ኣስመራ፡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ንዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ዝሃቦ መብርሂ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ንኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ክከታተል ዝመዘዞ ፍሉይ ወኪል ደው ከብሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተማሕጺኑ።

ዑስማን ሳልሕ ብረቡዕ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ መዝነት ንምስሊ ኤርትራ ኣብ ምድዋን "ከቢድ ጉድኣት" ከምዘውረደ ተዛሪቡ።

"እዚ ዝቕጽል ዘሎ ጐስጓስ፡ ኣብ ወግዓዊ መጋባእያታት ሕቡራት ሃገራት ዝንቡዕን ዘይሚዛናዊን ትረኻ ብምፍጣር፡ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ኵነታትና ዘንጸላለወ ዘይቅኑዕ ዓለማዊ ርድኢት ብምስናዕን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ'ዩ" ከም ዝበለ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝወጸ መግለጺ እቲ ምኒስተር ይጠቅስ።

ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሕብረት ኤውሮጳን ንዘሎ ዝምድና ክሓላልኾ ከምዝጸንሐ'ውን እቲ ምኒስተር ገሊጹ።

"ነቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ሕብረት ኤውሮጳን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝጸንሐ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ዝምድና ቀጻሊ ዕንቅፋት ኰይኑ ይርከብ።

"ብዛዕባ ፍሉይ ወኪል ክልተኣዊ ጽምዶ ምቕጻል ሃናጺ ረብሓ የብሉን፣ ዘለና ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ወይ ድሩት ትካላዊ ግዜ'ውን ኣብኡ ከነጥፍኦ ኣይኰንናን" ይብል እቲ ኤርትራዊ ብዓልስልጣን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጸብጻቡ ንቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበ ፍሉይ ወኪል መሓመድ ዓብዲሰላም ባቢከር፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ግዱድ ምስዋርን ሕማቕ ኣተሓሕዛ እሱራትን ዝርከብዎ ከበድቲ ግህሰት መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ሰብመዚ ኤርትራ ግን ንዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት "ፖለቲካዊ ድርኺት" ዘለዎ'ዩ ብምባል'ዮም ዝነጽግዎ።

ኣብቲ መስርሕ ዝጠፍአ ዝበሎ ልዕሊ 8 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ (ልዕሊ 120 ሚልዮን ናቕፋ) ኣብ ትሕቲ እቲ "ርእስኻ-ምኽኣል ዝብል ሞደል ኤርትራ" ንልዕሊ 100,000 ዜጋታት ዘገልግል ብጸሓይ (ሶላር) ዝሰርሕ ትሕተ-ቅርጺ ማይ ክህነጽ ከም ዝኽእል ኣዘኻኺሩ።

መግንስቲ ኤርትራ ምስተን ንመዝነት እቲ ፍሉይ ወኪል ዝድግፉ ወገናት ዝግብሮ ምይይጥ "ብቐዋምነት ዝተዓጸወ" ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።

ንኤርትራ ዝከታተል ፍሉይ ወኪል መዓስ ተመዚዙ?

ፍሉያት ወኪላት (ስፐሻል ራፕቶር) ሰባዊ መሰላት ንሓደ ዓመት ከገልግሉ ብቤትምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጀነቫ ዝምዘዙ እዮም።

ኣብ 2012 ተሓለቕቲ መሰላት ብዘካየድዎ ጐስጓስን ብመሪሕነት ጅቡቲ፡ ሶማልያን ናይጀርያን ንሰባዊ መሰላት ኤርትራ ዝከታተል ቦታ ፍልይቲ ወኪል ንፈለማ እዋን ተፈጢሩ።

ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን'ውን ነቲ በተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝቐረበ እማመ ምሉእ ደገፍ ሂበንኦ ነይረን እየን።

በዚ መሰረት ማውሪሽያዊት ሸይላ ቢ ኪታሩት ፈላሚት ፍልይቲ ወኪል ብምዃን ንኵነታት ኤርትራ ክትከታተል በቲ ቤትምኽሪ መዝነት ተዋሂቡዋ።

ኣብ ግንቦት 2013 ኣብ ዘቕረበቶ ፈላሚ ጸብጻባ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ምርሻንን ምስቓይን ዝርከቦ ሰፊሕ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይካየድ ከም ዝነበረ ኣቃሊዓ።

