ኣመሪካ፡ ብሰንኪ ደቀን ኣብ መሪር ሓዘን ዝኣተዋ ሶማልያውያን ኣደታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ጓል 57 ዓመት - መርየም፡ ኣብ ሳሎን ናይቲ ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝርከብ ገዛኣ ኮፍ ኢላ ፡ ስም ወዳ ዝሓዙ ሰነዳት ተገላብጥ።

ነቶም ኣብቲ ምድሪቤት ተዘርጊሖም ዘለዉ ሰነዳት ጨኪና ክትድርብዮም ከም ዘይከኣለት እያ ትዛረብ።

እዚኦም መዛግብቲ ግብሪ ወዳ፡ ጸብጻብ መርመራ ሬሳን ካልእ ሕጋዊ ሰነዳት ይርከቡዎም።

እታ ሶማልያዊት ኣደ፡ ድሕሪ ዳርጋ 8 ዓመት ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓዘን ጥሂላ ኣላ፤ ነቲ ኣብ 2019 ዝሓለፈ - ወዲ 21 ዓመት በዅሪ ውላዳ ትዝክር።

ቅድሚ ልዕሊ 30 ዓመታት ካብ ኲናት ሓድሕድ ሶማልያ ዝሃደመት መርየም ስዒድ፡ ካብ ኲናት ሃዲማ ኣብ ኣመሪካ እንተ ኣተወት'ውን፡ ኣብኡ ካልእ ሓዘን ተፀብዩዋ።

"ሰላም ደልየ እየ ናብ ኣመሪካ መጺአ፡ ሰላም ረኺበ ግን ኣይፈልጥን" ትብል።

ብመሰረት ክፍሊ ጥዕና ሚነሶታ፡ ኣብ 2024 ጥራይ፡ 678 ሰባት ብሰንኪ ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ኦፒዮይድ ሞይቶም፡ እዚ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዋህበ መረዳእታ እዩ።

ዋላ'ኳ ካብቲ ኣብ 2022 ካብቲ ልዕሊ 1000 ዝነበረ መጠን ሞት፡ ኣዝዩ እንተወረደ፡ ሰበስልጣን ጥዕና ግን እቲ ቅልውላው ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ንዝርከቡ ስድራቤታት ይጸልዎም ከም ዘሎ ይገልጹ።

ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚነሶታ ዝርከብ ማሕበረሰብ ሶማላውያን ድማ ካብቶም ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ሰባት እዮም።

ንገለ ሰባት እዚ መጠን ስታቲስቲክስ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ንመርየም ግን ኣብ ህይወታ ትርጕም ኣለዎ።

ድሕሪ ሞት ዝተገብረ መርመራ ኣስከሬን፡ ሞት ወዳ ብሰንኪ ፈንታኒል ምስ ዝተባህለ መድሃኒት ምትእስሳር ከም ዘለዎ ደምዲሙ። ፈንታሊን ብሕክምና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክትትል እዩ ዝወሃብ።

ፈንታኒል፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ ቅልውላው ልዕሊ ዓቐን መድሃኒት ዝፈጥር ዘሎ እዩ።

"ወደይ ምስ ሞተ፡ መርመራ ሬሳ ክገብር ወሲነ። ኣብቲ ጥቓይ ዝነበሩ ሰባት ከይገብሮ ነጊሮምኒ ነይሮም፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግን ክፈልጥ ነይሩኒ።"

መርየም፡ እቲ ተጓንፎ፡ ንዓመታት ክትሃድሞ ዝፈተነት፡ ተዘክሮታት መሊሱ ናብ ኣእምሮኣ ቅጅል ከም ዝበለ ትዛረብ።

"ኣብ ሃገረይ ኲናት ሕድሕድ ክጅምር ከሎ ንእሽቶ እየ ነይረ፤ ዝፈትዎም ሰባት ኣብ ቅድመይ ተቐቲሎም።"

ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወት፡ ኣብ ህይወታ ውሕስናን ምርግጋእን ክትረክብ ተስፋ ገይራ ነይራ፤ የግዳስ ካልእ ዓይነት ሓዘን ከም ዝረኸበት ትዛረብ።

"ሞት ኣዝዩ መሪር እዩ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ምስኡ እየ ዝነብር፤ ምስ ብዙሕ ቃንዛ እየ ዝነብር።"

መራሕቲ ማሕበረሰብ፡ ጽልዋ ፈንታኒል ኣብ መላእ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ሚነሶታ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ።

ስደተኛታት ስድራቤታት ምስ ወልፊ ኣብ ዝገጥሙሉ እዋን ፍሉይ ብድሆታት ከጋጥሞም ከም ዝኽእል ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣብ ሄነፒን ካውንቲ: ዋና ስትራተጂስት ምላሽ ኦፒዮይድ: ጁሊ ባውች፡ ብዙሓት ህጻናት ስደተኛታት ዝተፈላለየ ባህልን ትጽቢታትን ተሰኪሞም ከም ዝዓብዩ ትዛረብ።

"እዞም ኣብ ኣመሪካ ዝውለዱ ዕሸላት ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛ ርእሶም ተመኩሮ ኣይነበሮምን፡" ትብል።

