁ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ግን እቲ ናይ ግብረ-ሽበራ ፍርዲ ተላዒልሉ።
ኦብነግ ዕጥቃዊ ምንቅስቓሱ ሓዲጉ ናብ ሃገር ተመሊሱ ኣብ ሰላማዊ ፖለቲካ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሶማሊ ደሞክራስያዊ ሊግ ብምውህሃድ፡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ህዝቢ ሶማሊ መስሪቶም ነይሮም።
እንተዀነ፡ ኣብቲ ሰልፊ ምፍንጫል ተፈጢሩ ገሊኡ ክፋል ኣብ ውሽጢ ሃገር ክተርፍ ከሎ፡ እቲ ካልእ ወገን ድማ ናብ ስደት ተመሊሱ ተቓውሞኡ ቀጺሉ።
ሕጂ መንግስቲ ንምውዳቕ ጥምረት ፈጢሮም ካብ ዝተባህሉ ጕጅለታት ሓደ ዝዀነ ክንፊ ድማ ነቲ ግንባር ብኣቦ-መንበርነት ዝመርሖ ዘሎ ዓብዲራሕማን ማህዲ እዩ።
ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)
ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር "ኡጉጉሞ" ብዝብል እዩ ዝፍለጥ። ኡጉጉሞ ብቛንቋ ዓፋር 'ሰውራ' ማለት እዩ።
እቲ ግንባር፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ባህላውን መሰላት ህዝቢ ዓፋር ንምኽባር ዝቘመ ናይ ፖለቲካን ብረታዊ ቃልስን ዘካይድ ጕጅለ ምዃኑ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ዓፋር፡ ተጠቃምነት ሃብቲ እቲ ክልልን ፖለቲካዊ ውክልናኡን ንኽጠናኸር ከም ዝቃለስ ብምግላጽ፡ ኣብ ፖለቲካ ዓፋር ከም ተቓዋሚ ሓይሊ ኰይኑ ይፍለጥ።
እዚ ግንባር ብሓጅ ኢብራሂም ዑስማን ዝምራሕ እዩ።
ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ቤኒሻንጉልን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን
ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል፡ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝንቀሳቐስን ብቐንዱ ተወለድቲ ብሄረሰብ በርታ መሰረት ዝገበረን ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።
እቲ ጕጅለ፡ መሰል ተወለድቲ እቲ ክልል ንክኽበርን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ንኽረጋገጽን ከም ዝቃለስ ይገልጽ። እቲ ክልል ካብ ውድቀት ምምሕዳር ደርግ ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ብረታዊ ቃልስን ፖለቲካዊ ምስሕሓብን ዝጸንሐ እዩ።
እቲ ውድብ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ምስቲ ክልልን ፈደራላዊ መንግስትን ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሙ ነይሩ።
ይዅን'ምበር፡ ኣብቲ ክልል ብተደጋጋሚ ብዝፍጸሙ መጥቃዕትታትን ቅትለታትን ክኽሰስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ መንግስቲ ንምውዳቕ ጥምረት ናብ ዝፈጠሩ ካልኦት ዕጡቓት ጕጅለታት ተጸንቢሩ ኣሎ።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐስ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝ (ጉህዴን) እውን ኣብ መንጎ'ቶም ነቲ ጥምረት ዝተጸንበሩ ዕጡቓት ጕጅለታት ይርከብ።
እዚ ድማ ካብቶም ኣብቲ ጥምረት ተኻቲቶም ዘለዉ ሸውዓተ ጕጅለታት፡ እቶም ክልተ ካብ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝመጽኡ እዮም።