ሰብመዚ ኤርትራ ናብታ ሃገር ኣትያ ከይተጻሪ ፍቓድ ስለዘይሃቡዋ ጸብጻባ ብቐንዱ ኣብ ምስክርነት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተመርኮሰ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2014 ኣብ ዘቕረበቶ ካልእ ጸብጻብ እቲ ኵነታት ፍሉይ ኮምሽን ዘድልዮ ምዃኑ ብዝኣመመቶ መሰረት ድማ ፍሉይ ኣጻራዪ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት (UN Commission of Inquiry) ተመስሪቱ።

ኪታሩት ኣባል ናይቲ ብሰለስተ ኮምሽነራት ዝቘመ ኮምሽን ብምዃን ክሳብ 2016 ኣገልጊላ ነይራ።

እቶም ካልኦት ኣባላቱ፡ ኣቦመንበር ናይቲ ኮምሽን ዝነበረ ኣውስትራልያዊ ማይክ ስሚዝን ጋናዊ ቪክተር ዳንክዋን እዮም ነይሮም።

እቲ ኮምሽን ኣብ ሰነ 2015 ኣብ ዘቕረቦ ፈላሚ ጸብጻቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት "ምስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝዳረግ" ምንባሩ ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ 2018 ንኪታሩት ብምትካእ ፍልይቲ ወኪል ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ኰይና ዝተመዘዘት ዳንኤላ ክራቨዝ ዝተባህለ ዜጋ ደቡብ ኣመሪካዊት ሃገረ ቺለ እያ ነይራ።

ንሳ'ውን ብወገና ኣብ ዘቕረበቶም ክልተ ጸብጻባት ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ እናገደደ ምኻዱ'ያ ሰኒዳ።

ንዓኣ ተኪኡ ኣብ መስከረም 2020 ዝተመዘዘን ክሳብ ሎሚ ከገልግል ዝጸንሐ ድማ ሱዳናዊ ዶ/ር መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ዘቕረቦም ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ፡ ዘይሕጋዊ ምርሻን፡ ስቅያት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ምግሃስ መሰላት ሃይማኖታዊ እምነትን ናጽነት ፕረስን፡ ከምኡ'ውን ግዱድ ዕስክርና ይፍጽም ከምዘሎ'ዩ ከቃልዕ ጸኒሑ።

ኤርትራ ዓመታዊ፡ መዝነት እቲ ፍሉይ ወኪል ከይሕደስ ሓያል ጐስጓሳትን ምጕታትን ከተቕርብ'ኳ እንተጸንሐት ኣይሰለጣን።

ጸብጻባት እቶም ፍሉያት ወኪላት ኣብ ሓተትቲ ዑቕባ ዝተመስረተ ተኣማንነት ዘይብሉን ነታ ሃገር ንምድሃልን ንምስይጣንን ብምዕራባውያን ሃገራት ዝተወጠነ'ዩ ብምባል'ዮም ሰብመዚ እታ ሃገር ዝምጕቱ።

እንተኾነ፡ ብዙሓት ላዕለዎት ምኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከብዎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ከምኡ'ውን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስዉር ኣብያተ-ማእሰርቲ ተታሒዞም ከምዘለዉ'ዩ ዝፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ ሓያሎ መራሕቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን፡ ፈለስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስያን ከምኡ'ውን መምህራን እስላማዊ ትካላት'ውን ኣብ ስዉርን ሓውሲ-ስዉርን ኣብያተ-ማእሰርቲ ተታሒዞም ኣለዉ።

ዳርጋ ኵሉ እቲ በቶም ፍሉያት ወኪላት ክቐርቡ ዝጸንሑ ጸብጻባት፡ ኣብታ ሃገር ግዝኣተ-ሕጊ ከምዘየሎ'ዮም ዝገልጹ።

ነታ ሃገር ብዘይ ቅዋምን ሃገራዊ ምርጫን ንልዕሊ 35 ዓመታት ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ 1993 ዝቘመ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ 2002 ኣትሒዙ ብምፍራስ ዝኾነ ተሓታትነት ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት መስሪቱ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራ፡ መዝነት ናይቲ ፍሉይ ወኪል ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ከይሕደስ ኣብ ጀነቫን ኣስመራን ሓያል ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ተካይድ ኣላ።

ኤርትራውያንን ዓለምለኻውያን ጕጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ብወገኖም፡ ኣብቲ ኣብ ግንቦት ዝተኻየደ መበል 62 ስሩዕ ኣኼባ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ስልጣኑ ክሕደስን ጉዳይ ተሓታትነት ክቕጽልንን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።