"ኣብዚ ግን፡ ብኣዝዮም ተረርቲ ሶማላውያን ወለዲ እዮም ዝዓብዩ ዘለዉ፡ እንተዀነ ብባህሊ ኣመሪካ'ዉን ዝተኸበቡ እዮም። ንሓሽሽ፣ ኣልኮላዊ መስተን ሙዚቃን፣ ክዳውንቲ፡ ነዚ ኩሉ ወለዶም ፈጺሞም ዘይፈልጥዎ ነገራት ይቃልዑ።"

ባውች፡ እቶም ፍልልያት ሓደ ሓደ ግዜ ወለድን ቆልዑን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ንጥረ ነገራትን ምስኡ ዝተኣሳሰር ሓደጋታትን ብግልጺ ንኽረዳድኡ ከጸግሞም ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ባውች ዝዘርዘረቶም ብድሆታት፡ ኣብ ኻልእ ኣደ ሚኒያፖሊስ- ደካ እውን ዘጋጠመ 'ዩ።

ደካ፡ ንዓመታት ወዳ ከይትስእን ትፈርሕ ነይራ። መንእሰይ ከሎ ኣብ ሓሽሽን ኣብ ጎደናታት ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ዓመፃዊ ተግባራትን ተጸሚዱ ነይሩ።

"ሓደ ሓደ ግዜ ብሽጉጥ እናተሃድነ ናብ ገዝኡ ይመጽእ ነይሩ" ትብል።

"ኩሉ መጋረጃታት ክዓጽዎ፡ መብራህቲ ከጥፍእን ንኹሎም ቆልዑ ኣብ መሬት ክድቅሱን ይሓተኒ። እንታይ ይኸውን ከም ዘሎን መን የጥቀዐና ከም ዘሎን ኣይንፈልጥን ኢና።"

ካልእ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው፡ መዓስ ከም ዝፍጠር ፈጺማ ከም ዘይትፈልጥ፡ ብቐጻሊ ኣብ ጭንቀት ከም እትነብር ትዝክር።

"ሓደ እዋን ናብኡ ገፅ ጥይት ተተኲሱ፡ ሓደ ጋሻ ድማ ኣብ ኢዱ ዝተሃረመሉ እዋን ነይሩ" ትብል።

ዘይከም ወዲ መርየም ግና፡ ወዲ ደካ ብህይወት ተሪፉ ኣሎ። ሓደ ካብቲ ነጥብታት መቐይሮ፡ ድሕሪ ሞት ናይቲ ወዲ ማርያም- ሳመታር [ናይ ቀረባ ዓርኩ ዝነበረ] ከም ዝዀነ ትዛረብ።

እቲ ፍፃመ፡ ነቲ ክውንነት ወልፍን ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ህይወት ዝኸዶ ዝነበረ ኣንፈትን ክርኢ ተገዲዱ።

ሎሚ ምስ ተመሳሳሊ ብድሆታት ዘጋጥሞም መንእሰያት ብሓባር ይሰርሕ፡ ካብቲ "ዳርጋ ህይወተይ ኣስኢኑኒ ነይሩ፡ ኢሉ ዝኣመኖ ጌጋታት ክቑጠቡ የተባብዖም።

ንደካ፡ ምሕዋዩ ኣብ ገዝኡ እውን ለውጢ የድልዮ ነይሩ።

"ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ብዛዕባ ነብሰይ ብዙሕ ክቕይር ወሲነ" ትብል።

"እዞም ደቂ ሎሚ ይፈታተኑኻ እዮም። ፈፂምና ኣይንረዳዳእን ኢና።"

ኣብ ሶማልያ ዝዓበየትሉ ኣገባብ ጥራይ ኣብ ክንዲ እትምርኮስ፡ ምስ ወዳ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምዝርራብ ከምዝተማህረት ትዛረብ።

ንደካ፡ ወዳ ብህይወት ከም ዝደሓነን ሓድሽ ተስፋ ከም ዝረኸበን ምፍላጣ ዕረፍቲ ይህባ።

እቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ፀሓይ ብርሃን ድግስ ምስ ኣበለ፡ ማርያም ነቲ ሰነዳት ብጥንቃቐ ኣኪባ ናብ ማህደር መሊሳቶ።

እቲ፡ ጸብጻብ- ኣስከሬን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ማህደር ይቕመጥ፤ እዚ ጸብጻብ እዚ ነቲ ዘሕምም ፍፃመ ብቐፃሊ ዘዘኻኽራ እዩ።

መርየም ተዘክሮታት፡ ዘይተመለሰ ሕቶታትን ምሕባስ ዝኣበየ ሓዘንን ኣብ ኣእምሮኣ ይመለላለስ ኣሎ።

ጉዕዞኣ ኣብ ሶማልያ ካብ ኲናት ሕድሕድ ብምህዳም እዩ ዝጅምር።

ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት፡ እታ ጓል 57 ዓመት ወላዲት፡ ኣብ ኣመሪካ ካልእ ዝተፈለየ ብድሆ ክትገጥም እያ ተገዲዳ።

እዚ ድማ ጥይት ወይ ግጭት ዘይኰነስ፡ ስድራቤታት ዝሰበረን ኣብ መላእ ሚኒያፖሊስ ኣብ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ነባሪ በሰላ ዝገደፈን- ወልፊ መድሃኒት እዩ።

እቲ ክትደልዮ ዝመጸት ሰላም ዘይጭበጥ ኰይኑዋ ኣሎ።