ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴ ኣብ ኬንያ ህንጸት መጻረዪ ነዳዲ ኣጀሚሩ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ናይጀርያዊ ቢልዮነር ኣሊኮ ዳንጎቴን ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን መሰረት መጻረዪ ነዳዲ ኣንቢሮም።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ላሙ ዝህነጽ መጻረዪ 16 ቢልዮን ዶላር ዝግመት እዩ።

ኣብ መዓልቲ 700 ሽሕ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ክፍሪ ድማ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኢንዱስትርያዊ ፕሮጀክት ክኸውን እዩ።

እንተዀነ እቲ ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ። ነቲ ንመጻረዪ ነዳዲ ዝውዕል መሬት ኣመልኪቱ ዝያዳ ካሕሳ ክወሃቦም እዩ ሕቶኦም።

ዳንጎቴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ተቓውሞ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ነጋዶን ዓለምለኻውያን ተጻወትቲን ዝቃነ እዩ ብምባል ነጺግዎ። እቲ መጻረዪ በቲ ዝተተሓዘሉ መደብ ክሳብ 2030 ድሉው ክኸውን ምዃኑን እውን ኣመልኪቱ።

ኣብ ምጅማር እቲ ህንጸት መራሕቲ ሃገራት ዩጋንዳ፡ ቶጎን ቤኒን ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተረኺቦም ነይሮም።

ዳንጎተ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ መንግስታት ኣብቲ መጻረዪ ነዳዲ ብድምር 30 ሚእታዊት ብጽሒት ክህልወን ከምዝዓደመ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

"እዚ ንኣፍሪቃ ንምህናጽ ዝግበር ኣፍሪቃዊ ምትእኽኻብ እዩ። ሎሚ መጻረዪ ጥራይ ኣይኰናን መሰረት ነንብር ዘለና፡ ኣብ ኢንዱስትርያዊ ጉዕዞ ኣፍሪቃ፡ ብሩህ መጻኢ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስራሕ ኢና መሰረት ነንብር ዘለና" ክብል ዳንጎቴ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ገሊጹ።

"ለኪ [ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ መጻረዪኡ] ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመስኪሩ'ዩ፡ ላሙ'ውን ብተመሳሳሊ ክተመስክር ኣለዋ።"

ዳንጎቴ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ናይ ካሕሳ ጠለባት ብምሙጓት፡ ኩባንያኡ ካብቲ መንግስቲ ዘቕረቦ መሬት፡ እቲ ዘድልዮ ክፋል ጥራይ ከምዝወሰደ ገሊጹ።

"ገለ ሰባት ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ ትብል? ብዛዕባ እንታይ እዮም ሰልፊ ዝገብሩ? ሰባት ብመንጽር ልምዓት ኣንጻር ገዛእ ርእሶም ሰልፊ ክገብሩ ርኢኻ ትፈልጥ ዲኻ?" ብምባል በቲ ተቓውሞታት ከምዘይተደናገጸ ኣመልኪቱ።

ሓባራዊ መስረቲ ጉጅለ ጎስጓስ 'ሴቭ ላሙ' ዝዀነ ዋሊድ ዓሊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ከስዕቦ ዝኽእል ጽልዋ ከባብያዊ ስክፍታ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

"እንታይ ዓይነት ናይ ምምካት ስጉምትታት ይቐርቡ ከምዘለዉ ንምርኣይ፡ ካብ ገምጋም ጽልዋ ከባቢ ዝተረኽበ ውጽኢት ንሓትት ኣለና" ይብል።

"እዚ ስክፍታታት ከባቢ ዕሽሽ ክበሃል ዝረኣናሉ ናይ መጀመርታ ፕሮጀክት ኣይኰነን" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ እቲ ህንጸቱ፡ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ን60 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥርን፡ እቲ ረብሓታት ድማ ኪኖ እቶም ብቐጥታ በቲ ፕሮጀክት ዝቖጽሩ ሰባት ከም ዝዝርጋሕን ገሊጹ።

"ሮቦት ዲና ደኣ ክነምጽእ? ብርግጽ ህዝቢ ክርባሕ'ዩ" ኢሉ።

ነቐፍቲ፡ ኣብታ ነዳዲ ዘይተፍሪ ኬንያ፡ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ንምህናጽ ዝተወስደ ውሳነ ኣብ ሕቶ የእትዉ። ካልኦት ድማ ብመንገዲ ሻምብቆ ዘይተጻረየ ነዳዲ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ሰደድ ነዳዲ ዝሰጋገራ ኣብ ዘለዋ ታንዛንያ ወይ ዩጋንዳ ክህነጽ ሓሳብ የቕርቡ ኣለዉ።

ሚኒስተር ጸዓትን ነዳድን ኬንያ ኦፒዮ ዋንዳይ ግን፡ እቲ መጻረዪ ነዳዲ ዝርከበሉ ቦታ፡ ካብቲ ዞባ ኣብ ዝመጽእ ነዳዲ ክምርኮስ ማለት ከምዘይኮነ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"መጻረዪ ነዳዲ ካብ ዕዳጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ይረኽባ። እቲ ዕዳጋ ድማ ክፉት እዩ" ይብል።

ዳንጎተ እውን ንሲንጋፖር ከም ኣብነት ብምጥቃስ ተመሳሳሊ ነጥቢ የልዕል።

"ሲንጋፖር ሓንቲ ንጣብ ነዳዲ ኣይትፈሪን እያ፡ ምስዚ ኩሉ ግን ብዙሕ መጻረዪ ነዳዲ ኣለዋ" ይብል ዳንጎተ።

እቲ ፕሮጀክት መጻረዪ ነዳዲ ላሙ፡ ድሕሪ ናጽነት ኬንያ ዝተረኣየ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት እዩ።

እቲ መፃረዪ መፃረዪ 1000 ሜጋዋት ዝዓይነቱ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እውን ዘጠቓልል እዩ።

ኣብ ኬንያ ነዳዲ ብተዛማዲ ልዑል ዋጋ ኣለዎ፤ ስለዚ እቲ ፕሮጀክት ዋጋታት ንክንከይ ከምዝኽእል ትጽቢት ይገብር።